Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዮሃና መንእሰያት ሰሜን ኣሜሪካ!!!

እቲ፡ ዳርጋ፡ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዘረስረሰ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ፡ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንዴሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ምግናን ነጥቢ መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ቀደም ተኣንገድ ተሸብሸብ ተባሂሉ ዘይኮነሲ ክሳብ መወዳእታ ሰዓት ብምስጢር ዝተታሕዘ

እቲ፡ ዳርጋ፡ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዘረስረሰ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ፡ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንዴሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ምግናን ነጥቢ መቐይሮ ኢዩ ነይሩ።
መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ቀደም ተኣንገድ ተሸብሸብ ተባሂሉ ዘይኮነሲ ክሳብ መወዳእታ ሰዓት ብምስጢር ዝተታሕዘ ኣኼባ ኢዩ ኣካዪዱ። ሳላ መንፍዓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኒው ዮርክ ግን ተሓቢኡ ኣይተረፈን።
እዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ብስፓርታን ኣተኒያን ወይ ድማ ብዳዊትን ጎሊያድን ክምሰል ዝነብር ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ኒዮርክ ብሓቒ ነቲ ኣንታ ጠፊኡ ኢዩግዲ ክንብሎ ዝፀናሕና ጅግንነትን ንሒን ኤርትራዊያን ዳግማይ ወሊዕዎ ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ሃብትን ዴሞክራሲን ጥርዚ ዝኾነ ሃገረ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነብሩ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ቅድም ቀዳድም ክብረተይን ክብረት ህዝበይን ኣብ ሃገረይ ብዝብል ስሑል ወኒ ተላዒሎም ኣንጻር እቶም ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዝበዝሕዎም መጋበሪያ ህግደፍ ክፋጠጡ ክትርእይ ከሎኻ ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ክትብል ኢዩ ዝደፍኣካ።
ኤርትራውያን መንእሰያት ብዙሕ ኢዮም ተጸሚሞም፤ ካብ ወፍሪ ባርነት፣ ክሳብ ምድረበዳ ሳሃራ፣ ክሳብ ቀላያት ሜዲተራኒያ።ሕጂ ግን ይኣክል ይብሉ ኣለው፡ ለባም እንተ ተረኺቡ ክሰምዖም ኢዩ። እንተ ዘይኮነ ግን ከስምዕዎ ክግደዱ ምኹዋኖም ኣብ ኣብ ጽርግያ ማንሃታን ኣረጋጊጾሞ ኢዮም ። ከምቲ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማሪያም ዝበሉዎ፤ ኣኽሊሎም ባዕሎም ይደፍእዋ ኣለዉ እሞ ዝትንክፋ ኸኣ ወይልኡ!
መንእሰያት ሰሜን ኣሜሪካ ውርደት እንታይ ምኹዋኑ ንምርዳእ፡ ንሓደ ካብቶም ንህዝብና ዘዋርዱ ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ እውን ናብ ጨርቂ ኢዮም ቀይሮሞ።ኤርትራዊ ብኤርትራዊ ክዋረድ ሓጎስ ዘይህበካ እውን እንተኾነ ዋጋ ዓስቡ ምኹዋኑ ግን ጥርጥር የብሉን። ውርደት እንታይ ምኹዋኑ ተረዲኡ ካብ ሕጂ ንደሓር ክብረት ደቂ ሃገር ይሕልው ይኸውን።
ደወል መንእሰያት ካብ ሽመልባ ክሳብ ማንሃታን ብሓደ ይኖጉድ ኣሎሞ ሃየጽን ንበል ።
ሓንቲ ቅላዕ ኢያ ተሪፋ ዘላ!!!
ሳምሶን ረድኣብ
ዋሺንግቶን ዲሲ
09/28/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT