Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ

 ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም  ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶ፡ ብምክንያት ሃገራዊ ብዓል ናጽነት ኤረትራ  ሃገራዊ ዘተ ከምኡውን በቶም ወናማት ሙዚቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ ተዳልይልኩም ኣሎ።      ሃገራዊ ቆጸራ ዝብል ተማ እንታይ ንግበር እስከ ንዛተ: 25 ዓምት ናጽነት

 ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም  ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶ፡
ብምክንያት ሃገራዊ ብዓል ናጽነት ኤረትራ  ሃገራዊ ዘተ ከምኡውን በቶም ወናማት ሙዚቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ ተዳልይልኩም ኣሎ።
     ሃገራዊ ቆጸራ ዝብል ተማ እንታይ ንግበር እስከ ንዛተ: 25 ዓምት ናጽነት ካብ ኮነ ስደት : እስርባት: ቅትለት: ባርነት: ውርደት: ጥምየት: ጥፍኣት :ሞት እስከ በሉ ንዛተ ህዝብን ክረክብ ሓርነት። ፍሉይን ፡ ተጽዕኖ ዘይብሉ ቅሉዕን ነጻን ዝኾነ ህዝባዊ ዘተ ንዕድም ኣለና።  ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ፡ ኣሰቃቒ ኩነታት ዘሕመመና ብዙሓት ከምዘለና ንፈልጥ፡ እንተኾነ ግን ካብ በብዘለናዮ ፋሕ ኢልና ንቃለስ ፡ ምስ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ብሓባር ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ሃገርና ክንዛራረብን ፡ሽግርና  ክንፈትሕን ፡ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።
ክንተኣማመን ንዛተ!
May 23, 2016
time 1:00 pm
847 Dovercourt rd
ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ
Eritrean Justice Seekers Toronto

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Berhe Tensea May 10, 2016

    We will be there.

  • k.tewolde May 10, 2016

    I notice all the Eritrean opposition and pseudo opposition websites are adorned with celebration parties of the 25th Anniversary of ‘independence’ of our country,however, those of us who are truly seeking justice for our downtrodden people have nothing to celebrate, on the contrary, I suggest all of us wherever we are around the world spend the day by huddling in a candle light vigil mourning and remembering those who have fallen for us,and those who are rotting in HGDEF’s dungeons, those who perished in the desert, those who became a bait for the Mediterranean sharks,those young sisters and brothers who are being raped and sodomized in a human trafficker holding cells,those refugee camps south of the border which are being used as organ procurement laboratories………..This human calamity is the outcome of 25 years under HGDEF’s rule. Is there anything humanly possible to celebrate this epic national failure? unless you are a sick masochistic pervert who gets a kick out of human suffering.

    • Amanuel May 11, 2016

      Accommodation is important. U can celebrate the way u want it. There are those including me who believe that independence was achieved through the blood of our heroes and immense contribution by the people, an achievement that deserve celebration with consideration of our ongoing sufferings at the hand of a group of gangs. Democracy and freedom are the headaches for these gangs and will not be achieved so long these gangs are there. Thus such celebration is important to rally everyone around these noble cause and empty their (stinky higdefites) venues.

  • Mike May 11, 2016

    እንታይ ደኣ ትጽበ ኣለካ ጠርናፊካን ዕላማን ዘይብልካ ድኣ መን ክጥርንፈካ ።ቡዙሕ ኣይትጸበ ገና ፋሕ ክትብል ኢካ ምናልባት መንግስቲ ኤርትራ ወይ ህግደፍ ተፈልጦ ተትከውን ዓጀውጀው ኣይምበልካን ሰራውሩ ነዊሕ እዩ ከም ቀላሚጦስ ።ኣብቲ ኣኬባካ ዘይኮነ ኣብ ርእስካ ኮይኑ ከኩልለካ እዩ።

  • ኣርዓዶም May 11, 2016

    ህግደፍ ብዝመጾ ኣገባብ እምበር ብዘተ ኣየልግስን ኢዩ፡ እቲ ኩሉ ክፉእ ነገር ዝፍጸም ዘሎ ድማ፡ ሕመቕ ናይ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ፡ ዓራትካ ኣለምሊምካ፡ ዝመጽእ ሓርነት ፍጹም የለን። ከም`ቲ ኣብ ብዓል ፋሲካ፡ በጊዕ ይኹን ደርሆ ኣንቒዕካ፡ ትሕጎስ፡ ሓርነት ንምጉንጻፍ ድማ፡ ሞባእ ከይከፈልካ፡ ከይሞትካን ደም ከይነቕዓካን ኣይመጽእን ኢዩ። ስለዚ ነዚ ድልዋት እንተኮይና ጥራይ ኢና፡ ብዛዕባ ህዝን ሃገርን ከም ንግደስ ክንፈልጥ ዝግባእ።

    ተዘይኮይኑ ኣኼባ ኣኼባ ኢዩ ዘምጽእ ዝወልድ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ኣንዳበልካ፡ ምስውስው ምባል ንሓርነት ዘቓላጥፍ ኣይኮነን። ሓርነት ማለት እኮ ሰላም፡ ቕሳነት፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ማለት ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ሃብቲ ፍጹም የለን። እቶም ስራሕና ተበኾርና`ኸ ወይ ስራሕ ኣለና እንብል፡ ተቓወምቲ ኣይኮናን። ምኽንያቱ ተቓውሞ ማለት`ኮ ንመሰልን ፍትሕን ሰላምን ተኾይኑ፡ እቲ ካብ`ቲ ግዝያዊ ስራሕካ ዝዓበየ ጉዳይ ኢዩ። ሓርነት ማለት ሰላም፡ ፍቕሪ፡ሕጊ፡ ፍትሒ ወዘተ ተሃልዩ፡ ብዝኾነ ይኹን፡ ነቲ ሕጂ ግዜኻ ሰዊእካ ምእንቲ ሓርነት እትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ክትክኣልካን ኣብ መርየትካን ህዝብካን ኣብ ሰላምን ፍትሕን ዝመልኣ ሃገርካ ኮይንካ፡ ኩሉ ክትመልሶ ትኽእል ኢኻ።

    ተዘይኮይኑ፡ ስራሕ ኣለኒ ኢልካ በቲ ሓደ ድማ ሓርነት ደሊኻ፡ ናይ ምምስውሳው ናይ ሓሶት ተቓውሞ ኢኻ ትሰርሕ ዘለኻ። እዚ ድማ፡ ጽባሕ ንግሆ ብመልሃስካ እምበር ብተግባር ኣብዘይፍረኻሉ ነገር ፡ ዋላ ሽሕ ግዜ፡ ሕጊ ዝተከተለት ሃገር ትኹን፡ ንሰብ ኣይትቕሽሾን ኢኻ፡ ዓቢ ኮይንካ ክትርኣ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ብኣኼባታትካን ምትላልካን እምበር፡ ዘፍረኻዮ ጉዳይ ስለዘየለ።

    ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ክብሉ ሰሚዕኩም ኣለኹም፡ ሓድነት ገይርና ፡ ስራሕና ገዲፍና ሓርነት ከነናዲ ብተግባር ተዘይተበጊስና፡ ቐጻሊ ብህግደፍ እንዳተጨፍጨፍናን ብዓለማት እንዳ ተሰሓቕናን ክንቕጽል ንኽእል ኢና።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ፡
    ሓድነት ሓይሊ ኢዩ፡
    ንሓርነት ብተግባር

    ኣርዓዶም

    • AHMED SALEH !!! May 11, 2016

      Ask ourselves what kind of contribution we offered then any complaint
      or criticism is in its place . Myself I can’t accuse those patriots
      who dedicated part of their daily life activity for Eritrean causes .
      Because at least they try to bring their broken communities together
      for common ground . I hope such activities were born long time ago .
      Anyway it helps to stay positive on resolving complicated issues and
      we learned not to underestimate the power of grass root movements that
      changed world politics .

POST A COMMENT