Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የማናዊ መንግስቲ ነርወይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓጕ ኣውጺኡዎ ዘሎ ውጥን ተሪር ነቐፌታታት የጋጥሞ ‘ሎ።

የማናዊ መንግስቲ ነርወይ፣ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምስምማዕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓጕ ኣውጺኡዎ ዘሎ ውጥን፣ ነርወጃውያን ምሁራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ‘ንስደተኛታት ናብ’ታ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ከም ምምላስ እዩ’ ብምባል ተሪር ነቐፌታታት የውርዱሉ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና

የማናዊ መንግስቲ ነርወይ፣ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምስምማዕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓጕ ኣውጺኡዎ ዘሎ ውጥን፣ ነርወጃውያን ምሁራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ‘ንስደተኛታት ናብ’ታ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ከም ምምላስ እዩ’ ብምባል ተሪር ነቐፌታታት የውርዱሉ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።

ኣብ International Law and Policy Institute ዝዓዪ ፕሮፈሰር ክጀቲል ትሮንቮል፣ ንባህርያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣመልኪቱAftenposten ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦቃል ኣብዚ እዋን ‘ዚ እቲ ስርዓት ናይ ምጥራዝ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ነርወይ ክሰማማዕ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ጠቒሱ። ንሱ “ ሰበስልጣን ኤርትራ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዲፕሎማስያዊ ጸወታ ይኽእሉሉ እዮም፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዓለም ገኒኑ ንዘሎ ኣቓልቦ ንሳቶም ‘ውን ዝግደሱሉ ምእንቲ ክመስሉ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ካብተን ብዋሕዚ ስደተኛታት ተሻቒለን ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ረዲኤት ገንዘብ ክሽምጥጡ ዝገብሩዎ ዘለዉ ጸወታ እዩ” ክብል ትዕዝብቱ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ልኡኽ ነርወይ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታታት፣ ይኹን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ሓደገኛ ምዃኑ ንዝሃቦ ስምዕታ ዕሽሽ ኢሉ፣ ልኡኽ ነርወይ፣ ምስቶም ንኤርትራ ዓምጺጾም ሒዞማ ዘለዉ ውልቀመለኽቲ ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ምኻዱ ዘተሓሳስብ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ማዕከናት ዜና ነርወይ ከምዝሕብራኦ፣ ቁጽሪ ኣብ ነርወይ ዝዕቆቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ናይ ማንም ካልእ ሃገር ዝዓበየ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ኤውሮጳ ብሓፈሻ ድማ ድሕሪ ሶርያ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

ኣብዚ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤውሮጳ ዘይሓወየሉ፣ ብዙሓት የማናውያንን ዓቃባውያንን መንግስታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡሉ እዋን፣ ምስርሕ ዑቕባ ስደተኛታት ብሓፈሻ ከቢድ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

————-

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tsebel June 4, 2015

    The revival of the Eritrean people from its extended dormancy is long overdue.
    It needs to rise up in-order to restore its dignity and its rights for a just and democratic
    rule of its nation. The miseries of the Eritrean people are becoming countless and unbearable indeed.

POST A COMMENT