Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ ብኽብሪ ዘኺሮም

ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ ብኽብሪ ዘኺሮም    ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ን 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ዘኺሮም። ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ነቶም ምእንቲ ሓርነት በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ኤርትራ ምእንታና ዝተበጀዉን ንዘላኣለም ኣብ ልብና ዝነብሩን እዮም

ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ ብኽብሪ ዘኺሮም
   ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ን 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብኽብሪ ዘኺሮም።
ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ነቶም ምእንቲ ሓርነት በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ኤርትራ ምእንታና ዝተበጀዉን ንዘላኣለም ኣብ ልብና ዝነብሩን እዮም ብምባል ሽምዓን ዝተፈላለዩ ግጥምታትን ዜማ ስዋኣትን ብምቕራብ ብነበርቲ ላስቬጋስ ተዚኪሩ ኣምሲዩ።
   ኣብቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝቐረበ መልእኽቲ ንሕና ነቶም ምእንቲ ሓርነት ዝተብጀዉ ስዋኣትና ነቶም ንዓመታት ዝተጋደሉን ሕድሪ ስዋኣትና ይተግበር ብምባሎም ጥራሕ  ኣብ እስሩቤታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝሓለፉ ብማዕረ ክንዝኽሮም ይግባኣና  ኢሎም።
  ቐጺሎም ስዉኣትና ንሓርነት ጥራሕ ኣይኾኑን ተሰዊኦም ንሶም ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ  ከም ድላዩ ድዛረበላ ነጊዱን ሓሪሱን ተማሂሩን ቐሲኑ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እዮም ተሰዊኦም ።እንተኾነ ግን እዚ ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ኤርትራ ብሓደ ሰብ እትውነን ዜጋታታ ዝተበተኑ ሕጊን ስርዓትን ዘይብላ ዝባደመት ሃገር እንዳኾነት ትከይድ ኣላ።ስለዚ ንሕና ቕሰኑ ሰማእታትና ኢልና ጥራሕ ምካድ ዘይኾነ ወይ ምቕላስ ወይ ንዝቓለሱ ምሕጋዝ ግዜ ዘይዋሃቦ ናይ ኹልና ሓላፍነት ምኻኑ ኽንግንዘብ የግባኣና ብምባል መልእክቲ ተመሓላሊፉ።
            ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT