Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለዋት

ሃለዋት   ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003   ለይትን መዓልትን እህህታ ካብ ሓው ወድ’ኖ ስቅቕታ ምስ ጓልኖ ሕሜታ ምስ ዓርኪ ጠለም ሕንሕንታ እዚ “ኢለካሎኹ!” ስምዓታ ሕይወትና ተነፊጋ ሩፍታ ካብ ገጽና ሃዲሙ ፈገግታ ካብ ኣስናንና ርሒቑ ፍሽክታ ኣእዛን ግን ጸሚመን ብናይ ጠላዕ ወኻዕታ።   ዘለናዮ ሃለዋት እንተኾነኳ ምሰ’ኅዋት እንተ ጠዓመ’ውን ከም ገዓት ምዃኑዶ ተሪፉ

ሃለዋት

 

ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003

 

ለይትን መዓልትን እህህታ

ካብ ሓው ወድ’ኖ ስቅቕታ

ምስ ጓልኖ ሕሜታ

ምስ ዓርኪ ጠለም ሕንሕንታ

እዚ “ኢለካሎኹ!” ስምዓታ

ሕይወትና ተነፊጋ ሩፍታ

ካብ ገጽና ሃዲሙ ፈገግታ

ካብ ኣስናንና ርሒቑ ፍሽክታ

ኣእዛን ግን ጸሚመን

ብናይ ጠላዕ ወኻዕታ።

 

ዘለናዮ ሃለዋት

እንተኾነኳ ምሰ’ኅዋት

እንተ ጠዓመ’ውን ከም ገዓት

ምዃኑዶ ተሪፉ መዓት

ወግሐ ጸብሐ ሓዲሽ ለዓት

ሕቖና ዝሰብር መንድዓት

ሕልፈትዶ ክንብሎ ምጻት

ኣድኅነና ፈጣሪ

ካብዛ ሕማቕ ሰዓት

ተመስገን ክንብል

ብመስዋዕቲ ስብሓት።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera February 10, 2015

    ኣቶ መብራህቱ ከምቲ ነፍሲ ሄር ዶር ርእሶም ሃይለ ዝበሎ “ኣለዉና ኣለዋና” እዩ ዘብል ትሕዝቶ ጽሑፍካ። እዚ ግናይ ዘመን ዘምጽኦ ኩሉ ካካይ ባዕሉ ግዜውን ኪወስዶ እዩ። እቲ ንሓርነትና ንገብሮ ዘሎና ገድሊ ምስቲ ክቡር ውርሻ ኣበዋትና ዝኾነ ባህልናን ኃይማኖትናን ትውፊትናን ንምሕላው እንገብሮ ገድሊ ተደሪቡን ተሳንይኑን ኪኸይድ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሕዝቢ ማእከሉ ዘይገበረ፡ ድምጺ ሕዝቢ ዘየኽብር ገድሊ ከምዚ ንዕና ኣጋጢሙና ዘሎ፡ መጨረሽታኡ መዓቱ ዘይተወድአ ሸራፍ ነጻነት’ዩ። ካብተን ዝቐሰምወን ቀለም ስድሪ ዘይስጉሙ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ሕዝቦም ዘየዛምዱ፡ ብዴሳዊ ኣተሓሳስባ ኣእምርኦም ዝተሓጽቡ፡ ደቀ መዛሙርቲ ብዓል ለኒን …ነቲ ብኽንደይ ክቡር ደም ዝተዓደገት ሃገር ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ፋሕ ኣቢሎሞ። ኣበርክቶኻ ዓብዩ ዝብሎ እምበኣር ንትርግታ ሕዝቢ ዝትንክፍ፡ ክቡር ባህልናን (እቲ ሕሱር ጎሓፍ ደርቢና) ክንዝክርን፡ ኣሰር ቦታትና ክንስዕብን ስለዝምህር እዩ። ፈውስና ኣብ ሓድነትና ምዃኑ ስለዘዘኻኽር እዩ። እዚ ግናይ ዘመን ከኣ ምስ ናይ ኣሽሓት ታሪኽና ኪዛመድ ከሎ ከም ንጣብ ማይ ኣብ ዕትሮ እዩ። እዞም ባህሪ ሕዝብና ዘይብሎም ጨካናት ኣራዊት፡ ሕማቕ ሽምን ታሪኽን ካብ ምግዳፍ ሓሊፎም ካልእ ስምብራት ዝህልዎም ኣይመስለንን። እቲ እከይ ውጥኖም ከምቲ ዝተለምዎ ኣሽምባይዶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓሲ፡ ኣብ ሕዝብና እኳ ከስርጽዎ ዝገበርዎ ፈተነውን ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወተን። እሽሓት መንእሰያት፡ ወለዲ፡ መራሕቲ ኃይማኖት (መነኮሳት) ከይተረፉ ዓዲ ጠንጢኖም ምውጻኦም…ዕርቓኖም ከምዝወጹ ጌርዎም እዩ። ካብ ሕጂ ትልኽ እናበልካ ናብ መቓብር እንተዘይኮይኑ ዳግማይ ህይወት ዝዘርእሉ ዕድል የብሎምን። ስለዚ ንሕዝብን ንሓድሽ ወለዶን ምስትምሃርና ንቐጽል፡ መእስ ኢና ዘይንፈልጥ እምበር ሕሰምና ከብቕዕ ግድን እዩ። ኣላህ/ኣምላኽውን ንዓማጺ ደምኛን ናይ ኢዱ ዝህበሉ፡ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ጎዳግዲ ዘአውን ዝነብዕን ዘሎ ዝድብሰሉ ግዜ ኣሎዎ። ብውሑድ ቃላትን ቅርጡውን ጽሑፍ ንብዙሓት ትምህር ከምዘሎኻ እኝዳዘከርካ ቐጽል ኣጆኻ! ዝብለካ ሓፍትኻ ምስ ብዙሕ ኣኽብሮት’ዩ።

  • Mesinas February 10, 2015

    ክብርቲ ሓብቲ ኣልማዝ ጓል ኣስመራ ንኣይ’ኮ ሓደ ካብቶም ርእይቶኺ ንኽነቡ ሃንቀው ዝብሉ ውሉፋት ጌርክኒ! ወትሩ ብስለት ዝመለለይኡ ዓለቕኪ(ርእይቶኺ) ምስ መሰጠኒ’ዩ። ከምኡውን ንስነ ጥበበኛታት ናይ ምትብባዕ ባርህኺ! ሓው ፍስሃየ ድማ ከምዚ ዝጠቐስክዮ ሓደ ካብቶም ብቐጻሊ እጃሙ ዘበርክት ዘሎ ሃብሮም ዜጋ’ዩ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝላበወኪ ግን ካብ ዓለቕ ሓሊፍኪ፡ ሓተታ እትጽሕፍሉ ግዜ ወትሩ ምስ ተጸበኹ’የ። ከምዚ ዝበለት በላሕን መስተውዓልትን ሓብቲ ክትህልወካ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ደጊመ ዘመስግነኪ ሓውኪ መሲናስ’የ። የቐንየለይ።

  • Swiss Bank February 10, 2015

    A cool 700 million stashed in Swiss Bank by the dictator and Hagos Kisha
    http://www.icij.org/project/swiss-leaks/explore-swiss-leaks-data
    I am glad I am not handing the thugs my hard earned money in the name of 2% for Eritrea development. My foot development. Ethiopia 20 times the size of Eritrea has only 10 million hidden in the vaults of Swiss banks.

  • Almaz Gual Asmera February 10, 2015

    የቐንየለይ ክቡር ሓው መሲናስ። ኣነ’ውን ለበዋኻን ለበዋ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘተግብረሉ እዋን ኪረክብ ሃንቀው ይብል። ብሓደ ሓደ ጸገማት እዩ እምበር ብኻልእ ኣይኮነን። ከም ብዓል ኣቶ ፍስሃየ ዝኣመሰሉ ልብኻ ዝመልሱ ኣያታት ምርካብ ከኣ ብሓቂ ምርቓ እዩ። ሰሰናዩ ንደለይቲ ፍትሒ፡ ራህዋ ነቲ ህይወት ከም ዕረ ዳንዴር መሪራቶ ዘሎ ህዝብና፡ ዕምሪ እዚ ብደም ዝጠልቀየ ሽፍታ ጉጅለ ኸኣ ኣምላኽ የሕጽረልና። ክሳብ ዝወግሕ ንንከስ ኣብ ዕላማ፡ ኣጆኹም ኣጆና!!!

  • FM February 12, 2015

    ዝኸበርኪ ኣልማዝ ከማኡ’ውን ኃው መሲናስ – ብእትህቡኒ ምትብባዕ ከመስግነኩም እፈቱ። ቀጺለ ከኣ ከምቲ ምስላ ቀዳሞት ዝብሎ “ውህበት’ዩ በበይኑ የልቦን ዓሻ” ነፍሲ ወከፍና በቢ ተኽእሎናን ተውህቦናን ንድኅነት ሃገርነ ንቅስመት ፍልጠትን ክነበርክት ሓላፍነትና’ዩ። ኣብ መንጎ ጸሓፍትን ምሁራንን ዘካትዕ ነገር፡ ደረት ፕሮፖጋንዳን ስነ-ጥበብን ካበይ ናበይ ዝብል’ዩ። ብወገነይ ፍትሕን ሰላምን ኪጐድል እንከሎ ብዛዕባ ህላዌን ጥፍእትን ሞትን ሕየትን ስልዝኾነ ብዘሎካ ምቅላስ ሰብኣዊ ሓላፍነትና እምበር ንርኣዩለይ ዝግበር መጋየጺ ከምዘይኮነ ኵላትና ኣይንስሕቶን ስለዝኾንና ብቀጻሊ ንፍትሕን ሰላምን ቃልስና ኪቕጽል እላቦ። ብሰላም

POST A COMMENT