Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደረጃታት ንቕሓትን መንነትን

ኣማኑኤል ሳህለ መንነት፡ ቀስ እናበለ ዚጥረ እምበር ምሳኻ ዚፍጠር ንቕሓት ኣይኮነን። እዚ ድማ ምስቲ ሕብረተሰብኣውን ባህላውን ቁጠባውን ኣከባቢኻ ብምውሳእን ብተግባርን ብግብረመልስን ይከናወን። ንሃገር ብዚምልከትውን፡ ሓንቲ ሃገር ንመንነታ ቀስ እናበለት ደኣምበር ብሓደ ግዜ ኣይተጥርዮን እያ። ሓንቲ ሃገር

ኣማኑኤል ሳህለ

መንነት፡ ቀስ እናበለ ዚጥረ እምበር ምሳኻ ዚፍጠር ንቕሓት ኣይኮነን። እዚ ድማ ምስቲ ሕብረተሰብኣውን ባህላውን ቁጠባውን ኣከባቢኻ ብምውሳእን ብተግባርን ብግብረመልስን ይከናወን። ንሃገር ብዚምልከትውን፡ ሓንቲ ሃገር ንመንነታ ቀስ እናበለት ደኣምበር ብሓደ ግዜ ኣይተጥርዮን እያ። ሓንቲ ሃገር መብዛሕትኡ ግዜ ብእተፈላለየ ባህልን እተፈላለየ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብኣውን ድሕረባይታ ዘለዎም ብሄራት ዝቖመት ስለ ዝኾነት፡ ሃገራዊ መንነታ ንምርግጋጽ ብዙሕ ዓመታት ወይ ዘመናት እዩ ዚወስደላ።

ገለ ኤርትራውያን ብዛዕባ መንነት ኣልዒሎም ክዛረቡ ኸለዉ፡ ካበይ ኢና መጺእና ዚብል ሕቶ የልዕሉ እዮም። እዚ ሕቶዚ ግን ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስመዓንን፡ ከመይሲ ኤርትራውያን ክንብል ከሎና ትሽዓተ ብሄራት ጠርኒፍና ኢና እንዛረብ ዘሎና፡ ስለ ዝኾነ ድማ ነፍስወከፍ ብሄር ናቱ መበቆልን ታሪኽን ባህልን ከም ዘለዎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ብኻልኣይ ደረጃ፡ ሓደ ሰብ ንህዝቢ ኣመልኪቱ ካበይ ኢና መጺእና ኪብል ከሎ፡ ንስለ ምፍላጥ እንተ ኾይኑ ጽቡቕ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣስፊሖም ኪገልጹልና ዝኽእሉ ስነ-ሰብ ወይ ኣንትሮፖሎጂስት ክንገድፈሎም ንኽእል ኢና። እቲ ሕቶና ብፈላላይን ትምክሕቲ ብዝሓዘለን መንፈስ ይቐርብ እንተሎ ወይ ንእተፈላለየ ኣጀንታታት መደልደሊ ኪኸውን ብማለት ይዝውተር እንተሎ ግን ኣድማዒ ኪኸውን ኣይክእልን።

ንምዃኑ ንድሕሪት ብምምላስ እንታይ ኢኻ ክትገብር ደሊኻ? ኣብ ታሪኽ ተሞርኪስካ ካብ ጌጋኻ ክትምሃር ስለ ዝደለኻ ድዩ? ከምዚ ምግባርካ ጽቡቕ እዩ። ብዝተረፈ ኣብ ናይ ህዝቢ መበቖልን ዓሌትን ክትኣቱ ዝደለኻስ እንታይ ከተዐሪ ስለ ዝደለኻ እዩ? ካብዚ መጺኡ ይኹን፡ ካብቲ በቝሉ ይኹን፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተኣኻኺቡ፡ ብነዊሕ ወይ ሓጺር ታሪኽን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ተመክሮን ተጠሚሩ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ጀዮግራፍያውን ፖለቲካውን ክልል ይነብር ኣሎ፡ ኤርትራዊ ዚብል ስም ድማ ተዋሂቡዎ ኣሎ። እሞኸ፡ ዓሌታዊ ናይ ምጽራይን ምጽጻይን ሚኒስትሪ ድዩ ኪትከል እትደሊ ዘሎኻ?

ሰብ ካብ ስሜን ይምጻእ፡ ካብ ምብራቕ ይምጻእ ካብ ወርሒ ይምጻእ ወይ ካብ ጁፒተር ወይ ከምቲ ዳርዊን ዚብሎ ካብ ህበይ ይምጻእ ወይ ካብ ኣንበሳ ይምጻእ፡ ኩሉ ግዜ ሰብ እዩ። ስለዚ እቲ ሕቶ፥ ኣብዛ ዓለም እንታይ ኣፍርዩ፡ እንታይከ ከፍሪ እዩ፡ ወይ እንታይ ገዲፉ ወይ ኣዓርዩ ከይዱ ደኣምብር፡ በየን መጺኡ፡ ካበይ ዓሌት እዩ፡ መኣስከ መጺኡ፡ ቅድምዚ ህዝብዚ ድዩ ወይስ ድሕሪኡ እዩ መጺኡ ወዘተ ዚብል ሕቶ፡ ነቲ ናይ ምፍላጥ መንፈስ ንኸዕግብ ተባሂሉ ይቐርብ እንተሎ ጽቡቕ።  ካብኡ ሓሊፉ ግን ምንም ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን።

ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ህዝቢ ንድሕሪት ተመሊሱ ምስ ዚሓስብ ወይ ታሪኹ ኪመራመር ምስ ዚደሊ ጽቡቕ እዩ፡ ይኹንምበር ዕላማኡ ሕብረትን ስኒትን ሓድነትን ምዕባለን ደኣምበር፡ ነቲ ናይ ከባቢኡ ህውከትን ፍልልይን ግርጭትን መሳርሒ ዘበርክት ኪኸውን ኣይግባእን። ካብ ፍልልያን ግጭትን እንታይ ጹቡቕ ነገር ኪርከብ ይኽእል? ሕብረትን ስኒትን ዶይኮነን ነቲ ናብ ምዕባለ ዚወስድ መገዲ ዝጸርግ?

ኣብ ታሪኽ ተኣሊኽካ ምንባር፡ ምስቲ፡ ኣነ ወድከለ እኮየ፡ ኣቦታተይ ገዛእቲ እዮም ነይሮም፡ ካብ እንዳ እከለ ኢናኮ ንውለድ፡ ዓሌትና እኮ እንዳ መኳንንቲ እዮም ዚብል እሞ ገለ ቁምነገር ዘይብሉ፡ ብጃህራ ዚነብር ሰብ ኪነጻጸር ይኽእል። ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ህዝቢ፡ ንቕድሚት እምበር ኣመና ንድሕሪት ኪሓስብ ኣይግባእን። ማኪና ክትዝውር ከሎኻ ስፐክዮ እናረኣኾዶ ንቕድሚት ክትጎዓዝ ትኽእል ኢኻ? ኣይፋልን። ንቕድሚት ኢኻ እትርእይ፡ ዝናም ወይ ግመ ንትርኢትካ ምስ ዚጋርዶ እውን፡ ነቲ ናይ ቨትሮ ጸራግ ማይ ትውልዖ  ኢኻ።

ሃጸያዊት ኢትዮጵያ፡ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ወናኒት ሓርነትን ስልጣኔን እየ እናበለት ግዜኣን ጉልበታን ኣባኺናቶ፡ ንዓኣን ንህዝባን ከይኮነት ድማ መዋኣላ ብድኽነትን ብድንቁርናን ደምዲማቶ። ጃፓን ግን ነቲ ሃጸያውን ሕልማውን፡ ንጉስና ካብ ጸሓይ እዩ መጺኡ፡ ንሕና ምሩጻት ህዝቢ ኢና፡ ዚብል ናይ ሃለውለው ታሪኻ ራሕሪሓ ኣብ ናይ ስልጣነ መገዲ ስለ ዝኣተወት፡ ንሳን ህዝባን ኣብ ዓለም በልጺጎምን ከቢሮምን ይነብሩ ኣለዉ።

ሓቂ ንምዝራብ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ እንቕመጥ ትሽዓተ ብሄራት፡ መበቆልና ኣብ ኤርትራ ከይከውንኮ ይኽእል እዩ። ነዚ ሓሳብዚ ንምድልዳል ድማ፡ ዳርጋ ኩለን ብሄራት ኣብ ስግር ዶብ ኣሕዋት ብሄራት ከም ዘለወን ክንርስዕ ኣይግባእን። እዚ ግን ዘገርም ኣይኮነን። ንኣብነት ፈረንሳውያን እንተ ወሰድናዮም፡ ካብ እተፈላለየ ቦታታትን ዓሌታትን ዝበቖሉ ህዝቢ እዮም። ኣመሪካውያን ከኣሞ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ናይ ዓሌትን ባህልን ሒላብ ዝኽወሱን ዝበዓጡን ዘለዉ ህዝቢ እዮም። ሽወደናውያን ገሊኦም ካብ ሩስያ ገሊኦም ካብ ጀርመን እዮም መጺኦም ይብሃል።

ብፍላይ ኣብዚ ዲ.ኤን.ኤ ሰፊኑሉ ዘሎ ግዜናዚ፡ ናይ ሰብ መበቆል ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩዎ ዘሎ ይመስል። ኣፍሪቃዊ ዝነበረ፡ ዘርኡ ናብ ሞንጎልያ ወይ ህንዲ ይኸይድ። ምኩሕ ብጫ ዝጸጕሩ ፈረንጂ ዝነበረ፡ ድሕሪ ናይ ዲኤንኤ ምርመራ፡ ዘርኡ ናብ ናይጀርያ ይወስዶ። ብሓጺሩ፡ ናይ ወድሰብ ዓሌትን ቋንቋን ባህልን ኣብ ሓደ ዝረግአ ኣይኮነን። ጎቦታትን ርባታትን ጥራይ እዮም ኣብቲ ኣምላኽ መጀመርታ ዝፈጠሮም ቦታ ተዓኒዶም ተሪፎም ዘለዉ። ንሳቶምውን ብፍግረ-መሬትን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ናይ ቦታ ምዝንባል ኩነታት የጓንፎም እዩ።

ሓደ ሰብ ኪውለድ ከሎ መንነት ሒዙ ኣይኮነን ዝፍጠር። ወለዱ እዮም ቀስ እናበሉ መንነቱ ዘትሕዙዎ፡ ልቢ ምስ ገበረ ድማ ናቱ ዓለም ይፈጥር። ጥርሑ እዩ ዚውለድ። ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ኢሎም ይፈልዩዎ። ብድሕርዚ ናይቲ ባህሎም ክዳን ይኸድኑዎ። ስም ይህቡዎ። ሃይማኖቱ ይውስኑሉ። ወለዱን ዓዱን ባህሉን ቋንቋኡን ሃገሩን ይፈልጥ። ጸኒሑ ቤትትምህርቲ ይኸይድ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ነገራት ይምሃርን የስተብህልን። ኣብቲ ዚነብሮ ሕብረተሰብን ካብኡ ወጻእን ብዚገብሮ ናይ ተግባርን ግብረመልስን ንጥፈታት፡ ናቱ መትከል የደልድል፡ መርገጺኡ ይፈልጥ።  ደረጃኡን መዓርጉን የለሊ። ነብሱ ይግምግምን ይመዝንን። ካብቲ ከባቢኡ ዚረኽቦ መንፈሳዊ ይኹን ማተርያላዊ ነገራት ጸጽዩን መምዩን ኣብ ሓንጎሉ የእትዎ። ኣብ ከባቢኡ እተመስረተ ናይ ውልቁ ኣተሓሳስባ የጥሪ። በዝን ክንድዝን ርእሰመንነት የጥሪ። ነዚ መንነትዚ ድማ ተጠንቂቑ ይዕቅቦን ይሕልዎን።

መንነት ዚጥረ እውን እንተ ኾነ፡ ኪጠፍእ ወይ ኪልወጥ ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፡ መንፈስ መንነት ሓያል ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ኪጠፍእን ኪልወጥን ኣይክእልን። መንነትካ ምጥፋእ ዳርጋ ውሽጣዊ ኣነነትካን እንታይነትካን ከም ምጥፋእ ስለ ዚቝጸር፡ ወድሰብ ከም ውልቀሰብ ይኹን ወይ ከም ህዝቢ ወይ ከም ሃገር፡ መንነቱ ንምሕላውን ንምዕቃብን ህይወቱ ይውፊ እዩ።

እስከ ንሃገራዊ መንነት ብዚምልከት ንገለ ኣብ ዓለምና ዚርከባ ሃገራት ንድሕሪት ተመሊስና ንርኣየን። ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ሃገራት እስጳኛን ፈረንሳን ብሪጣንያን እንታይ ይመስላ ነይረን? እቲ ሕጂ ዚፈልጠን ሰብ ከለልየን ኣይክእልን። ከምዚ ሕጂ ዘለወን ቅርጺ ወይ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ነይሩወንዶ? ኣይነበረንን። እስጳኛውያን ወይ ፈረንሳውያን ወይ ብሪጣንያውያን ዚበሃሉ ዜጋታት እውን ኣይነበሩወንን።  ከም ሃገራት እውን ጌና መንነተን ዝመስረታ ኣይነበራን። ኣመሪካኸ፡ ገና ብ 1776 ክትምስረት ከላ እንታይ ትመስል ነይራ? ቅድሚኡኸ ኣበይ ነይራ? ኣመሪካ ከም ሃገር ናጽነታ ቅድሚ ምእዋጃ፡ ከም ኣመሪካ እትፍለጥ ሃገር ኣይነበረትን። ባዕሉ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ከይተረፈ፡ ማለት ዋሺንግቶን፡ ከም ኣመሪካዊ ዘይኮነስ ከም ኣንግሎ-ኣመሪካን እዩ ዚፍለጥ ዝነበረ፡ ማለት እቲ እንግሊዛዊ መንነቱ ገና ስለ ዘይሃሰሰን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣመሪካዊ መንነት ዚብሃል ገና ዘይተመስረተ ወይ ዘይተጠርየ ብምንባሩን እዩ።

ሓደ ህዝቢ ዝል ኢሉ ናብ ናይ ሃገራውነትን መንነትን ደረጃ ኣይሳገርን እዩ። ወድሰብ ብጥንቲ ኣብዛ ዓለም ኪረአ ምስ ጀመረ፡ እቲ ድሕሪ ውልቃዊ መንነቱ ቀጺሉ ዘጥረዮ መንነት፡ እቲ በዓታዊ መንነቱ እዩ። በዓቱ ከም ዓለሙ እያ ነይራ። በዓትታት ተኣኪበን ድማ ንእሽቶ ቁሸት መስሪተን። እቶም ተቐማጦ ድማ ብእኡ መጠን ቁሸታዊ መንነት ኣጥርዮም። ዝቀታተሉ ዝነበሩ፡ ክተሓባበሩን ብሓደ ክሃድኑን ጀሚሮም። ድሕሪ ነዊሕ ታሪኻዊ መስርሕ ግን፡ ሓባራዊ ባህልን ሓባራዊ ቋንቋን ኣጥርዮም። ምስ ካልኦት ቁሸታት ኪነግዱ ጀሚሮም። ኣብ መንጎዚ እቲ ዘይተርፍ ናይ ወድሰብ ውግእን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ነቲ ህዝቢ ናብ እተፈላለየ ቦታ ከም ዚጎዓዝን፡ ብሓደ ኾይኑ ንጎረባብቱ ከም ዚወርርን ከም ዚዕምጽን ከም ዚገዝእን ገይሩዎ። ኣብዚ መስርሕዚ፡ ናይ ምሕደራን ናይ ተክኖሎጂን ጥበብን ተመክሮን እውን ጎድኒ ጎድኒ ስለ እተጓዕዘ፡ ብእምባገነን ወይ ብንጉስ ዚመሓደራ ሃገራት ኪቕልቀላ ጀሚረን። እዚኣተን ድማ፡ ሓባራዊ መሳርሒ ቋንቋን ማእከላዊ ምሕደራን ብምምስራት ቀስ እናበላ ናታተን መንነት ከጥርያ ክኢለን። ህዝበን ድማ ብሓደ ፍሉይ ስም ኪጽዋዕ ጀሚሩ።

ከምቲ ወድሰብ ንመንነቱ ህይወቱ ዚውፊ፡ ሓደ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚነብርን፡ ሃገራዊ መንነት ዘጥረየን ህዝቢ ድማ ንመንነቱ ይዋጋኣላ እዩ። እቲ ንሰላሳ ዓመታት ብህዝቢ ኤርትራ እተኻየደ ብረታውን ፖለቲካውን ቃልሲ፡ መሰረታዊ ምኽንያቱ መንነት ንምዕቃብ እዩ።  ኤርትራዊ፡ ማለት እቲ ብጥንቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ፡ ቀስ እናበለ እዩ መንነቱ ከጥሪ ዝኸኣለ፡ ኣብዚ ድማ እቲ ብጥንቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብኣዚዩ ትሑት ደረጃ ዚካየድ ዝነበረ ንግድን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ተመክሮን፡ ከምኡውን ብተኸታተልቲ ወረርትን ዓመጽትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነብረ ጭቆናን ጸቕጥን፡ እቲ ንእኡ ንኺብድህ እተበገሰ ተቓውሞን ሓባራዊ ራእይን፡ ነቲ መንነት ንምጥራይን ንምድልዳልን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ይኹንምበር፡ ድልዱል መንነት ኣሎ፡ ድኹም መንነት ከኣ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ወድሰብን ኣብ ሃገራትን ይረአ እዩ። ስለዚ መንነት ኪጥፈእ ወይ ኪልወጥ ተኽእሎ ኣሎ ካብ በልና፡ እቲ ነቲ ዝሃስስ ዘሎ መንነት ዚትክእ ሓድሽ መንነት፡ ገለ ናይ ተገዛእነት ኣሰራት ዘለዎን ድኹምን ተምበርካኽን ከይከውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

እቲ ብዘይ ምጥንቃቕና ዚመጽእ ድኹም መንነት ድማ ዉዒሉ ሓዲሩ ሓደሽቲ ጨቆጥቲ ንምዕዳም ምቹእ ባይታ ወይ ሃዋህው ኪፈጥር ከም ዚኽእል ክንርስዕ ኣይግባእን።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Yohannes Tseggay December 9, 2017

    ሰላም ሓው ኣማኑኤል ሳህለ!

    “ንለባም ኣምተሉ፡ ንዓሻ ደርጓሓሉ” ከም እተባህለ፡ ብሓቂ እዋናዊ መልእኽቲን ማዕዳን ኣብ ጽሑፍካ ቀሪቡ ኣሎ።

    ኣበርክቶኻ ቀጽሎ ክቡር ሓው። ብዙሕ ሰብ ካባኻ ይመሃር ኣሎ።

  • k.tewolde December 10, 2017

    A priceless literary contribution for those of us who live in identity crisis.This delicious and succulent Eritrean Nationalism is not something that was put together like HGDEF’s watered down A’addes,instead, it is slow cooked,meticulously simmered,painstakingly stirred,with a sprinkle of nine spices that gives it a unique flavor only identifiable by the genuine Eritrean herself/himself.It is this nationalism that unleashed its fury on 1st September in the form of armed struggle till it achieved its goal by liberating the land.Then it came to a screeching halt.A segment of the population,a clique,a clubhouse,a handful of criminal thugs claimed the victory solely as theirs thereby stepping allover the nationalism that was woven delicately over the years.We must have won the battle,however, it is in this front that we losing the War.

  • Danilo December 10, 2017

    ደረጃታት ንቅሓት ካብ ኣንነት ፡ቀናን ይኹን ኢይኹን ብዘየገድስ ተጸጽዩ ናብ ሓባራዊ ጥቅሚ ወይ ዕንወት ዘምርሓና ዝወሓጥ /ዘይወሓጥ ከኒና ይመስለኒ።ሓደ ሰብ ኣነ ምባሉ ኣይኮነን እቲ ጸገም።እንታይ’ድኣ ንሕና፡ንሶም ዘይምባሉ እዩ።ክበር ተኸባበር እንተሃልዩ መንነት ኣሎ።እቲ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ መንነት።መምህር ሓቁ እዩ ንመሃር ኣሕዋት።

  • ኣሚር መሓመድ ፈረጅ December 10, 2017

    ቅኑዕ ኣስተብህሎ እዩ።

  • Meretse December 10, 2017

    Hi All,
    Let me start first with brother Simon G”s comments. I understand his comments are written under this article but the content is ver much linked to the above article. Simon tried briefly to picture the dictator from birth all the to his current life style. In fact, the information may not not be to many readers but it is still worth reminding young readers.
    Thank you Simon for u were able to demonstrate that Isaias had real problems from the very beginning.There was luck of food or drink but socially there was a deficit.
    And when things do not start properly they intend to stay deep in heart till we die.
    In fact, many books had been written and stated ample facts how childhood life affects us even at a later life. One good example for this: President Abraham Lincoln’s youth life- the poverty and the ambition and the sense of responsibility of a frontier boy. History books ecplain in derails that great president was shaped by his childhood. If i have to add a couple people i will call Mother Teresa of Calcuta and Trump.
    Back to the above article- as usual first thanks yet for your great article. For a unknown reason people are still confused. Because the reasons are too many it is hard for someone to state them chronically. The only options we have left is to guess and hopping we are right.
    Again, for whatever reans people seem to the rituals and refused to let them go. They hope everything will correct itself when the time is right.
    Sit and pray for good times to come is the best solution they got in mind. They are afraid to remove the old reality-glasses and face the future.
    They want to keep the old relationship while they are hopping correcting itself. Unfortunately this is what people call a dead dream from start.Our people have adopted a total new culure (nay bereka bahli). The new bahli keeps overlapping on the resisted bahli. No doubt the outer layer is preventing the good old culture to survive and evolve as used to be.
    Instead of innovations the regime keeps reading obituaries statements day in day and day out using his one and only one mass media.
    H
    His mass media constantly reminds hi followers remember the yesterday- Our birth, our parents, brothers and sisters, our hardships, how we won the war, how we bacme Eritreans, ….
    This echo alone is one of the main obstacles peventing our people from taking a new journey.The darkness has already falken on the nation but people are still thinking they enough flashlights to win the darkness. May God bess the dammys too.

  • Meretse December 10, 2017

    ..there was no luck of food or drink

    • k.tewolde December 11, 2017

      It is very true Meretse,as a matter of fact,it was the essence of the organic Eritrean culture which galvanized the people into a concerted action to drive out their occupiers and cement a people’s victory,however somewhere along the road today’s dominant rotten HGDEF culture was forcefully superimposed upon the society giving it this mini Third Reich order leaving the people in shock and awe.They know it don’t feel right, they know something is making them sick,they know this is not the norm,but like Meretse said, ‘This echo alone is one of the main obstacles preventing our people from taking a new journey.The darkness has already fallen on the nation but people are still thinking they enough flashlights to win the …..’ indeed darkness has draped the nation for a while.

  • meretse December 12, 2017

    Brother K,Tewolde,
    I am glad that u were able to squeeze and find some juice out of it, In fact, the comment is written loose and extreme sloppy. Because so many words are omitted it may not make a sense to many readers,. and I apologize for not checking at least once. `

    • Simon G December 12, 2017

      Well, two clever guys can understand each others point! 🙂

  • Dehai December 12, 2017

    “መንነት ዚጥረ እውን እንተ ኾነ፡ ኪጠፍእ ወይ ኪልወጥ ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፡ መንፈስ መንነት ሓያል ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ኪጠፍእን ኪልወጥን ኣይክእልን። መንነትካ ምጥፋእ ዳርጋ ውሽጣዊ ኣነነትካን እንታይነትካን ከም ምጥፋእ ስለ ዚቝጸር፡ ወድሰብ ከም ውልቀሰብ ይኹን ወይ ከም ህዝቢ ወይ ከም ሃገር፡ መንነቱ ንምሕላውን ንምዕቃብን ህይወቱ ይውፊ እዩ።”

POST A COMMENT