Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምዳሚ መግለጺ ሰልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ 31 መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 10 2012 ኣብ ዘሎ ጊዝያት ስልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኻባኡ እዚ ንህልዊ ሃገራውን፣ ዞባውን፣ ዓለማውን ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፋሻ ብፍላይ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ 31 መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 10 2012 ኣብ ዘሎ ጊዝያት ስልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኻባኡ እዚ ንህልዊ ሃገራውን፣ ዞባውን፣ ዓለማውን ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፋሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተኻየዱ ዕማማት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብዕምቆት ተመያይጡን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ህልዊ ሃገራዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ እቲ ብጸረ ህዝቢ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተጻዕነ ጭቆናን ሰብኣዊ ግህሰታትን ብዝገደደ መልክዑ ዝቀጸለ ድኣ እምበር ዝተመሓየሸ ከምዘየኮነ ተገንዚቡ፡፡ እቲ ስርዓት መመዝመዝኡ ንምስፋሕን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንውልቃውን ጉጅላውን ረብሓኡ ዝጥቀመሎ ዘሎ ዕደናታት ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮኡ ናይ ምምሕያሽ ዕድላት ከም ዘሎ ከታልል’ኳ እንተፈተነ ህዝብና ኣብ ማሕበረ ቁጣዊ ህይወቱ ኣብ ባይታ ሓንቲ ለውጢ ከምዘየረኣየ መዚኑ፡፡ ናይዚ ጽዑቅ መርኣያ ከኣ ህዝብና ፖለቲካዊ ጸቅጠትን ማሕበረ ቁጠባዊን ምዝመዛን መሪርዎ በብግዝየኡ ብኣሽሓት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝውሕዝ ዘሎ ሃገር ናይ ምብትታን ሓደጋ ተደቂንዎ ምህላው ሕጂውን ብዕምቆት ገምጊሙ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ዞባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ ኣብ መብዛሕቲኡ ጎረባብትና ሃገርና ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣተሓሳሳቢ ምኻኑ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዞባ እዚ ንምሕማስ ዝጸንሐ መዕነዊ ፖሊሲ ብዝኸፍአ መልክዑ ይቅጽለሉ ምህላው እውን ብዕምቆት ተመልኪቱ፡፡ እዚ ናይ ምትንዃል ግብረሽብራዊ መዕነዊ ፖለሲታቱ’ዚ ውጽኢት ከኣ’ዩ እናሽዕ ልኡላውነት ኤርትራ ንሓደጋ ከሳጥሕ ከግብር ዝጽነሐን ዘሎን። እዚ ኣብ ቀረባ ዝተኽስተ ተርእዮ ከኣ ናይ’ዚ ሰዕቤናት’ዚ ጹዑቕ መግለጺ’ዩ። እዚ ኣብ ዞባና ኣብ ገለ ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዘተሓሳስብ ታሃዋሳዊ ወድዕነት ይኹን ድኣ እምበር ኣብ ከባቢና ኣብ ሃገራት ዓረብ ናይ ዝተወልዑ ህዝባዊ ናዕብታትን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘካይዱዎም ቃልስታትን ኣብ ሃገርና እውን ኣወንታዊ ጽልዋታት ከዕርፉ ዝኽእሉ ምኻኖም ተመልኪቱ፡፡

ማ/መሪሕነት ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኣመልከቱ ኣብ ዝዘተየሉ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ኣቢሉ ዝሰፈሔ  ጽላል (ግንባር) ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምቋም ኣብ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት እኳ እንተኾነ ብመንጽር ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ሃገርናን ናይ ምብትታን ሓዳጋኡን ከርኤ እንከሎ ደንበ ተቓውሞ ሚዛን ሓይሊ ናብ ራብሓኡ ንምውዓልን ነዚ ሓደጋ እዚ ንምዕጻፍን ልዑል ጻዕሪ ዝሓተና ምኻኑ ማ/መሪሕነት ኣስሚሩሉ ሓሊፉ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ካብዚ ቀጺሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናይ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ኤ.ዲ.ኪ ብፌ.ቤ.ጽን ጠቅላላ ተቆጻጻርን ዝቀረቡ ጸብጻባት ብዕምቆት ዘትዩን ገምጊሙን፡፡ ንዝተረጋገጹ ዲሞክራሲያዊ መኽሰባት ብምዕቃቡን ንጸንሐ ሕጸረታት ንቅድሚት ከምሓየሹን ብምርኣይን ማ/መሪሕነት ንዘተሰላሰሉ መደባት ንኢዱን ናብዚ መድረኽ እዚ ከተሰጋግሮ ናይ ዝበቅዐት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣመጉሱን፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣየሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ዘሕልፍዎ ዘለው ኣሰቓቒ ኩነታት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትሒዙ ኣካላት እቲ ስርዓትውን ዘለውዎ ኣብዚ ከባቢታት ናይ ዞባናን ግብጽን ኢስራኢል ተዘርጊሑ ዘሎ መስመር ናይ ሰብ ነጋዶ ማፍያታትን ገለ ካብ ኣባላት ራሻይዳን ካልኦት ዝተሓወስዎ ዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታትን ዝገልጽ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝቅረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ማእከላይ መሪሕነት ነዚ ሓደጋታት እዚ ንምስጋር ዘኽእልዎ ዝብሎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፡፡

ማ/መሪሕነት ብመሰረት ኣብ መጋቢት 2011 ዝተኻየደ ጠቅላላ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ከመይ ምስቲ ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝወጽእ ሰፊሕ ግንባር (ጽላል) ስርሓቱ ኣጣዓዒሙ ይሰርሕን ኣብ ቅርጽታቱ ምምሕያሽ ይገብርን ንማእከላይ መሪሕነት ብዝሃቦ ሓላፍነት መሰረት ማ/መሪሕነት ብዕምቆት ተመያይጡሉ፡፡ እዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ዕማማት ኤ.ዲ.ኪ ኣነጺሩ ኣቀሚጡን ኣብ ቅርጻኡ ምምሕያሽ ገይሩን፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ከምቲ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቶ ሕጂ እውን ኣብ ምዕዋት ኢ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ኣስሚሩሉ ሓሊፉ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኼብ እዚ ብዛዕባ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝጋባእ ጠቅላላ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ ፈ.ቤ.ጽ. ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክትመዝዝን ኣብ ምውዳዱ ክትነጥፍን ሓላፍነት ሂቡ፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ከም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር መጠን ማ.መሪሕነት ብዛዕባ ኣብዚ ግንባር እዚ ክሕቆፉ ናይ ዝደልዩ ሓይልታት ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሐ ድሕሪ ምርኣይ እዚ ብዝተማለኤ መልክዑ ከቅርብ ንፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት ብምሃብ ብሕጋዊ ኣገባባቱ  ክዛዝሞ ርእዩ፡፡

ማ.መሪሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዝገጥሞ ዘሎ ሽግራት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ፈታው ሰላምን ደሞክራሲን ዝኾነ ሕብረተሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ፡፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ናይ እገዳ ውሳኔ ክተርር ኣብ ተግባር ከውዕል እውን ተላቢዩ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን መንእሰይ ወለዶ ነብሱ ሰሪዑ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝብና ኣገዳሲ ተራኡ ክጻወት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘካይዶም ዘሎ ምንቅስቓሳትን ምጥርናፋትን ኣመጉሱ፡፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከይፈተወ ተገዲዱ ክዕስከር ዝጸነሐን ዘሎ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኩናት ዝሞትን ዝስንክልን ከርተት ዝብል ዘሎ መንእሰይ ከኣ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቡ ጠጠው ኢሉ ክቃለስ ማ/መሪሕነት ጸዋዒቱ የቅርብ፡፡

ማ/መሪሕነት ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንዲሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝብና ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ይኹን ስደተኛታት ኤርትራውያን ተቀቢሎም ምትእንጋዶምን ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ትምህርቲ እናኣተው ክመሃሩ ምግባሮምን ኤ.ደ.ኪ ልዑል ምስጋንኡ ኣቅሪቡ፡፡

ማ/መሪሕነት ኣብ መደምደምታ ኣኼባኡ ካብ መንጎኡ ተጋዳላይ ኢንጂነር ኑር እድርስ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ተጋደላይ ሑሴን ከሊፋ ማሓመድ ከኣ ኣቦ መንበር  ፈ.ቤ.ጽ ክኾኑ ؛ብምምራጽ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀት ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

10 ሚያዝያ 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • shetet aynibel April 11, 2012

    is this a report from a journalist who happened to participate, in the meeting? or an official press release from EDA? I really want to know.
    It seems like I am reading shabait.com. The meeting concluded that we all Eritreans have to work hard? Ali Abdu or whoever his name is, uses the same style. An eleven ( 11) days meeting has only, just like an amateur journalist report, 12 short paragraphs. Amazing.
    Pls EDA , try to understand, which I assume really hard for you guys, it is not 60’s now.

    • SINGAPO - ERITREAN April 15, 2012

      shetet aynibel,
      Remmember ,we the people are small retarded children ,so they are trying to protect us ,from the points they did not agree, or some challenges….ምን ኣስጨነቃቹህ ! እነርሱ ያውቅሉናል ,እኛማ መሳርያ ይዘን በረሃ ስላልዞርን ደግሞ …..ብዓወት ተዛዚሙ ኢሎምና ኣለዉ ,ጡጦና እናጦበብና ንደቅስ።ድሓር ክኣ ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገር ኣፍሊጦምና ኣለዉ ፣ንኣብነት….. ህግደፍ ንህዝብና ብዝበዝሔ እናጨቆኖ እምበር ፣ ከምዘይተመሓየሸ …ገሊጾሙልና ኣለዉ። ኣኪቦም ክምህሩናን፣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይምፍላጥን ፣ ፍርሒን..ዘወግድ ,እቲ ናይ ብሕትና /ቀቢላና ጥቕሚ ናይ ኩላትና ጥቕሚ ስለ ዝኾነ ንሓድሕድና ክንትሓላሎ…..ኣኪቦም ክምህሩና ዲኹም ተጸቢኹሞም.???.እዚ እሞ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ትግርኛ,ህዝቢ ኣፋርኛ ,ህዝቢ ሚን ዓምርኛ …ተጋሩ ኴንና ማለት´ዩ.ኤርትራዊ ብነብሱ ንቑሕ እዩ, ንቕሓት ኣየድልዮን እዩ. መብዛሕትና ንኢሳያስ ንጸልኦ እንዲና ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ደሊኹም ??? ቀዳም ቀዳም በጊዕ…….(ይቕሬታ መብዛሕት ኦም እባ ናይ ጀብሃ እዮም ኔሮም)….ደርሆ ክሓርዱልኩም ዶ ደሊኾም ምስ እንቋቝሖኡ ???

      ኣየ ሕጂ ኽኣ መሊስኪ ዶ ጠኒስኪ ,በለ ,ሰበይቱ ከይፈትሓ ዝተቖረነ,ኣኮይ !!!!

  • zey'gage April 11, 2012

    ማ.መሪሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዝገጥሞ ዘሎ ሽግራት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ፈታው ሰላምን ደሞክራሲን ዝኾነ ሕብረተሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብረሎምን ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ፡፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ናይ እገዳ ውሳኔ ክተርር ኣብ ተግባር ከውዕል እውን ተላቢዩ፡፡
    akalibo men nimshab eyu? nimen ke eyu eti mihxinta , zgerim wedaje zereba

  • Marosso April 11, 2012

    I been hearing አከባ ተዛዚሙ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉfor the last 20year. we have never seen progress wake up smell da coffee, who do you want ppl to follow you just like in 70’s 80’s staying in 5 star hotel holding shanta kezaba you still dreaming. ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን my only hope is from መን አስያት ንስኩም ግን ይፍታሓላ፡ why do you think what hgdef doing all this atrocity,killing imprisoning, controlling the country and the ppl cause wedi medhn berad know you can’t come together. consider you as ሙዉታት፡ ካብ ዘለዉ ንታህቲ ካብ ዚሞቱ ንላዐሊ፡ ስለዚ፡ አከባና ዛዚምና፡ ካብኡ፡ አይትሓልፉን ኢኩም፤ካባኩም ተስፋ የብልናን ፡ አዚ ዉዳሓንኩም።

    • girmay April 11, 2012

      marosso:ተመችኻኒ ዝዓርኸይ ደዉ በል.u have open mind not narrow like ozer’s comment.jegena.

      • SINGAPO - ERITREAN April 15, 2012

        Brother Girmay,
        I second your motion ,before I read Marosso´s comment ,I typed my comment up there .I do not like to dismiss people /organizations,quickly i give chance ,then i make my evaluation….I believe ,this are ex- tegadelti ..who think..democracy is endless argument..and not reasonable compromise . Oh , poor Eritrean mother .

POST A COMMENT