Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግንቦት፡ ኣውያት ደቅኺ ስምዒ

ግንቦት፡ ብዕልልታ ተቀቢልናኪ ኣእዳውና ዘርጊሕና ናይ ልብና ሂብናኪ ዋልታ ድርዒ ክትኮንና ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ክብረት ውርደት ተቀቢልና ኣብ ገዛእ ሃገርና ጓኖት ኮይንና ዘኽቲምና ናብራ መሪሩና። እንቲ ግንቦት፡ ኣበይ ኣለዉ ኣይትብልን ዲኺ ዝጥፍኡ ደቅኺ ስለ ንጹሃት ወገናትኪ ኣይትጣበቅን ዲኺ ካን ኣስቂጥኪ

ግንቦት፡ ብዕልልታ ተቀቢልናኪ ኣእዳውና ዘርጊሕና

ናይ ልብና ሂብናኪ ዋልታ ድርዒ ክትኮንና

ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ክብረት ውርደት ተቀቢልና

ኣብ ገዛእ ሃገርና ጓኖት ኮይንና ዘኽቲምና ናብራ መሪሩና።

እንቲ ግንቦት፡ ኣበይ ኣለዉ ኣይትብልን ዲኺ ዝጥፍኡ ደቅኺ

ስለ ንጹሃት ወገናትኪ ኣይትጣበቅን ዲኺ

ካን ኣስቂጥኪ ኣውያቶም እናሰማዕኪ

እዚ ድዩ ነይሩ ናይ ትማሊ መብጽዓኺ?

ግንቦት ስም ሒዝኪ ተሪፍኪ ብዘይ ህዝቢ

ጉሓላሉ ፈቲኺ ሰብ ክልተ ልቢ

ልምዓት ሓሪምክና ናይ መስዋእትና ዓስቢ

ዘይናትና ኮይንኪ ተናኻሲት ከም ንህቢ።

ግንቦት፡ ኣብ ክንዲ ምጥርናፍ ምብትታን ፈጢርኪ

ኣብ ክንዲ ሓልዮት ስስዐ ኣሳዕሪርኪ

ኣብ ክንዲ ሓጎስ ሓዘን ኣበሲርኪ

ዳግማይ ክንኣምነኪ ንገርና ጸገምኪ ብልሓትኪ።

ግንቦት፡ ኣብ ጽላልኪ ክንዝቲ ነባሪ ማሕላ ፈጽሚ

እምባ ቅሳነት ክንሃንጽ ክንስልሞ ቂሐ-ጽልሚ

ኣብ ቦታ ስቃይ ራህዋ ኣግዝሚ

ናብ ልብኺ ተመለሲ ሕድርኺ ፈጽሚ።

ግንቦት፡ ኣእዳውኪ ስደዲ ናብ ከርሲ መሬትኪ

ታሪኽ በርብሪ ናይ ዝተረሸኑ ደቅኺ

ብደሞም ወርቅዮ መጻኢ ወለዶ ክፈልጦ

ሓቂ ከይቅበር ኣባይ ከይሰርቆ ከይዓብጦ።

 

ግንቦት፡ ተስፋ ነይሩና ክንውንን ናጽነት

ኣብ ንፈትዋ ሃገርና ክንነብር ብቅሳነት

ጥሙይ ክዕንገል ክውገድ ድኽነት

እንተኾነ፡ ንዓኺ ምስረኸብና ኣቲና ኣብ ሲኦል ደልሃመት።

ግንቦት፡ ኡይ! በሊ ብዓውታ ዓለም ክሰምዓኪ

ሓቀኛ ናጽነት ክትህብና ንምሕጸነኪ

ቀንዴልኪ ዘርግሕዮ ንጸልማት ቀንጢጥኪ

ንውሉድ ወለዶ ክብሪ ክንህበኪ።

ግንቦት፡ ብመዓር ተስፋኺ ተደናጊርና

ምስ ዓይነ ብርክና ለሚስና ብመቁሕ ተኣሲርና

መሬት ብብርሃኑ ጸልሚቱና ክይንዛረብ ኣፍና ተዓቢስና

ብህይወት ተቀቢሩ በኒኑ ባህጊ ምንባርና።

ግንቦት፡ እንታይ ኢና በዲልና ኣበሳና ሓብርና

ናትና ኩኒ ሓዚልኪ ረርውና ጠውርና

ፍርያትኪ ክንከውን ኣይትፈንፍንና- ኣዕስልና

ኣድሓነት ክንብለኪ ንመጻኢ ወለዶና።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (28 ሚያዝያ, 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT