Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ኣጽናቲ ፈኸምታ ጽልኢ ዳንኬራ ሓዲስ ፍቕሪ መዓልቦኡ ኣበይ!!!

ወርሒ ሰነ፡ 2018 ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ንፋስ ከተንፍስ ተራእያ - ውሳኔ ባድመ ተቐቢልናዮ ዝብል ጻውዒት ሰላም ካብ ቀዳማይ ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣህመድ ነፊሱ። ጸኒሑ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሃንደበት ተቐቢለዮ ድሕሪ ምባል፡ ወከልቱ ንኣዲስ ኣበባ

ወርሒ ሰነ፡ 2018 ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ንፋስ ከተንፍስ ተራእያ – ውሳኔ ባድመ ተቐቢልናዮ ዝብል ጻውዒት ሰላም ካብ ቀዳማይ ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣህመድ ነፊሱ። ጸኒሑ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሃንደበት ተቐቢለዮ ድሕሪ ምባል፡ ወከልቱ ንኣዲስ ኣበባ ልኢኹ፤ እቲ ኣብ ቅድም ክስራዕ ዝግብኦ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ተረሲዑ፡ ወከልቱ –“ሓደ ህዝቢ ኢና፣ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ተፈላሊና ኣይንፈልጥን፣ ብቐሊል ክፍታሕ ዝኽእል ንኣሽቱ ናይ ስድራ ቤት ፍልልይ`ዩ ዘለና፤ (ዶክ. ኣቢይ) ቅኑዕ  መራሒ ረኺብና፤ ናይ ዶክ. “ፍቕሪ“ ትብል ቃል ክንልቃሕ ይፈቐደልና. . .ወዘ.ተ.“ መልእኽቲ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ተዋጢዩ።

እነሆ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ኣድማሳዊ መሰሉ ተቐንጢጡ፡ ካብ ርእይቶ ምሃብ ተዓቢሱሉ፡ ሃገር ብምልእታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪራትሉ  ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሎሚ 8 ሓምለ፡ 2018፡ ዶክ ኣቢይ ኣሕመድ ከምታ መብጽዕኡ ኣስመራ ኣቲዩ። እተን ኪሎታት ወርቂ ተሰኪመን፡ ንጻውዒት ህግደፍ ልዕሊ ስድራቤተን ዝሰርዓ፡ ንኾበሮን ዝላን ወትሩ ድሉዋት መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንጐድኒ ገዲፍና፡ እቲ ደላይ ሰላም፡ ተቐባል ጋሻ ህዝቢ ኤርትራ ብምዉቕ መንፈስ ተቐቢሉዎ። እቲ ሕቶ – ድሕሪ ኣጽናቲ ፈኸምታ ናይ 20 ዓመታት ጽልኢ፡ ዳግማይ (ቀዳማይ ምስ ፕ.ም. መለስ ዜናዊ ዝነበረ ማለት`ዩ) ዳንኬራ ሓዲስ ፍቕሪ መዓልቦኡ ኮን ኣበይ ይኸውን? ኢዩ።

መጀመርያ፡ ብፍላይ ካብ 60ታት ዝጀመረ ን 30 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረና ዝምድና ናይ መግዛእትን ኲናት ንናጽነትን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ መጀመርያ ቁሩብ ዓመታት እዋን ናጽነት፡ ኣብ ናይ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳያስን መለስን ዝረአ ዝነበረ ምቅርራብ ንኣዳም ገረሞ ኮይኑ፡ ዓለም ኣዝማድ እኳ ኢዮም ትብለሉ ዝነበረት ህሞት`ዩ። “ኣዲኣ ገዲፋስ  ሓትናኣ  ትናፍቝ“ ኮይኑ፡  ንኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ዕርቂ  ነፊግካ፡ ምስ ጓኖት ምትሕቝቛፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ`ውን ምሽቓልን ምግራምን ከይፈጠረሉ ኣይተረፈን። ለባማት ዓበይቲ ሃገር ዝሰምዖም ድኣ ኣይረኸቡን እምበር፡ ኣብ ዝተፋላለየ ጊዜ ጥዑያት መሓዙት ኣይገበርኩምን ኢሎሞ ነይሮም ኢዮም። ብዓንተቡኡ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይነበሮ ግን ጸማም እዝኒ እናሃበ ሆይ-ሆይታኡ ቀጺሉዎ። ኣብ ኣስመራ ቈሪሱ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ምሳሑ ልሙድ ገይሩዎ ነይሩ። ወይ ጉድ ሓዲስ ፍቕሪስ መወድእ እኽሊ – ዘየብል ኣይነበረን፤ ናይ መጀመርያ ፍቕሪ ኪትከል ዲዩ ኪንቀል ከየፍለጥካ ናይ ጁባኻ ምንጋፍ ስለ ዘስዕብ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ`ኳ ምስ ገርህን ለጋስን ህዝቢ ኤርትራ ዝለመዶ፡ እንትሮ ጁባ ካልኦት ምጕሕጓሕ ምሃብ ኣይልምዱን ኢዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ወርቅን ቡንን እናገሓጠ ኺሸይጥ እናረኣዩ፡ –ዝብእስ ክሳብ ዝደሉ ይሕንክስ – ከም ዝበሃል ክሳብ ዝደልዎም ተጸሚሞም፡ በል ሕጅስ ሕጽኖት ይኣኽለካ ኢሎሞ፤ እታ ሓዳስ ፍቕሪ ኣብ 1997 ኣቢላ ክትቅረፍ፡ ጸኒሓ ክትቅህም፡ ጸኒሓ ናብ ጎንጺ ኣድሂቡላ። ድሕረኡ ዝሰዓበ ታሪኽ ኢዩ።

ንሕሉፍ ጊዜ ከም መጽዓን ስሒብካ ናብ ዝምእምኣካ ክትቅይሮ፡ ሰነድ ታሪኽ ክትድምስስ ዝከኣል ኣይኮነን። ዝፍትኑ ግን ኣይተሳእኑን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተጠርነፈትሉን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ግዝኣት ምኒልክ ንዝተፈላለዩ ንግስነታት ስዒሩ ነዛ ሕጂ ዘላ ሓንቲ ኢትዮጵያ ዝጠርነፈሉን፡ ኣብ 1890 ከም ዝተነጸረ ዘይሕከኽ ሰነድ ኣሎዎ። እዚ ዝተጠቕሰ ታሪኻዊ ሓቂ ኸኣ ነቲ ናይ 3000 ዓመታት ጽውጽዋይ ኢትዮጵያ ከም ደመና የብንኖ። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃይለስላሴን ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊን እውን ብቓል ይኹን ብግብሪ ኣይተንከፉዎን።

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣዚዩ ግርምቢጥን ዘስደምምን ዝተፈጥረ ነገር ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣቲዩ፡ ማእለያ ዘይብሉ ህልቂት ህዝብን ምዕናው ንብረትን ምስዓቡ ድኣ እንታይ ኢዩ እቲ ምስጢሩ?! ሓንቲ ባድመ እትበሃል ንእሽቶ ቁሸት፡ ልዕሊ ምሉእ ሃገርን ህዝብን ተሰሪዓ፡ ናይ ምሉእ ህዝብን ሃገርን ህይወት ከተጸልምት፡ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ከተደንግት ዘብቅዓ ዝሓብኣቶ ምስጢር ድኣ እንታይ ኮን ይኸውን?! እቲ ብትብዓት ክንጥምቶ ዘይደለና ሓቅስ ኣብ ቅድሜና ካብ ዝግተር ልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣሕሊፉ`ዩ። ካብቲ ንናጽነት ኢልና ዝወፈርናሉ ዕለት፡ ክቱር ጽልኢ ህዝቢ ኤርትራ  ተዓጢቑ  ዝኣተወ  ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ  በኪሉ፡ ሰላምን ርግኣትን ኪኸልኦ ጠጂኡዎ ዝወፈረ መርዚ ኢዩ። ተዓዊቱሉ ኸኣ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ካብ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ እትቃላሕ ዘላ  ፍቕሪ – እትብል ቃል`ያ። ክንግንዘቦ ዝግባእ ግን ፍቕርን ሓቅን ክፈላለያ ዘይኽእላ ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሰልዲ ምዃነን ኢዩ። እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ ስለ ዝበሃል ቅዱስ ቃል እውን ኢዩ፣ እቲ ምንታይ ፍቕሪ ኣደ ስኒትን ውህደትን፣ ኣደ ሰላምን ርግኣትን፣ ኣደ ምጽውዋርን ምክብባርን፣ ኣደ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ክትከውን ከላ፣ ሓቂ ኸኣ ንቕኑዕ ተግባር ትመርሕ፡ ሕሕህመሰረት ሓርነትን ፍትሕን ኮይና፣ ኣብ መንጎአን ምሉእነት ህይወት ዘረጋግጻ ረቀቕቲ ሓይሊ ኢየን።

ስለዚ ፍቕሪ ካብ  ሓቂ፡  ስለዚ ኸኣ ካብ ፍትሒ ተንጺላ  ትቃላሕ  እንተ ኾይና፡ ግዳይ ዕርቃን ናይቲ ንጹህ ባህሪኣ ኮይና ኣላ ኪበሃል ይከኣል። ናይ እዋኑ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ምኒስተር፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፍቕሪ ዝተተሓሓዘ ሕመረት መልእኽቱ ክንሰምዖ ቀኒና ኣለና። ናብ ውሽጢ እትዮጵያ ዘተኮረ መልእኽቲ ፍቕሩ ናብ ሃገር እናዞረ ፍትሒ ጐዲሉና ንዝብል ሕዝቢ እናሰምዐ ብምዃኑ ምስ ፍትሒ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣይከሓድን። ብተወሳኺ ዶክተር ኣቢይ ንፍቕሪ ከቃልሕ ከሎ ካብ ልቡ ይምንጩ ከም ዘሎ ይስምዓካ። ስለዚ ምስ ህዝቡ ዝገብሮ ዘሎ ጐስጓስ ፍቕሪ ምስ  ፍትሒ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብ ገጽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። እንተ ኾነ፡ ንወያኔ ክትንጽል ኢልካ ንህዝቢ ትግራይ ብምንጻል፡ እቲ ዝተጀመረ ናይ ፍቕሪ መልእኽቱ ስሒቱ ኣብ ዘይመኣዝኑ ከየብል`ሞ ናይ ሓድነት ዕላማኡ ከይዘርገሉ ጥንቃቐ ኪገብር ይግብኦ። እቲ ምንታይ፡ ምንጻል ገለ ክፋላት ሃገር፡ ነቶም ሰላምን ርግኣትን ሃገር ዘይደልዩ፡ ብህውከትን ዕግርግርን ጥራይ ዝሃጥሩ ትዃንን ቁርዲድን ሃገር ዕድል ስለ ዝህብ ኢዩ። ምእንቲ ድሕነትን ሓድነትን ህዝቢ፡ ነቶም ገበነኛታት ብምሕረት ፍትሒ እንተ ሓዞም ዝሓሸ ውጽኢት ክርከቦ ይኽእል እብል። ብትዕግስቲ ብምሓዝ፡ ንዓመጸኛታት ወያኔ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ተረዲኡ ፍርዶም ኪህቦም ተመራጺ እመስለኒ።

ካብዚ ቀጺለ ክብሎ ዝደሊ እቲ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ብዝለዓለ ዝምልከተና፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣተሓሒዝካ ዝህልዎ ኣተቓቕማ ቃል ፍቕሪ ኢዩ። ምሕንጻጽ ዶባት ክብሪ ልኡላውነት ጐረባብቲ ሃገራት ምኽባር ብምዃኑ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ፍቕሪ ምስባኽ  ኪስራዕ ዝግብኦ ዕማም ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ኲናትን ጥፍኣትን ንኢድ ምእታው ሕቡራት ሃገራት ግድን ዝገበረን ምሕንጻጽ ዶባት ከይተተግበረ ንዕስራ ዓመታት ኣይኲናት-ኣይሰላም ኮይኑ፡ ፍታሕ ዘይተገብረሉ ጠልጠል ዝበለ መሪር ኩነታት፡ ፍትሓዊ ፍታሕ ምስ ተገብረሉ`ዩ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ፍቕሪ ክልተ ህዝብታት ትርጉም ኪህልዎ ዝኽእል። ፍቕሪ ብፍትሓዊ ተግባር`ምበር ብባዶ ቓላት ጥራይ ኪስስን ኣይኽእልን ኢዩ።

እትዮጵያን ኤርትራን ክልተ ልኡላውነት ዘሎወን ጐረባብቲ ሃገራት ኢየን። ነዚ ዚኽሕድ ሰብ  ኣብ መንጎ ክልቲአን ሰላም ክህሉ ዘይደሊ ጥራይ ኢዩ። እወ! ታሪኽ ብንጉስ ሃይለስላሴ ከም ዝተጀመረ፡ ንወደባት ኤርትራ ንምውናን፡ ንጎባጢ ዕላማኡ ዝዀሓሕል ታሪኽ ብዕምቈት ከይመርመሩ፡ ዋላ ምሁራት ኢና በሃልቲ ኢትዮጵያውያን ብስምዒት ክሳብ ሎሚ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዝምድሩ ምህላዎም ኢዩ።

እዋኑ ከም መደረጋሕ ሓደገኛ ዝኾነ፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ናህሪ ለውጢ ብውልቀመላኺ ኢሳያስን ጃንድኡን እንደገና ይቕልቀል ከም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ክነስተውዕለሉ ይግባእ። ቅኑዕ ፍርዲ ንምሃብ ጭብጢታት ምውህላል ይሓትት። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብተግባሩ ምስ ዚፍረድ ከኣ፡ ሕልሙ ካብ ናብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን፡ ናብ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ተጻብኦ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን ዳግመ ምጕባጥን ከም ዝቐርብ፡ ካብ ስምዒት ሓራ ኴንና ብርትዒ ምስ እንርእዮ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

ነዚ ዘጕልሕ መሪር ሓቂ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነቶም ናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ዘፍለቱ ከም ጸላእቲ ቈጺሩ፣ ነቶም ሕልሚ ሃይለስላሴ ዝዝምሩ –ቅንጅት፣ ግንቦት 7 ክሳብ ሎሚ ሓቚፉዎም ኪጐዓዝ ምጽንሑ ኢዩ። እዚ ኸኣ፡ ካብ ምኽታም መግዛእቲ ኢጣልያን ምጅማር ወተሃደራዊ መግዛእቲ እንግሊዝን ዝጀመረ፡ ንጎባጢ ሕልሚ ንጉስ ሃይለስላሴ ብምድጋፍ፡ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝዓገተ ተጻብኦታት ምዝካር የድሊ። ስለዚ፡ ፋሺስትዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ከብዲ ኤርትራ በቚሉ ዝዓበየ፡   ብርእሰ ሓያላን ዝተፋሕሰ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዅላፍ ማሕለኻ፡  ሃይለስላሴ ዝጀመሮ መርዛም ሕልሚ ኢትዮጵያ ንምትግባር ካብ ንጕሆ ክሳብ ሕጂ ንሃገር ናብ ፍጹም ቤት ማእሰርቲ ቀዪሩ፡ ዕንወትን ምጽናትን ኪፍጽም ዝጸንሐ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ትሮጃን ሆርስ (Trojan Horse) መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢለ ክሰምዮ እደፍር። እዚ ትሮጃን ሆርስ ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ ምናልባት ዘይበርሃልኩም ከይትህልዉ ዛንታኡ ብሓጺር ክገልጾ ኣፍቅዱለይ።

*ኣብ ውሽጢ ኪገሃስ ዘይከኣል ዕርዲ ዝተሰርሐት፡ ትሮይ ዝተባህለት ከተማ ነይራ ይበሃል። ግሪኻውያን ኣብ ግዝኣቶም ንኸእትዉዋ ንዓሰርተ ዓመት ኲናት ትሮይ ኣካይዶም ኪዕወቱ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ሓደ ተንኮል መሃዙ። ንሱ ድማ፡ ሓደ ኣዚዩ ገዚፍ፡ ኣብ ውሽጡ ሰራዊት ኪሕዝ ዝኽእል ፈረስ ብዕንጨይቲ ኣስሪሖም፡  ኣብ ኣፍ ደገ ትሮይ  ኣጸጊዖም፡ ዝኸዱ ንኺመስሉ ተሰወሩ። ደቂ ትሮይ ናይ ዓወቶም ህያብ ገይሮም ብምርኣይ ጐቲቶም ናብ ዕርድቲ ከተማኦም የእተዉዋ። ምሸት ብሓጎስ ክሰትዩ ሓዲሮም፡ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ምስ ደቀሱ፡ እቶም ኣብቲ ፈረስ ተዓሺጎም ዝነበሩ ሰራዊት ግሪኽ ወሪዶም ነቲ ማዕጾ ከፊቶም ነቶም ተኸዊሎም ዝነበሩ ሰራዊት የእተዉዎም`ሞ፡ ግሪኻውያን ንትሮይ የዕኒዮም ተቛጻጸሩዋ።

Trojan horse as depicted in the Vergilius Vaticanus

 

ካብዚ ጽሒፈዮ ዘለኹ ሓሳብ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ መሪር ሓቂ ይዓዝዝን ይደምቕን`ሞ፡ ኣብዚ ደው ከብል። ኣብ ታሪኽና ከነተግብሮ ዝግብኣና ጽቡቕ፡  ክንመሃረሉ ዝግብኣና ሕማቕ ተመክሮታት ኣዚዩ ሰፊሕ መወከሲ ኣለና`ሞ፡ ሕልናዊ ቁሊሕታ ንግበረሉ። እዚ  ክሳብ`ዛ ሎሚ መዓልቲ ዝቃላሕ ዘሎ ብስም ፍቕርን ሰላምን ሓደ ህዝቢ ኢና!  ድንድል`ምበር ዶብ ኣየድልየናን`ዩ ዝበሃል ዘሎ ሰናይ ዘረባ፣ ብላዕላዩ መዓር ውሽጡ ዕረ ከይኮነና፣ ዘይተጸበናዩ ጋሻ ውሕጅ ኮይኑ ህላዌና ንሓዋሩ ከይድምስሰና  ናይ ምፍታሹ ዓሚቝ ኣትኩሮ ከነዘውትር  ይግብኣና።  ልቦና ፍትሒ ዘውረሱና ቀዳሞት፣ ብኽቡር መስዋእቲ ዝተረከብናዮ ናጽነት ፍጹም ከይንስእኖ ብሓባር ንሕሰብን ንስራሕን። ከምቲ ዝተደፍአ ጸባ ዘይሕፈስ፡ ዘምለጠ ዕድል ኣይምለስን ክይኮነና፡ ንሓርነትን ፍትሕን ንበራበር፤ ሰላምን ራህዋን ኣብ ባይታኡ ኢየን ዝጥጥዓን ህያው ዝኾናን። ንልኡላውነት ሃገርና ኣኽቢሩ ምሳና ሰላም ክትከል ንዝደሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓጸፋኡ ደለይቲ ሰላም ምዃና ብግብሪ ከነርእዮ ሰጋእ ኣይንበል። ሕልሚ ሃይለስላሴ ተቐኒቶም ኣውሊዕ ሳላም ንዘምበልብሉልና ግን ኣይንገርሃሎም። ቅዱሰ ደምን ኣዕጽምትን ስዉኣትና ከይረግመና። ብዝተረፈ፡ ነዚ ተኣፋፊ እዋን ዝብድህ ልቦና ይሃበና።

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ብሓድነታዊ ቅኑዕ ግብሪ ሰማእታትና ይመጐሱ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

8 ሓምለ፡ 2018

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Uncle Sye July 10, 2018

    Dear Sir ,
    The reason our noble leader did not extend hands to RabiTa islamiya fanatics ELF is because they were sponsored by jihadist religious fanatics to destroy our mother country , Ethiopia , for being mesiH land Gunbot 7 lead by dr Birhanu gurage , originally from GuraE Eritrea is habesha like us the Amharas are our grandfathers , we , the people of dimbezan & mereta sebene came from Dembiya Gonder to fight against Turkey (another jebha).Others originated from gojam & ofcourse Tigray This is documented generation , not invented by jihadist jebha. We are back to our original identity.Evil gedli is dead , never to comeback again.
    LONG LIVE ISU &ABI
    ASSAB BELONGS TO US ALL SO DOES SHOA ASMARA OROMIA MEKELLE GOMUGOFA.

    • sami July 10, 2018

      Uncle Sye – the most brilliant uncle,
      Excellent observation and please keep it up highly respected brother.

  • Gebretensae July 11, 2018

    ስለምንታይ ብዛዕባ ሃገርኩም ኤርትራ ጥራይ ዘይተዕልሉ ሽም ወያነ ከይጸዋዕኩም ክትዛተዩ ኣይትኽእሉን መን ኢኻ ንስኻ ዓመጸኛ ገበነኛ ኢልካ ፍርዲ ክትህብ ትብገስ። እቶም ስርዓት ህግደፍ ኣስካሕኪሕዎም ሕሱም ደርቂን ጥምየት ን ምጽዋር ተሳኢንዎም ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ኣማኢቲ ኣሽሓት እኮ ወያነ እዩ ኣዕቊብዎም ዘሎ እንተኾነስ ሰላም ይመጽእ ኣሎ ተቀቢልና ምስ ጎረቤትኩም ጽቡቕ ሕውነት ክትፈጥሩ ምፈተንኩም እንተዘየሎ ግን ትም በሉ ናይ ርእስኹም ግበሩ ንወያነ ሰጊርካ ምስቶም ካልኦት ሕውነት ዝርከብ እንተደኣ ኮይኑስያ። ፈለማ ዶብ ከይተሓንጸጸት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ዶብና ከይወጹ ሰላም የላን ትብሉ ኔርኩም ኣበይ ደኣ ኣሎ እንድሕር ልቢ ኣልዩኩም በሉ ተሓለቊሎም ነቶም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እንተስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መይቶም ወይ ብሂወት ኣልዮም ብዝኾነ ናይ ርእስኹም ግበሩ እንዳ ሰብ ኣይትምጽኡ።

  • k.tewolde July 12, 2018

    (“ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቝ“ ኮይኑ፡ ንኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዕርቂ ነፊግካ፡ ምስ ጓኖት ምትሕቝቛፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ`ውን ምሽቓልን ምግራምን ከይፈጠረሉ ኣይተረፈን።)……forget ELF, the tyrant was never seen laugh or hug with the people who worship him,by nature he is anti Eritrean and he is out to make sure that pure identity is contaminated and desecrated.That is why he erects statue of Pushkin instead of the gallant pioneer freedom fighters who fell for the nation.For him the Eritrean people are like dice he can role on a table,like a bargaining chip and the nation his private estate which he can wheel and deal as he pleases.Making peace with the people of Eritrea is one thing,making dinner and lunch date and cuddling with the tyrant is another thing.For the EPM this is one the most important litmus test of his administration. Thanks Hon. Mr. Ogbai.

POST A COMMENT