Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃማደኤ ድስቲ ኵስኵስቲ ኢሰያስ

ሃማደኤ ድስቲ ኵስኵስቲ ኢሰያስ   ጭፍራ ህግደፍ ጽብብ ክብሎ ከሎ፡ መሳርሒኡ ካብ ዘቘመን ማሕበራት ንሃማደኤ እዩ ዝዓበየ መደብ ዝህበን። ሃማደኤ ድማ ከም ድስቱ ኵስኵስቱ መጠን ብዕሙት ዓይነን፡ “እሺ ሕራይ” ዝቕበልኦ።   ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኣባላት ሃማደኤ ን22 ሕዳር 2014፡

ሃማደኤ

ድስቲ ኵስኵስቲ ኢሰያስ

 

ጭፍራ ህግደፍ ጽብብ ክብሎ ከሎ፡ መሳርሒኡ ካብ ዘቘመን ማሕበራት ንሃማደኤ እዩ ዝዓበየ መደብ ዝህበን። ሃማደኤ ድማ ከም ድስቱ ኵስኵስቱ መጠን ብዕሙት ዓይነን፡ “እሺ ሕራይ” ዝቕበልኦ።

 

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኣባላት ሃማደኤ ን22 ሕዳር 2014፡ ኣብ ጐፒንገን (Göppingen) ሓንቲ ከተማ ናይ ጀርመን መበል 35 ዓመት ምምስራት ሃመደኤ ከብዕላ ይዳለዋ ኣለዋ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ማንሃይም (Mannheim) ጀርመን መበል 30 ዓመት ኣብዒለን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ነቶም ዝተረፉ መንእሰያት ኤርትራ ምእንቲ ከጽንት ኣብ ስልጣኑ ንኽጸንሕ፡ ንፕሮፓጋንዳን መእከቢ ገንዘብን ክኾኖ ዝሃበን ዕማም እዩ። ሃማደኤ ድማ ከም መጋበርያኡ መጠን ነዚ ዅሉ ምጾታት እናረኣያ፡ “እሺ!” ኢለን ተቐቢልንኦ። ኣብዚ ዝሕሰብ ዘሎ ርኹስ ናይ ሆይሆይታን ዳንኬራን ውጥን፡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ካብ ኤርትራ ከመጽኡ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤውሮፓ’ውን ክቕጽል መደብ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

 

ኣየ  ልቦና ሃ. . ማ. . ደ. . ኤ!  “ኢሰያስ ንህዝብና ኣጽንቶ! ኣብ ስልጣንካ ጽናሕ’ሞ ንህዝብና ድሃኮ! ንመንእሰያት ደቅና ሰላም ኣይትሃቦም፡ ኣጥፍኣዮም” ይብሎኦ ከም ዘለዋ ካን ምርዳእ ስኢኑወን ድዩ? በሽሓት ዝቝጸራ፡ ገለ ካብኣተን ኣሕዋተን፡ ገለ ድማ ደቀን ዝኣኽላ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ብራሻይዳን ብበደዊንን ተዓሚጸንን ተቐቲለንን’የን። ብሓፈሻኡ መንእሰያት ኤርትራ ንደቂተባዕትዮ ደሚርካ፡ መግለጺ ዘይርከቦ ስቓይ ወሪዱወን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም እንስሳ እናተጠብሓ ኰላሊተን ወሲዶም ዝተረፈ ኣካላተን ድማ ሓመድ ኣዳም ከይለበሳ ዝተደርበያ ኣሽሓት’የን።

 

ኣብ ምድረበዳ ሲናይ፡ ኣልማዝ እትብሃል ጓልኣንስተይቲ፡ “እዚ’ውን ይሓልፍ፡” ዝብል መዓንጣ ከብድኻ ዘሕርር ቃላት ኣብ ከውሒ ወቒራ ከም ዝጸሓፈት ብዙሕ ሰብ ዝዝክሮ እዩ። ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ድማ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ኢጣልያ፡ ኣብ ሓደ ረፍዲ እቲ ንዓለም ዘንቀጥቀጠ ናይ 367 ኤርትራውያን ቅዝፈት ኣጋጢሙ። ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ድማ እታ ኣብ ባሕሪ ሓሪሳስ ንዓለም ብዓለማ ዝርንዝሕ ዝንብዐት ምስ ዕትብታ ዝተረኽበት ኣደ ነይራ። ነዚ ይትረፍ ክትሰምዖን ክትርእዮን፡ ክትሓስቦ’ውን ዘስካሕክሕ ፍጻሜ እናረኣያን እናስምዓን እየን’ምበኣር ሃማደኤ ንጭፍራ ኢሰያስ ከሳስያ ሃተምተም ብምባል ድቃስ ስኢነን ዝሓድራ ዘለዋ። ሕጂ ኸኣ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንህዝብና ብደምሒት የርግጾ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ጭቈና ዝመልኦ ህይወት ዝመረሮ መንእሰይ ድማ እግረይ ኣውጽእኒ ብምባል ሽም ከም ዘይብሉ ንህቢ ፈቐዶኡ ፋሕ ብትን ይብል ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣቡናት ካቶሊክ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ምጥፋእ ስለ ዘተሓሳሰቦም፡ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ?” ኣብ ዝብል ጽሑፎም፡ “መዓር ቀሪብካሉ ካልእ መዓር ከናዲ ዝኸይድ ሰብ የሎን” ናብ ስርዓት ኢሰያስ ነቐፌታኦም ኣቕሪቦም። ኣይግዳደን ሃማደኤ ግን ሽግር ህዝበን ዘይኮነ፡ ንዲክታተር ኢሰያስ የሳስያ ኣለዋ።

 

ዝኾነ ፍጡር ንውሱን እዋን ክጋገ ይኽእል’ዩ። ንዅሉ ግን ዶብ ኣለዎ። ስለዚ፡ በጃኻትክን ሃማደኤ፡ ህዝብና ይጠፍእ ኣሎ፡ ዓዲ ኹላትና ይበርስ ኣሎ። ስለዚ፡ “ኣብ ክንዲ ንሓደ ዲክታተር ብምስሳይ ዘይሃስስ ታሪኻዊ ገበን ትፍጽማ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝብኽንን መንእሰያት ደቅኽንን ደው በላ። እንተ ወሓደ ኢድክንን እግርኽንን ኣክባ’ሞ፡ እዚ ንባዕሉ ሓደ ክብሪ ወይ ተቓውሞ ኣንጻር ዲክታተር ኢሰያስ ክኸውን እዩ፡” ብምባል ለበዋይ ከቕርበልክን እፈቱ።

 

ዓወት ኣብ ጸበባ ንዘሎ ህዝብና

ጽገ መንገሻ ካስል ጀርመን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • FAILED PEOPLE November 17, 2014

    ኣቱም ሰባት “ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን ይብሉ ዓድና” !! ሕጂ ድማ እዛ ጽሓፊት ሓፍትና ጽገ መንገሻ ኣብ ክንዲ ንሕና ኤርትራውያን ትሩፋት ህዝቢ (Failed People)ስለ ዝኾንና እዚ ተፈጺሙና ከይትብለናስ ቀምሽ ህግደፍ ሓንኵሉና ጭርጭር ዓበደዶ ተምጽኣልና።ዓዲ ጀርመን እኮ እዩ ምዓስ ኣብ ካርነሽም ኣለኹም።ካብቶም ጀብሃ ዝነበሩ እሞ ብረት ሒዞም ኮለል ዝበሉ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ኣብ ጀርመን እንድዮም ዝቕመጡ።ሻዕብያ ምስ ወያነ ኮይና እዚን እትን ገራትናዶ እንዳበሉ ንኢሳያስን ሻዕብያን (ህግደፍን)ብተቓውምኦም የጽምሙናዶ ኣይነበሩን።ካብቲ ተቐማጢ ጀርመን ብውሑድ 65% ጀብሃ ነበርን ሓደሽቲ ተቓወምትን ደየለዉን፧
    ነዚ ሓድሽ ትውልዲ ኣይተጋግይዎ።እቲ ሕማምና ካብ ቀደሙ ብክርስትያን ኣስላም ብዝገደደ ድማ ኣውራጃ ፣ሓማሴንን ኣከለጉዛይን (ሕጂ ድማ ሰራየ ኣብ ጎኒ ሓማሴን ኮይኖም)ኣንጻር ኣከለጉዛይ ፣ብቐሊሉ ዘይሓዊ ዝተደጔለ ሕማም ኣለና ዘይትብሉና።እዚ እንተዘይኮይኑ ኣየናይ ናይ ኣቦርሽን ወይ ካፒታል ፓኒሽሜንት ጉዳይ ኣሎ ዝፈላልየና።ነቲ ሕማም ፈሪሕኩሞ ናይ ዝርሓቕኩሞ ድኻምኩምን ተበላጽነትኩምን ንደምሃኤ፣ህግደፍ፣ዋላ ኣቦይ ገብራይ ዓንቂፎምና ኣይትበሉና።ሃገር ትጸድፍ ኣላ ሃማደ ኤ ኣየጽደፍ ኣን ብ ኣውራጃ ድዩ ብወረዳ ተሰሪዔን ዕላምኤን ፈሊጠን ይቃለሳ (ይጽይቓ) ኣለዋ።እተን ደገ ዘለኽን ደቀንስትዮ,ኣብ ድፋዕን ሲናይን ኣዋልድ እንዳተዓመጻን ጡበን ብማሕረሻ እናሓረረ ሳወርክራውስትን ሄይንከንን በሊዕክን እንዳደቀስክን እቲ ሕማም ናብ ሃማደኤ ምጽጋዕ ኣይግባእን ።እቶም ኣወዳት እውን ስኽቱታት ኣልጫ ዘይንረብሕ ምዃንና ኣይስሕቶን ፣ግን ነቲ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ሽግር ጓል ኣንስተይቲ (ኣደ) እያ ትርድኦን ትድንግጽን፣ስለዚ ኤርትራ ትወድቕ(failed state) ዘላ ሃገር ምዃና እቲ ሕመቕ ድማ ናይቲ ተቓዋማይ ምዃኑ ንእመን።ኣነ ተበላጺ ማእከል ሰፋሪ ምዃኑ ይኣምነሉ ንነብሰይ።ንሃማደኤ ኣየልግበሎምን ፣እቶም ምእንቲ ሓርነትና ዝተቓለሱ ግን ኣቋሲሎም ገዲፎሞ።

  • mahta November 17, 2014

    Hji brukat deki erey yrdeana eu brebha geru hgdef ab thtue nhzbi kem zeasero gn hlnna aynsht ente hamekna neta hager kem hager kenedhna kem hzbi gestna asirna knrio nezi eseyas kedamay zgebenegna abalieuna hjis yeakl dea zehwatey. Kedem 99% hjbna gebenom key felete atakielom isseyas fetera enagebere gebenu nkkwn ebeto ebeto geru ketfana telaeelu. Slezis hlna dea ngber hzbi keerek. Ab meerabawyan koina loms etom steado embza bmstlae kab adom keyseguna . Ms gebenegna dow mbal wn gebenegna mkuanka zey mrsae . Kemty msla arki sebars nekae keynkewn dea haye nedhna .ezhager natna dkum godnna ztmtu key atwona aeemurona nhstebo bykretan erkn nhzbnan hagernan.

  • ogbai November 17, 2014

    ብዘይ ቅልዓለም፡ እቶም ትቃወምቲ እንባሃል ካብቲ ስርዓት ብዘይ ንእስ ብዛዕባ እዚ ውድቀት ህዝቢ ኤርትራና ተሓተቲ ኢና። ከምቲ ዘተጠቕሰ ኣብ ውሽጢ ሃገርስ ድሓን ስርዓተ ህግድፍ ዕድል ኣይህብን ኢዩ ንበል፡ በውሕዱ ኣብ ደገ ንዝግበር ምንቅስቕሳት እቲ ስርዓት ውስ ቀስ ከምዘይ እብል ክንገብሮ ምተገባኣና። ተቓውመና ኣፋዊ እዩ’በር ተግባራዊ እዩ ክባሃል ኣይካኣልን። ኣብ ጀርምን ይኹን ኣብ ካልእ ካብ ክልተ ሰለስተ ዘይበዝሑ ሰባት ንዳንኬራ ህግደፍ ደው ከብልዎ ምኻኣሉ። እታ ሓሞት ግን ካበይ ትምጻእ፡ ብፍላይ እዞም ናይ ፓል ቶክ \Paltalk\ ወኻሩ ብወገን፡ ብዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ክዕልሉ ጸሓዮም ትዓርቦም ኣላ ገለ ገለ ወንንቲ ወብ ሳይታት ከኣ ዛህሮም ጠፊእዎም ሽንኮለል ክብሉ ይራኣዩ ኣለዉ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ኢና ምባል ኣሕፊርዎም ተቃወምቲ ኢና ክብሉ መሪጾም፡ ኣግልግሎቶም ግን ነቲ ዲክታተር ስርዕት ዘርብሕን ክኸውን ይረኤ ኣሎ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃለዋት ህግደፍ ዘዕንድረሉ ባይታን ዕድልን ይረክብ ከምዘሎ ርእይ ጉዳይ እዩ። እዚ ኹሉ ነጻ ህያብ ብሰንኪ ድኽመታት ምምቕቓል ተቓውሞ ሓይልታት ምኻኑ ክንግንዘቦ ዘለና ጉድይ እዩ። ካብዚኣቶም ይድሕንኩም ይድሕነናን ‘ኣደ ለማ ኣዴና ኣይኹና ወደን እሕረድ ንሰን እቕነና’ እዩ ዝመስል እቲ ነገሩ። ካብዚ ዕብዳን መርገምን ዝመስል ዳንኬራ ደገፍቲ ስርዓተ እኩይ ኢሳያስ የድሕንኩም የድሕነና! ዓውት ናይ ደለይቲ ሕግን ፍትሕን ናይ ግድን እዩ! ኣካሉ ክትኮኑ ካኣ ብኽብሪ ትዕደሙ፡ ብዳሓን ምጹ! እምቢ እንተልኩም ከኣ ባናና ርገጹ ተገየጹ!

  • haile November 26, 2014

    Really? Is this desperation or dispare, or both? You are barking obviously at wrong people.

    Regards

POST A COMMENT