Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግቶን መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን

ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግቶን መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን  ህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግተን መሪላንድን ቪርጂንያን ከባቢኡን ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ኣብ ኣለክሳንደርያ ቪርጂንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ እቲ ኣከባቢ ዝመጹ ኤርትራውያን ተሳቲፎም። ህዝባዊ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣትና ድሕሪ

ጸብጻብ

ህዝባዊ ኣኼባ

ዋሽንግቶን መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን

 ህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግተን መሪላንድን ቪርጂንያን ከባቢኡን ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ኣብ ኣለክሳንደርያ ቪርጂንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ እቲ ኣከባቢ ዝመጹ ኤርትራውያን ተሳቲፎም።

ህዝባዊ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣትና ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መእተዊ ቃል ብኣሰናዳእቲ ቀሪቡ።  ስዒቡ   ናይ ፓነል ዘተ  ንምጅማር   ሰለስተ ፓነሊስት ፦ 1. ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ   2. ዶ/ር ዮናስ መሓሪ   3. ኣቶ ማሕፉዝ ኢብራሂምን፣  ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ምስ ተሳተፍቲ ተላልዮም።

ናይ ዘተ ፓነል መጀመርያ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ሓድሽ ውዑላት ኤርትራን ኢትይጲያን፣ ዝፈጠሮም ብድሆታትን ስግኣታትን ዕድላትን  መብሪሂ ድሕሪ ምቕራቦም፣  ናይ ሕቶን መልስን፣ ናይ ርእይቶታን ሓሳባትን መድረኽ ሰፊሕ ልዝብ ተኻይዱ።  ድሕሪ ህልው ኩነታት ምድህሳስ ፣ ኣብ እቲ እንታይ ንግበር ዝብል ዛዕባ ሰፊሕ መብርሂ ካብ ፓነሊስት ቀሪቡ።   ዝቐረበ መብርሂ ምርኩስ ብምግባር፣ ተሳተፍቲ ሰፊሕ ልዝብን ምርድዳእን ኣካይዶም።

እቲ ኣኼባ ብንጡፍ ተሳትፎ ናይ ኣኸበኛታት ተኻይዱ።   ፓነሊስትን ተሳተፍትን ነቲ ዛዕባታት ብብሱል ምርድዳእን ምቅብባልን ዳህሲሶሞ፣ ነቲ ልዝብ ድማ ኣሀብቲሞሞ።  ካብ ዝተላዕሉ ዓበይቲ ጉዳያት፦

  1. ህልው ኩነታት ኤርትራ ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአን እቶም ሓደጋታት ድማ እናዛየዱን ይኸዱ ምህላዎም መብርሂታት ቀሪቡ፣ ኣብቲ ኣኼባ ሓባራዊ ገምጋም ኔሩ።

 

  1. ሓደሽቲ ውዑላት ኤርትራን ኢትዮጲያን፣ ብቐንዱ ብዘይ ተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብን ሃገራዊ ትካላትን ብኢደወነን ውልቀሰብ ዝውሰድ ሕቡእን ዘይንጹርን ውዑላትን ስምምዓትን ዝምልከት ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይዱ። እቶም ስምምዓት፣ ከም ናይ ድሌት መግለጺ (Declaration of Intent) እንተዘይኮይኑ፣ ካብኡ ንላዕሊ ክውሰዱ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበሩ ውዑላት፣ ምሉእ ሕጋዊነት ዝህልዎም፣ በቲ ናይ እቲ ሃገር ሓጋጊ ኣካል እኹል መጽናዕቲን ግሉጽ ክትዕን ተጌሩሎም ምስ ዝጸድቁን እዮም፣  ቀየድቲ ዝኾኑ።  ኣብ ኤርትራ ብቅዋም መሰረት ብህዝቢ ዝተመርጸ ሓጋጊ ኣካል ኣብ ዘየለወሉ ኩነታት ፣ ንኹሉ ሕጋዊ ክብርን ግደን መሰልን ህዝቢ ጨፍሊቑ ዝገዝእ ውልቀ መላኺ ዝገብሮም ንልዑላውነት ዝግህሱን ዝፈታተኑን ውዑላት፣ ብመላእ ህዝብን ትካላቱን ክምከቱ ከም ዝግባእ ኣኼባ ገምጊሙ።

 

  1. ናይ እዚ ሓድሽ መድረኽ ብድሆታትን ሓደጋታትን ኣዝዮም ዓበይቲን ብዙሓትን እዮም። ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ፣ እቲ  ንኩሉ መዳያት ሂወት ሃገርን ህዝብን ዝረመሰ ምልካዊ ጭኮና፣ ካብቲ ዝነበሮ እናዛየደ ምኻዱ፣ ኣብ ክንዲ ናብ ህዝቢ ተመሊሱ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝላዘብ፣ ኣብ ኢትዮጲያ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ ብምምዝማዝ፣ ኣብ ናይ ጎረቤት ውሽጣዊ ጉዳይ ክቆማጣዕን፣ እቲ ብሰንኪ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ን20 ዓመት ዝኣክል ኣብ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩናት ንሃገርን ህዝብን ኣብ ጸልማት ዘስፈረ – ግምጥል ኢሉ፣  ዶብ ኣየድልየናን ኣዩ፣ ሓደ ህዝቢ ኢና ምባሉ እቲ ዝዓበየ መስደመም ኮይኑ ኣሎ።  ብስም ናይ ሰላም ዝግበር ዑደትን፣ ዝወሃብ መግለጺታትን፣ ንኽብሪ ሃገረ ኤርትራ ዝትንክፍ መግለጺታት መራሒ ህግደፍ ዓበይቲ ስግኣታት ይፈጥር ኣሎ።  ኣብ ዓበይቲ ሰሚናራት “ምስ ኢትዮጲያ ከም ሓደ ህዝብን ሓደ ሃገርን ክንሰርሕ ኢና” “ስልጣን ኣረኪበካ ኣለኹ፣ ዝብሉን ካልኦትን ካብ ሓደ መራሒ ናይ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ክወጹ ዘይክእሉ መግለጺታት ይህብ ኣሎ።  ኣብ ከባቢና ምስ ዘሎ፣ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘይምልከት ጎንጽታት ዝወሰዶም መርገጻትን  መደባትን፣ ንኤርትራን ህዝባን መጻኢኣን ዝፈጥሮ ሓደጋታት ተላዒሉ።   ብተወሳኺ፣ ናይ ፍትሕን ሓርነትን ኣንፈት ኣብ ዘይርኣየሉ ዘሎ ህሞት፣  እቲ ዝሓለፈ መሪር ናይ ስደት ዋሕዚ ከይኣክል ሓዲሽ መጠነ-ሰፊሕ ናይ ስደት ዋሕዚ ዓቢ ስግኣትን ሓደጋን ፈጢሩ ኣሎ።

 

እዚ  ሓድሽ መድረኽ ዝፈጠሮ ዕድላት ብዝምልከት፦ ዶብ ብምኽፋቱ፣ ሰብን ኣቑሑትን ክንቀሳቐስ ምጅማሩ፣ እቲ ንንዊሕ ዓመታት ተፈላልዩ ዝጸንሐ ክራኸብ ምኽኣሉ፣ ሕድሕድ ተመኩሮታቱ ሃለዋቱን ክርኢ ምኽኣሉ ኣወንታዊ ምዃኑ፣ ናይ ሃለኽቲ ኣቑሑ ምንቅስቓስ ኣብ ዋጋ  ምጉዳልን ንዝነበረ ዋሕዲ ምቅላሉን ብኸፊል ብኣወንታ ዝረእ ክኸውን እንከሎ፣  እቲ ብዘይ ዝኾነ ንጹር ኣገባብን ቅጥዒ ዘይብሉ ናይ ኣቕሑት ምንቅስቓስ ነቶም ብዓቢ ቀይዲን ቀረጽን ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን ናብ ክሳራታት የሳጥሖም ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቀጻሊ መጽናዕትን፣ ምክትታልን ምግባርን ነቶም ብድሆታትን ሓደጋታትን ብዕቱብ ምግጣም ነቶም ዕድላት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ፣ ዘላቒ ሰላምን ፍትሕን ሓርነትን ንኽወዕሉ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣኼባ መዚኑ።

 

  1. ሓድነት ብምርግጋጽ ልዑላውነት ኤርትራ ንምዕቃብን፣ ፍትሕን ሓርነትን ህዝባ ንምርግጋጽን ብጭቡጥ እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ምርድዳእ ተጌሩ። መጀመርያ እቲ ሕቶ ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን እዩ። ንሃገርናን ህዝብናን ካብ ሓደጋ ናብ  ሓደጋ ዘሳጥሕ ዘሎ ስርዓት ንምልጋስ ብኣድማዒን ስሉጥን መንገዲ ምቅላስ ምኻኑ ገምጊሙ።   እቶም ሓደጋታትን ስግኣታትን እናዛየዱ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፣ ኩሎም ኤርትራውያን ተቓወምትን ደግፍትን ዝብል ፍልልይ ኣወጊዶም፣ ከም  ህዝቢ ናይ ልዑላዊት ሃገር ኣብ ልዑላዊ ሃገራዊ መርገጺ ብሓባር ደው ክብሉ ጸዊዖም።   እቲ እንኣትዎ ዘሎና መድረኽ፣ ብዓይነቱን ብትሕዝትኡን ካብቲ ተቓወምትን ደገፍትን ንባሃለሉ ዝነበርና ዝተፈልየ እዩ። ሓዲሽ ናይ “መደመር” ፖለቲካ፣ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ኤርትራን ልዕላውነታን ዘነጻጸረ ስለዝኾነ፣ ብዕቱብ ምርድኡን፣ ብብቕዓት ምግጣሙን፣ ናይ መላእ ኤርትራውያን ዕማም ምዃኑ ኣነጺሩ።

 

ደምበ ፍትሒ ኤርትራ  –   ደምብ ፍትሕን ልዑላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ  ብምዃኑ፣  ብኣድማዒ መንገዲ፣ ብደረጃ ልዑላዊ ሃገርን ህዝብን ክንሰርሕን፣ ኣወዳድባና ከነማዕብልን እዚ ፈታኒ መድረኽ ይጠልበና እሎ።    ነቲ ብቐጢን መምርሒ ናይ ሓደ ጉጅለ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ መደባት ምልካዊ ጉጅለን ኣብ ባይታ ዝፈጥሮ ዘሎ  ኩነታት ምምካት ህጹጽ ዕማም ናይ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ሓይልታቱን እዩ።  ፋሕ ኢሉ፣  በብዘልዎ  በብዝመስሎ ተቓሊሱ ከድማዓሉ ኣሸጋሪ እዩ።   ኩሉ ጻዕርታትናን ቃልስታትናን  ምስማር፣  ምስ ኩሎም ስብ ብርኪ  ምትእምማን ምፍጣርን፣ ብህዝቢ ዝተደገፈ ፣ ንኹልና ዝውክለናን ንጸጋታትናን ጻዕርታትናን ዘወሃህድን ዘማዕብልን ኣካል ክህልወና ኣለዎ።

 

እቲ ብውድባት፣  ብምሕዝነታት፣ ብማሕበራትን  ብውልቀሰባትን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ክብርን ሞጎስን ይግበኦ። ይኹን እምበር፣ እዚ ዓቢ ህዝባዊን ሃገራዊን ጉዳይ – ጉዳይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ፣   ካብ ተመኩሮና ክንመሃር፣ ስራሓትና  ናይ ተልእኾን ዕላማን ንጹርነት ክህልዎ፣ ዝካየድ ልዝባትን ስምምዓትን ኣብ ክንዲ ኣብ መሪሕነታት ጥራሕ ዝሕጸሩ፣ ናይ ህዝቢ ክንገብሮም ካብ ታሕቲ ክመጹን ክምዕብሉን ኣለዎም። ጽዕርታትና ኣሳታፊ ክኸውን፣ መንእሰያትና ንጡፍ ግደ ክጻወቱን ናይ ምምራሕ ዓቕምታት ከነማዕብልን ይግባእ።  ከም ህዝባዊን ሃገራውን ዋኒን ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሰርሕ ብብቕዓት ዝልለ ኣመራርሓ ክህሉ ይግባእ።  ኣብ ኣድማዒ ስራሕ ብምጽማድ ከነፍሪ፣ ንእነካይዶ መደባት ክንግምግም ክንበቅዕ ኣሎና። ብዝሒ ኣካላት ዘይኮነ፣ ኣድማዒ መደባትን ናይ ስራሕ ንጥፈታትን ክህልዉና ኣለዎ ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ ናይ ፍታሕ ሓሳባት ተዘትዩሎም።

ህዝባዊ ኣኼብ ዋሽንግተን መሪላንድ ቭርጂንያ ንዘልዓሎም ኣጀንዳታት  ዳህሲሱ ሰፊሕ ምርድዳእ ኣካይዱ። እቶም ዛዕባታት ኣዝዮም ኣገደስትን ዓበይትን ብምንባሮም፣ እቲ ንንውሕ ዝበል ስዓታት ዝተኻየድ ኣኼባ ልዙብ፣ ሓላፍነታዊ፣ ንቕድሚት ዝጠመተን ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ኣቲ ኣኼባ – መላእ ተሳተፍቲ  ኣኼባ – ብዕቱብ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን ክቃለሱን፣ ዓቕምታት ደምበ  ልዑላዊት ኤርትራን ሓራ ህዝባን ኣብ ምስማርን ምድልዳልን ከይሰልከዩ ክሰርሑ ወሲኖም።  ኣብ ዋሽንግተን መሪላንድን ቭርጂንያን ኣክባቢኡን ንዘሎ  ህዝባዊ ትካል/ ማሕበረሰብ ንምድልዳል ተላዚቦም።  ኣብ ቀረባ ግዜ ዝካየድ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኼባ  ተግባራዊ ናይ ስራሕ መደባት ብምስኣል ናብ ስራሕ ክእቶ ተሰማሚዖም።

 

ኣሰናዳኢት ኣኼባ

ዋሽንግተን መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን

8 ታሕሳስ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Wedi Hagher December 19, 2018

    “ኣብ ኣድማዒ ስራሕ ብምጽማድ ከነፍሪ፣ ንእነካይዶ መደባት ክንግምግም ክንበቅዕ ኣሎና። ”

    ——-

    ኩሉ ኢቲ ንሃገሩ ጹቡቅ ዝምነ፥ ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ክሰግር ይደሊ ኣሎ።
    ናይ ስራሕ ትካል ፥ ኣብዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ኢንታይ ኣፍሪና፥ ስለምንታይ ውጺእት ስራሕና እዚ ጥራይ ኮይኑ ፥ እሉ ፥ ዘድሊ ምጽብጻብን ምትዕርራይን ክገብር ክኽእል ኣሎዎ። ዝዕቀን ውጺኢት ኣንተ ዘይሃሊዩ፡ ኢቲ ትካል ይሰርሕ የለን።
    እዚ ንሃገርና ዘሳቂ ዘሎ ፥ ብብረት ኢንተ ዘይኮይኑ ክኣልየኒ ዝኽል አለን ዝብል እምነት ዘሎዎ ደመኛ ጉጂለ ኢዩ።
    ስለዚ ኢቲ ዕማም ቀሊል ኣይኮነን ፥ ብሃገር ደረጃ ፥ ጎስጛስ ተገይሩ፥ ኩሉ ብድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ዘጋ
    ኣብ ምእላዩ ክሳተፍ ኣሎዎ።

  • Wedi Hagher December 19, 2018

    ኣይተ “ሲየ” (ዓዲ ተክለዛን)

    ንአሪትራ ማዕረ ክንደይ ከምትጸልኣን፥ መን ሙኻንካን፥ ክትሓብአ ኣይካልካን።
    ሓደ ክማኻ ፥ ብሰንኪ ዝሓደሮ ዱጉል ንባሪ ጽልኢ ፥ “እዦም በረኽኛታት” ክብል ኢንተ ዋዓለ ኢንተ ሓደረ፥ ቡዙሕ ኣቃልቦ ዝገብረሉ የለን።
    ንሙኻዋኑክ፥ ማኣስ ኢኻ ክትቀስን ?

  • aditekelezan December 20, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ እኳ እንተዘይኮነ ስለ ዝቐሰነስ ክቐስንየ. እቶም ዝጠፍኡ ደቁ ግን ንዘልኣለም ኣብ ልቡ እዮም.ንኤርትራ ዝጸልኣ ድማ ኣዝማደይን ደቂ ክልልለይ ኤርትራውያን ብኸንቱ ስለዘጥፍኣትለይ
    Hagherawi , I have lost lots of families in the village were my father & mother were born…ie. in hamasen & seraye awraja.FOR NOTHING !!!

    • k.tewolde December 20, 2018

      aditekelezan,where do you think we are from,planet krypton? you are so consumed with hate you can’t think rationally.Instead of reciting scrolls of 3000 years,just google the meaning of nationalism and its conceptual origination and learn with open mind and you will never see nationalism with imagined divinity or blood relationship again like the tyrant who is traveling to Gondar to reunite with his long lost relatives,not that I am against tracing your roots,Americans do that everyday but still remain Americans.Get out of that abashawl mentality and save your disappearing people with a rational and sound mind.

POST A COMMENT