Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለዋትን መጻኢ ዕድልን፡ ሰነዳትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ

ሃለዋትን መጻኢ ዕድልን፡ ሰነዳትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ምርምርን ምስናድን ዝብላ ክልተ ኣገደስቲ ኣምራት ክልዓላ እንከለዋ፡ ምብልሓትካ፡ ምህዞኻን ውጽኢት ስራሕካን፡ ህሉውን መጻእን ወለዶ ንኽሕበነሉ፡ ንኽረብሓሉን ንኽፈልጦን ኣብ ውሑስ ቦታ ምቅማጥን ዝብል ትርጉም ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ምርምር ካብ

ሃለዋትን መጻኢ ዕድልን፡ ሰነዳትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ

ምርምርን ምስናድን ዝብላ ክልተ ኣገደስቲ ኣምራት ክልዓላ እንከለዋ፡ ምብልሓትካ፡ ምህዞኻን ውጽኢት ስራሕካን፡ ህሉውን መጻእን ወለዶ ንኽሕበነሉ፡ ንኽረብሓሉን ንኽፈልጦን ኣብ ውሑስ ቦታ ምቅማጥን ዝብል ትርጉም ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ምርምር ካብ መዓላ ንልምዓት፡ ንሰላምን ሰናይ ተግባርን ሓሊፉ ንጥፍኣት ተንኮልን’ውን ገንዘብን ጉልበትን ይፈሰሉ’ዩ። ንኣብነት ምምሃዝ ስነ ቅመማዊ ኣጽዋር ንህይወት ሰብ ዝቀትልን ንከባቢ ዝምርዝን ክኸውን እንከሎ፡ ምምሃዝ ተለፎንን ባቡር ምድርን ድማ ርክብን ጎዕዞን ሰባት የቀላጥፍን የማዕብልን።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ ምዕቡል መሳርሒ፡ እኹል ጉልበት ሰብን ገንዘብን እንተዘይነበረ፡ ነቲ ብተጋደልትን ህዝብን ኣብ እዋን ኩናትን ሰላምን ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት፡ ብጽሑፍ ይስነድን፡ ብደረቅን ተንቀሳቃስንን ስእሊ ይቅረጽን ነይሩ። ብተወሳኺ ብልሙድ፡ “ኦርኒክ” ዝብል ስም ዝነበሮ መዝገብ ህልዋትን ስውኣትን ተጋደልቲ ፡ ምዕቃብ ኣጽዋር፡ ንብረትን ካልእ ፍጻሜታትን ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ነይሩዎ። እቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ቅድሚ ናጽነት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብን ሜላን ድማ ምስቲ ዘይንቡር ኩነታት፡ ዓቅምን ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ምዕባለን ብምንጽጻር፡ ስልጡን’ኳ እንተዘተባህለ ጻዕርን ምብልሓትን ተጋደልቲ ግን ዝንኣድ’ዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ግንባራት፡ ደጀንን ሕምብርቲ ጸላእን ተጋደልቲ ተመዲቡሉ፡ ብጭርሖ “ነብስኻ ምኽኣል” ኣብ እዋን ገድሊ ዝጸሓፍን ዝሰኣልን ዝነበረ ንብረታዊ ቃልሲ ዘንጸባርቅ ሰነዳት ድማ ንህዝብን ተጋደልትን ኣብ ምንቅቃሕ፡ ግፍዕታት መግዛእቲ ኣብ ምቅላዕን ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ምስ ዓለም ኣብ ምልላይን ንኡድ ኣበርክቶ ነይሩዎ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ እቲ ካብ በረኻ ዝኣተወ ብደምን ርሃጽን ህዝብን ተጋደልትን ዝተጠርየ ታሪኽን ንብረትን፡ ካብ ስርዓት ደርግ ዝተመንዘዐን፡ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍ ብዝብል ስም ንብረት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ከምዝኾነ ተሓዚኡ ኣሎ ።

ብውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝተገበተ፡ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ዝፍለጥ ትካል፡ ክሓዲ ኢሳያስ ደምናን ርሃጽናን እናመጸየ ዘርእናን መንነትናን እናኣፍረሰ፡ ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ ንዝበሉ ሃገራውያን እናቀንጸለን ኣብ ትሕቲ መሬት ከምዝበልዩ እናገበረን ጣቋ ዘለዎን ሓቀኛ ምርምርን ስነዳን ከካይድ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሰውራ ዝተኣከበን ዝተሰነደን ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ምንጭታት ዝተረኽበ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብእዋኑ ብትእዛዝ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ካብ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ተተመዝሒቁ ዝውሰድን ብኡ ኣቢሉ ዝጠፍእን ተቆራሪጹ ዝምለስን ጽሑፋት፡ ደረቅ ስእሊ፡ ፊልምታትን ቪድዮታትን ማእለያ የብሉን። እቲ ዘሕዝን፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፡ ነቶም ንፍትሕን ክብረትን ኣፎም ዝኸፈቱን ንእስነቶም ዘወፈዩን ዜጋታት፡ ብዘይ ፍርዲ ምርሻኖምን ኣብ ዝተነጸለ ቦታ ምሕያሮምን ከይኣክል፡ ታሪኾምን ምስሎምን ካብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ ወለዶን ከምዝሕከኽን ከምዝሃስስን ይገብሩዎ ምህላዎም። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣስከሬን ናይቶም ብብእዋኑ ብግፍዒ ዝረሸኖምን ብስቃይን ሕማምን ህይወቶም ኣብ ኢዱ ዝሓለፉን ዜጋታና፡ ንቡር ስኢኖም ኣብ ስቱር ቦታ ምጉሓፉ’ውን፡ ዝበኣሰ ምጽናት ሰነድን ታሪኽን’ዩ።

እቲ ንሽሙ ኣብ ትሕቲ ዘምህረት ዮውሃንስን ኣዜብ ተወልደን ዝመሓደር ክፍሊ ስነዳን ምርምርን፡ ኣብ ውሽጡ እንታይ ዓይነት ሰነዳትን ንብረትን ዓቂቡ ኣሎ ብርግጽ ዝፍለጥ የለን። ምኽንያቱ ኩሉ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ፡ ብቃሕታን ድሌትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝውነን ስጊንጢርን ምስጢራውን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ትሕቲ ማዕሙቕ ባሕሪ ዝሰፈረ ኢዩ። እቲ ዘገርም፡ ሓደ ሓደ እዋን “ካብ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን መወከሲ ሓበሬታ ረኺብና” ኢሎም ብኣንክሮ ዝጽሕፉን ዝዛረቡን ሰባት ይስምዑ ኢዮም። ከም ግቡእ ታሪኽን ሰነዳትን ንሓቀኛ ፍጻሜታት ከምዘለዎ ከንጸባርቁን ክዕቀቡን  እምበር ከከም ዊንታኻን ንፖለቲካዊ ረብሓኻ ክትጥቀመሎም ኣይግባእን። ውልቀመላኽን መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ግን፡ ሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክጽሓፍን ክስነድን ኣይክእልን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝነበረ’ውን ይጠፍእን ይትምየንን’ዩ ዘሎ። ታሪኽን ጉዕዞን ህግደፍ ድማ፡ ብደም ንጹሃት ዝተዓለሰን ዝተዓብለለን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ብሕጓ ዝፍጽሞ በደል፡ መሬት ምስርሃወ ህዝቢ ኤርትራ ክረኽቦን ክፈልጦን ኣይደልን’ዩ።

ሕልሚ ህግደፍ፡ ነቲ ንብረትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሰነዳት፡ እዚ ሓቂ ዝፈልጥ ብህይወት ዘሎ ወለዶ ምስጠፍአን ምስኣረገን፡ ንኣበራቱ ዝሓብእ፡ ንገዛእ ርእሱ ዝውድስ፡ ንደቂ ሃገር ዘጸልም፡ ዝተጠምዘዘን ዝተፈብረኸን ታሪኽ ምቅራብ’ዩ። ድሮ’ኳ ንሕና ብህይወትና እንከለና፡ ነቲ ብኣካል ዘወዓልናዮን ብኣዒንትና ዝረኣናዮን ፍጻመ ጸለሎ ክቅባእን ገበን ክቁጸርን ንዕዘብ ኣለና። ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ንናጽነትና፡ ንመሬትናን ንመሰልናን ከቢድ መስዋእቲ ከፊልናን ተሳቂናን ክንስና፡ በቲ ንነብሱ ከም መራሒ፡ተጋዳላይን ተቆርቋርን ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝቀርብ ከዳዕን መላኽን ኢስያስ፡ ኣይከሰርናን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ጸገም ዶብ የብልናንክብለና እንከሎ፡ ልዕሊ ንዕቀትን ጥልመትን  ነቶም ክብርቲ ህይወቶም ዝኸፈሉ እሽሓት ሰማእታት ኤርትራ ድቃስ ምኽላእን ኢዩ፡፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንገዛእ ርእሱ ጸያቂ ታሪኽን ገበነኛን ክንሱ፡ ነቶም ሕጊ ይንገስ ኢሎም ብሃገሮምን ህዝቦምን ዝቁርቆሩን ድቃስ ዝስእኑን ዜጋታት፡ ከም ከድዓት፡ መሳርሒ ወያነ፡ ሸየጥቲ ሃገር ክኸሶምን ከጥቅኖምን እንከሎ ድማ ስጊንጢር ኢዩ።

ካብ መዛግብ (Archive) ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍ፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ ዝጠፍኡን ብነጋዶ ሰብ ዝተሓርዱን፡ ጸጊቦም፡ ሓንቂቆም፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን፡ ብወያነን ምዕራባውያን ሃገራትን  ተደናጊሮም ብዝብል ጠቀነ ተሰኒዱ ከምዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን። ኣብ ኣርካይቭ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን፡ ንኤርትራውያን ከመይ ጌርካ ትምርምር፡ ተሳቂ፡ ትቅጥቅጥ፡ ትስሊ፡ ካብ ሃገሮም ተባርር፡ ብሓሶት ተደናግር፡ ንብረት ትዘምት፡ ስድራቤታት ተዘኽትም፡ ሰብኣዊ መሰል ትረግጽ፡ ሓድሕድ ተናቁትን ትፈላልን እምበር፡ ንልምዓት፡ ንፍቅሪ፡ ንሰላም፡ ንኽብረትን ጽቡቅ ምንዮትን ዝሕለቅን ዘደንፍዕን ፖሊሲታትን ቅዲታትን የለን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ዜጋታትና ብህይወቶም እንከለው ጥራይ ኣይኮነን ህጣሞም ዘጥፍኦም ዘሎ። ኤርትራውያን ዝፈጸምዎ ጅግንነትን ዝወረዶም ስቃይ ከይገልጹን ሓድሽ ወለዶ መታን ከይፈልጦን፡ ንምጥፋእን ካብ መዛግብቲ ታሪኽ ንምሕካኽን ብመደብ ዝፍጽሞ ዘሎ  ዕንወት ካልኣይ ገበን’ዩ። ምናልባት፡ እቶም ናይ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን፡ ስማዊ መዝነት ዘለዎም ዘምህረት ዮውሃንስን ኣዜብ ተወልደን፡ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን ብስም መንካዕ፡ የሚን፡ ጉጅለ 15፡ ከድዓት፡ ዘይሃገራውያን፡ ጥሩፋት፡ መንግስቲ ክዓልዉ ወጢኖምን ካልእ ኣስማትን ብምጥማቅ፡ ዘጽነቶምን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሳቅዮምን ዘሎ ዜጋታት፡ ሓቢኦም ዘትረፍዎ ሰነድ ይህሉ’ዶ ይኸውን ኢልካ ትሓስብ።

ሎሚ ኩሉ ኤርትራዊ ከስተውዕለሉን ክሰርሓሉን ዝግብኦ ኣሰካፊ ጉዳይ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነታ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ትብል ሰንካም ሜላ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ይትግብር ስለዘሎ፡ ከም ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ብዝወፈርናዮ ኣብ ስደት ንጠፍእ ስለዘለናን ታሪኽናን መንነትናን ይሕከኽን ይስረቅን ስለዘሎ፡ ንሕና ብህይወትና እንከለና፡ ስውኣትና ካብ መቃብሮም ተንሲኦም ክዘርዩልናን ካብ ጥፍኣት ከድሕኑናን ኣይንጸበ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጥሪ 25, 2020

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT