Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጺ ሓፋሽ፡ ቀደም ድምጺ ሓፋሽ ሎሚ ድምጺ ዓመጽን ውልቀሰብን

ድምጺ ሓፋሽ፡ ቀደም ድምጺ ሓፋሽ ሎሚ ድምጺ ዓመጽን ውልቀሰብን ስርዓት ህግደፍ ዘይዛረቦን ጤል ዘይትበልዖን የለን፡ ኢልካ ምሕላፍ እኹል’ኳ እንተዘይኮነ ንሓሶታት ህግደፍ ከተቃልዕ ካብ ጉይይ ምዓልን ምድካምን፡ ክሳድ ሒዝካ ቁንጣሮን በዳህትን ሓቅታት ምቅራብ መሪጸ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን

ድምጺ ሓፋሽ፡ ቀደም ድምጺ ሓፋሽ ሎሚ ድምጺ ዓመጽን ውልቀሰብን

ስርዓት ህግደፍ ዘይዛረቦን ጤል ዘይትበልዖን የለን፡ ኢልካ ምሕላፍ እኹል’ኳ እንተዘይኮነ ንሓሶታት ህግደፍ ከተቃልዕ ካብ ጉይይ ምዓልን ምድካምን፡ ክሳድ ሒዝካ ቁንጣሮን በዳህትን ሓቅታት ምቅራብ መሪጸ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ራድዮ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ምስ ጋዜጠኛ ገረመስቀል ገረዝግሄር ቃለመጠይቅ ተኻይዱ ነይሩ። ኣነ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ስለዝሰራሕኩ፡ እቲ ንጋዜጠኛ ገረመስቀል ዝቀረበሉ ሕቶታትን ንሱ ዝመለሶን ብኣካል ስለዝነበርኩን ኣሰራርሓ ናይ ቀደም ድምጺ ሓፋሽ ናይ ሎሚ ድምጺ ምልኪ ስለዝፈልጦን፡ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-ማሕተት ኣይሓደሰንን። የግዳስ ጋዜጠኛ ገረመስቀል፡ ብፍላጥ ወይ ብግርህና ዘልዓሎ ኣገዳሲ ጉዳያት ስለዝነበሮ ሸለል ኢለ ክሓልፎ፡ ዓድኻ ክዝመት ዓይንኻ ኣይትተዓመት ኮይኑኒ።

ብርግጽ፡ ገረመስቀል ህርኩትን ተፈታዊ ድምጽን ኣቀራርባን ዘለዎ ጋዜጠኛ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ግን፡ ክእለቱን መንፍዓቱን ንቀይናን ዕላማታት ህግደፍ ንምግልጋል እምበር ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፡ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ካብ በረኻ ዝኣተዉ ተጋደልትን ድሕሪ ናጽነት ዝተቆጽሩን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ በላሕቲ፡ ጻዕራማትን ምቅሉላትን ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ነይሮም። ብመሰረት ስነምግባርን ሞያን ጋዜጠኝነት ድማ ንዓምጻጺ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ እናተቆራቆሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እዋናዊ  መዓልታዊ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ፡ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ከምኡ’ውን ኣብ ንጥፈታት ትምህርትን ምዝንጋዕን ዘይንዓቅ ኣበርክቶ ገይሮም።

እንተኾነ ዘራጊ ኣንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከምዝብሃል፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ጸላኢ ናጻ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠኛታትን ስለዝኾነ፡ ነተን ንሓጺር እዋን ዓንቢበን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንጋዜጠኛታተን ኣሲሩን ኣብቲ ሞያ ንኸይነጥፉ ኣጊዱን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፈትዩ ጸሊኡ ነተን ብስርዓት ህግደፍ ዝውነናን ዝምቡዕን ድሩትን ሓበሬታ ዘቅርባ ራድዮ፡ ጋዜጣን ተለቪዥንን ከምዝሕጸር ገይሩዎ። ብዙሓት ናይ መንግስትን ናይ ብሕትን ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊሮም ዝነበሩ ንጡፋትን ምኩራትን ጋዜጠኛታት ንማእሰርቲ፡ ስደት፡ ድኽነትን ምድስካልን ተፈሪዶም። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ሓቅን እዚ እንከሎ ኢዩ ድማ ስርዓት ህግደፍ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ንጋዜጠኛ ገረዝጊሄር ቃለመጠይቅ ብምክያድ ዝተበከለን ዝጠቀረን ታሪኽ ነጊፉ ኣብ ሓድሽ ከብሒ ከቀምጦን ጉሰምዎን ዝብለና ዘሎ። ነታ ናይ ሓሶት ድምጺ ሓፋሽ፡ ምንጪ ዝተረጋገጸ ሓበሬታን ሓቅን ብምባል፡ ነቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት፡ ምስዚ ናይ ሎሚ ዝተፈልየ ክውንነት ከጣብቆን ከመሳስሎን ዝህቅን ዘሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ድምጺ ሓፋሽ ፍትውትን ተጠባቂት ሓቅን ድያ?

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ተራ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ህዝብና ኣንጻር መግዛእቲ ኣብ ምጉስጓስ፡ ግፍዕታት ጸላኢ ኣብ ምቅላዕ፡ ሓድነት ህዝብና ኣብ ምድልዳል፡ ኣብ ምዝንጋዕን፡ ህዝብን ሰውራን ኣብ ምትእስሳርን ልዑል እጃም ነይሩዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመግዛኣቲ ኢትዮጵያ ዘይትጽዓድ ልሳን፡ መድሃኒት ዘይርከባ ሕማም ርእሲ፡ ብዘመናዊ ኣጽዋርን ጃምን ዘይትስዓርን ክትቀብራ ዘይትኽእልን መባህረሪት ፍጥረት’ያ ኮይናቶ ነይራ።  ብሓጺሩ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ቃል ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ንሓቅን ፍትሕን’ያ ትማጎትን ትዋጋእን፡ ንዓመጽትን ገዛእትን ድማ ዕርቃኖም ተውጽእ ነይራ።

ሎሚ ግን፡ ድምጺ ሓፋሽ ብኩለንተናዊ ተግባራታ ድምጺ ሓፋሽ ዘይኮነት ድምጺ ምልክን ጭቆናን’ያ። ድምጺ ሓፋሽ፡ ምንጪ ሓቀኛ ሓበሬታ ዘይኮነት፡ መደበር ሓሶትን ዓፋኒት ሓቅን’ያ። ምስኪናይ ጋዜጠኛ ገረመስቀል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ድምጺ ሓፋሽ ካልእ ናይ ብሕቲ ራድዮ ወይ ገንዘብ ሃልይዎ ካብ ከባቢ ክሰምዕ ዓቅሚ ስለዘይብሉ፡ ንፈውሲ ግስም ኢሉ ድምጺ ሓፋሽ ክሰምዕ ስለዝተገንዘበ፡ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ፍትውቲ፡ ምንጪ ሓበሬታ፡ መዘናግዒ፡ መምሃሪ ኢያ ክብል ገሊጹ። ሓቂ ክብሃል እንተኾይኑ፡ ልዕልና ሕጊ ነጊሱ ህዝቢ ዘለዎ ጸገማት ብዘይ ጸቅጢ ክገልጽ፡ ንመንግስትን ንሰበስልጣንን ክሓትት፡ ክኸስስ፡ መሰል ምስዝህልዎ፡ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና፡ ሕቶታት ተጻሒፉ ክወሃቦምን እንታይ ከምዘቅርቡ ብኽልተ የማነ ምውሳን ተሪፉ፡ ሞያኦምን ክእለቶምን ብናጽነት ክትግብሩ ምስዝኽእሉ’ዩ። ድምጺ ሓፋሽ፡ ናይ ብሓቂ ድምጺ ሓፋሽ ምዃና ብቅዓታን ተኣማንነታን ክትምዘን፡ ካልኦት ናይ ብሕቲ ራድዮታት ክሰርሓ ምስዝፍቀድን ብናጻ ምስዝወዳደራን ጥራሕ’ዩ። በይኑ ዝጎይስ ዝቅድሞ ነይብሉ ከምዝብሃል፡ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ኤርትራ፡ ኤለክትሪክ፡ ተለቪዥን፡ ኢንተርነት፡ ተለፎን ናይ ኢድ ኣብ ዘይብሉ፡ ሰባት ራድዮ ክሰምዑ ስለዝተዓዘብካ፡ ድምጺ ሓፋሽ ፍትውትን ልዑል ጠለብ ኣለዋን ምባል ግን፡ ገርሂ ኣተሓሳስባ’ዩ። ድምጺ ሓፋሽ፡ ኣብ 2013፡ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ማሕከላይ ባሕሪ ምስሃለቁ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ ሓቂ ስለዝተዛረበ ምስተኣስረ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከይፍለጠ ምስ ኢትዮጵያ ዘይንጹር ውዕላት ምስፈረመ፡ ብተብተብ ዝተኸፍተ ዶብ ዛላምበሳ ዳግማይ ምስተረገጠ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ምስተወግአ፡ ቅዋም ሞይቱ’ዩ ምስተባህለን ብዛዕባ ኣብ ስደት ዝሳቀ ዘሎ ህዝብናን ብጩቕ ኢላ ተዛሪባ ትፈልጥ ድያ? ብቀሊሉ በዘን ዝተጠቅሳ ሒደት ኣብነታት; ድምጺ ሓፋሽ፡ ዓባጢት ሓቅን መሳርሒ ውልቀመላኺ ኢሳያስን እምበር፡ ድምጺ ህዝብን ምንጪ ሓቅን ከምዘይኮነት መረጋጋጺ’ዩ። ጋዜጠኛ ገረመስቀል እታ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸደት “ካብ ዝሰማዕናዮን ካብ ዝረኣናዮን” ትብል ፍትውቲ መደብካ፡ ድኽመታትን ግዕዙይ ምምሕዳርን ስርዓት ህግደፍ ብምቅላዕ፡ ወጽዓ ህዝብና ፍታሕ ክረክብ ዝኣንፈተትን መንግስትን ህዝብን ከተቀራርብ ዝፈተነትን መደብ’ያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣበራቱ ዘይኣምንን ንሓቂ ዝዕምጽጽን ከም ኣስሓይታ ቁሪ ዝፈርሕን ስርዓት ህግደፍ፡ ንመደብ ካብ ዝሰማዕናዮን ካብ ዝረኣናዮን፡ “ህዝብን መንግስትን ተናቁትን ኣብ ምትፍናን ተእቱን ኣላ” ብምባል ብሃንደበት ጠጠው ከምዝበለት፡ ኣዳሊኻዮ ዝነበርካ ወረቃቅቲ ብሕርቃን ቀዲድካ እንዳጓሓፍ ከምዝደርበኻዮ ትርስዖ ኣይመስለንን።

ምኩራትን ፍቱዋትን ጋዜጠኛታት ኣበይ ተሸርቡ?

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሕጽረት ምኩራትን ፍቱዋትን ጋዜጠኛታት ኣይኮነን ዘሎ። ጋዜጠኛ ገረዝግሄር፡ ተራ ድምጺ ሓፋሽ ትማልን ሎምን ከነጻጸር እንከሎ፡ “ህቡባትን ክኢላታትን ጋዜጠኛታት ኣብ ካልእ መንግስታዊ ስራሕ ስለዝተዋፈሩ የለዉን” ክብል ገሊጹ። ጋዜጠኛ ገረዝግሄር፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ሞያዊ ግቡኡ ከማልእን ሓቂ ከንጸባርቅን ኣይጽበዮን’የ። ምኽንያቱ ሞታ ዝኣዘዘላ ማሕስእ ኣፍንጫ ነብሪ ትሽትት ከምዝብሃል፡ ኣብ ኤርትራ ብድፍረት ክውንነትን ሓቅን እንተተዛሪብካ፡ ካብ ስራሕ ምብራር፡ ማእሰርትን ሞትን’ዩ ዘጋጥመካ። ስለ ፍትሒ ንምዝራብ፡ “ህቡባትን ክኢላታትን ጋዜጠኛታት ኣብ ካልእ መንግስታዊ ስራሕ ስለዝተዋፈሩ ኣይኮኑን ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ጠፊኦምን ተዳኺሞምን ዘለው።  ብዙሓት ተስፋ ዝነበሮም ጻዕራማትን ምኩራትን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ሜላታት ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ግደ ማእሰርትቲ፡ ሞት፡ ስደትን ተስፋ ምቁራጽን ኮይኖም። ዛጊት ሞቶምን ህየቶምን ብርግጽ ዘይፍለጥ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ፍስሃ ዮውሃንስ(ጆሽዋ)፡ ሳልሕ ኣልጀዘሪ፡ ዳዊት ዮሴፍ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ’ዮም ዝሳቀዩ ዘለዉ እምበር፡ ኣብ ካልእ መንግስታዊ ስራሕ ኣይተዋፈሩን። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊሮም፡ ኣብ ራድዮ፡ ጋዜጣን ተለቪዥንን ኤርትራ ንጡፍ ተራ ዝነበሮም ብኣብነት ንምጥቃስ ከም በዓል ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ኣንገሶም ኢሳቅ፡ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ ሓረጉ ቀለታ፡ ኣብነት ኢሳያስ፡ ሳራ በላይ፡ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ቢንያም ስምኦን፡ ኣሕመድ ሸሪፍ፡ ኢሳቅ ኣብርሃም፡ ግርማይ ደበሳይ ኣብ ስደት እምበር ኣብ ካልእ መንግስታዊ ስራሕ ኤርትራ ኣይኮኑን ተዋፊሮም ዘለው።

ኣብ ኤርትራ፡ ምግሃስ መሰል ሰብ እምበር ሕጽረት ምኩራትን ፍቱዋትን ጋዜጠኛታት የለን

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ፡ ምትእትታው ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ ምስልጣን ዓቅሚ ሰብ፡ ምስፋሕ መደባትን ቋንቋታትን ኣገዳስነቱ ልዑል’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝዓበየ ማሕንቆ ኮይኑ ዘሎ ግን ህዝቢ ኤርትራ ሓሳቡ ብናጻ ንኸይገልጽ ብስርዓት ህግደፍ ኣፉ ተለጉሙን ኢዱ ተኣሲሩን ስለዘሎ ኢዩ። ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ሳሕል ካብ ቴንዳታትን ትሕቲ ገረብን ተናጊፋ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ምዕቡል ህንጻ ኮይና፡ ብኮምፒተርን ሳተላይትን መደባታ ምዝርግሓ ተኣማኒት ከብላ ኣይክእልን’ዩ። የማነ ገብረኣብን የማነ ገብረመስቀልን ዘዳልዉዎ ግሉጽነትን እዋናውነትን ዝጎደሎ ሓበሬታ ምምጣው ክሳብ ዘሎ ድምጺ ሓፋሽ ሚዛን የብላን። ጋዜጠኛ ገረመስቀል ለበዋ እንተለዎ ምስተሓተ ዘልዓሎ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ “ንህዝቢ ሓበሬታ ምኽላእ ኣዝዩ ሓደገኛ’ ስለዝኾነ ትካላት መንግስቲ ሓበሬታ ክሕተታ እንከለዋ ማዕጾአን ርሑው ክኸውን ይግባእ” ኢሉ። ብትብዓቱ፡ ከመይ እንጀራ እዝጊ ብላዕ፡ ዝሰምዓካ እዝኒ ርኸብ ዘብል’ዩ። እንተኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ንኸይረክብ ዓፊንዎ ዘሎ ትካላት መንግስቲ ዘይኮና ካብ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝወሃብ መምርሒ’ዩ። ትካላት መንግስትን ሓለፍተንን፡ ኣብ ኣካላቶም ዘሎ ህዋሳት፡ ብዘይ ሪሞት ኮንትሮል መላኺ ኢሳያስን የማነ ገብረኣብን ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ቃለ መጠይቅ፡ ተድንቆም ኣባላት ዜና ጥቀስ ምስተባህለ፡ ብክእለት ቋንቋ፡ ብቅዲ ኣጸሓሕፋ፡ ብምጽሟቅን ምእራምን ዜናታትን ጽሑፋትን፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘንብዕ፡ ዝቀትልን ናብ ስደት ክበታተን ቀንዲ ሃንዳሲ እከይ ኮይኑ ዘሎ ዕሉል ገበነኛ የማነ ገብረኣብ፡ ከምዝኾነን ብድምጺ ድማ እታ ብጉልባብ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑድ ዓረብያ ኮይና ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባንክታት ማእከላይ ምብራቅ ትሓብእን ደለይቲ ፍትሒ ትስሊ ዘላን በዓልቲ ቤት የማነ ማንኪ፡ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር ከምዝማረኽ ሓቢሩ። ጋዜጠኛ ገረመስቀል ንገበነኛ የማነ ማንኪ ክውድስ መሰል’ኳ እንተለዎ፡ ብምምያ፡ (Censorship) ብምኽልካል ጽሑፋት፡ ብምኽላእ ሓበሬታን ብሓሶት ንመንእሰያት ምምራዝን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፉ ዓቢስዎን ሰብኣዊ መሰሉ ግሂስዎን ዘሎ ደመኛ፡ ኣብ ፍርዲ ክቀርብን ብሕጊ ክሕተትን’ዩ ዝግብኦ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ መንሽሮን መንድዓትን ሕብረተሰብና ኮይኖም ዘለዉ፡ የማነ ማንክን ኢሳያስን ዝሃለዉ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ሓቂ፡ ቅንዕናን መሰልን ቦታ የብሉን። እታ ድምጺ ሓፋሽ ትብሃል ዘላ ድማ ድምጺ ጠላማትን መደበር ሓሶትን’ያ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 5 ለካቲት 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT