Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጎብየ

እመስለኒ ኔሩ ኪንዮ አድማስ - ማዕዶ እተቋምት ብሕልናኻ እትርታዕ - ኣብ ሓቂ እትመውት ብሕጊ እትግዛእ - ፍትሒ እተንግስ ንሰላም ትቕልስ - ልቢ እትመልስ ሩፍታ ሰላም ትህብ - ቃል ማሕላኻ ዘይተዕብር ውጹዕ ህዝቢ እትሓቁፍ - መብጸዓኻ እተተግብር:: መሲሉኒ ተታሊለ ኔረ ድሓር ግን ፈሊጠዮ

እመስለኒ ኔሩ ኪንዮ አድማስ – ማዕዶ እተቋምት
ብሕልናኻ እትርታዕ – ኣብ ሓቂ እትመውት

ብሕጊ እትግዛእ – ፍትሒ እተንግስ
ንሰላም ትቕልስ – ልቢ እትመልስ

ሩፍታ ሰላም ትህብ – ቃል ማሕላኻ ዘይተዕብር
ውጹዕ ህዝቢ እትሓቁፍ – መብጸዓኻ እተተግብር::

መሲሉኒ ተታሊለ ኔረ
ድሓር ግን ፈሊጠዮ ተግባራትካ

ኣብ ባሕሪ ክፍኣተ ተንኮል – ከም ትሽመም
መዋእልካ ብጥጅእ ሽርሒኻ – ከም ትሕምም

ሕንዚ ከምትነዝሕ – መጋርያ ሓዊ ከም ተሳውር
ሓሶት ተጎልቢብካ – ብምድንጋር ከምትነብር

ንሓቂ ፈሪሕካ – ኣሉ ከምተፍቅር
መንእሰይ እንዳጨፍለቕካ – በራዩ ከምትቅይር::

ንሓፋሽ እንተኣገራህካ – ድርዒ ተደሪዕኻ
ደንጎላ ክትመስል – ርእስኻ እንተቀቢርካ

ሕጂስ ጎብየ እቲ ከውሒ ልብኻ – ዓለም ፈሊጥዎ
እከይ ተግባራትካ – ህዝቢ ፈንፊንዎ

ዘዘው ካብ ኮነ – ግዜ ምንዋሕ ዕድሜኻ
መለክዒ ስኢነሉ – ጸጋ ምንባር ህላዌኻ::

ግን ዘይተቋርጽ ምንባር

ስቅታ ውሒጡካ – ብትዕቢት ካብ ትዕብለል
ሂወትካ ኣብ በዓቲ – ኮለል ካብ ተኾብልል

ካብ ትኸውን ሰኸም – ጾር ናይዛ ምድሪ
ሞት ዘይሕሸካ – ዘይተሕጽር ዕምሪ

ጎሰስ እንዳበልካ – ግዜ ካብ ትቆጽር
ብዘይ ገለ ፍረ – ንዓመታት ካብ ትነብር

ዘይኣኽለካ ዘዘው – ካብ ፍረ ኣልቦ ምንባር
ናብ መቓብር ዘይተማዕዱ – ኣብ ሞት ዘይትነብር::

ሰላምይንገስ (ወዲደባስ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Michael Aman October 18, 2011

    ቡሉጽ ሓሳብ ምስ እዋናውን ቡቁዕን መልእኽቲ። ይበል ኣሰራርዓ ቃላት ምስ ሓጺርን ንጹርን መልእኽቲ። ብራቮ ወዲደባስ!!!!!!!!!!

POST A COMMENT