Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዶብ ሱዳን ክኽፈት ኣዚዙ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፡ እቲ ካብ ዓሚ ከምዚ እዋን ኣትሒዙ ተዓጽዩ ዝጸነሐ ምስ ኤርትራ ዝዳውብ ዶባት ምብራቕ ሱዳን ክኽፈት ምእዛዙ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ  AFP ሓቢሩ። ንሱ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ከሰላ በጺሑ ንደገፍቱ ኣብ ዝሃቦ

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፡ እቲ ካብ ዓሚ ከምዚ እዋን ኣትሒዙ ተዓጽዩ ዝጸነሐ ምስ ኤርትራ ዝዳውብ ዶባት ምብራቕ ሱዳን ክኽፈት ምእዛዙ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ  AFP ሓቢሩ።

ንሱ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ከሰላ በጺሑ ንደገፍቱ ኣብ ዝሃቦ ብቴለቭዥን ዝተመሓላለፈ ኣጋጣሚ እዩ ዶብ ክኽፈት ምዃኑ ኣዊጁ።

ዑመር ኣልበሺር፡ ኣብ መደረኡ፡ `ፖለቲካ ክፈላልየና ይኽእል እዩ፡ እንትኾነ ሕጂ `ውን ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣዝማድናን እዮም` ኢሉ።

ንሱ፡ ኣብ መላእ ሱዳን ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ንሓያለ ሰሙናት ተወዓዊዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ነዚ መግለጺ `ዚ ሂቡ።

ይኹን `ምበር፡ እቲ መግለጺ ሳልስቲ `ኳ ኣሕሊፉ እንተሎ፡ ኣብ ከባቢ ከሰላ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ዝኾነ ለውጢ ከምዘየልቦ፡ ህዝቢ ከም ቀደሙ ብካሮሳን ኣእዱግን ጥራይ በቲ ዶብ ይሰጋገር ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ዶብ ኤርትራን ሱዳን ድሕሪ ምዕጻዉ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ከምዝተቐበሎን፡ ቀጺሉ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምእተኸፍተን ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Zeregabir Teaghes February 3, 2019

    Interest of Isayas is the alowing movements of the Zubeid-Rashaida people.
    This people are criminals who killed and sold Eritreans for spare parts.
    This are the second target when Isayas is jailed in Mietir.

POST A COMMENT