Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ግፋ ባኒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ሹቕ፣ ከባቢ እንዳደርሁ፣ ወተሃደራት ከተማ ብምውፋር፣ ኣብ ጽርግያ ንዝሽየጥ ዝነበረ ባኒ፣ ክገፍፍ ውዒሉ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ባኒ ብመቝነን ከም ዝሽየጥ ስለዝገብሮ፣ ስድራቤታት ከኣ እቲ ብዓቐን ዝወሃበን ባኒ ስለዘይኣኽለን እየን

ግፋ ባኒ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ሹቕ፣ ከባቢ እንዳደርሁ፣ ወተሃደራት ከተማ ብምውፋር፣ ኣብ ጽርግያ ንዝሽየጥ ዝነበረ ባኒ፣ ክገፍፍ ውዒሉ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ባኒ ብመቝነን ከም ዝሽየጥ ስለዝገብሮ፣ ስድራቤታት ከኣ እቲ ብዓቐን ዝወሃበን ባኒ ስለዘይኣኽለን እየን ካብቲ ናይ ጽርግያ ክገዝኣ ዝግደዳ ዘለዋ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓደ ኩንታል ፊኖ 3400 ናቕፋ በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ። ነዚ ወተሃደራት ከተማ ህግደፍ፣ ክልተ ኣይስዙ ዝዓይነተን መካይን ኣኸቲሎም፣ ምስ ደኻታት ኣብ ጽርግያ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምጕያይ ዝረኣየ ህዝቢ፣ “ ንደምሒት ክኾኖም እዮም ዝወስዱዎ ዘለዉ” እናበለ ከባጭወሎም ውዒሉ።

ብጃምላዊ ሞት ተማሃሮ ቁጠዐ ህዝቢ ኣይዘሓለን

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ 30 በጺሑ ዘሎ ሞት ናይቶም ንሳዋ እናኸዱ ኣብ ጥንቁልሓስ ከባቢ ከረን ጸዲፎም ብጃምላ ዝተቐዝፉ ዕሸላት መንእሰያት ተገዳስነት ዘይምርኣዩን ኣዛራቢ ኮይኑ ‘ሎ። ህግደፍ ነቶም ብሰንኪ ሸለልትነቱ ዝጠፍኡ ተመሃሮ ስነስርዓት ቀብሪ ክገብረሎም ዝተጸበየ ሰብ ‘ኳ እንተዘየለ፣ ነቲ ጉዳይ ንዕቀት ህዝቢ ብዘርኢ ብድዐ ምሓዙን ግን ንህዝቢ ኣቖጢዑዎ ኣሎ።

ኣበሳታት ክረምታዊ ማእቶት

ብስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ተዋፊሮም ዘለዉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፣ ክትገልጾ ብዘሕንኽ መንገዲ ይበላሸዉ ኣለዉ። ስኽራን ደቀንስትዮን እቶም ኮተቴን ኣብ ከከባቢኡ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ፣ ህዝቢ ኣንታ እዚ ስርዓት ‘ዚ እንታይ እዩ ከርእየና ኢሉ የማርር ኣሎ። እቶም ኣብ ዘይበሰለ ዕድሚኦም ካብ ስድራኦም ተኸዊሎም ወፊሮም ዝውዕሉ ተማሃሮ፣ ዓበይቲ ኣሕዋቶም ‘ውን ኣብ ከባቢኦም ስለዘየለዉ፣ ሰኺሮም ክምለሱ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ስርዓት ደርግ ተተሓሒዙዎ ዝነበረ ሜላ፣ እቶም ተማሃሮ ኣብ ፖለቲካዊ ሕቶታት መታን ከየድህቡ ‘ሞ መመላእታ መናውሒ ስልጣን ክኾኖ ነቲ ጉዳይ ብሸለልትነት ይርእዮ ምህላዉ ብምጥቃስ ‘ውን ዘስቆርቍሩ ሰባት ኣለዉ።

ኢንጂነር ፕረዚደንት

ከምቲ ቀደም ዘግብሮ ዝነበረ ናብ ካልእ ዞባታት ካብ ምምልላስ እግሩ ኣሕጺሩ ዘሎ ኢሳይያስ፣ ናብቲ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝብሃል ከባቢ ዝስራሕ ዘሎ ዲጋ ክመላለስ ይረአ ‘ሎ። ንኣረጊት ሽጣራ ኢሳይያስ ዝተገንዘቦ ህዝቢ ግን፣ ኢሳይያስ ኢንጂነራት ሰጒጉ ምስ ስድራቤቱ ዝመላለስ ዘሎ፣ በይኑ እንድዩ ዝሰርሕ ዘሎ፣ ሓጋዚ ስኢኑ እምበር ተባሂሉ ሓላዪ ሃገር ተመሲሉ ከደናግር ዝገብሮ ፈተነ ምዃኑ እናበለ የዕልል ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Tesfu Kbrom August 10, 2014

    ኣርዓዶም ዶ ኢሎምኻ? ወዲ ተስዓ ኦኣመት ኢኻ’መስለኒ። እንታይ ኣእተወካ ኣብ መርገምን ገለን? ትጋገ ኣለኻ ምባልኮ ኣካሊ ነይሩ። ርእይቶይ ድማ ዝያዳ ናብቶም ብንግሊዝኛ ጽሒፎም ዘለዉ ዝቐንዐ እዩ ነይሩ። ካብ ተቐየምካ ግን ስለቲ መርገምካ የቐንየለይ እብለካ።

    • ኣርዓዶም August 11, 2014

      ተስፉ ክብሮም
      ኣነ ኣይረገምኩኻን ዝወደይ፡ ኣነስ ካብ ብኣሽሙር ትዛረብ፡ ብብልህን ሓቕን ተዛረብ ኢየ ዝበልኩኻ ዝወደይ። ኣሽሙር ትርጉሙ ትፈልጦ ኢኻ፡ሽም ከይጠቐስካ ነቲ ዝተባህለ ብ ኣሽሙር ናብ ሓደ ኣካል ወይ ጉጅለ ምዝንጣል ዘር ኢዘይሸወቱ ዝዘውትርዎ ኢዩ እምበር ኣነ ኣይረገምኩኹምን ዝወደይ።
      ካልእ ዝብለካ የብለይን፡ ኣንጻር ህግደፍን ስርዓቱን ንብዙሕ ዓመታት ምስ ኣሰና ኮይነ ዝተቓለስኩ`የ እሞ ምስ ኣሰና ከተብ ኣሰኒ ዝሓሰብካ መሹሉኒ ነይሩ፡ ግን ዝወደይ ንሕና ሎሚ ዝተረፈና የሎን፡ ነዚ ርጉም ኣረመን ስርዓት በታ ዝመጻ ዓረር ብ ኣ ክንሰጎ ኢዩ ዝርድኦ `ሞ ዝወደይ ሓደራ ሰሚርና ካብ ገጽ መሬትና ነርሕቖ። ካን ብእፍሊ ዓዋሉን ሰተይትን ክንግረፍን ክንግዛእን ኣይትድለዩ ዝወደይ። ተቢዕካ ተጀሚርካ ኣነ`ውን ምሳካ ኣለኹ ባታ ዝኽእላ ናይ ቐደም ጕንዴይ`ውን ክራጋሕ ዝክእል ወዲ ተስዓ ዓመት ኢየ ዝወደይ ኣይስሓትካን። ትጉር ምዅንካ`ውን ብዝረባኻ ፍሉጥ ኢኻ። ግና ጠባይ ተገይርካ ክትከብር ኢኻ፡ጠባይ ተቐይርካ ድማ ኣይትሓልፋን ኢኻ ዝወድይ። ዓቢ ኣይትድፈር፡ ብዘይካ ህግደፍን እቶም እልፊ ኣብ ወጻኢ ስራሕ ስኢኖም ንዓዲ ተመሊሶም ምስኡ ዘለው ድውያትን እምበር ኣብ ባህልና ዓቢ ኣይደፍርን ኢዩ። ወድሓንካ

  • november 2015 August 10, 2014

    hizbna qeltifna kenedhn ygbana.dihar wai wai ayteqmn iyu.

    • m August 12, 2014

      Koff eilka ab enda shahi endawalka hizbi ketedhin ,idiot

  • dawit merhawi August 12, 2014

    you guys have a problem when u write same thing.ur comments are not knowledgeable which can guide us to ward the right way and benefit our people.we need to make action instead talking and text-ting.Eritrea needs patriotic person who is not emotional,have good credit history and believe in rule of law.

  • Esaw August 12, 2014

    I think Eritrea is going to be playground of Alquaida in Sahel and Barka, and Governed by warlords in two awrajas Hamasien and Akeleguzay and Seraye like usual will side with the winner or convert to Islam all together like Welde Dawit. What a people what a country.

    • Gual seraye August 12, 2014

      Esaw, what a name

      Seraye Dika zebelka hmmm hits an egrom aytkewenen . I am sure You feel worthless when you are around people from seraye.

POST A COMMENT