Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽፊዒት ንዘመደ ተኽለ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኢጣልያ፡

ኣብ ገማግም ሚድተራንያን ትርከብ ናይ ዞና ሊጉርያ ዋና ከተማ ዝኾነት ጆነቫ ኣብ ትበሃል ከተማ፡ናይቶም ኩሎም ኣብታ ከተማ ዚነብሩ ስደተናታት ህዝብታት ዓመት ዓመት ፌስትቫል ይካየድ'ዩ። እዚ ፌስትቫልዚ ባህላዊ ማለት ናይ ኣከዳድና፡ኣመጋግባ ( ኣሰራርሓ መግቢ ) ሙዚቃ፡ሳዕሳዒትን ካል ኦት ፍሉጣት ተጣበቕቲ መሰል

ኣብ ገማግም ሚድተራንያን ትርከብ ናይ ዞና ሊጉርያ ዋና ከተማ ዝኾነት ጆነቫ ኣብ ትበሃል ከተማ፡ናይቶም ኩሎም ኣብታ ከተማ ዚነብሩ ስደተናታት ህዝብታት ዓመት ዓመት ፌስትቫል ይካየድዩ።

እዚ ፌስትቫልዚ ባህላዊ ማለት ናይ ኣከዳድና፡ኣመጋግባ ኣሰራርሓ መግቢ ሙዚቃ፡ሳዕሳዒትን ካል ኦት ፍሉጣት ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት፡ኣምንስት ኢንተርናሽል …ካልእን ዚካፈልዎ፡ዘይፖለቲካዊ ፌስትቫልዩ።

እዚ ፌስትቫልዚ ሎሚ ዓመት ካብ ዕለት 13′ዩ ጀሚሩ።ኣብዚ ፌስትቫልዚ፡ማሕበረሰብ ኤርትራ ካብ ቶም ቀዳሞት ማሕብረሰብ ክነሱ ኣብቲ ዝግብር ባህላዊ ይኹን ካልእ ምንቅስቃስ የብሉን።ሎሚ ዓመት ግን ብሓደ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤትምህርቲ ጢልያን መምህር ዝነበር ኢጣልያዊ ዝተጻሕፈት ( ISOLA DAHLAK ) ዘርእስታ ኣብቲ ፌስትቫል ናብ ህዝቢ ክትቀርብ ብገለ ግዱሳት ኢጣልያውያን ቀሪባ።ኣሰናደ ውቲ ከኣ ምስቲ ኣብ ሓንጎሎም ዘሎ ኤርትራ ዝብል ቃል ሃንጎፋይ ኢሎም ይቅበሉዋ።ነዚ ተረኽቦዚ ዝፈ ለጠ ወኪል ህግደፍ ከኣ፡ቦታ ክረክብ ኮራኹሩን ገለ ላንጋላንጋ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ብምልኣኽ፡ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብዚ ዝግበር ምልላይ መጽሓፍ ክሳተፍ ይደሊዩ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም።ኣብዚውን ኣሰናደውቲ በቲ ጽቡቕ መንፈስ ተቀቢሎም፡ንዕለት 23/06 ቀዳማይን ዳሕራይን ብምግባር ኣብ ጋዜጣን ካልእን ክዝር ግሕዎ ጀሚሮም።

ነዚ ዘንበቡ ግዱሳት ዜጋታትን ብማሕበር ዝተጠርነፉ መናእሰያት ምሸት ሰዓት 5.00 ዝኽፈት ፌስ ትቫል፡ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ምስቶም ኣሰናደውቲ ብምርካብ ነቐፈተኦም ገሊጾም።ምናልባት ኣይቅበሉናን ካብዝብል ምጥርጣር ከኣ፡ሓሊፎም ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ላዕለዎት ብምዃድ፡

ዘመደ ተኽለ፡

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዘይ ቅዋም፡ብዘይ ፈራዲ፡ብዘይ ሓጋጊ ኣካል ን22 ዓመት ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት፡

ኣብ ኤርትራ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዘተኣታተወ ስርዓት፡

ብሰንኪዚ መናእሰያት ብባሕርን ብምድርን ዝስደዱላ ሃገር ዘሎ ስርዓት፡

ካብ 10 ሺሕ ክሳብ 30 ሺሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ጠበቓ ዘይብሎም ኣብ ቤትፍርዲ ዘይቀረቡ፡ስድራቤቶም ክርእይሉ ኣብዘይክእሉ ቦታታት ዘስፈረ ስርዓት፡

ብሰንኪዚ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ዲክታተሪያዊ ስርዓት ወካሊዩ።

ስለዚ ጸገም ህዝብን፡ስደትን ኣብ ኤርትራ መመሊሱ ክስስን ሃንዳሲ ናይዝኾነ ስርዓት ወካሊ ኣብ ዚ ዜጋታት ካብ ዝወርዶም ፖለቲካዊ ጸቕጥን፡ቁጠባዊ ጸገም ሓራ ንምዃ ን ዝተሰዱ ህዝብታት ዝገብሩዎ ፌስትቫል ናይ ክብሪ ዕድመ ክወሃቦ የብሉን።ዝብሉ ሕቶታት ብምቕራብ ዚኣኽሎም ቃልሲ ድሕሪ ምክ ያድ።ዕለት 15/06 ዘመደ ከምዘይመጽእ ጥርዓና ቅቡል ምዃኑ ካብ ኣሰናደውቲ ምላሽ ተዋሂቡ።

ከምቲ ዝተጸበናዮ ከኣ ዕለት 23/06 ደበኽ በለት።ዘመደ ኣይመጸን።ቀጺሉ፡ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ብዛዕባ ኤርትራ ተገዳስነት ዘለዎም ዕዱማት ከኣ ደራሲ መጽሓፉ ኣላልዩ።ብዛዕባ መጽሓፍ ዚወጾ ዘይብሉዩ።

በዚ ኣገባብዚ፡ጀኖቫ ከም ሚላኖን ሮማን ተቓውሞ ከጋጥመኒ ኣይክእልን፡ስለዚ ምሉቕ ኢለ ኣያኡ ምእንቲ ክሕጎስ ፖለቲካ ከካይድ ዝመደቦ ፈሺሉ፡ብምግሃስ መሰል ናይ ዝውቀስ ስርዓት ወካሊ ኣብዚ ክረ ግጽ የብሉን፡ቅድሚ ኩሉ መልክዕ ፌስትቫልኩም ክድወንዩ ኢሎም ብትብዓት ዚተቃወሙ ብታሕጓስ ርእሶ ም ክር ኣቢሎም ክወጹ ነዚ ግዕዙይ ስራሕ ዘዋደዱ ገለ ርእሶም ኣድኒኖም ከኸዱ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ፍጹም ኣየተራእዩን።

ኣማስያኡ ምስቶም ኣሰናደውቲ ፌስትቫል ዝግበርናዮ ርክብ፡ብዛዕባ ኤርትራን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ምንም ሃበረታ ከምዘይነበሮም፡ድሕሪቲ ሓበረታና ግን ምስ ዝለዓሉ ናይ መንግስቲ ብምርኻብ፡እቲ ኩነታት ካብቲ ንሕና ዝሓበርናዮም ዝኸፍ አ ምኳኑ ፈሊጦም፡” ንሕና ንጽቡቕ ኢልና ሰሪሕና፡ኣብቲ ንጽቡቕ ኢልና ዝሰራሕናዮ ተጠቂሞም ናብ ሕማቕ መንገዲ ወሲዶምና።ተቓውሞኹም ከይንጋገ ስለዝሃገዘና፡የቕንየልና ዚብል ስብርብር ዚበለ ድምጺ ኣስሚዖምና።ህግደፋውያን ኢዶም ከየንበሩ ክብለጽሉ ዝሓሰቡ ፌስትቫል ከኣ ብዙሃት ግዱሳትን ብወለንታ ዝሰርሑ ዘለዎ ስለዝኾነ፡ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነይ ስርዓት ከምዘሎ ክፈልጡ በቒዖም።

ሓቂ ሒዙ ዚተበገሰ ከባቢኡውን ይተሓባበሮዩ ከምዝበሃል፡ካብ ዜሮን በብመዳዩ ብዘይውዱብ ኣገባብ ዚተበገሰ ናይ ሳልስቲ ተቃውሞ ሓቂ ሒዙ ስለዝተበገሰ፡ነቲ ብወርሑ ተጸኒዑ ዝተዳለወ ጸፊዑ ሰዲዱዎ።

በዚ ኣጋጣሚዚ ኣቶ ዘመደ ተኽለ እሞ ናቱ እኹል ናይ ምዕራብ ዲሞክራስን ሕይወትን ኣጸቢቑ ዘስተማቐረን ዚፈልጥ ስለዚኾነ፡ወኪል ህግደፍ ኮይኑ ንበዳሊ ካብ ምግልጋል፡ምእንቲቲ፡ዲሞክራሲ ተነፊጉዎ ዘሎ ህዝቢ፡ምእንቲቶም ፍትሒ ተነፊጉዎም ዘለዎ ሰባት ክቀውም፡ቀጺሉ ከኣ ልክዕ ከምቲ ሰንበት ዕለት 23 ዝተዓዘብናዮ ንገለ ቅኑዓት ንገለ ከኣ በደለኛታት ብምቑጻር ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝገብሮ ምፍልላይ ምግጫውን ከቋርጽ ንምሕጸን።

ቅሳነትን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ፡

ተወልደመድህን

26/06/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Kalighe July 3, 2013

    “About your language proposal, I think you underestimate childrens’ ability to learn languages. each language would only require 3-4 hours/week.”

    I leave that to experts of the domain.

    ” Effective intercultural dialogue requires the acquisition of intercultural competences, including multiperspectivity and the ability to see oneself and familiar situations and events from the perspectives of cultural ‘others’.”

    This looks to be important, but it could be a slow process that gives a result only when an appropriate educational strategies for that end are put in place.
    There is no domain of knowledge or public policy strategy, where Eritrea could be the only country starting it. There are ample resources and experiences of many countries we can learn from, with support of UN agencies.

  • Zaul July 4, 2013

    Saleh Gadi owner of Awate.com talking about mine and his favourite subject.

    http://www.hafash.org/index.php?option=com_content&view=article&id=381&Itemid=471

    “The UNESCO Doctrine:

    I am not sure how UNESCO describes its goals and missions, but in the Eritrean context, in relation to the mother-tongue policy, I am taking the liberty to define it as follows: a doctrine that fiercely promotes the equality of languages. It promotes mother tongues as both a governing policy and as a means of education.
    Unwavering believers defend the doctrine as any fanatic would defend his faith.
    One of the mistrust of the constitution commission by most Muslims is because they believed it will endorse the PFDJ policies. Those who should have known didn’t object, those who didn’t know the reality of Eritrea, those who never ventured outside their villages to know the rest of Eritrea, considered the issue an intellectual exercise and trampled over the rights of others. As planned, the adaptation of the mother-tongue policy neither benefited the non-Tigrigna speakers, nor the Muslims who have always opted for Arabic. And the entire country is still going through a damaging journey.
    After twenty years of misrule in Eritrea, we all know the language issue is not theoretical any more. The UNESCO doctrine is just another useless acrobatics.”

  • Zaul July 4, 2013

    Tronvoll reports that the Jeberti sought and obtained recognition as a distinct ethnic group from the Ethiopian government before Eritrea became independent (ibid., 132). However, the fact that they had pursued and received such recognition “collectively stigmatized” the Jeberti in the view of the Eritrean Peoples’ Liberation Front (EPLF) who saw the apparent cooperation with the Ethiopian government as evidence that the Jeberti were “”subversive” to the Eritrean struggle” for independence (ibid.). According to Tronvoll, towards the end of the war which led to the separation of Eritrea from Ethiopia, the EPLF “deliberately targeted the Jeberti community,” assassinating their leader, Yassin Aberra in January 1991 (ibid.).

    Tronvoll contended that while some individual Jeberitis were members of the nationalist EPLF, traditional Jeberti leaders were loyal to Ethiopia before Eritrean independence and did not support the EPLF (21 Aug. 2009). Tronvoll further noted that since Eritrean independence was realized, the Jeberti people have felt “insecure about the new government” and are “reportedly harassed and intimidated” by the Eritrean government (21 Aug. 2009).

POST A COMMENT