Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!   ኣቱም ኣሕዋት! ብጉድለት ንቕሓት ንጠፍእ ከም ዘለና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ከም ዘለና! ይስቆረናዶ’ሎ ይስቆረና! ቅድሙን ድሕሩን ሰሪዖምና ከም ዘለዉ ከጥፍኡና ንዝቐደሙ ክነድሕን እንተ ዘይተጓየና ደድሕሪኦም ስዒብና ጠፋእቲ ምዃና ደቂ ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ምዃና ስለ ዘዘንግዑና ይሕልኑ ከም ዘለዉ ዋና ዘይብላ መሬት ከረክቡ ንጸላኣትና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ሓንቲ

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!

 

ኣቱም ኣሕዋት!

ብጉድለት ንቕሓት

ንጠፍእ ከም ዘለና

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!

ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ከም ዘለና!

ይስቆረናዶ’ሎ ይስቆረና!

ቅድሙን ድሕሩን ሰሪዖምና

ከም ዘለዉ ከጥፍኡና

ንዝቐደሙ ክነድሕን እንተ ዘይተጓየና

ደድሕሪኦም ስዒብና ጠፋእቲ ምዃና

ደቂ ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ምዃና ስለ ዘዘንግዑና

ይሕልኑ ከም ዘለዉ

ዋና ዘይብላ መሬት ከረክቡ ንጸላኣትና

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!

ሓንቲ ጥራይ ምዃና ምርጫና

እስከ ንሕተት ንተሓታተት!

ከይጸቐጠና ድበት

እስከ ንመርምር ሕልናና

ንዘክር ደቂ ክቡር ህዝቢ ከም ዝነበርና

ዕብዳን ወይ መርገም ከይከውን ዘደንዘዘና

ንህዝቦም ከድሕኑ ዝተላዕሉ ኣሕዋትና

ንበላዒ ሰብ ኣሕሊፍና ምሃብና

‘ንበረልና! ኣታ ንበረልና! እናበልና

ምዝማርና ናይ ጥዕና ኣይኮነን ናይ ጥዕና

ከም ከብቲ ምውዓል ምሕዳር ምስ ሓራዲና

ን30 ዕዓመታት ደሚና ንናጽነት ተሰዊእና

‘ናጽነት መጺኣ ናጽነት!’ እናዘመርና

ክብሪ ሞጎስ ንጀጋኑ ክውሃብ እናተጸበና

ዘይተጸበናዮ ወሪዱና መዓት

ተቐይርና ናብ ጊላዎት

መመክሒ! ኮንና መስሓቕ ሸራፋት

ኢዶም ኣይስኣኑ ናብ ባርነት ለዊጦማ ናጽነት

ጎዳጉዲ ኣናጹ ኮይኑ ገዛና

ይልመጽ ኣሎ ብደምና

ኣናጹ ኣህባይ ወሪሰንኦ ናትና

‘ንስኻትኩም ኮንኩም ኣሕዋትና!

ሕሰቡስከ! ተረካባይ ድዩ ሓው ተረካባይ

ተረካቢት ድያ ሓውቲ ተረካባይ!

እናጠፋእና ብተዃሉ በህባይ

ኣጽቅጥ ተብሉ ንምንታይ!

ደም እንዲና ንነብዕ ዘለና

ናጽነት ጨቢጥና እናበልና

ንጠፍእ እንዲና ዘለና

ማሕለኻታት ህግደፍ ምብታኽ ስኢና

ንሞት እንዲና ንጽበያ ዘለና

ንዓመታት ‘ቅዱም ኣይትኹን!’ እናበልና

እስከ ንሕተት ንተሓታተት! ከይጸቐጠና ድበት

የጥፍኣና እንድዩ ዘሎ እዚ ኣረመኔ ስርዓት

ስለዚ ይጥፍኡዶ ንጥፋእ!’ ኢዩ ዘየማትእ ሕቶ

ንሕምቶ ዶ ሕቶ!

ኢልና ቁርሲ ዘይንገብሮም ንዝሓሰቡና ንምሳሕ!

ንህግደፍ ነሰክሕ

ንጠንቀቕ ከኣ ከይንልከፍ ብሕማም ‘ዝኸፍአ ከይመጽእ!’

ዝሰክሐ ህዝቢ ኣረመኔ ስርዓት ክቕበል’ዩ ማለት

ዘበት’ዩ ዘበት

ጥራይ ኣብ ንዩ ዮርክ ድምጺ ህዝብና ክነስምዕ ንኽተት

ኣብኣ ክትጽንሓና’ያ ከኣ ኢሳያስ ዝመረጻ ተሰቒላ

ናይ ኤርትራ ባንዴራ ተባሂላ

ካብታ ወዲ ሓጅ ብ91 ዝሰቐላ ዕለት ጀሚራ

ምስ ወዲ ዓሊ ኔርካ ተባሂሉ ብ2013 ዝጠፍአ ብኢሳያስ ፊሒራ

ክትጸንሕ’ያ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ማዕረ ተሰሪዓ

ክሳብ ህዝቢ ንኢሳያስ ኣልዩ ብዝመረጻ ዓይነት ዝትክኣ

ግን ናይታ ታሪኽና ዝመዝገባ ሰማያዊት ሕጋዊት

ን30 ዓመታት ምስ ተጋዳላይ ተጋዳሊት

በረኻ ሰፊራ ዝነበረት

ኣብ ውሻጠ ኤርትራዊ ተሓቢኣ ንጸላኢ ዝሸወደት

ኣብ ማዓሙቕ ልቢ ህዝቢ ዝሰፈረት

ካብ ዝነበረታ ኣልዒና ሓመዳ ነጊፍና

ወይ ሓደስቲ ሸሚትና

ኣብ ንዩ ዮርክ ‘ዓኾዃይ ዓኾዃይ ንበል ማለት

ንሕሰበሉ ድኣ ንትሓታተት

ፈደረሽን ምጽዋዕ ክይከውን ምጥማት ንድሕሪት!

ምዕንቃፍ ከይከውን ነቶም ኣርሒቖም ዝሓስቡ

ዝግስግሱ ንቕድሚት!

ሕጂ ከኣ ኣኺሉ’ዩ ፍርሃት ዝቕንጠጠሉ ስዓት

ሳላ ምዑታት ኣሕዋት ቀሪቡ’ዩ ምእዋጅ ሓርነት

ነቶም ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ጸልማት ተኸዲኖም

ገበን ዝፈጸሙ ስለ ዘቃልዕዎም

ምስ መርማሪት ኮሚሽን ተሓባቢሮም

ተጻሪዩ ኢዩ ህግደፍ ኣሰክሕ ዝፈጸምዎ ገበናት

ኣንጻር ሰብኣዊነት

ስለዚ ሎሚ ኢዩ ሎሚ ዓቢና ንእሽቶና

27 ግንቦት ንዩ ዮርክ ተረኺብና

ገበነኛታት ናብ ዓለም ቤት ፍርዲ ይቕረቡ!

እናበልና ምቕራብ ኢዩ ህጹጽ ጸዋዒት

ክቀላጠፍ ናይ ህግደፍ ኣሰክሕ ዕርበት

ስምዑና! ተቐበሉና! ፍለጡና

እናበልና ብሰላማዊ ሰልፊና ክነመስክር ኣለና

ደለይቲ ፍትሒ ምዃና

ንመርማሪ ኮሚሽን ዓወት!

ስቓይ ህዝብና ዘረጋገጸት! እናበልና

ከይንዝግዕ ከኣ ቀጻሊ ምዃኑ ቃልስና

ክሳብ ብዓወት ዝድበስ ህዝብና

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 14 ጥቅምቲ 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • DESALEGN October 19, 2016

    ዕለት: 19/10/2016

    ዓሌት ትግራዎት ኤርትራዉያን ብህግደፍ ምጽናት ኣግኣዝያን ክቃወሞ ይግባእ

    ትግራዎት ኢትዮጵያዊያን ብህግደፍ* ንዝካየድ ዘሎ [ዓሌት ትግራዎት ኤርትራዊያን ምጽናት*] ስቕ ኢልካ ኣማዕዲኻ ምርእይ ምልክት ዕሸንት ጥራሕ እዩ። ትግርኛ ተዛራቢ ዘበለ ኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ይኹን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ሓቢሩ ኣንጻር ህግደፍ ክገጥምን ምጽናት ዘርኢ ትግራዋይ(ኛ) ኣግኣዝያን ደው ከብልን ህግደፍ ካብ ምድሪ ኤርትራ ከጥፍእን ክኽእል ኣለዎ።

    ናይ ዓለምና ህዝቢ ክንርኢ ምስ እንፍትን ንሕሉፍ ታሪኽ ንድህሪት ገዲፍና ኣብዚ ጊዜዚ ህዝቢ ዓለምና ዓሌተን ወይ ናይ ወለዶ ዘርአን ኣብዝኾነ ኣህጉር ወይ ቦታ የሃሉ ብዘየገድስ ካብዝኾነ ተጻብኦታትን እንተታትን ኣብ ምክልኻል ተጸሚደን ይርከባ ኣለዋ። ነኣብነት ሳዉዲ ዓረብያ ኣብ የመንን ሲርያን ንዝርከቡ ናይ ሱኒ ዓሌት፥ ኢራን ኣብ የመን፤ ሲርያ፤ ኢራቕ ንዝርከቡ ሺዓ ወዘተ ዓሌቶም ንምዕቃብ ኣድላይ ዝኾነ ካብ ዝናኣሰ ስጋብ ናይ ሂወት መስዋእቲ ይኸፍሉ ኣለዉ። እዚ ተግባራትዚ ኣብ ዓለምና ቅቡል ካብ ኮነ ህዝቢ ትግሪግኛ [ኣግኣዚያን*] ሃቢሩ ንኽሰርሕ ቅቡሉን ምኽኑይን ምኻኑ ዘጠራጥር ነገር የልቦን እዩ ። ሰለዚ [ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ሕዋሕት*] ኤርትራዊ ትግራዋይ እዳጸነተ ጸግዒ ሒዝካ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ወይ ካብ ጸላኢ ሃዲሙ ንዝመጸ ሓዉኻ ኤርትራዊ ከም ጋሻ የኢንጊድካ ናብ ስደት ምፍናው ዘይኮነ ዝግበኦ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢርካ ንጸላኢኡ ምግጣም ጥራሕ እያ።

    ስለዚ ብዘይ ወዓል ሕደር ሃየ ተበገስ [ ህዝቢ ኤርትራን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊን] ንዓሌትካ ከብርስን ከጥፍእን ተበጊሱ ዘሎ ጸላኢኻ ህግደፍ* ብምድምሳስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ከምኡዉን ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ቅሳነትን ኣዉርድ ። እዚ ምስ ዘይትትግብር ግና ህዝቢ ትግሪግኛ [ኣግኣዚያን] ነበረያ ነበረ ዛንታ ኾይኑ ክተርፍ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ.

    ተበገስ ግዚይኡ ሕጂ እዩ!

    መሃንዲስ ደሳለኝ በርሀ
    ኤርትራዊ

    • AHMED SALEH!!! October 19, 2016

      Is the agazians are the same forces who kill Ethiopian civilians and who declared no war no
      peace with Eritreans ? No self guilt , no shame , DEFAR DIMU comes home uninvited .
      You think Eritreans do not recognize the Tigrai-Tigrigni sinister mind set . If you want PEACE
      it starts from home . You can not follow the teachings of hatred and division by the arrogant
      ugly person called Tesfazion and blame HGDF for the grave dug in their backyard by no one but themselves . The solution is to respect the right of their people or else they will face the
      consequences brought from inequality , injustice and ethnic division .
      Anyway you concluded by saying Eritrawi . Arrogant Tesfazion also call himself Eritrawi .
      If your alike migrate to southern border and leave Eritrea alone then peace might prevail .
      It took 25 years for Amhara and Oromo people to realize that AGAZIANS racist and greedy
      attitude is in their blood . Thanks God Eritreans are not part of the game to create tension
      with Ethiopian people even though Agazians tried to screw up the relationship .

      • Deselegn October 19, 2016

        Sorry, I didn’t say any thing about Ahmed Saleh or Ali etc. I talked about my identity [Language] and my culture because these all belongs to me. Just, you should
        stop stretching beyond your limit.

        • AHMED SALEH!!! October 20, 2016

          Ahmed Saleh , Ali or Desalegn do not pose threat on Eritrean national state affairs but when it comes to speak about AGAZIAN extremist group is different issue . The truth nobody can deny lies on difference of the principles of two fronts . Ours was for liberation of Eritrea and theirs was
          for liberation of Tigrai .
          If Tigrigna language and culture is the issue , Eritrean Tigrigna speakers
          were the first victims of Agazian forces in Ethiopia .
          You have a right to warn me from stretching my limit since our people
          do not speak up for some reason . At the same time you too can not have free ride when you try to cross the line in regard Eritreans common
          interest .

          • koubrom October 24, 2016

            Well said, they are looking for division in eritrea to weaken our country so they can invade

      • koubrom November 12, 2016

        The word Agazian is in brain of those who want to divide eritrea by ethnicity and religion so eritrea can weaken militarily ,tigray are infiltrating every forum be aware there is no Agazian tribe, if so why do they expel 70.000 eritrean hein .
        This is a new stratagem against our country only those blinde opposition no one else believe

    • koubrom November 3, 2016

      We eritrean do not believe in this crap ,we have 9 unifie in one crown eritrea ,keep your despair shit with your people tigray ,
      And by the way where this name Agazi come from? ?this is ridiculous, shamfull, we all human beings equally created but how can you understand that tigray you already burn ethiopia now you Wana instigate in eritrea? ? Get out of here

  • Desalegn October 20, 2016

    Ahmed Saleh:

    Please, learn something of everything from my comments!

POST A COMMENT