Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጥፉእ: ተቖጠብ ኣይትዛረብ ኩፉእ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጥፉእ ተቖጠብ ኣይትዛረብ ኩፉእ Tesfamariam Wel. 16/02/2015 Oslo Norway   ገንዘብካ ተጋሒጡ ህዝብኻ ተባሪሩ ህዝቢ ብጥሙዩ ኣብ ስዊዝ ተዓቍሩ ኣለውን ዘይተነግረ ኣብ ጪና ተሃጊሩ ደጋፍ ህግደፍ ጸልሚቱኳሎ ምስጢሩ   ቅበጽ ህግደፋዊ ተስፋ የብልካን ፍልሖ ኣትዩካ ብኸመይ ክትድሕን ክንፊ ዘይብሉ ቁርዲድን ኣንበጣን ዘይምሕሩ ባልዕ ኦሮሞን ደምህትን   ግደፍ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጥፉእ

ተቖጠብ ኣይትዛረብ ኩፉእ

Tesfamariam Wel.

16/02/2015 Oslo Norway

 

ገንዘብካ ተጋሒጡ ህዝብኻ ተባሪሩ

ህዝቢ ብጥሙዩ ኣብ ስዊዝ ተዓቍሩ

ኣለውን ዘይተነግረ ኣብ ጪና ተሃጊሩ

ደጋፍ ህግደፍ ጸልሚቱኳሎ ምስጢሩ

 

ቅበጽ ህግደፋዊ ተስፋ የብልካን

ፍልሖ ኣትዩካ ብኸመይ ክትድሕን

ክንፊ ዘይብሉ ቁርዲድን ኣንበጣን

ዘይምሕሩ ባልዕ ኦሮሞን ደምህትን

 

ግደፍ ከይትጠዓስ ሕሰብ ኣጸቢቕካ

ኣይተቃልሎ ስማዕ ማዕዳ ኣሕዋትካ

ሃገር ናይ ኩልናያ ኣይኮነትን ናትካ

ተፍቅራ ተኾንካስ ስርሓላ ከይሞትካ

 

እዋይ ዋይ ከይንብል እዋይ እዋዬ

ከይጠፍአት ብሓባር ነጺህና ንጓዬ

ተጠርኒፉ ይቃለስ ዝናኣሰ ዝዓበየ

ሃገርና ትጽበላ ንመንእሰይ ንኡሰየ

 

ሎሚ ህግደፍባ ቲኦምባ ይጽናሓልና

እንተኾነ ሰላምን ፍቕርን የውርደልና

እንተ ተደልዩ ቆየቓ አበይ ከይከደና

ቅድም ነድሕና ካብ ወራር መጻእተኛ

 

ቀደም ተባሂሉ ዋንኣ ዘይትፈቱ መሬት

ብሓሶት ሓደ ሽከቲ ብል እቲ ሓደ ጾሎት

ብሎኮ ጎዳይፍ ዝኣተዉ ድሓር ንገጀረት

ሽዑ ጀሚራያ ሃገርና ኤርትራ ዝተወረት

 

ክንዲ ኣኽቢሩ መሬት ንመሰሎም ዝዓደለ

ኣሕዋትና ብማለት ምስ ደቀባት ዘደላደለ

ክንዲ ሓቍፉ ብኣኽብሮት ሸይሸይ ዘበለ

ዚዶ ምተፈድየ ዝህዝበዚ ንሽጉር ዝዓንገለ

 

እንሆ ኤርትራ ተወሪራ ብዘይ ናታ ህዝቢ

ወደባት ተኣሲሩ ኣብ ገዛእ ዓዱ ከም ከልቢ

ዕሸላት ደቁ ወፍዩ ኮንቱ ተሪፉ ብዘይ ዓስቢ

ከመይ ኮን ይስሞዖ ይኸውን ንዘለዎ ቀልቢ?

 

ኣብ ሻማ ሻማ ግዕዘይ ምምሕዳር

ህዘቢ ደንጽይዎ ናይ ሃገርና ነገር

ተዓኒዱ ጨኒቑዎ ታይከም ዝገብር

ኣብ ክንዲ ራህዋ ዓስቡ ኮይኑ ሽግር

 

ንጥቕሞም ክምእርሩ ጃንዳ ህግደፍ

ሓንጎሎም ተመሪዙ ብሃርገፍገፍ

ህግደፋዊ መንፈስ ብህዝቡ ዘይስከፍ

የሕልፎሎ ብጸፋዕፋዕ ብዎልከፍከፍ

 

ሓሶት ስብከት ዝቐለቡ ዝበልዎ እሺ

ኣንዊሑ ዘይሓስብ ብቐሊል ተቐሻሺ

ክሓትት ዘይፍቀዶ ፈራሕ ተቓላሲ

ብኣፉ ዝልፍልፍ ብሓሶት ደሞክራሲ

 

ደገ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ዘይሓፍሩ

ጽቡቓላ ሃገር ናበሉ ንዓና ከጭበርብሩ

ንኽራኣዩ ኣብ ቅድሚ ሽጉር ክዕንድሩ

ኣብ ዲስኮተክ ከይዶም ቆልዑ ከሰራስሩ

 

ድኽመተን ኣጽኒዖም ሕጻናት ክጽይቑ

በጻሕቲ መሲሎም ስድራ ከም ዝናፈቑ

ተሰማዕካስ ቆልዑ ሓቍፎም ክማሙቑ

ምስ ተመልሱ ምስ ደላይ ፍትሒ ይቋየቑ

 

ጉዶም ክሽፍኑ ምስ ዘሎ ስርዓት ይጽግዑ

ተዓጢቖም ክርአዩ ኣብ በዓላቱ ይስዕስዑ

ህግደፍኳ ንዒቑዎም ኣይስተዩ ኣይብልዑ

ሕሱራት ፍጥረት ኣይ ዓበይቲ ኣይቆሉዑ

 

ህግደፋውያን ተተዛረቡ መንገዶም ንጹርዩ

ከፊኦም ዘሎዉ መበጻጻሕቲ ዘረባ ዝኣራርዩ

ዓዲ ክበጽሑ ኣለና ምሳኹም ከብሉ ክረአዩ

ብላዕላዮም ስረ ብውሽጢ ቀሚሽ ዝወደዩ

ብፍርሕን ብራዕድን ዘቕቢቦም ዝተሳቐዩ

 

ህዝብና ተገዲዶም ሃገር ገዲፎማ እንተኸዱ

ርአ ይዎ ድሮ ተኪኡዋ ብመበቆል ደቅዓዱ

ብዓመጽ ብዘይ ድልየቱ ተሓናፊጹ ተዋሊዱ

ዘርኢ መን ምኳኑ ከም ዘይፍለጥ ትውልዱ

 

ታሪኽ ሃገር ኣበላሽዩ ህዝቢ ጮኲኑ ከበሳብስ

ኣውራጃታትና መቓቒሉ ሕጊንዳባ ክድምስስ

ምቁር ኣስማተን ደምሲሱ ንሓንቲ ንዘይዓብስ

ህግደፍ ዝቕኒ መሲልዎ ጽባሕ ንግሆ ንዘልግስ

 

መቓብሩ ተኳዒቱ ዝቐብሮ ዝሰኣነ ህግደፍ

ናይ ተስፋ ቆሪጸ ተጋዓረ እንተለ ሃተፍተፍ

ሓቂ ከይመስለካ ምሽሙሽ ጽባሕ ንዝጎሓፍ

ምስ ህዝብኻ ይሕሸካ ነሕዋትካ ኣይትጻረፍ

ኣብ ጥፉእ ኣይትዛረብ ኩፉእ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Semhar February 17, 2015

    Thank you Tesfamariam for telling us how ህግደፍ and the mad dog Isayas has been destroying our culture, our religion, our land and our people.

    We should implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    The time is now!
    Thanks God our people are armed!
    We must get rid the mad dog Isayas, his son and his blind followers HIDEF just like the Libyans did to Gadafi and his sons.

POST A COMMENT