Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል)

ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል) (ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልበወለዳዊት) ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን ዝሓለፈ 1ይ ክፋል ባሕሪ በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ዛዚሙ ነይሩ። “ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ

ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል)

(ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልበወለዳዊት)

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ዝሓለፈ 1ይ ክፋል ባሕሪ በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ዛዚሙ ነይሩ።

“ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ እሮታ ኣሎ፡ ጽባሕ ነገር ኣሎ ። ‘ባሕሪ’ መጸውዒ ኮድ ጅግና ኢሰያስ ተወልደ(ወዲ ፍላንሳ) እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ቅድምኡ ኣሳፊሑ ዘሎ ግንባር ጸላኢ ክፍንቅል እዩ መጺኡ። ካብ ዝባን እሮታ ንሓዋሩ ክብንቅሶ፡ ሕማቕ ኣቀታትላ ክቐትሎ እናተዳለወ ‘ዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የማናይ ግንባር ሓልሓል ሓዊ ክከዓዎ እዩ። ብርግጽ፡ ብዙሓት መንእሰያት ክረግፉ እዮም። ገሊኦም፡ ድሕሪ ዜሮ-ሳዓት ዘላ መዓልቲ ይኹን ትመጽእ ሳምንቲ ኣይክርእዩወን እዮም። ድሮ ዘፍቀሩ እንተለዉ፡ ፍቕሮም ኣይክርእዩን እዮም። ምላድን ሓድግን ኳ ግደፎ። ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን። ሕጂ ኩሉ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብወገን ጸላኢ እውን ምድላው ኣይተርፍን። ምንቅስቃሳትና ክከታተልዎ ቀንዮም ይኾኑ ‘ዮም። “ ዳህና ሁኝልኝ ፍቅርዬ” ዝበሉን ስእልታት ኣፍቀርቶም ዝሰዓሙን ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብርግጽ፡ ደም ክፈስስ እዩ። እዚ ከባቢ እዚ ለሚድዎ እዩ። ን22 ዓመታት ደቂሰባት ክተሓረዱሉ ጸኒሖም እዮም። ከም ልሙድ ስራሕ እዩ ተወሲዱ። ናይ ሎሚ ዓራርቦ ሰማይ ከይተረፈ ዘይንቡር ኣዝዩ ደም ሰሪቡ ኣሎ። ሕማቕ ፋል። ነገራቱ ክሉ ንሞት የዘኻክር። እቲ ኣየር እውን ደም-ደም ይሽትት ኣሎ። ሃለው ባሕሪ………..”

2ይ ክፋል ይቅጽል፡

ዝኽርታት ግንባር ናቕፋ

ብ1981 ካብ ቤ/ት/ሰውራ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተወዚዐ። ንክልተ ዓመታት  ኣብ ሓይልታት ድሕሪ ምጽናሕ ድሮ ሰላሕታ ወራር ምስ ስዉኣት ብጾት ሃይለ መጎስን  ሃብተልኡል ልጃምን ኦፐረተራት ወዲ ፍላንሳ ክንከውን ተመደብና። ሃይለን ሃብተልኡልን ክልቲኦ ም ዕባያት ቤ/ት/ሰውራ ብምንባሮም ጽቡቕ ሌላ ነይሩና። ወዲ ፍላንሳ እውን ኣየጋየሸናን። ውሩይ መራሕ ኲናትን በዓል ዝናን ስለዝነበረ፡ ሓቂ ይሓይሽ ኩርዓት ተሰሚዑና። ተጋደሊት ሚርያም(ሰይቲ ወዲ ፍላንሳ) ኣብተን ንወዲ ፍላንሳ ክትበጽሕ ዝመጸትለን ውሑዳት እዋናት ነቲ ኣሃዱ ዘይሃስስ ጦብላሕታ ገዲፋትሉ እያ። ርእሳ ዝኸኣለት ጅግና ነይራ።

ሓደ ግዜ ሚርያም ገና ኣብ እንዳ ዜና ኮላ ክትበጽሓና ትመጸእ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ሓንቲ ቦጦሎኒ ምዝንጋዕ ነይሩ’ሞ ናብኡ ንኸይድ። እቲ ናይ መርኢት ቦታ ኣብ ጸግዒ ድፈዖም ዝተደኮነ ዳስ ኮይኑ፡ ኮፍ መበልኡ ብኣእማን ዝተሰርሐ ክባዊ ሪጋታት ዝሓዘ፡ ኣብ ቅድሚት ድማ ነቶም ስነጥበኛታት እተገልግል ብርኽ ዝበለት መድርኽ ነይሩዎ። ንእሽቶ ትያትር ጥንታዊት ሮማ ይመስል።  ንእሽቶ እፎይታ ኣብ ትርከበሉ ግዜ ከምዚታት ዓይነት መደባት ልሙድ እዩ። ኵናት ወላ ነቲ ብዘይክኡ ካልእ ዋኒን ዘይፈልጥ ሰብ የስልኪ እዩ። እቲ ልሙድ ግጥምታትን ኮሞዲታትን ደርፍታትን ዝሓቖፈ ዕሙር ምርኢ ጀሚሩ። ተዋሳእትን ደረፍትን ንሕጽረት ኣልባሳትን ካልእ መሳርሒታትን ዝምልከት ሽግራት ብጥበብ ፈቲሖሞ መሳጢ መዘናግዒታት የቕርቡ ነይሮም ። ወዲ ፍላንሳ ሕልፍ ዝበለ ፍቕሪ ድራማን ሙዚቓን ነይርዎ። ጽሑፋት የበርክት ከምዝነበረ እውን ሰሚዐ ኣለኹ። ብዝኾነ፡ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ወዲ ፍላንሳ ሓንቲ ከብተን ድራማታት ኣዝያ መሲጣቶ መስለኒ ንመንከሱ ብኢዱ ደጊፉ ኣዕንቱ ቀው ኣቢሉ ይዕዘብ ነይሩ። በታ ድራማ ዝተማረኻ ኣዕንቱ ጸጸኒሑ ዝለዓል ዝነበረ ደሮና እውን ከሸግረን ኣይተራእየን። ኣብ ጎኑ ዝነበረት ሚርያም ንደቃይቕ ድሕሪ ምዕዛባ ” በል ኣፍካ ሃመማ ከይኣትዎ” ኢላ ብሞንኩባ ድፍእ ኣበለቶ። ወዲ ፍላንሳ ነቲ ዝዕዘብ ዝነበረ ሰብ ብዓይኑ ኮሊሉ ናብ ሚርያም ምልስ ኢሉ ” ኣይኩላ እንድያ ማዕጾ ኣፋ ኣርሕያ ዘላ። ንምዃን፡ እንዳ ዜና ፊልምታት ኣይትስእኑን ትኾኑ። ንሕና’ኮ እዚ እዩ ሲነማና። ርኣዪ’ሞ ተጋዳላይ!  ኣብ ማእከል ኲናት ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ይሓልም። ኣይግበሮ’ምበር፡ ጽባሕ ነዞም መንእሰያት’ዚኦም ዘናሽዉን ልዕልኦም ዝምድሩን ኣይክሰኣኑን ይኾኑ። ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ፡ ስልጣን ምስ ጠዓሞም ኣሉ ቀጣን ምስ ዝብሉና’ዩ። ነዚታት ሲ ጽቡቕ ክተንጸባርቕዎ ኣለኩም። ንገርዮ ንሸሪፎ” በላ። እቲ ድራማ ብዛዕባ’ታ ተጋዳላይ መታን ከረጋግጻ ዝዋደቐላ ዝነበረ  መጻኢት ኤርትራን ብዛዕበኣ ዝነበሮ ራእይን ሃንቀውታን ዝገልጽ ‘ዩ ነይሩ። ወዲ ፍላንሳ ምስ ተጋዳላዩ ዝነበሮ ቅርበት ዘርኢ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ጸገሞም ጸገሙ ነይሩ፤ ሕልሞም ሕልሙ። ኣብ ውትህድርና ወተሃደር ‘ኳ እንተነበረ፡ ሽግር ተጋደልቲ ክርዳእን ክፈትሕን ዝጽዕር ከምዝነበረ ኣብተን ምስኡ ዘሕለፍክወን ኣዋርሕ ክርእዮ ክኢለ። ተጋደልቲ ብሽሙ ክጽውዕዎ፡ እንዳኸደ ደው ኣቢሎም ክዛረብዎን ክጫረቑዎን ተዓዚበ እየ።

ኣብ ካልእ እዋን፡ ኣብ ድሮ ሰላሕታ ወራር ወዲ ፍላንሳ ንሓንቲ ጦሎኒ ሒዙ ናብቲ ብሸነኽ ዓንሳባ እናጎሃረ ዝመጽእ ዝነበረ የማናይ ክንፊ ግንባር ናቕፋ ተንቀሳቀስና። ኣብዚ ወራር እዚ ጸላኢ ነቲ ናቕፋ ንምሓዝ ደጋጊሙ ዝፈሸለሉ ግንባራዊ መጥቃዕቲ ገዲፉ ጎናዊ/ክንፋዊ ፈተነታት የካይድ ነይሩ። ቀንዲ ስልቲ ጸላኢ ምምጣጥን ምልሕላሕ መስመር ህ.ሰ. ነይሩ። እቲ ብሓልሓል ዝኸፈቶ ሓድሽ ግንባር እውን ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ። ከምዝዝክሮ ንብ/77 ክንድርብ ኣብዚ ሓድሽ ቦታ ማለት ሮራ ላባ ምስ መጻእና እቲ ቦታ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ርሱን እቶን ተቐየረ። ተጋዳልይን ጸላእን ኣብ ዘየቋርጽ ህልኽ ዝመልኦ መጥቃዕትን ጸረ መጥቃዕትን ተጸሚዶም። ኣብ ሮራ ላባ ኣባላት ፖ/ቤት ጽሕፈትን ኣዘዝቲ’ቲ ግንባርን ዝርከብዎም ብዙሓት ሓለፍቲ ነይሮም። ብዙሓት መሳትኡ መራሕቲ በራጊድ ኣብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባር ዝነበርዎ ጎቦ ክነብሩ ከለዉ፡ ንሕና ግን ንበይንና ኣብ ንእሽቶ ታባ መኣዘዚ ቦታ ሓዝና። ኣብ ስራሕ ዲስፕሊን ከምዝነበሮን  ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ የኽብሮም ከም ዝነበረን ኣየጠራጥን ‘ዩ። ብደረጃ ውልቃዊ ጉዳያት ግን ምስቶም ሓለፍቲ ሕጉስን ሕዉስን ከምዘይነበረ ንዕዘብ ነይርና።

ሓደ እዋን፡ ናይ ንእስነት ነገር ኮይኑ ምስቶም ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሰንዮም ዝነበሩ መተዓብይትና ኦፐረተራት ክንከውን ስለዝደለኹ፡ መልእኽቲ ድሕሪ ምሃበይ “ንምንታይ ምስኦም ዘይንኸውን?” ኢለ ሓተትክዎ። ከም ወትሩ ፍሕሽው ኢሉ ናባይ ድሕሪ ምጥማቱ ፍሽኽ በለ።

“ እሂ ተጋግየ ድየ?” ሓተትክዎ።

“ ኖኖ ኣይተጋገኻን። ግን ግዜ ምስ ኣኸለ ክበርሃልካ እዩ። ሕጂ ግን ሬድዮኻ ተኸታተል” በለኒ።

ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ፡ ወራር ጸላኢ ዘፍ ስለዝበለ ናብ ቦታና ናብ ናቕፋ ተመለስና። ምክትል ወዲ ፍላንሳ ዝነበረ ሃይለ ቻይና ኣዛዚ ግንባር ሓልሓል ኮይኑ ናብኡ ተቐዪሩ። ወዲ መጎስ መቸም ተጫራቃይን ቅሩብ ድፍር ዝበለን እንድዩ ነይሩ፡ ሓደ መዓልቲ ንወዲ ፍላንሳ ክፈታትን ደልዩ። “ ወይለይ፡እዛ መሳልል ደኣ ከመይ ድያ? ምክትል ብርጌድ ንመራሕ ብርጌድ ዝእዝዘሉ ግዜ ግዲ ክንርኢ ኢና። ቻይና ኣዛዚ ግንባር ሓልሓል ኮይኑ ሰሚዕና” በሎ ከም ጸወታ ኣምሲሉ። ወዲ ፍላንሳ ከም ኣመሉ ፍሽኽ እና በለ “ ኣንታ ቆልዓ ቅሩብ እንዶ ኣይጎየኻን። ሎሚ  ከኣ ኣዘዝቲ ግንባራት ክትሽይምን ክተወርድን ጀሚርካ!! ኤእ ቅሩብ ዓመታት ከድልየኪ እዩ” ኢሉ ንጭርቃን ወዲ መጎስ ብጭርቃን መለሶ። ብርግጽ እንታይ ተሰሚዕዎ ከምዝነበረ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ግን ክዛረበሉ ዘይደሊ ምዃኑ ተረዲእና።

ሓደ ካልእ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢና  ዝነበሩ ኣዘዝቲ ግንባርን ካልኦት መራሕትን ስጋ ሓሪዶም ስዋ ክሰትዩን ወጃዕጃዕ ክብሉን ይጸንሑና። ኣነ “ሎሚ ተረኽበት” ኢለ ተሓጎስኩ። ወዲ ፍላንሳ ግን ዘምጸኦ ጌሩ “ተበገስ” በለኒ። ገሪሙንን ተኸኽ ኢለን። ካብቲ ቦታ ፍልይ ምስ በልና ሓደ ዝፈልጦ ኣባል ፖሊት ቢሮ “ ወዲ ፍላንሳ…ወዲፍላንሳ” ህውኽ ህውኽ ኢሉ እንዳጸወዐ ሰዓበና። ተጸቢናዮ። “ እንታይ ደኣ ምሳና ዘይተምሲ?” ኢሉ ንወዲ ፍላንሳ ሓተቶ። ሰብኣይ ቅሩብ ሞይቅዎ ከምዝነበረ ርኡይ ነይሩ። ወዲ ፍላንሳ ዓይነ-ዓይኑ ጠሚትዎ” ኣንታ ታኵላ ነተን ኣጣል ወዲእካስ ነዓይ ዲኻ ክትደግመኒ ደሊኻ?” መሊስሉ ገዲፍዎ ተበገሰ። ሽዑ እቲ ድፍረቱ ገሪሙኒ። ግዜ እና ወሰድኩ ግን ንወዲ ፍላንሳ ክመሃሮ ክኢለ። ብሱሩ ፍሊ ዝበለ ሰብ እዩ ነይሩ። ብርእሱን ስርሑን ዝተኣማመን፡ ወካዕካዕን ግበረለይ-ክገብረልካን ዘይፈቱ ተባዕ ተጋዳላይ ምንባሩ እዕዘብ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ከባቢ ስዋታትን ምስኡ ዝኸይድ ሕማቕ ጠባያትን ይረአ ነይሩ ‘ዩ። ወዲ ፍላንሳ ከብዚ ናጻ እዩ ነይሩ። ብዘይካ እታ ንስራሕ ትወሃቦ ሻህን ሽጋራን ካልእ ብፍሉይ ዝረአ ሓለፋታት ርእየሉ ኣይፈልጥን።

ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ፍጹም ዘይትርሰዓኒ እታ መስዋእቲ ሚርያም ዝሰምዓኩላ መዓልቲ እያ። ወዲ ፍላንሳ ብከመይ ከም ዝሰምዐ ኣይፈልጥን። መልእኽቲ ከብጽሓሉ ምስ መጻእክዎ ክነብዕ ጸኒሑኒ። ጥራዝ መልእኽተይ ኣብ ኣፍ ልበይ ጌረ “ ወዲ ፍላንሳ ደሓን ዲኻ” ሓተትክዎ።  ናባይ እናጠመተን ዕግትዕግት እናበለን “ ሚርያም ተሰዊኣ።ቀዲማትኒ ሚርያም” በለኒ። እብ መንጎና ሱቕታ ሰፈነ። እንታይ ከምዝብሎ ሓርበተኒ። ንሱ ግን ገጸይ ምስ ረኣየ  “ ኣጆኻ፡ ደሓን ዘይኩላትና ሓለፍቲ ኢና” ኢሉ ኣተባብዓኒ። ናብ ሃይለ መጎስ ድማ ተመለስኩ። ሃይለ መጎስ ዓይነይ ዓዝዒዙ ምስ ረኣየ ገለ ዝኾንኹ መሰሎ’ሞ “ እንታይ ዲኻ ኮይንካ ሃብቶም? ደሓን ዲኻ?” ኢሉ ተረቢሹ። ምስነገርክዎ ንሱ’ውን ካባይ ገደደ። “ እዋይ ሚርያም ኣላ እንዳበልና..” ኢሉ ክንኽነኽ ጀመረ። ኩነታት ክትእየድ ምስ ረኣየ መስኪን ወዲ ፍላንሳ ነብሱ ተቆጻጺሩ ኣብ ምእባድና ኣተወ። ብዛዕባ መስዋእቲ ከኣ ክምድረና ጀሚሩ። መጀመርያ ኣጸጊምዎ ነይሩ ደሓር ግን ድምጹን ንብዓቱን ተቆጻጺሩስ ነዊሕ ተዛሪቡና። ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣነ እውን መስዋእትታት ዝፈትዎም ብጾተይ ምስ ረኣኹ ንወዲ ፍላንሳ  ናይ ብሓቂ ንኢደዮ። ኣብ ግዜ ሓዘን ከም ሰብ መጠን ነቢዑ ክንሱ፤ ትርን ጽንዓትን ኣብ ዝደለናሉ ግዜ ግን ከም ተጋደልቲ መጠን ክንጸንዕን ክንክእሎን ምዒዱና። ከም ኣቦ ማሙቕ ኮይንና። እቲ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ’ታ ዕለት’ቲኣ ብጾቱ ክቀብርን ክስጉምን ዝነብር ዝነበረ ወዲ ፍላንሳ፤ እቲ ንህ.ሰ. ሃኒጹን ከተማታት ሓራ ኣውጺኡን ንሳሕል ዝተመልሰ ምዑት ሽደን፤ እቲ ስሙን ዛንትኡን ካብ ስምን ዛንታን ግንባር ናቕፋ ክትንጽሎ ዘጸግም ጅግና፤ እቲ ኣብ ሓምሻይ ወራር ብበጦሎኒ ዘይኣክሉ ጀጋኑ ተጋደልቱ ንግብረሃይል ዝኣክል ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ግንባር ዓገት ገጥ ድሕሪ ምባል  ምስ ኣዛዝኡ ዝደምሰሰ ናይ ወተሃደር ወተሃደር፤ እቲ ብ1979 ኣብ ኢትትሓለብ (ኢትሓልበብ) ንውሑዳት ኣባላቱ ሒዙ ብዘይሕሰብ ጸድፊ ብድሕሪት ሓዂሩ ንጸላኢ ብኳለትኡ ዓትዒቱ ዝማረኸ ጀግና ይከኣሎ፡ ኣብ ሚርያም በጺሑስ ኣይከኣሎን። ለካስ ተጋደልቲ የፍቕሩ እዮም………….ኣብ ኲናት፡ ፍቕሪ ኣሎ፤ ኣብ መንጎ’ቲ ዘናውጽ ሃሚ መዳፍዕ፡ ሱቕታ ኣሎ፤ ኣብ እዋን ነድርን ቁጥዐን ፡ ህሞታት ሓዘንን ለውሃትን ኣሎ። ወዲ ሰብ ወዲሰብ ምዃኑ ኣይተርፎን። ብዙሕ ገጻት ኣለዎ። ሃለው ባሕሪ……………..ናብ ግንባር ሓልሓል ክንምለስ።

ባሕሪ ኣብ ግንባር ሓልሓል

ብርጌድ 58 ናብ ሓልሓል ምስ ተጸወዐ ንኣዛዝኡ ወዲፍላንሳ ሓድሽ መጸወዒ ኮድ እዩ ተዋሂብዎ-ባሕሪ። እቲ ተመዲቡ ዝነበረ መጥቃዕቲ በዳሂ ከምዝኸውን ፍሉጥ ነይሩ። እሮታ ገዛኢ ቦታ እዩ። ንግንባር ዓስርተ/ሓልሓል ምስቲ ብምዕራብ ምስ ይካርዕን ሕሩምን ተዓጺፉ ዝነበረ ግንባር ይኣስሮ። እቲ ቦታ ብኩሉ ወገኑ ተወቃዒ እዩ። ብብዝሒ ፈንጅታት ተዘሪእዎ ነይሩ። ምዉት መሬትን ኮረብታን ዝበዝሖ ኮይኑ፡ ድፋዓት ጸላኢ ነንሕድሕዱ ከም ዝሕሉን ዝሽፍንን ኮይኑ እዩ ተሰሪቱ ነይሩ። ስለ’ዚ ከም ሓድሽ ኣሃዱ መጠን  ነቲ ዝጥቃዕ ዞባ መታን ክነጽነዖ ብሳልስቱ  ጠገለ ዘይብሉ ምንቅስቓሳት ክንገብር ጸኒሕና። ወዲፍላንሳ እቲ ዝወጸ ውጥን መጥቃዕቲ ታሕተዎት ኣዘዝቲ ኣሃዱኡ ከምዝርድእዎ ከረጋግጽ ኔርዎ። ብኡ መሰረት ቀጻሊ ኣኼባታት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ይካየድ ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ንኹሉ እቲ ግንባር ስለዝሽፍን ካልኦት ብርጌዳት እውን ብጸጋምና ነይረን እየን። ስለ’ዚ ምስኣተን ምትእስሳርን ምውህሃድን እውን የድሊ ነይሩ።

ንቅርጻ መሬት ይኹን ንኣወዳድባን ኣተሓሕዛን ጸላእን ከምኡ’ውን ሓይሊ ቶኽሱ ብሞደል እንዳተሰነየ ንታሕተዎት ሓለፍቲ ገለጸ። ሸቶታቶም ከምዘፈልጡን ከምዘጽንዕዎን ተገብረ። ንዞባ ስርሒቱ ኣብ ነእሽቱ ቁንጮ-ቁንጮ መቃቀሎ። ነተን ቆራሪጹ ኣሃዱታት ዝወሰነለን ዞባታት ስርሒት እቶም ሓለፍቲ ዝርድእዎ ኣስማት ሃበን- ደንደን፡ ሓሬና፡ ጻብራ፡ ዓራግ…ወዘተ። ወተሃደራዊ ኣሃዱ ልክዕ ከም መኪና ክምሰል ይከኣል። ጽቡቕ ዝተቀብአ/ ዝተዘየተ መኪና ንነዊሕ ከስረሓካ ይኽእል። ዝፋለጥን ዝተወሃሀደን ኣሃዱ ከኣ የድምዕ። ኣብዚ ስራሕ እዚ ውህደትን ምትእምማን ወሳኒ እዩ። ናብ ዝተወሰነልካ ሽቶ ክትግስግስ ኮለኻ ብየማነ-ጸጋምካ ዘሎ ክፋል ኣሃዱኻ ክትኣምን ኣሎካ።  ወዲ ፍላንሳ ኣሃዱኡ ከም ሓደ ኣካል ከም ዝስጉም ገይሩ እዩ ሃኒጽዎ።

ነብሰ-ወከፍ ምዕራፍ ናይቲ ውግእ ብግዜን ቦታን ተኣሲሩ ተቐሚጡ። እሃዱታት ኣብ ዝተወሰነ ዕለትን ሳዓትን ኣበይ ክበጽሓ ከምዝግበአን ተነጺሩ። ኣብ ህ.ሰ. እታ ዝተሓተት ኣሃዱ መስርዕ እያ። ሰለስተ መሳርዕ ንጋንታ፤ ሰለስተ ጋንታታት ንሓይሊ፤ ሰለስተ ሓይልታት ንበጦሎኒ፤ ሰለስተ በጦሎኒታት ድማ ንብርጌድ የቑማ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርጌድ እታ ዝለዓለት ኣሃዱ ህ.ሰ. እያ ነይራ። ናይቲ ግዜ ብርጌድ ከባቢ 1000 ተጋደላይ ትሕዝ ትኸውን። ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታት ከም ሕክምና፡ ኤምዳድ፡ ከቢድ ብረት፡ ሃንደሳ፡ ስለያ…ወ.ዘ.ተ እውን ኣለዋ። እቶም መራሕቲ ባዕሉ ዝመልመሎም ስለዝነበሩ ጽቡቕ ውህደት ስራሕ ነይርዎም። ኣብ ቅድምኡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ጸላኢ እውን ኣብ በበይኑ ውግኣት ዝገጠሞም ስለዝነበሩ፡ ድኽመቶምን ሓያል ጎኖምን ይፈልጦ ነይሩ።  ወስ እንተቢሉ እንታይ ዓይነት ምዩቕታ ከም ዘርእዩ ደሓን ዝኾነ ግምት ነይርዎ። ስለ’ዚ ናይ ምግጥጣምን ምጥዕዓምን ስራሕ እዩ። ኣየነይቲ ኣሃዱኻ ነየነይቲ ኣሃዱ ጸላኢ ትገጥም። ምስ ናይ ፓዝል ስራሕ እዩ ዝመሳሰል።

ሰራዊት ብከብዱ እዩ ዝማረኽ ይበሃል። እዚ ኣብ ተጋዳላይ ኤርትራ ዛጊት ዘይሰርሐ ‘ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዝጽበየና ዝነበረ ስራሕ ግን ጎቦታትን ሰናጭሮን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ቦታ ስለዝነበረ ደገፍቲ ኣሃዱታት ደድሕሪ ተዋጋኣይ ሰራዊት ክስዕባ ክኽእላ ነይሩወን። ብፍላይ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ኣሃዱታት። ወዲ ፍላንሳ ዓወት በቲ ናጻ ዘውጸኦ ኩርባን ጎቦን ዘይክነ ብመጠን ዕቃቤ ሂወት ተጋደልቱ እዩ ዝልክዖ ነይሩ። ዝኽፈል ሂወት መታን ክውሕድ ታሕተዎት ሓለፍቲ ስልቶም ከመሓይሹን ክጣበቡን እዩ ዝምህርን ዝከታተልን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ እውን እቲ ቀንዲ ዛዕብኡ ከመይ ገይሩ ብዝወሓደ ክሳራ ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ይወቅዕ ‘ዩ ነይሩ።  ናይ ዕጥቅን ስንቅን ጸገም ዝበዝሕ ግዜ ንእግረ መገድኻ እዩ ዝፍታሕ። ቀዳማይ ድፋዕ ምስ ፈረሰ ናይ ፈኮስቲ ኣጽዋር ሽግር ይቃለል። ቅሩብ ምስ ደፋእካ ነዋሕቲ ማሽንጋናትን ነኣሽቱ ሞርታራትን ዘለዎ ቦታታት ትሕዝ። መዓልትኻ እንተጸበቐ ከኣ ብእዋኑ ነቲ ከበድቲ መዳፍዕን ናይ እዚ ቦታ ዘሎዎ ደጀናትን ትቆጻጸር። ኣብኡ መካዚኖታት ኣሎ-ሽሻይ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ሓለፍቲ መብርሂታት ናይ ብምልኡ ብርጌድ ኣኼባ ተኻየደ። ሓጻር መግለጺ እዩ ሂቡ። “ ብጾት ሕጂ’ውን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። ነዚ ኣብ ቅድምና ዘሎ ጸላኢ ጸራሪግና ከረን ከንእትዎ ኢና” ኢሉ እቲ ሓፈሻዊ ንምውህሃድን ቅልጣፈን ተወፋይነትን ዝምልከት ለበዋታት ሃበ።ንኣእዛን ዘናውጽ ጣቕዒትሰዓበ። ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ተጋዳላይ ኣብ ምስዕዓም ኣተወ። ብኣፎም ደኣ ኣይበሉዎ’ምበር ናይ ምፍናው ከምዝነበረ ዝጠራጠር ሰብ ነይሩ ኣይብልን። ኣብታ ድሕሪ’ዚ ውግእ’ዚ እትግበር ኣኼባ ዘይርከቡ ብጾት መን ምዃኖም ብልክዕ ዝፍለጥ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብቶም ዝሰዓዓሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ገሊኦም ከምዘይርከቡስ ብሩህ እዩ ነይሩ። ንሓዋሩ ክፍለዩ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ እዮም እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ከምቲ ንዓመታት ዝተናፈቑ ኣዕሩኽ ዝገብርዎ ወካዕካዕ ንነዊሕ ዘዕለሉን ዝተጫረቑን። ይቕረ ዝተበሃሃሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ብሓንጎሎም ናይ መወዳእታ ምስልታት ብጾቶም ዝቐርጹ ዝነበሩ  ይመስሉ። ዝኽርታቶም የትርፉ ነይሮም። ካብ እንስሳታት እቲ ሞት ከምዘሎ እናፈለጠ ዝመውት ወዲሰብ ጥራይ እዩ። ኩነታቶም ዘይተረድአ’ሞ ፍሕሽው ገጾምን ፍሽኽተኦምን ጥራይ ዘንበበ ሰብ እዞም መንእሰያት’ዚኦም ናብ ኲናት ክብገሱ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ክኣምን መጸገሞ ነይሩ። ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ሓጎስን ጓህን ዘላ ደረት ኣዝያ ቀጣን እያ። ምፍልሳፍ ግዜ ኣለዎ። ሕጂ ግን ግዜ ውግእ እዩ። ነብሰ-ወከፍ ታባን ሕሉምን ዋጋ ከምትጠልብ ፍሉጥ ነይሩ። ነብሰ-ወከፍ ኪሎመተር ደም ክሓትት ‘ዩ። ኲናት ክፉእ እዩ። ግንባር ሓልሓል ጸሊም ደበና ይንጥልጠሎ’ሎ። ጽባሕ ነገር’ሎ።  ሃለው ባሕሪ……….

ይቅጽል

ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • Belay Tewlede December 25, 2013

    Isayas Teweldebrhan was a brilliant military strategist and tactician. It is a fact that there were many Valiant military leaders in EPLF. The most noted ones who come as the 1st Group are Woldenkiel Haile, Mesfun Hagos, Ibrahim Afa, Petros Solomon, General Ogbe Abraha. The 2nd group consists of Isayas Flansa, Ali Ibrahm, Salih Huruy, Adhanom Gberemariam, The Third Group consist of major general Fillipos Woldehans, Brigadier general Andemariam Wuchu, Abdu Remech etc. The difference With wedi flansa is he can plan a battle strategy alone and implement it whereas others wait for the plan to be sent to them.

    • belay nega December 25, 2013

      Belay,

      “The difference With wedi flansa is he can plan a battle strategy alone and implement it whereas others wait for the plan to be sent to them.”

      Can you please elaborate it?

      • ahmed saleh December 26, 2013

        Belay
        This is a witness account of Ghedli history and he do not have to elaborate to nobody’s
        satisfaction because they proved about the courage of Eritrean heroism . It is easy to
        question their dedication behind a computer out of comfortable corner .

        • belay nega December 26, 2013

          Ahmed Saleh,

          “and he do not have to elaborate to nobody’s
          satisfaction”
          My question has nothing to do with satisfaction or dissatisfaction. However,E.P.L.F,the “WE” oriented organization, for reason that now we can only assume,never credited individuals for their talent[performance], leave alone putting them in a category bases as Belay put it.Unless he is reading in the same page with DERG’S classification about E.P.L.F generals,which sometimes can be found after occupying their base.

  • Sara December 25, 2013

    Issais is living on the expense of our marytors

  • Belay Tewlede December 26, 2013

    Belay Nega if that is yr real name, I always wonder about you Mr. Belay nega or negnag. I will not elaborate it if it is only for you. Go and search for yourself. Ask others who have info about this. You will not have it while you sit in your cozy chair.

    • belay nega December 26, 2013

      Belay,

      “Belay Nega if that is yr real name, I always wonder about you Mr. Belay nega or negnag. I will not elaborate it if it is only for you”

      You have nothing to prove,you are only trying to be more catholic than the pope. And try to compromise first with yourself, before criticizing the gov of Eritrea for non tolerance.

      • Meretse Asmelash December 26, 2013

        belay,
        Here you go again. You started knocking down any written comments. If you think you have a better knowledge than what is stated above why don’t prove it?
        Second, if you don’t mind how do you find my last comments to you metaphoric phrases about the prison cells.

        • belay nega December 26, 2013

          Dear Meretse,

          “belay,
          Here you go again. You started knocking down any written comments. If you think you have a better knowledge than what is stated above why don’t prove it?”

          Though, no body has the right to tell me when to answer, whom to answer to,how to answer…etc, my comment to Belay was an answer to his typical Eritrean tradition “MY WAY OR NOWAY” to my genuine question about his comment.

          “Second, if you don’t mind how do you find my last comments to you metaphoric phrases about the prison cells.”

          I just read it,and as life by it’s nature is about perception, I respect your perception,though you are wrong.
          As an Eritrean American who is enjoying the freedom made to be possible by MLK I assure you that I am against any violation.
          And a long lasting peace can only be achieved by addressing and answering properly Ethiopians question,not by the the following funny formula of the so called oppositions

          -president Esayas = president Maakele
          -prison Eraero = prison Berabiro
          -prisoners G15 = prisoners G25……..etc.

          • MightyEmbasoyra December 26, 2013

            Ato Belay,
            I have seen few times that you have raised “addressing and answering properly Ethiopians question”.
            What is that Ethiopians question & how should we address it?

  • ተወልደመድኅን December 26, 2013

    ዘይቅዱስ መውስቦ ሃብቶም ጸጋይን ማህሙድ ሳልሕን………………ማህሙድ ሳልሕ ብታደሰ ኪዳነ ዝቐርብ ዚነበረ ታሪኽ ሃዘል፡ከምቲ ንሱ ዝበሎ ሎሚ ዘሎናዮ ኩነታት ናይቲ ከምዚ ኦኣይነት ኣሰራርሃ ዚነበሮ ውድብ ዝተበገሰ’ዩ ንዝበሎ ዝኾነነ ዘድልን ዘየድልን ኢንታ ከውጸኣሉ ዝፈተነ ሰብ’ዩ።ልክዕ ኣየድመጾን’ምበር ከምቶም ወገናዊ ኢካ ዝበሉ ንታደሰ ወገናዊ ኢካ ዝብል’ዩ።…….ሎሚ ደኣ እንታይ ኣገደሶ ብሽም ባህሪ ኣምሲሉ ብዛዕባ ወዲፍላንሳ ዝጽሕፍስ።ወዲ ፍላንሳ ከምቶም ኩሎም ሰማኣታት ኤርትራ ሰማእት’ዩ።ንበይኑ ዝፈጸሞ ቅያ’ውን ክህሉ ኣይክእልን።ወዲ ፍላንሳ ወላካ ኣይዕበየሉ’ምበር ወዲ ኣኽሩር’ዩ።ታደሰ ከኣ ወዲ ድግሳ ኢዩ።ስለዚ ንታደሰ ክነቅፍ ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ክግደስ ገለ ንምኽሳብ’ዩ።እዚ ግን ቅለት ኢዩ።ምኽንያቱ ንሃደ ብሸርሒ ብጾቱ ዝተቀትለ ሰብ ኣብከምዚ ዚኣመሰለ ሃተፍተፍ ምእታው ኣየድልን’ዩ።ንሱ ሞይቱ’ዩ፡ሞቱ ግን ንይምሰል ልበወለድ ክከውን ኣይግበኦን።ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ክብረት ዘለዎ ሕጽር ብዝበለ፡ኣበይ ከምዝተወልደን ኣበይ ከምዝዓበየን ኣሕዋት መዓል መን ምኳኑ።ኣበይ ከምዝተቀትለ፡ምኽንያት ኣቀታትል ኡ፡መኦኣል መን ከምዝኾኑ ቀተልቲ፡….እዚ ዘለዎ ሓጺር ጽሑፍ ምስፋር እቲ ኣንደልዮ ታሪኽ፡እቲ ኤርትራዊ ስለምንንታይ ተፈጺሙ ኢሉ ሓቲቱ ምላሽ ዘይረከበሉ ዝምልስ’ዩ።ካብዚ ከኣ ጸገምና ፈሊጥና ኢድን ኢድ ምስጓም ይቐለና ማለትዩ።እዚ ታሪኽ ተጻሒፉ ዘሎ እቲ ክሳብ ሎሚ ኣብዝኮነ ይኹን ዝጸሃፍ፡ናይ ምትካስ፡ጸላ ኢ ናይ ምድምሳስ፡ኣሸሃት ናይ ምምራኽ፡ጅግነነት ውድብ ጽፉፍ ኣመራርሃ ……ንፍሉያት ሰባት ሽም መሃብ ካብቲ ኣሰራርሓ ህግደፍ ዚመንጨወ’ዩ።ስለዚ ታሪኽ’ዩ ዝብል ኣምነት ኣንተሎካ ንወዲ ፍላንሳ ኣብቲ ጉዳይ ከየኣተካ ናይ ኣካኪ ዘራፍ ንሕና ንሕና ኣኤርትራውያን እናበልካ ትምክሕትካ ትዕቢትካ ክትቅጽሎ ትኽእል ካብ ኡ ዝተረፈ ግን ሽም ክተረክብ ንወዲ ፍላንሳ መሸቐጢ ኣይትግበሮ።ወዲ ፍላንሳ ብንጉሆኡ ብንእስቶኡ ስለቲ ቅዱስ ዕላማ ወጺኡ ኣብ ኡ ዓብዩ፡ከም ኩሎም ብጾቱ ኣብቲ ጉዳይ ነዊሕ ስለዝገበረ ተመኩሮ ዘለዎ ሰብ’ዩ።ተመኩሮኡ መሰረት ገይሩ ዚኣደዶ ኩናት ወይ መዓስከር ጸላኢ ንምፍራስ ኣብዝተገብረ መጥቃዕቲ ሰራሒ ኣንተዘየልዩ እቲ መደብ ዋጋ የብሉን።ስለዚ ካብ ኣዳዲ ንዝተኣደደ ፈጻሚ’ዩ እቲ መንፈዓት፡ስለዚ ወዲ ፍላንሳ ይኹን ካል ኦት መራሕቲ ውግእ ንበይኖም ዝወስዱዎ ሽምን ክብረትን የለን።ንስካን ተራኺካን ዘይቅዱስ ቃልኪዳን ኣሲርኩም፡ካብ ወገንነት ነጻ ምኳንኩም ክተምስሉ ሽም ወዲ ፍልንሳ ሂዝኩም ኮለል ካብትብሉን ኣብ ኩናት ዝፈጸም ቀንጠመንጢ ካብ ትዛረቡ ነቶም ኣብቲ ጥምጥም ኣብ ቅድሚት ዝሃለፉ፡ኣብ ትርፊ ግዜኦም ይኹን ቅድሚ መስዋእቶም ዝብሉዎ ዚነበሩ ኣንተትጽሕፉ ግርም ኔሩ።ኣብ ወዲ ፍላንሳ ጽልኣት የብለይን።ግን ኣዚ ጽሑፍ’ዚ ነቲ ምስ ታደሰ ዘውጸኦ ይኹን ብካልእ ዝመጻ ዘሎ ጽሑፍ ክጻረር ተባሂሉ ብቕዲ ኣብዝትወሰደ ኣገባብ ንወዲ ፍላንሳ ግዳይ ብምግባር’የ ዝኾነንኩ፡እንተደአ ተራኺ ብሃቂ ኣብ ጉዳይ ሞት ወዲ ፍላንሳ ዚስመዖ ኮይኑ መወዳእታኡ ከመይ ገይሩ ከምዝተቐትለ እንተዘንትዩ ጥራሕ’ዩ።ኣቶ የማነ ተኽለገርግሽ ብዛዕባ ኣማውታ መንግስተኣብ ይሰሃቕን ኣለም ሃይለ ምስ ጴጥሮስ ዮሃንስ ብጽፍፍ ዝበለ መግለጺ ኣሪቦሞ ኣለው።እቲ ዘደንቕ ከኣ ጴጥሮስ ዮሃንስ መን’ዩ፡ስለምንታይ ተቐቲሉ ብዝብል ኣርእስቲ ኣስፊሮሞ ኣለው።ንሶም ነቶም ዜጋታት ኣብ ባር ኮይኖም ወይ ፊልም እናረኣዩ ዝብሉዎ ቀንጠመንጢ ኣየዕለሉን።ስለዚ ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ክትብሎ ዝደለካ ኣንተሎ ሃጸርቲ’የን እተን ኣገድስቲ፡ካልእ ኮለል ትብሎ ዘሎካ ካብ ሽም ወዲ ፍላንሳ ንክፋእ ካልእ ፈለያ የብሉን።……..ስለዚ ክትብሎ ዝደለካ ናይ ኣካኪ ዘራፍ ከምድልያካ በሎ ብሽም ወዲ ፍላንሳ ኣምሲልካ ትጽሕፎ ዘሎኻ ግን መኽሰብ እንተዘይኮይኑ ዋጋ የብሉን።

    • mahmud saleh December 26, 2013

      ዝኸበርካ ኣቶ ተወልደመድህን፡ 1/ ወዲ ፍላንሳ ንሓደና ዝያዳ ኣይበጽሕን። ስዉእ ኤርትራ እዩ። 2/ ወዲ ፍላንሳ ክስዋእ ከሎ ሃብቶም ምስኡ ነይሩ። ንስኻ ይኹን እቶም ትብሎም ዘለኻ ምስኡ ኣይነበሩን። መን እዩ ዝእመን ደሓን ንኣንበብቲ ንግደፎ። 3/ ሃብቶምን ኣነን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ብሄራትን ዝመጸና ክንስና ሳላ ሰውራ ካብ ኣሕዋት ደቂ ሓንቲ ኣደ ንላዕሊ ንቀራረብን ንከባበርን። ኣውራጃውያን ከምዘይኮይንና ከብዚ ንላዕሊ መብርሂ ኣየድልየካን እዩ። 4/ ንህግድፍ ስለንቃወም ጥራይ፡ ሰብ ከጣቀዓልና ኢልና ኣብ ሕማማት ካልኦት ኣይንጨማለቕን። ሕማምካ በዓልኻ ከኣሎ። 5/ ንተ/ታደሰ ኣፈልጦ እየ። በቲ ትብሎ ዘለኻ ሕማም ኣይከሰስክዎን። ከም ጽሑፉ ዘስተማቕርን ዝከታተልን ኣንባባይ ግን ጽሑፋቱ ሚዛናዊ ኣቀራርባ መታን ክህልዎ ይሕግዝ ዝበልክዎ ጽሒፈ። ኣብ ጽሑፈይ ከኣ ረጊጸ ኣለኹ። 6/ ኣብ መሳርዕ’ቶም ጀጋኑ(ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ሻዕብያ)ዝነበርካ እንተኮይንካ ከመይ ዝበለ ድፍረት ሃልዩካ ኮይኑ እዩ ሕማምካ ስለዘየዓገስናልካ ጥራይ ባኣና ኣቢልካ ንስዉኣትን ብቁስሎም ዘለዉን ትዝልፍ። እንሓንሳብስ ዒብ ምግባር ጽቡቕ’ዩ። ነዊሕ መልሲ ኣይፈቱን እየ ግን ገለ ገለ ሰባት ምግጣሞም ሕማቕ ኣይኮነን። ወዲ ፍላንሳ መምህር ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምስኡ ዝወዓለ ሰብ ድማ በጋጣሚ 30 ዓመት ዝኽርታቱ የካፍለና ኣሎ። ንስኻ ብርግጽ ኣብኡ ኣይወዓልካን።

      • Mr G December 26, 2013

        I wish there were more talented Eritreans like you that can write about the Gedli era. So dont be distracted by the nay sayers, and keep writing. Lookin forward for the next segment!

      • ሃይለ ባህሩ December 28, 2013

        ንስኻ ሓሳዊ መጣቖሲ ኢኻ።ብግምተይ ወዲ ገራህቱ ኢኻ።ሎሚ ድሕሪ ግዜ ነቲ ትከላከለሉ ኢሳያስን ግብሩን ተረዲኡካ ናይ ኢሕህታን ጣዕሳን ምልክት ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ትዛረብ ኣሎኻ።እዚ ጽሑፍዚ ዝህብሮ እንተሎ ምትላል ንሰባት5 ኮለል ንምባል’ዩ።ከምቲ ተወልደመድህን ዝበሎ ጅግነነት ወዲ ፍላንሳን ንዑ ዝቐተለ ንብረት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኾነ ውድብ ክደባለቕ ኣይግበኦን።እቲ ጅግንነት ወዲ ፍላንሳ ነቲ ኤርትራዊ ጀግንነት ዝውክል ነቲ ናይ ተሃኤ ኣባላት ከይተረፈ ተጸንቢሮሞስ ህዝባዊ ሰራዊት ዝተባህለ’ዩ ተነጻጺሩ ክጸሓፍን ክዕለልን ዘለዎ።ታሪኽ ወዲ ፍላንሳ ምስ ታሪኽ ቀንጸልትን ሃርድትን ክጽብጸብ ይብሉን።

    • TwoWayStreet December 26, 2013

      Teweldemedhin,
      You are criticizing the writers before you even read the whole story, it is still part 2. Cool down.

  • ተወልደመድኅን December 26, 2013

    ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ይብሉ ኣቦኣታትና።ንስካን ሃብቶምን ትጽሕፉዎ ኣለኹም።ብናትኩም ኣረኣኣያ ካብ ክልተ እምነታት ኮንኩም ካብ ኣውራጃውነት ነጻ ዝኾንኩም ገይርኩም ኢኹም ንንብስኹም ኣቕሪብኩምዋ።እቲ ቃል ኪዳንኩም ከኣ ኣብ ምስሊ ምስራሕ’ዩ።ኩሉ ግዜ ንሕና ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ዝብሉዎ ሃቂ’ዩ።ኣነ ዝበልኩዎ ገዲፍካ ናብ ጀብሃን ካልእንን ዘዚካ፡ገና ኣብቲ ናይ 70ታት ኣሎካ።…..ኣነ ዝበልኩ ዝደለካዮ ልበ ወልድ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢካ።ጽቡቕ ናይ ኣጸሃህፋን ኣዘናትዋ ክእለት’ውን ኣሎካ።ግን ንሓደ ክሳብ ኣገባብ መስዋእቱ ብግልጺ ዘይተዘርበሉ ብብጾቱ ዝተቐትለ ሰብ ከም መማቐሪ ልበ ወለድካ ክትገብሮ ዒብ ግበር እብለካ።ኣነ ዝብጸሃኒ ኮይኑ ወይ መሸቐጢ ፖለቲካ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።ናይዚ ሰብዝን ካልእን ሞት ኣብዚ ኩሉ ከከም ድሌቱ ዝድርብየሉ ቦታ ምስ ክውንን ዘይክውንን ፈጠራን ተሃዋዊሱ ክሰምዖ ከለኹ ዘሕዝን’ዩ።…..ሃብቶም ኣማውታ ወዲ ፍላንሳ ይፈልጥ።ሕጽር ዝበለ፡ከምቲ ኣብነት ኣቶ የማነ ዘስፈሮ ኢለ ዘቕረብኩልካ ብህጽር ዝበለ ክትገልጾ ጽቡቕ፡ታሪኽ መስኪሩ ሃብቶም፡ከምቶም ሚስጢር ሒዞም ዝቕበሩ ዘይኮነ ንፉኦ ምበልናዮ።እዚ ግን፡ንኽተታልሎ ዘደለኻ ብሽም ወዲ ፍላንሳ ምሽቓጥ’ዩ።ንስካ ኣብ ህውስውስ ዝበለ ልበ ወለድ እዚ ኣ በለ ዝብል መቃመሚ ምጽሃፍካ ካብ ኣውራጃውነት ነጻየ ትብል ትከውን።ኣነ ግን ዓቅሚ እንተረኪበ ንስድራቤተይ፡ንዓደይ፡ንወረዳይ፡ነ’ውራጃይ ዘኮነሉን ዘይጠበቀሉን የለን።ኣቲ ጸገም ንኹሉ ዝከውን ዓቕሚ የለን።ኤርትራ ዲሞክርሲያዊ ስርዓታ ኣብዝ ኣወጀትሉ ግዜ ንወረዳይን ኣውራጃይን ወኪለ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ’የ፡ሾኡ ኣውራጃዊ ክትብለኒ ማለት ድዩ።ኣውራጃውነት ኣበይናይ ተኣፋፊ።ኣበይና ሕማቕ ምኳኑ ፍለጥ፡ነዚ ከይፈለጥካ ህግደፍ ዘተኣታተዋ ኣውራጃውነት ከም ዓበይ ገበን ቆጺርካ ምስ ሃብቶም ቃልኪዳን ኣሲርካ።ሕጂ’ውን ዒብ ግበር ልበወለድ ይኹን ሃብቶም ዝትረከልካ ከም ድሌትካ ግለጾ ንወዲ ፍላንሳ ግን ካብቲ ኢሉኒ ኢልካ ምስ ሃቅን ህሶትን ኣይትደባልቖ።ዒብ ግብር ኦኣሰርተ ግዜ፡

    • my lovely country December 26, 2013

      ኣነ ሕቶ ኣለኒ ኣሕዋት ፣እቶም ሓራ ከውጽኡና ዝሓለፉ ተጋደልቲ መስዋእቶም እናኽበርክዎ እቶም ብሰላም ክነብሩ እናደለዩ ካብ ሳዋን ኣስመራን ከይተረፈ ተጨውዮም ንራሻይዳን በደዊንን ተሸይጦም ክትግምቶ ብዘይትኽእል ኣነዋሪ ገበን ዝጠፍኡ ዘለዉ ገናሽል ተረሲዖም እኮ።ነዞኢም ብድሌቶም ክቃለሱ ዝወደቑ ክብረተይ ወሰን የብሉን። ግን ፈትዮም ስለ ዝተሰውኡ ሓላል እዩ ።እዞም ከም ማይ ንጉሆ ኣበር ዘይበሎም መናእሰይከ ? ንመን ድዩ ኔሩ እቲ ቃልሲ ? ካብተን ዝደኸያ ሓሙሽተ ሃገራት ናይ ዓለም ቀዳመይቲ, ብጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ኮኾብ ክትወስድ ዝግብኣ ሃገረይ እንታይ እዩ እቲ ናይ ትማሊ ተወርዊርካ ምስ ታንክ ምስዋእ ዝነበረ ጅግንነት ስምዒታዊ ጥራይ ድዩ ኔሩ ? ኣበይ ከይዱ ርህራሄና ? ጅግንነትና ? ታሪኽና ? እዋይ ተፈታዊት ሃገረይ ህግደፍ እናጥፍኣስ እቲ ተቓዋማይ ድማ ኢዱ ኣጣሚሩ የሕርዳ…

  • oromay December 26, 2013

    It is very weird to read such sad bickering.

    Well,if there are genuine Eritreans who are interested write a concise profiles of the fallen heros and heriones in a book format to pass on to the young generation, it is very good. Otherwise mixing true and false stories is a joke at our martyrs.

    • TwoWayStreet December 26, 2013

      OROMAY
      So why don’t you tell us the story. You seem to know it all. The “TRUE and FALSE”.

  • I Asafaha December 26, 2013

    “ወይ ሰብ ደቀይ በለት ራድዮ”
    ክቡራት ኣሕዋት ፈለማ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኮይነ እጽሕፍ ስለ ዘለኹ ንኽልቴኹም ተኻታዕትን ንብጻየይን መጋድልተይን ተጋዳላይ ሃብቶም ጸጋይ (ኣቦ ሓጎይ)ን እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረኩም ዓመተ 2014 ክኣ ዓመተ ሰላምን ጥዕናን ክትኮነልኩም እምነ። ናብቲ ኣልዒልኩሞ ዘለኹም ክትዕ ክኣትዉ እኳ ምርጫይ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ክትዕኹም ኪኒየው መሃሪ ምዃን ናብ ምንጽጻግን ምዝልላፍን ገጹ ስለ ዝዛዘወ ኣይፋልኩምን ምክብባር ይሓይሽ ንምባል ኢየ። ድሓር ክኣ ከም ዝመስለኒ እቲ ብዛዕባ ጅግና ስዉእ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንስ) ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ትረኻ ናይ’ዞም ኣሕዋት ተጀሚሩ’ምበር ስለ ዘይተዛዘመ ኣብኡ ኣቲኻ እዝን እትን ክብሃል ዝክኣል ኣይመስለንን’ሞ ሓው ተወልደመድህን’ውን ምስ ኩሉ ኣኽብሮት ቁሩብ ትዕግስቲ ዘድሊየካ እመስለኒ እቲ ምንታይ እቲ ጽሑፍ ምስ ተዛዘመ ዝህልወካ ትዕዝብቲ ምቕማጥ እቲ ዝበለጸ ስለ ዝኸውን። ልዕሊ ኹሉ ግን ደጊመ ንኽልቴኹም ምክብባር መርኣያ ጭውነትን ውርዝዩነትን ስለ ዝኾነ ሓደራ ክትዕኹም ምክብባር ዝዓሰሎ ይኹን።

    ሓውኩም ኢሳያስ ኣስፍሃ።

    • ተወልደመድኅን December 26, 2013

      ዝከበርካ ኢሳያስ ኣስፈሃ፡ስድራ ኢሳያስ ተውልደብርሀን ካሕሳይ ካብተን ማዕጸአን ዝተዓጽዋ ገዛ እንተዘይኮነት፡ብሰንኪ ኩነታት ሃገር ብዙሕ ሽግር ዘጋጠማ ገዛ’ያ። ኣብ ጸብጻብ ከይኣተኹ።እዚ ናይ ኮመንት ንገብረሉ ዘሎና፡ብርግጽ ኣንጻር ህግደፍ ንዝግበር ቃልሲ ዋና ሃበረታ ክንወሃሃብን ዝሕግዝ ኣገዳሲ ኣንተኾነ ገለ ግን ከከም ዝጥዕሞም ዘይተረጋገጸን ትርጉም ዘይብሉ ገፈጥ መፈጥ ይጽሕፉ ይጻረፉ’ዮም።ስለዚ ወዲ ፍላንሳ ( ኢሳያስ ) በቲ ዝዓበየሉን ብግዲኡ ብዙሃት ዘዕበየሉ ውድብ ብምቅንጻሉን ኣቶ ተወልደብርሃን ካህሳይ ( ፍላንሳ )ከኣ ደቂ ሳዕቢያ ኣለዎ ተባሂሉ ተኣሲሩ ድሕሪኡ ብሰንኩ ዘህደሮ ሕማም ሞይቱ፡ስለዚ ኣብዚ ቦታዚ ከም ልበ ወለድ ኣምሲልካ ምጽሓፍ’ዩ ዝጽላእ ዘሎ።ኣብዚ ጽሑፍዚ ክልተ ሰብ ይትንክፉ ኣለው፡ወዲ ፍላንሳ ኢሳያስን፡ኣቶ ተወልደብርሃን ካሕሳይን ። ከምቲ ደጋጊመ ዝበልኩዎ፡ታሪኽ ዝፈልጡ እዝን ኣትን ኢሎም ዝሃበሩ ኣለው።ንሳቶም ስእሎም ኣሎ፡መንነቶም ፍሉጥ፡ናይቲ ዝብሉዎ ዘለው ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ተሃተቲ’ዮም።ን ኣብነት ታደሰ ሽሙን ኦኣዱን ስእሉን ቅድሚት ገይሩ’ዩ ጽሒፉ።እቲ ጽሑፍ ከኣ ልበ ወልድ ኣይኮነን፡ተሃቲቱ ግቡእ ምላሽ ዝህበሉ ቅርጹጽን ቅርጡውን ኣጸሃሕፋ ኮይኑ ዝፈልጦ፡ባዕሉ ዝበሎ ዝረኣኹዎ ኣነ ኣብዝነበርኩዎ እናበለዩ ጠቒሱዎ።ካልእ ናይ ኣቶ የማነውን ከም ኡ።ሎሚው’ን ብዛዕባ ወልደዳዊትን መል ኣከን ተጻሒፉ ዘሎ ብ ኣካል ነይረ ዝብል ዘሎ ሰብ’ዩ።ኣዚ እቲ ታሪኽ’ዮም ዝሕብሩ ዘለው’ምበር ከም ኣጸሃህፋ ልበ ወለድ ገይሮም ኣየቅረቡን።ኣማውታኦም፡ናይ መወዳኣታ ርክቦም መኦኣል መን ከምዝነበሩ…..እዚ ናይ ማህሙድ ግን ምናልባት ማህሙድ ኣይክክውንን’ዩ።እቲ ጉዳይ ከኣ ማሕሙድ ይኹን ሃብቶም ኣብቲ ፈጠረታት ዝገብሩዎ ዘለው ናይ ህግ ኣወዳድባን ህግ ናይ ውግእ ስትራተጂ ዘለዎ ጽፉፍን ቅርጡው ውድብ ምኳኑ ክገልጹ ኮለል ይብሉ’ሞ፡ናብ ሚርያም ተመሊሶም ወዲ ፍላንሳ ኣዚ በለ ኣቲ።እዚ ክልተ ነገር ዘይሳነ’ዩ፡ንወዲ ፍላንሳ ዝቀንጸለ ውድብ።ውድብ ህግ ክበሃል ከኣ ንብረት ኢሳያስ ማለት’ዩ።ኣማውታ ወዲ ፍላንሳ ሚስጢር ገይሩ ዝመጸ ውድብ ክትንእድን ክተቀናጅውን ናብ ጀግንነት ወዲ ፍላንሳ ምቅናን ነቲ ስውእ ክብረት ዘይምሃብ’ዩ።ልበወልድን ምስ ንቤተሰብን ፈትወትን ብጾትን ዝቐርጽ ጉዳይ ክተኣሳሰር የብሉን።እቲ ክብሉዎ ዝደለኹ ብካልእ ተኹላ ኢሎም ኣሸዓል ክገልጹዎ ምከኣሉ።ሕጂውን ተረዳእ ኢሳያስ ንስካ ንባዕልካ ዝተቃለስካሉ ውድብ ብዙሕ ጽቡቅን ሕማቕን ትፈልጥ ኢካ።ናይቶም ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ዕላማ ዚሞቱ ወይ በዚ ናይ ህግ ተንኮል ዝተቀንጸሉ ታሪኽ ክሕብር ዝደሊ ሰብ ከም ልበወልደ ገይሩ ዘይኮነ ብንጹር ኣጸሃህፋ’ዩ ከቅርቦ ዘለዎ፡ኣቲ ታሪኽ ካልእ ፊልም ክሰርህ የብሉን ነቲ ሰብ እናገለጸ ጥራህ’ዩ ዝከይድ።ኣብ ኣልጌን ክራከቡ ይኽእሉ።ኣብ ኦኣራርብ ወይ ዓራግ ነቲ ሰብ ጥራሕዩ ዝበሎን ዘጋተሞን ከገልጽ ዘለዎ።ስለዚ ክሳብ ዝውድእ ምጽባይ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነ፡ብ ኣጋኡ ደው ክብል ዘለዎ ካብ ዘለፋን ምቁሻሽን ሃሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

  • mahmud saleh December 26, 2013

    ሓው ተወልደመድህን፡ ርኢቶኻ ተረዲአዮ ኣለኹ። እዚ ምርምራዊ ጸብጻብ ወይ investigative reporting ኣይኮነን። ወዲ ፍላንሳ ካብ ዝስዋእ 30 ዓመታት ሓሊፉ። ኣነ ከም ሰበይ እየ ዝፈልጦ ሓደ ከብቶም ዘድንቖም ስዉኣት ከኣ እዩ። ሃብቶም ጦብላሕትኡ እዩ ዝብርብር ዘሎ። እቲ ቅጥዒ ኣጸሓሕፋ ድማ ነቲ ግዜን ናብራ ናይቶም ምስኡ ዝተጋደሉን ንምንጽብራቕ ኢለ እየ መሪጸዮ። እታ ዝቀለለት እታ ትብላ ዘለኻ ሓጻር መገዲ ነይራ። ብሃብቶም ኣቢለ ንወዲ ፍላንሳ ክፈልጥ ጽዒረ። ብዝተካእለ መጠን ከም ሰብ መጠን ባህርያቱ ክነንጸባርቕ ፈቲንና። ሰብ ድማ ምስ ኣከባብኡን ግዚኡን እዩ ዝግለጽ። ብዛዕባ ወተሃደራዊ ብቕዓቱ ካባና ንላዕሊ ዝፈልጥዎ ከምዘለዉ ኣይዘንጋዕናን። እታ ትደልያ ዘለኻ መልሲ(ቅትለት ወይ ንቡር መስዋእቲ) ግን ኣብዛ ትስዕብ ናይ መወዳእታ ክፋል እውን ኣይክትረኽባን ኢኻ። ዓቕሚ ናይዛ ጽሕፍቲ ስለዘይኮነ። ሓቂ ይሓይሽ ዓቅምና እውን ኣይኮነን። ግን ናይ መወዳእታ ህሞት ሂወቱ፡ መን ነይሮም ምስኡ፡ እነመን ሓመድ ኣዳም ኣልቢሶሞን ብዝተኻእለ መጠን እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩን ብውዱዕ ኣቀራርባ ክነርኢ ክንፍትን ኢና። ሰብ ድማ ናቱ ፍርዲ ይሃብ። “ዘይቅዱስ መውስቦ ሃብቶም ጸጋይን ማህሙድ ሳልሕን” ኢልካ። በንጻሩ መውስቦ ብእወታ እንተትርእዮ ይሓይሽ። ብጻይ ኢሰያስ (ሓራ መሬትና…) እንተኾንካ ማለት’ዩ፤ የቀንየልና ስለ’ቲ ሃናጺ ርኢቶ። ከምኡ እውን ኩሉኹም ካልኦት።

    • ተወልደመድኅን December 26, 2013

      ስማዕ ማሑሙድ ወዲ ፍላንሳ ጀግና ኣይኮነን ጀግና’ዩ ኣይኮነን ዘካትዕ ዘሎ።ወይ ኣቲ ትብሎ ዘሎካ ባህሪ ወዲ ፍላንሳ ኣይኮነን፡ንሱ ጽፉፍ ንጹህ’ዩ ወይ ገስረጥ ዕዋላ’ዩ ሰኽራም ኔሩ ኢለ ኣይኮንኩን ዝካታዕ ዘለኹ።ቀጺለ ከኣ ንሱ መራሒ ብርጌድ ይኹን መራሒ ክፍለሰራዊት ኮይኑ ካብቶም ከም ተራ ተጋዳልቲ ዚሞቱ ኣሕዋቱን ካብቲ ኣብ ባድመ ዝተሰወ ሓወይ ንላዕሊ ወይ ፍሉይ ክብሪ ኣይህቦን’የ።እቲ ዝህቦ ፍሉይ ክብሪ ብ ኢድ ብጾቱን በቲ ዝረሃጸሉ ውድብ ምቕታሉ ክሳብ ሎሚ ነታ ብሕይወታ ዘላ ወላዲት ኣገባብ ኣማውታኡ ብግልጺ ስለዘየተዘርበሉ ሚስጢር ኮይኑ ምትራፉ ስለዝኾነ ጥራሕ’ዩ።…….እቲ ኣማውታ’ቲ ኅልና ንዘለዎ ኣኤርትራዊ ነዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኩነታት ዝጸለወ ክሳብ ሎሚ ውድብ ይኹን መንግስቲ መዕረፊ ክገብረሉ ዘይበቖአ’ዩ።…… ኣብ ኣጸሃሕፋካ፡እቲ ቅጥዒ ኣጸሓሕፋ ድማ ነቲ ግዜን ናብራ ናይቶም ምስኡ ዝተጋደሉን ንምንጽብራቕ ኢለ እየ መሪጸዮ…..ኢልካ ኣሎካ።.እዚ ኢዩ ከኣ ምስቲ ክብሪ ስውእ ዘይሳነ።ነቲ ስውእ ብፍሉይ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ክትገልጾ እንተደሊካ ናብ ካልእ ምኳድ ኣይድልየካን።ንሱ ኣዚ ይግበር ኔሩ፡ኣዚ ይሰርህ ኔሩ፡ከምዚ ኔሩ እናበልካ ወላ ጽረፎ ጥራህ ትፈልጦን ጭቡጥ መረጋገጺ ይሃሉካ ተሓቲትካ ትምልሰሉ ይኹን።ካባይ ንላዕሊ ፍልጠት ኣሎካ ትመስል፡ኣብርእሲ ፍልጠካ ምሕጋዝ ሕማቕ ስለዘይኮነ፡ነዞም ታሪኽ ገለ ሰባት ወስ ዘበሉ ኣስከ ረኣዮ።ልበ ወልድን ፈጠራ ይኹን ካልእ የብሉን፡ናይ ጎቦታት ይኹን ናይ ውድብ ናይ ኦራል መካይን ይኹን ናይ ጋንታታት የብሉን፡እተን ብዛዕባቲ ሰብ ክብሉወን ዝደለዩ ኢዮም ኣቐምጥ ኣቢሎም።ፍለጥ ኣነ ዝብል ዘለኹ ከም ልበወለድ ገይርካ ኣይትቕረጾ ታሪኽ ሃደ ስውእ እሞከኣ ገና ቀተልትን ኣቕተልትን ይቕረታ ይኹን ምላሽ ዘይሃብሉ ጉዳይ።……ናይ መወዳእታ ህሞት ሂወቱ፡ መን ነይሮም ምስኡ፡ እነመን ሓመድ ኣዳም ኣልቢሶሞን ብዝተኻእለ መጠን እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩን ብውዱዕ ኣቀራርባ ክነርኢ ክንፍትን ኢና…..ኢልካ ርግጽ እቲ ዝድለ ዘሎ’ኮ ንሱ’ዩ።ነዚ ንምቅራብ ግን ልብወለድ ምስራህ ኣየድልን።ነቲ ንወዲ ፍላንሳ ክትገልጽ ዝተጠቀምካሉ ቃላትን ኣገባብን ንካልእ ተጠቂምካ ክትሰርሃሉን መማቕርቲ ክትሰርሖ ትኽእል።እቲ ክብሎ ዝደሊ ናይ ሓደ ስውእን ምዉትን ኣገላልጻ ናቱ ዝከኣለ ፍሉይ ኣገባብ ኣለዎ።እዚ ወደሃንካ

  • habtom tsegay December 26, 2013

    woy gudd nay bahki chele mada hwi teweldemdhin neti bzuh zhawtetkalu reto bzuh melsi khbelu aydeln eye ab natka hashewiye wn aykiatun eye,, bzkone kirdaka zelewo gn neti tarik jgnnet wedi flasns zwalkulun zneberkulun mzntawy ms awrjwnentn gebenn mkuxrka nresah atahssbaka eyu zgelex. srat higdefawyan da entay do ydelyu eyom netom tarik serihom ztewgun zewagunan zteswulnan jeganu halefti tarikomn jgnntom khssn ktefn zdelywon, tarki hzbawi gnbar btarik esayas kglex zdelyon ,ms natom athssba mkad gn yhzin . kali zgerm ms awrjwntn mglaxka neti resah atahssbaka eyu zgelx bhji mlsi wn zdliyeka aymeslenn ezi wedhanka

    • ተወልደመድኅን December 27, 2013

      ስማዕ ሃብቶም ጸጋይ፡ኣቲ ናተይ ኣዘራርባ ቀስ ኢልካ ተረደኣዮ።ነገራት ከምዝተረዳኣካዮ ኢዩ ዝከይድ።ነዚ መረዳኣታዚ ከኣ ይሽከምዎሞ ዘየድሊ ጸገም ይመጽእ’ዩ።ኣነ ዝበልኩ እቲ ክትብሎ ዝደለካ ታሪኽ ስውእ ኢሳያስ ንምግላጽ ዘድልዩ ኣገባባት ኣለው።ስለዚ ብቕርጡው ዝበለ ኣገባብ ምጽሃፉ’ምበር ምህዞታትን ወይ ናይ ልበ ወለድ ጸሃፊ ዝትቀመሎም ኣየድልን’ዩ ኢየ ዝበልኩ።ብሃቒ ከኣ ብጻይካ ነይሩ ብሞቱ ብዙሕ ጉሂካ ኣብዚ ኦኣይነት ጽሑፍዚ ተሃዋዊሱ ታሪኹን ሽሙን እሞ ከኣ ኣታ ሃንቲ ወዲ ፍላንሳ ንስውእ ኢሳያስን ንምዉት ኣቦን እናተንከፈት ክትንበብ ጽቡቕ ኣይኮነን’ሞ እቲ ኣገባብ ቀይርኩም ተርኩ።እቲ ከም ልበ ወለድ ዝስፈርኩምዎ ንውድብ ዝገልጽ፡ንተጋደልቲ ይኩን ንካልእ ብናትኩም ኣገባብ ጽቡቕ ዘብልኩምዎ ከምቲ ዝስመኦኣኩም ጸሃፍዎ ክነንብቦ፡ኣቲ ንታሪክ ወዲ ፍላንሳ ዝትንክፍ ግን ብቕርጥው ዝበለ ናብ ኡ ጥራህ ብዘቅነኦአ ኣስፍርዎ’የ ዝበልኩ።ኣዚ ናተይ ኣበሃህላ ግልጺ’ዩ።ን ኣብነት፡ሃቂ ኢዩ ሕሶት ኣይብልንየ ስለዘይፈልጦ።ግን ሰመረ ፍሰሃየ ዝተባህለ ብዛዕባ ወልደዳዊት ዝጸሃፎ ኣንብብ።ንዑን ስራሑን።ዘጋጥሞ ዚነበረን፡ናቱ ኣረኣኣያን’ዩ ጽሒፉ።ካልእ ኣይወሰከን።ስለዚ ንስካ ብጻየይ ንትብሎ ክትከላከለሉ ዝግበኣካ ኣን ሽሙን ታሪኹን ምስ ናይ ኣገባባ ልበወለድ ኣይትሃናፍጽዎ’የ ዝበልኩ።እዚ ወደሃንካ

  • habtom tsegay December 26, 2013

    kbue Esayas arkeyn megdlteyn sleti hanxi retoka yemesgn sle etom huwkatn zeyakalatn zhabkayo mada wn ymesgneka tarki jeganuna njimro ena zelena ember aywedenayon and ruhus hadish amet 2014 higedefwyan ztefelu amet ygberelna

POST A COMMENT