Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድርብ መሪር ሓዘን

ድርብ  መሪር  ሓዘን                         ዕለት 25.04.2015 ክሳዉዲ ደቅሰብ ከም መሸላ ክጉናእ ኣራእስ ደቅሰብ ብጥይት ክጋማማዕ የሕዝን ከም ሕሱም የንብዕ ኣእምሮካ የዛናብል..ልብኻ ደም የንዝዕ ገበኖም ክርስትያን ጥራሕ  ስለዝኾኑ ከም ኣባጊዕ  ፋሲካ ብካራ ዘኽስተኑ ጽዩፍ ተግባራቶም ብዓለም ተኾኒኑ ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ እንበር.. ናይ ኢዶም ክንደይ  ከይስእኑ ኣብ

ድርብ  መሪር  ሓዘን

                        ዕለት 25.04.2015

ክሳዉዲ ደቅሰብ ከም መሸላ ክጉናእ

ኣራእስ ደቅሰብ ብጥይት ክጋማማዕ

የሕዝን ከም ሕሱም የንብዕ

ኣእምሮካ የዛናብል..ልብኻ ደም የንዝዕ

ገበኖም ክርስትያን ጥራሕ  ስለዝኾኑ

ከም ኣባጊዕ  ፋሲካ ብካራ ዘኽስተኑ

ጽዩፍ ተግባራቶም ብዓለም ተኾኒኑ

ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ እንበር..

ናይ ኢዶም ክንደይ  ከይስእኑ

ኣብ መሬትን ኣብ ሰማይን ..

ሃልሃልታ ጋሃነም ከስሓኑ

 

ኣብዓዲ ሞት ፡ ኣብስደት ሞት

ኣበይ ኣሎኺ ሂወት

ኣበይ ኣለኺ ቅሳኔት

ነዊሑና ንኣኽን ከነ!ቋምት

 

 

 

ሕሪ’ዉን ዘርዩና 350 ወሲዱ

ድርብ መሪር ሓዘን ኣባና ወሪዱ

ጸላም ዝጋሮዶ ኣርሒቅካ ከይተማዕዱ

ኣሕርር የብለካ ኣብ ባሕሪ ከብድኻ

ሓዊ ኣጉዱ

 

 

እዞም ጃንዳ ካብ ወሰኑ ከጥፍኡና

ባዕሎም ኣይጠፍኡን  ኢዮም..

ከም ሃፋ ደመና !!!!

ብሓባር ምስራሕ ካብ ሓንገድና

ንምታይን ፧ስለምንታይ፧ እንድዒ..

ክንጭፍለቕ ኢና ገና ከይፈተና

 

 

 

 

ኣምላኽ ኢዩ ግዲ ጸሊኡልና

ደቅና ተኾብኩቦም ክሽየጡ እናረአና

ደቅና ክዕመጻ እና ሰማዕና

ብተናጸል ክንሓስብ መሬት ዓሪቡና

ምስ ምሉእ ዓቕምና  ክእለትና

ሳኣን ኢደይ ኢድካ ንጠፍእ ኣሎና

 

 

 

 

መንግስታት ብሓደ ኩኑ እናበሉ

ብሓንሳብ እነኹ ክብል ..

ርብዒ ዘመን ዝወስደሉ

ንንሕድሕዱ ነገር ዝኽቻኽች ዝቖላሉ

መጽለሊ  ጽላል ዳዕሮ ዘየብሉ

ህዝብና ብዉሽጥን ብደገን ተስፋ ሲኢንሉ

ይጠፍእ ኣላሎ ተነቒሉ

ሞትን ወረሞት እንሆ ዓብሊሉ

 

 

 

 

ንዝሞቱ  እግዝኣብሔር

ኣብ መንግስተሰማያት ይቀበሎም ባዕሉ

ዘሎና ንማህለል  እግዚኦ  በሉ

ኣምላኽ ይኣኽለኹም ክብለና

ምዕራፍ ክገብረሉ ።

 

ጽንዓት ንኹልና ኣህዛብ

ኢትዮጵያዉያን

ኤርትራዉያን

እስጢፋኖሰ መንግስትኣብ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT