Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ሚኒስተር ነበር ሳልማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ተለቂቓ።   ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝነበረት፣ ሕጂ ደስኪላ ዘላ ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ኣብ ተሰነይ ዓዋተ ዝተባህለ ብኣቶ በሽር ዝውነን ሆቴል ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፣ እቲ ዝነበረትሉ ሆቴል ብሰራዊት

ሚኒስተር ነበር ሳልማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ተለቂቓ።

 

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝነበረት፣ ሕጂ ደስኪላ ዘላ ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ኣብ ተሰነይ ዓዋተ ዝተባህለ ብኣቶ በሽር ዝውነን ሆቴል ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፣ እቲ ዝነበረትሉ ሆቴል ብሰራዊት ተኸቢቡ፣ ሳልማን ኣብቲ ቕንያት ዝተመርዓወ ወዱ ንዋና ሆቴልን፣ ኣውቲስታኣን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ነበር ሳልማ ዝተታሕዘትሉ ምኽንያት፣ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዳ ምንቅስቓሳ ተሓጺሩ ብምህላዉ፣ ብዘይፍቓድ ካብ ኣስመራ ናብ ተሰነይ ስለዝተንቀሳቐስት ምዃኑ ይጥቀስ።

እቲ መርዓዊ ብኡ ንብኡ ክወጽእ ከሎ፣ ሚኒስተር ነበር ሳልማ ካብቲ ዝተኣስረትሉ ዕለት ንጽባሓይቱ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣውጺኦም ብኻልእ ኣውቲስታ ናብ ኣስመራ መሊሶማ። እቲ ኣውቲስታ ድማ ጸኒሑ ተለቒቑ።

ተሰነይ ብዙሕ ሰብ ናብ ስዳን መምሎቒ ዝጥቀመሉ ከተማ ብምዃኑ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ወነንቲ ሆቴላት ብሰለይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጽኑዕ ቍጽጽር ከምዝግበረሎም፣ ኣብ ቤቶም ናይ ዘዕረፉ ጸብጻብ መዓልታዊ ናብ ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ከመሓላልፉ ከምዝግደዱ ይፍለጥ።

 

ወለዲ ኣባላት መበል 27 ዙርያ ውጽኢት መልቀቂ ፈተና ክንገሩ ደቆም ናብ ሳዋ ከምዘይሰዱ ይገልጹ ኣለዉ።

 

ብዙሓት ተጋደልቲ ዝርከቡዎም ወለዲ ኣባላት መበ 27 ዙርያ ውጽኢት መልቀቂ ፈተና ክንገሩ ደቆም ናብ ሳዋ ከምዘይሰዱ ብምግላጽ፣ ነቲ ብምስርዓት ኢሳይያስ ዝተዋህበ መአምርሒ ክነጽጉዎ ተዳልዮም ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ወለዲ ተቓውሞኦም ዘርእዩሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቶም መሕለፊ ውጽኢት ዘይረኸቡ ብኡ ኣቢሉኣብ ሳዋ ኣትሪፉ ናብ ዝደለዮ ከዋፍሮም ‘ዩ ዝብል መረዳእታ ኣብ ወለድን ተማሃሮን ስለዘሎ እዩ፣

ናብ ኮለጃት መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተመሃሮ መበል 26 ዙርያ ናብ ሳዋ ክምደቡ ኢሎም ድሕሪ ምኻዶም፣  ንመዓልታት  ብኣጋርድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ኣፍዓበት ንኣዋርሕ ኣብ በረኻ ይኽርትቱ ምህላዎም ይፍለጥ።

 

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኮይኑ ተመዲቡ ዘሎ ኮለኔል መልኣከ (ወዲ ፊቶውራሪ) ካብ ናይ ግብጺ ጃላቡ ብዙሕ ዶላራት ይግሕጥ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ወዲ ፈቶውራሪ ናብ ኢሳይያስ ኣዝዩ ዝቐረበ ብምዃኑ፣ ንኣማሓዳሪት ዞባ ጽገረዳን ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ተወልደ ቀላትን ናብቲ ኣብ ገደም ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ እናኸዱ እዮም ትእዛዛት ዝቕበሉ።

ሓደ ምኪኤለ ተወልደ ዝተባህለ ካብ ሓለፍቲ ሓይሊ ባሕሪ፣ ብሰንኪ ታህዲድን ብልሹው ምሕደራን ወዲ ፊቶውራሪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲቱ ‘ሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብትእዛዝ ወዲ ፊቶውራሪ ‘ቡም’ ዝብሃላ ዓይነት ጃላቡ ይግዝኣ ኣለዋ። ይኹን’ምበር፣ ብዙሓት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፣ እዚኣተን ንስርቂ ክጥዕሞም፣ ገንዘብ ንምጥፍፋእ ኢሎም ዝገዝኡወን ዘለዉ እምበር ኣድለይቲ ኣይኮናን እናበሉ የንጸርጽሩ ኣለዉ።

 

ኣብ ኤርትራ ብፍላይ፣ ኣብ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦነት ሳዕሪሩ።

 

ኣብ ኤርትራ ብፍላይ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ዓመጽ ደቀንስትዮን ዘረፋን በዚሑ ሕጊ ኣልቦነት ሳዕሪሩ ኣሎ።

ቀጻሊ ምጥፋእ መብራህቲ ነዚ ኩነታት’ዚ ኣጋዲዱዎ ከምዘሎ ይርከ።  በዚ ምኽንያት ህዝቢ ብምሸት ቀልጢፉ ገዝኡ ክኣቱ ኸሎ፣ ንጉሆ ናብ ቤተክርስትያን ዝኸዳ ኣዴታት ብፍርሒ ይሽቝረራ ኣለዋ።

 

ህዝቢ፣ ሕግን ስርዓትን ክኽበር፣ ድሕነቱ ክሕሎ ብቐጻሊ ይጠርዕ ‘ኳ እንተሎ፣ ብምምሕዳራት፣ ነብስኹም ክትሕልዉ ብረት ዓዲልናኩም ግን ኣይትጥቀሙሉን ኣለኹም ዝብል መልሲ ይወሃቦም ኣሎ። ህዝቢ ኸኣ በቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ መዓልታዊ ኩነታቱ፣ “መንግስቲ የለን” እናበለ ከማርር ይስማዕ ኣሎ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Genet-orginal August 5, 2014

    Isayas is dying to see a civil war in Eritrea. He shouldn’t get it.

POST A COMMENT