Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደወል ተደዊሉ!

ደወል ተደዊሉ ደወል ተደዊሉ ፡ ኣብታ ዓባይ ፎርቶ ደወል ዓቢ ቃጭል ፡ ነቑመሉ ባይቶ። ደወል ድምጺ ህዝቢ ፡ ናይ ቅዱስ ዕላማ ንሃገርና ኤርትራ ፡ ዘንግስ ሰላማ ። ደጊም ዓድና ፡ ኽቕንጠጠላ’ዩ ጸገማ ምልኪ ክሕነቕ’ዩ ፡ ከብቅዕ’ዩ ሕሰማ። ደወል ንጋኒን ርኹስ

ደወል ተደዊሉ
ደወል ተደዊሉ ፡ ኣብታ ዓባይ ፎርቶ
ደወል ዓቢ ቃጭል ፡ ነቑመሉ ባይቶ።
ደወል ድምጺ ህዝቢ ፡ ናይ ቅዱስ ዕላማ
ንሃገርና ኤርትራ ፡ ዘንግስ ሰላማ ።
ደጊም ዓድና ፡ ኽቕንጠጠላ’ዩ ጸገማ
ምልኪ ክሕነቕ’ዩ ፡ ከብቅዕ’ዩ ሕሰማ።
ደወል ንጋኒን ርኹስ መንፈስ ፡ ዘጠፍእ ህጣሙ
ንእኩይ ዝቐብር ፡ ከይተግበሮ ሕልሙ።
ደወል ምልኪ ንኽፈርስ ፡ ፍርሒ ንኽሰዓር
ሕማም ሕርሲ ክተሓዝ ፡ መላኺ ክጸዓር።
ደወል ሰብ ዉራይ ዄና ፡ ዳስና ነማሙቖሉ
ተዋሳእቲ ዄና ፡ ጠላም ንሓንቀሉ ።
ኢደ ኢድካ ንበል ፡ ብሓባር ንለዓል
ሽግርና ክእለ ፡ ጸገምና ክለዓል።
እዚ ደወልዚ፡ ደወል ሃገራዊ ጻውዒት
ደወል ንቅሎ ህዝቢ፡ ናይ ህግደፍ ጽፍዒት።
ደወል ድምጺ ሰላም ፡ ንቐንዴል ሓርነት
ደወል ድምጺ ሓቂ ፡ ንሰላመ ቅሳነት።
ክብርን መጎስን ነቶም ምልኪ ንኸፍርሱ ዝተዓጥቁ ጀጋኑ
ክብርን መጎስን ንሰኑይ 21 ጥሪ 2013 ፎርቶ ፡፡
ሰላምይንገስ (ወዲ ደባስ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT