Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን (11)

ብሰንኪ ሕንቃቐን ምሒር ጥንቃቐን፣ ዝናን-ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ፣ ኣብ’ዛ ኤርትራና ወሪዱ፣ ንአኮኖሚ ፖለቲካን ማሕበራውን መዳያትና ልቡን ቀልቡን ኣጥፊኡሉ ዘሎ ቅልውላው ብዓቕመይ ከንጸባርቕ ዝፍትነሉ ዘለኹ ጻዕሪ’ዩ። እወ እቲ ጸገም

ብሰንኪ ሕንቃቐን ምሒር ጥንቃቐን፣ ዝናንባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ፣ ኣብ’ዛ ኤርትራና ወሪዱ፣ ንአኮኖሚ ፖለቲካን ማሕበራውን መዳያትና ልቡን ቀልቡን ኣጥፊኡሉ ዘሎ ቅልውላው ብዓቕመይ ከንጸባርቕ ዝፍትነሉ ዘለኹ ጻዕሪ’ዩ። እወ እቲ ጸገም ኣበይ’ዩ ዘሎ መፍትሒኡ ሃሰስ ምእንቲ ክንብሎ’ዩ እቲ ጻዕሪ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ኣብ ትሕቲ ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ …… ካን! ነዚ እዋኑ ዘሕለፈን ዝተሳዕረን ቅዲ ኣመራርሓ ናይ እንዳ ዝናንባህታን ምጽራፍ ጥራይ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ናይ አኮኖም ፖለቲካን ማሕበራውን ቅልውላው ንምግላጽን፣ ብኡ’ቢልካ ድማ መንገዲ ዕርቅንለውጥን ንምሕባርን እኹል ጻዕሪ’ድዩ ዝብል ሕቶ፣ ህጹጽ መልሲ’ዩ ዝደሊ ዘሎ። እወ ከም ርኢቶይ፣ ጻዕርና ብሞያ ምስዝሞተ ቅዲኣምራርሓ ማዕረ ክስራዕ የብሉን። ስለ’ዚ ድማ ኢየ ምሳለይ ክዛረብን ክጽሕፍን ዝፍትን ዘለኹ። ናብ’ቲ ቀንዲ ናይ ሎሚ ዛዕባ ቅድሚ ምእታወይ ድማ ንመዘኻኸሪ፣

ኲናት 1998 – 2000 ክባራዕ’ከሎ፣

  1. ፈለማ ባድመ ናትና’ያ! ናይ ዶብ ኲናት’ዩ ዘዋግኣና ዘሎ እንዳተባህለ ተጀሚሩ።
  2. ቀጺሉ ድማ ጭፍራ ወያኔ ክትወረና ትመጽእ ኣላ ናብ ዝብል ኣንፈት ዘምቢሉ።
  3. ቀስ ኢሉ ድማ ኢሳያስን ህግድፍን ለከሙና ኣጥፍኡና! ናብ ዝብል ዝምባሌ ውዲቑ’ሎ።

ምናልባት ንመጻኢ እንታይ ክውስኽ’ዩ ዝብል ሕቶ ድማ ንእዋን ዝ

ደፍ ሕቶ ኢዩ። እነተ’ቲ ሰፊኑ ዝጸንሐ ምስ ግጉይ ሓበሬታ ኣናፍሳ ንፋስ እንደረአኸ መኣዝናካ ምትዕርራይ ግን ይፈኩስን ይቕህምን ኣሎ። እዚ ዓቢ ተስፋ ኢዩ። ዕድመ ንመንእሰያት!

ኣቦ ቐሲ ሙሴ ሺሻይ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቶም ንመንእሰያት ኤርትራ ….. ዝሃብዋ መግለጺ ከምትሕብሮ፣ ድሕሪ’ቲ ኹሉ መዓድን መሃርን መጠንቀቕታን ዝሓዘለ ዘረብኦም ኣቦ ቐሺ፣ …. ናጽንትን ሱቕታን ስኒት ከምዝሰኣና ኣነጺሮም፣ “ክንዛረብ ጀሚርና’ለና ክንዛረብ እንተቐጺልና ድማ…. ብዙሕ ክውጽእ’ዩ”ይብሉ። ሓቆም’ዮም ኣቦ ቐሺ፣ ተማህሊልካ ተምጽኦ መንግስትን ተማህሊልካ ተምጻኦ ዝናም’ሲ ንሓዲኡ’ዩ (ምስላ) ድዩ ዝበሃል። ክቡር ኣቦ ቐሺ ከማኹም ዝበሉ ይብዝሑ። ናይ እንዳ ዝናንባህታን ሕንቃቕን ናይ’ቶም ዝፈልጡ ምሒር ጥንቃቐን እንታይዶ ገዲፈናልና’የን!! …….. ንምሸቱ የጸብቐልና’ምበር።

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1998፣ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒግና ናብ ኤርትራ ዝኣተና ኣባላት ማሕበረሰብ ነጋዶ ነናብ ቦታና ክሳብ ንኸይድ መብዛሕትና ኣብ መንደፍራ ኢና ኣጽሊልና። ህዝቢ መንደፈራን ከባቢኣን ብፍላይ፣ ብዓቢኡ ድማ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ክረድእ ዝፈሰሰ ህዝቢ ኤርትራ ቁጽሪ ኣይነበሮን። ይዋእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ኣዝዩ’ዩ ሰምቢዱ። በታ ዓቕሙ ኣጋይሽ ንኽቕበል ድማ ብእግሪ ብብሽክለታ ከምኡ’ውን ብዓበይትን ብናእሽቱን መኻይን፣ ጥዑይ ካብ ሓዳሩ! ሕሙም ካብ ዓራቱ ከይተረፈ’ዩ ተንቀሳቒሱ። ……… ኣብ ገዝኡ ዘሕድር ቅሳነትን ባህሉን ልምዱን ዝዕቅብ ስርዓትን ይፍጠረሉ።

ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ኣለም ብኣለማ’ያ ግልብጥ ኢላ መጺኣ። ወላ’ቶም ኣቐዲሞም ኣትዮም ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ፣ ማለት ኣብ ኣስመራዩኒቨርሲቲ ተዓቒቦም ዝቐነዩ ናይ ፈለማ ስጉጓት’ውን፣ ብኣውቶቡሳትን ብመኻይንን ብብዝሒ’ዮም ኣጋይሽ ክቕበሉ ናብ መንደፈራ መጺኦም። ናይ’ዞም ናይ ፈለማ ስጉጓት ናብ’ቶም ሓደስቲ ስጉጓት ብእዋኑ ምጽምባር ከኣ ኣይሓሰመን። ከመይ’ሲ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ሓጊዙ። ንሳቶም ብዛዕባ ስርሖምን ስድራቤቶምን ብድሕሪኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ኩነታት ሓበሬታ ክእክቡ ላዕልን ታሕትን እንዳበሉ እንኪሓቱ፣ እቶም ሓደስቲ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ መንግስቲ እንታይ ምጽባይ ከምዝከኣል፣ ብምሕታት ብዛዕባ ክሳብ ሽዑ ዘጋጠሞም ኩነታትን ዝተነግሮም መብጽዓታትን ንምግማት ዕድል ተረኺቡ።

ንሳቶም’ኳ ብጥርኑፍ’ዮም ኣብ ሓደ ቦታ ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ካብ መንግስቲ ክረኽቡ ጸኒሖም። ሓቂ’ሓይሽ ገለ ገሊኦም’ሲ ካብ ንእዲሕጽኖት ወሪዶም ዝመጽኡ መርዓውቲ ክሳብ ዝመስሉ፣ እንጀራ መንግስቲ ከምዝተሰማምዖም ኣብ ገጾም ብንጹር ተንጸባሪቑ ይርአ ኔሩ። እዚ ምስክር’ዚ ናይ ብዙሓት ተስፋን ትጽቢትን ዘድምቕ ተርእዮ’ዩ ኔሩ። ምናልባት ካብ ናይ መንግስቲ ስንቂ ንላዕሊ ድማ እቲ ተቐባል ጋሻ ህዝቢ ኤርትራ ምሳሕን ድራርን ክጋብዞም ስለዝቐነየ’ውን ክኸውን ይኽእል። ዝኾነ ኾይኑ ብፍላይ ብፍላይ እታ መንግስቲ ከጣይሰኩም’ዩ ትብል ዘረባ ከኣ ኩሉ ሰብ ዝብህጋን ሰሚዑን ተዛሪቡን ዘይመንዋን ኣርእስቲ’ያ ኮይና። ብዘይቃል ዓለም ድማ እቶም ቀድሞት ስጉጓት እንተዘይነክዮሙላስ ኣይወሰኹላን። ኣዳዕዲዖም’ዮም ከም ርጡብ ሓበሬታ ዘርጊሖማ።

ስለ’ዚ ብሰንኪ’ዛ ዓባይ መብጽዓ! እቲ ካብ መንግስቲ ክወሃብ’ዩ ዝተባህለ ካሕሳ፣ ንነፍስወከፍ ሰብ ምስ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጥፍኦ ሃብቲ ክመጣጠን ይኽእል’ዩ፣ ዝብል ግምት ቀልጢፉ’ዩ ማዕቢሉ። ምዝገባ ምስተጀመረ ከኣ፣ ብሸነኽ ተመዝገብቲ ዝተፈተነ ሚዛን ኣቐራርባ፣ ከም ቁርባበሻኻን ጥራይ ዘይኮነ ከም ጥሩምባኻ’ዩ ኾይኑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ መንጎ መዝገብትን ተመዝገብትን ካብ ከንፈርካ ዘረምጥጥ ምግራም ሓሊፉ፣ ሂር! ዝበለ ክትዕ’ዩ ብሃንደበት ተፈጢሩ።

እወ! ተመዝጋቦ ኣጥፊእናዮ መጺእና ዝብልዎ ሃብቲ ንምዕባይ፣ መዝጋቦ ድማ ዝብላዕ’ባ ተዛረቡ ክብሉ፣ ክንደይ ውረድደይብ! ዝሰፈኖ መስርሕ’ዩ ኔሩ። ክልቲኦም ሓቆም’ዮም። ንኣብነት ብዓይኒ ተመዝጋባይ ሓደ ሰብ ታክሲ ኔራትኒ፣ ንመዓልቲ ድማ ክንድ’ዚ ተእቱ ኔራ ክብል’ከሎ፣ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ናይ ታክሲ ዋጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ትጽቢቱ ዘንጸባርቕ ፈተነ’ዩ ኔሩ። እንተተመሲሉሉስ ዋጋ ታክሲ ናይ ኣስመራ ንምርካብ’ሞ፣ ዝለመዳ ስራሕ ንምቕጻል ዝዓለመ’ዩ ኔሩ’ቲ ጻዕሪ። ብወገን መዝገብቲ ድማ፣ ሰማዒ እንታይ ክብለና’ዩ’ኳ ኣይተባህለን። ዋእ! ታክሲ ዘዊርካስ ክንድ’ዚ ንመዓልቲ ተእቱ ኔርካ ማለት ድዩ? ሓቅኻ ዲኻ’ታ? ካብ ምባል ሓሊፎም …………. ንተጋደልቱ ዘየጣየሰ መንግስቲ ከጣይሶም ድዮም ዝጽበዩ ዘለዉ እዞም ሰባት፣ እምበርዶ ዓይኒ’ለዎም’ዩ ክሳብ ምባል ይስምዑ ኔሮም።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ መንደፈራ ነናብ ቦታኻ ንምኻድ ዝተገብረ ጉዕዞ ከም እግርኻን ከም ጸግዕኻን’ዩ ኔሩ። እግርን ጸግዕን ዘጸበቐ ሓደ ለይቲ ሓዲሩ’ዩ ተሰናቢቱ። ገሊኡ ድማ ኣብ’ቲ ቤትምህርቲ ካብ ሳልስቲ ራብዕቲ ሓሊፉ ክሳብ ሳምንቲ ዝቕኒ ብምዃን ኢና ተፈላሊና። በብቑሩብ ድማ ነናብ ዝሕሸና ፋሕ ብትን ኢልና። ከምኡ’ውን መን’ፈልጥ! ከም’ቶም ቀዳሞት ናይ መንግስቲ መዓቑቦ ክወሃበና፣ ብጎቦ ዓይንና ቁሊሕ ምባል ኣይገደፍናን።

ብኣንጻሩ ግን ኣንታ’ዞም እንዳ ዝናንባህታን ዝገብርዎ ኣይፍለጥን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ውን ንብዙሕ ሰብ ኣየቕሰነን። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተዓቚቦም ዝቐነዩ ሰባት፣ ነቲ ደድሕሪኦም ብብዝሒ ዝሰዓበ ህዝቢ ምስረኣዩ ናይ ብሓቂ’ዮም ሰምቢዶም። እቲ ተዓቒቦሙሉ ዝነበሩ ቦታ ዳርጋ መሊኡ ስለዝነበረ፣ ነዚ ኹሉ ሰብ ዝኸውን መዋድቖ ኣይክርከብን’ዩ ዝብል ሻቕሎት ከስምዑ ጀሚሮም። ስለ’ዚ መንግስቲ ገዛውቲ እንተዘይዓዲሉናስ ብርቱዕ ጸገም ክፍጠር’ዩ፣ ብምባል ስግኣቶም ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይበሉን። ዝኾነ ኾይኑ ንግዜኡ ግን ተስፋን ሻቕሎትን መጻምዲ ኮይኖም’ዮም ንቐጻሊ ጉዕዞና ተተሓሒዞሞ።

ኮይኑ ድማ ድሕሪ ሓንቲ ለይቲ ኣብ መንደፈራ፣ ክብረት ይሃቦም፣ ኣዕሩኽተይን ኣዝማደይን ኣንጊሆም ናብ’ታ ዝነበርኩዋ ቤት ትምህርቲ ጠበቕ በሉ’ሞ፣ ካብኡ ተተሓሒዝና ጉዕዞና ናብ ኣስመራ ጀመርና። ኣቐዲምና ግን ኣብ መንደፈራ ምእንቲ ክንቆርስ ናብ ሹቕ፣ ማለት ማእከል ከተማ መንደፈራ ኣተና። ንእገረ መንገድና ድማ ዝጽዕናን ዘራግፋን ኣውቶቡሳት ረአኹ’ሞ፣ እተን ተመሃራይ ኮይነ ካብ ዓዲ ናብ ቤት ትምህርቲ እንኪመላለስ ኣብ ፕያሳ ተኣኪበን፣

) ኣስመራ…..መንደፈራ…. ዓዲ ዃላ….. እንዳ ጋብር ደርዓንቶ!

) እምባደርሆ….. ዓዲተከለዛን …. ከረን!

) ዒላበርዕድ…… ኣቑርደት….. ተሰነይ!

) ደቀ’ምሓረ …… ሰገነይቲ …..ዓዲቐይሕ!

) እምባትካላ ……ጊንዳዕ ……ባጽዕ!

እንዳ በላ ብእልፊ ሙዚቃ ተዓጂበን መስርሕ ንግድንዕዳጋን ዘድምቓ ዝነበራ ናይ ቀደም ኣውቶቡሳት፣ ናይ ሳታየ እንዳ ሓጂ ዓብዱ እንዳ ጎናፍር እንዳ ኣበራ እንዳ ሳልባቲ እንዳ ሓረጎት፣ ብፍላይ ድማ እተን ኣብ መሳኹተን ናይ ጸሓይ መኸልከሊ ዝኸውን በብዓይነቱ ሕብራዊ ኣጭርቕቲ ኣንጠልጢለን፣ ብብዝሒ ንድባርዋ መንደፈራ ዓዲ ዃላ ገጸን ዝዋፈራ ዝነበራ፣ በዘቕዘቕ! ዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝነበረን ንእስ! ክብብ! ዝበላ ኣውቶቡሳት ምስ’ቶም ኣብ ማእከል ፕያሳ ገያሾ ንምዕንጋልን፣ ሰናቲም ንምእካብን፣

) ቆሎ ዓተር ቆሎ ስገም!

) ማስቲካ ሽጋራ! ለሚን ለሚን ……. ናይ ሓሙሽተ ሰለስተ ለሚን!

) ውዑይ ፉል! ውዑይቲ እንቋቑሖ! እምበቲቶ! ውዑይ ባኒ!

) መንዲል ማዕተብ! መዘርገፍ መመሸጥ!

) ካራሜለ! ሓለዋት! ሓለዋት! …..ናይ ሓሙሽተ ዓሰርተ እንዳ በሉ ከም ዓቕሞም ኣብ’ዛ ዓለምዕዳጋ ኣብ ጭልቅዕ ዕድመኦም ክጓየዩ ዝፍትኑ ዝነበሩ መናእሰይ ደቀ’ስመራ ሓዋዊሱ፣ እቲ ቐደም ዝርእዮ ዝነበርኩ ዕግርግር ናይ ፕያሳ ከም’ዛ ንፋስ ዘራጊቶ በዛ ቕደመይ ሽው ኢሉ ዝሓለፈ መሲሉ ተሰመዓኒ።

ዝኾነ ኾይኑ ምስ’ቶም ክቕበሉኒ ዝመጽኡ፣ ካብ’ታ ዝተራኸብናላ ደቒቕ ኣትሒዝና ስምዒትናን ሕርቃ’ናን ኣብ ገጽና’ዩ ዝንበብ ዝነበረ። ዘረባና’ውን ካብኡ ብዝገደደ ናህርን ስምዒትን ዝሰፈኖ’ዩ ኔሩ። ኣብ መንጎ’ዚ ርሱን ዕላልና ድማ ንፈለማ እዋን ዝሰማዕኩዋ ተራር ሕቶ፣ ማለት ኣብ ባንኪ ኤርትራ ክንደይ ገንዘብ ኣቐሚጥካ’ለኻ ትብል ኔራ። ኣነ’ውን ሽሕ’ኳ በታ ሕቶ እንተተገረምኩ፣ ኣይሓሰኹን። ወላ ሓንቲ የብለይን ብምባል ኣነጺረ ንምምላስ ቃል ዓለም ኣይገበርኩን። ሓቂ’ሓይሽ ኣይነበረንን ከኣ!

ከመይ’ሲ ንግድን ዕዳጋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ባንኪ ድማ ኣበ’ስመራስ ዘይሕሰብ’ዩ።

ዝገርም’ዩ! መልሰይ ድማ ንግዜኡ ኣርእስቲ ዕላልና’ያ ቀይራቶ። ምኽንያቱ ንወያኔ! ኣሚንኩም’ሲ ደቂስኩም ትሓድሩን፣ ገንዘብኩም ተዋፍሩን ኔርኩም። ገርህነት ኤርትራውያን’ኮ መለክዒ የብሉን፣ ዝብል ዘረባ ሰዓበ። ኣብ መወዳታ ድማ ሓደ፣ ክላ ግደፈና! እዚ ገርህነት ኣይኮነን፣ ዕሽነት’ዩ በለ’ሞ፣ ብወገነይ ምኽንያት ምድርዳር ከምዘየዋጽኣኒ ገሚተ ኣጽቀጥኩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ዝምድና ንግድንዕዳጋን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለና ኣረኣእያ በበይኑ ከምዝኾነ ስለዝተረዳእኩ። ካብኡ ግን ኩነታተይ ዝተዓዘበ ሓደ፣ ኣብ መንጎ ብምእታው ሱቕ ዘይትብሉ’ታ! እንታይ ግበር ትብልዎ’ለኹም። ኣጆኻ ወደይ! ብሂወትካ ጥራይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ’ምበር! ገንዘብ ብመዓልቱ ይጥረ! ብመዓልቱ ይጠፍእ! በለ’ሞ፣ ናብ’ቲ ቐንዲ ዕላል ናይ’ቲ እዋን ሰገርና።

ጠጥዑሞ ተዓደሉ! ጥዑም ቁርሲ ቆሪስና ካብ መንደፈራ፣ ቶዮታ ብዝዓይነታ መኪና ናብ ኣስመራ ነቐልና። ጽርግያ ኣስመራ መንደፈራ ጸቢብ’ዩ ዝመስል ዝነበረ። ኣነ ድማ ንፈላማ እዋን’የ ዝረግጾ ዝነበርኩ። ዝኾነ ኾይኑ ተመራሪሐን ሽው! ሽው! እንዳበላ ብዝንቀሳቐሳ ዓበይትን ናእሽቱን መካይን ዕረፍቲ ኣይነበሮን። ምናልባት ናብ’ቶም ስጉጓት ደሃይ ክገብሩ ዝጓየዩ ሰባት እነተዘይኮይኖም’ሲ፣ ከምኡ ዓይነት ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዘለዎ ጽርግያ ምስ ምዉቕ ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ክዛመድ ይኽእል’ዩ ዝብል ጦብላሕታ ድማ ፍሉይ ስምዒት ኣሕደረለይ። ምናልባት እንተሰሊጡኒ ኣብ መንደፈራ፣ እንተዘይሰሊጡኒ ድማ ወላ ኣብ ድባርዋ’ውን ስራሕ ክጅምር ኣይከጸግመንን’ዩ፣ ዝብል ተስፋ ነታ ብ1991 – 92 ዝቐበጽኩዋ ፈተነ ኣዘኻኸረትኒ።

እወ! 1991 – 92 ካብ ናይሮቢ ከንያ ንዓደይ ተመሊሰ፣ ክልተ ዓይነት ስራሕ ናይ ምጅማር ፈተነ ፈቲነ ኔረ። ኣብ ቀዳመይቲ እግረይ ፍርያት ፋብሪካ ናይ ሓንቲ ናይ መድሓኒት ካምፓኒ ዘከፋፍል ስራሕ ክጅምር ዝገበርኩዎ ፈተነ ኣይሰለጠን። ከም ምኽንያት ድማ እቲ ዝሓሰብኩዎ ዓይነት ስራሕ ብመንግስቲ’ምበር ብግለሰባት ኣይግበርን’ዩ ዝብል ንጹር መልሲ’ዩ ተዋሂቡኒ። ዘቄሳር ለቄሳር!ብምባል ድማ ነዛ ሓሳብ’ዚኣ ቀልጢፈ’የ ካብ ልበይ ኣውጺአያ።

ካብኡ ናብ’ታ ካልኣይቲ፣ ማለት ቤት መሸጣ መድሓኒት (ፋርማሲ) ንምኽፋት ናብ ዝግበር ፈተነ ንምስጋር ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣይበልኩን። ብቐጥታ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣስመራ ቅድሚ ምኻደይ ግን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ክልተ ኣዋርሕ ዝግመት ግዜ ተቐሚጠ። ኣብኡ እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ንምግማት፣ ምስ’ቶም ዝምልከቶም ወሃብቲ ፍቓድ ብምምኽኻርን፣ ናይ ስራሕ ቦታታት ብምድህሳስን ገምጋምን መጽናዕትን ኣካይደ። ብዘይቃል ዓለም ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናተይ ስራሕ ክጅምር እንተደልየ ከምዝፍቀደለይ እንዳፈለጥኩ፣ ክሉ ደቀይ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ኣሎ፣ ትህጠር ትዕበር ብዘየገድስ፣ ኣብ ኤርትራ’የ ዕድለይ ዝፍትን ብምባል’የ ናበ’ስመራ ቀጺለ። ኣብኡ ድማ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝግመት ግዜ ኣሕሊፈ።

እንተኾነ ግን ኣበ’ስመራ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ወላ ኣብ ተሰነይ ባጽዕ ወይ ድማ ዓሰብ ስራሕ ክጅምር ፍቓድ ክወሃበኒ ሓቲተ፣ ኣይተፈቕደለይን። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት’ውን ከምኡ ዓይነት ስራሕ ምጅማር ይፍቀድ ኣይነበረን። ቤላ ቤለው ደኣ ከይኸውን’ምበር ምዕዳል ናይ ንግዲ ፍቓዳት’ውን ምስ ምጥያስ ናይ ተጋደልቲ ክተሓሓዝ’ዩ፣ ዝብል ወረ’ውን ኔሩ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ዝነበርኩ ሕቶታት ክምልስ ዘይከኣለ ሓደ ዝምልከቶ በዓል ስልጣን፣ እንተደሊኻ ኣብ ሆስፒታል ዘይንቖጽረካ፣ ዝብል ምሳሉ ከም መፍትሒ ኣቕረበለይ። ኣነ ግን ኣይተቖጸርኩን። ደጊም ኣስመራ ደሓን ኩኒ እንዳበልኩ’የ ካብ እንዳ ዝናንባህታን ተሰናቢተ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመለስኩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓሳበይ ሰሚሩለይ ጽቡቕ ስራሕ ጀሚረ። ጸጽቡቑ ይዓድሎም። ንኹልና ድማ ሓሳብ ልብና የስምረልና።

ሕጂ ድማ ተሰጊጎ ካብ መጻእኩስ ምስ ህሉው ኩነታት ክተዓጻጸፍን ቀልጢፈ ቦታይ ክሕዝን ከምዘለኒ እንዳተቐራረብኩ’የ ናብ’ቲ ተሪር ዓቐበት ሽከቲ ዘንቃዕረርኩ። ዝኾነ ኾይኑ ካብ መንደፈራ ናብ ኣስመራ ዝነበረ ጉዕዞና ህድእ ኢልካ’ዩ ኔሩ። ሕልፍ ሕልፍ እንዳበልና’ውን ካብ መኪና ወሪድና ንገለ ሒዶት ደቓይቕ ንፋስ ምውሳድን መሬት ዓድና ምዕዛብን ኣይገድፍናን። ካብ ኩሉ ዘይርስዓኒ ግን ኣብ ገማግም’ቲ ጽርግያ ዝተተኽሉ ኣእዋም፣ (መብዛሕትኡ ሰራው) ብማዕረ ተሰሪዖም፣ ሳላ ናይ ሓምለ ዝናም ድማ ለሚዖም፣ ነቲ መሬት ቀጠልያ ሕብሪ ኣልቢሶሞ ምርኣይ ናይ መንፈስ ዕግበት ዝህብ፣ ሰዊት ተስፋ’ዩ ኔሩ። ከብትን መጓሰን ግን ብዙሕ ኣይረኣኹን። ክሸይን ናብ ሓንቲ ቁጥቋጥ ጽግዕ ምስ በልኩ ግን ክልተ ማንቲለታት ካብ’ቲ ቆጣቑጢ በሪረን ክኸዳ ረአኹ’ሞ ብቕጽበት ፍሉይ ስምዒት ተሰሚዑኒ።

እቲ ዝገርም ነገር፣ ሓደ ካብ’ቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፣ እዚ ትርእዮ ዘለኻ ኣእዋም ክብል ዘረብኡ ጀመረ’ሞ፣ ብምቕጻል ድማ ብናጻ ኣገልግሎት ክረምታዊ ማእቶት፣ ማለት ብኢድ ተመሃሮ ዝተተኽለ’ዩ። ምኽንያቱ እዚ መንግስቲ’ዚ ተተሓሒዙዎ ዘሎ ህንጸት ሃገር ብኹሉ መዳይ ኢዩ ክብል ኣብ ኣሰራሓ እንዳ ዝናንባህታን ዝነበሮ ዕግበት ኣነጺሩ። ትሪኢ’ለኻ እዞም ወያኔ ግን ሓሳዳት’ዮም እንዳበለ፣ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ኣብ ናጻ ኣገልግሎት ዘዋፍር ሕንቁቕ ኣኻይዳ እንዳ ዝናንባህታን ከም ህንጸት ሃገር ዝጽብጽብ ዘረብኡ ብምቕጻል።

እንተኾነ ግን ይብል’ሞ! እዚ ናይ ወያኔ ተንኮል ኣብ ግዜ ናይ’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ መሪሕነት ትውልዲ እንቋዕ ተጋህደ። ንወያኔ’ሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንስዕሮም ኢና። ምኽንያቱ እዚ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ትውልዲ ኣዝዩ ብሉጽ’ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ የብሉን። ንወይኔ ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ ዘብጽሖም ባዕሉ’ዩ። ሕጂ ድማ ወያኔ ብዘይደገፍ ናይ’ዚ መሪሕነት’ዚ ናበይ ገጻ ከምትጸድፍ ክንርኢ ኢና፣ ክብል ኣብ’ቲ ሕንቁቕ ቅዲኣመራርሓ እንዳ ዝናንባህታን ዝነበሮ እምነትን ትጽቢትን ሓበረና። ቀጺሉ ድማ እንተ ብዛዕባ ንብረትኩም ከኣ ዘሰክፍ የብልኩምን። መንግስትና ሃብታም’ዩ። ምስ ዓለማት ተሰማሚዑ ድማ ብዕጽፊ ክኽሕሰኩም’ዩ፣ በለ።

ንስኻ ድማ ክሳብ ስራሕካ ትጅምር ኣብ ገዛይ ዘሎ ኣብ ገዛኻ ከምዘሎ’ዩ። ኣጆኻ! ክብል ካብ ደረጃ ፖለቲካ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ሓሊፉ ክሳብ ብዛዕባ ናይ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ኣሰራርሓ ዝነበሮ ሚዛን ዘንጸባርቕ ምሳሉ ተዛረበ። ኣብ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ንተግባራት እንዳ ዝናንባህታን ዝምልከት ስምዒታዊ ቲፎዞነት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣገባብ ኣመራርሓ እንዳ ዝናንባህታን ካብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ንላዕሊ ዓቕምን ብቕዓትን ከምዘለዎ ኣምሲሉ ብኣድንቖት ዘሞግስ ዝምባሌ’’ዩ ዝተንጸባረቐ። ካብ ሰሪመዓቱ የውጽኣና’ዩ ዘብል።

ኣነ ድማ ምናልባት ኣብ’ዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፣ ሻዕባያ ድያ ወያኔ ትዕወት ኣብ ዝብል ዝምባሌ ቲፎዞ ምዃን ዘይኮነስ፣ እቲ ጠንቂ ናይ መባኣሲ ኮይኑ ዘሎ ምኽንያት ንምፍላጥ ምጽዓር፣ ካብኡ ድማ ዘርብሓካ ኣማራጺ ምውሳድ’ዩ። እንተ ዘይኮነ ግን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኲናት እንተቐጺሉ ንሓደኻ’ዩ። ዓራቒ እንተተዘይተረኺቡ ከኣ ኣብ መወዳእታ ናይ ኲናት ተዓዋትን ተሸናፍን ክህሉ’ዩ። ስለ’ዚ መን ከምዝዕወት ተፈልዩ ክሳብ ዝርአ ምጽባይ ረብሓ’ብሉን።

ምናልባት ንኽትፈልጦ ግን መንእሰያት ኢትዮጵያ ወተሃደራት ተኸቲቦም ኣብ’ዚ ኲናት’ዚ ንኽሳተፉ፣ መስርሕ ምዝገባ ንኸየምልጦም ኣብ ቀበሌታት ምሉእ ለይቲ ሪጋ ሒዞም ክሓድሩ ክንርእዮም ቀኒና ኢና። እንተበልኩ፣ ሕጽር ብዝበለ ኣዘራርባ እሞ መን ከምዝዕወት ትጠራጠር ኢኻ ማለት ድዩ?ነዚ መንግስቲ’ዚ ኣይፈለጥካዮን ኣለኻ ማለት’ኮ’ዩ። ደሓን እንቋዕ’ሞ ብደሓን መጻእካ ጥራይ! ሕጂ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትፈልጦ ኢኻ።

እንዳ በለኒ፣ ጎዳየፍ በጻሕና’ሞ፣ ቤተ ክርስትያን ሳንታ ኣንቶንዮን ፋብሪካ እንዳዓለባን ንየማን፣ እቲ ዓቢ ጋራዥ እንዳ’ቦይ ሃብተማርያም ድማ ንጸጋም ኣንዳረአኹ ሓለፍኩ። ኣቦይ ሃብተማርይም ወላ ኣብ ዕብየቶም ምስ መንእሰያት ኣብ ኮርሶመኻይን ዝወዳደሩ ዝነበሩ ሰሓቓይን ተዋዛያይን ህርኩት ወደ’ስመራ’ዮም ኔሮም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ ልቢ ኩሉ ፈላጢኦም ዝነብር ዕዙዝ መዘከርታ ገዲፎም’ዮም ሓሊፎም። ምስ መላእኽቱ ይጸምብሮም።

ጋራዥ እንዳ’ቦይ ሃብተማያም ዝተጋጨዋ መካይን ምዕራይ ጥራይ ዘይኮነስ ዓበይቲ ኣውቶቡሳት ከይተረፈ ዝሰርሕ፣ ኣዝዩ ምዕቡል ፋብሪካ’ዩ ዝነበረ። እቶም ናይ ጥልያን ኢደጥበብ ዝወረሱ ደቀ’ስመራ እምበኣርከስ መንፍዓቶምን ብልሓቶምን ኣብ ተግባር ዘርእዩ ድሙቓት ኣብነታት ከምዝነበሩ ጋራዥ እንዳ’ቦይ ሃብተማርያም ሓደ ዓቢ ኣብነት’ዩ ኔሩ። ስለ’ዚ ድማ’የ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናበ’ስመራ ክኣቱ እንከለኹስ ናብ’ዚ ብሩኽ ገዛ ገጸይ ቁሊሕ ዝበልኩ።

እንተኾነ ግን እቲ ዓቢ ካንቸሎ ናይ’ቲ ጋራዥ ተዓጽዩ ስለዝነበረ፣ ብትዝታን ናፍቖትን እው….!!! ካብ ምባል ሓሊፈ ናይ ስራሕ ኮምብላስዮነ! ዝተኸድነ መካኒክ ክወጽእ ክኣቱ ወይ ድማ ተሰሪሓ ዝተወድአት ኣውቶቡስ ባጉም ባጉም ባ …. ጉም! ሰልዲ እንተለኩም ክንማልኣኩም እንዳበለት ካብ’ቲ ጋራዥ ክትቅልቀል ክርኢ ዕድል ኣይረኸብኩን። ቀልጢፍና ኢና ሓሊፍናዮ።

ካልእስ ይትረፍ ብሸነኽ የማን ዝነበረ ፋብሪካ እንዳ ባራቶሎ’ኳ ኣየቕለብኩሉን። ምኽንያቱ ወይ’ታ ክልተ ደርቢ ዘለዋ ናይ ሰራሕተኛታት ኣውቶቡስ ኣይተቐልቀለትን። ወይ ድማ እተን ኣብ ፋብሪካ እንዳ ዓለባ ዝሰርሓ ኣንስቲ ክወጽኣክኣትዋ ስለዘይረአኹ’ሲ ከየ’ድሃብኩሉ’የ ነቲ ከባቢ ሓሊፈዮ። እቲ ጽርግያ ግን ከም ቀደሙ፣ ካብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳ ሳንታ ኣንቶንዮ ኣትሒዙ ክሳብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳ ኣቡነ’ታትዮስ፣ ብኣጋርን ብብሽክለታን ዝንቀሳቐሱ ሰባት’ዩ መሊኡ ኔሩ። ኣጋጣሚ ግን ነተን ቀደም ማይ ንኽሸጣ ሕልኽልኽ ክብላ ዝርእየን ዝነበርኩ፣ ካሮሳታት ናይ ደቂ ጎዳየፍ ትመስል፣ ኣብ’ቲ ኸባቢ ተወዝ ትብል ንምርኣይ ዕድል ከይገበርኩ’የ፣ ንመናድቕ እንዳ ኣብርሃ ባህታን እንዳ መስማርን እንዳጠመትኩ ንኾብብሽታቶ ገጸይ ኣምሪሐ።

ኣብ ከባቢ ባር ጂማ ድማ ካብ ፋብሪካ እንዳ ቢኒ ይኹን ካብ’ቲ ኣብ ስግሩ ዘሎ ሲነማ ኣፍሪቃ ዝውጽእዝኣቱ ሰብ ኣይነበረን። ንማለቱ ግን ኣብ’ታ ፊት ባር ጂማ ዝነበረት ፌርማታ፣ ሓንቲ ናይ ከተማ ኣውቶቡስ፣ ከም ኣኻይዳአን’ሲ ደቂ ገጀረት ዓቢ ዝመስላ ኣደታት ክትጽዕንን ከተራግፍን’ከላ ሓለፍናያ። እቲ ሰፈር ግን ኣይከምቀደሙን፣ ጭር! ኢሉ’ዩ ኔሩ። ዝኾነ ኾይኑ ኣማስያና ኣብ ካራቨል ዝበላዕናዮ ድራር ካብ ላዛኛ ክሳብ ክረም ካራሜለ ጣዕሙን መቐረቱን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ናይ ቀደም ዋግኡ’ኳ ነቲ ኹሉ ሽሻይ ዕስራ ቕርሺ’ኳ ይበጽሕ ኣይነበረን። ናይ ሽዑ ግን መቐረቱ ጥራይ ዘይኮነስ ዋግኡ’ውን ኣጻብዕትኻ’ዩ ዘንክስ።

ዘረባዶ ኣብዚሐ። ሓቕኹም ኢኹም! …….. ኣቡኡ ካብ ሽቓቕ ክወጽእ ዝረኣየ እግሪ ተኽሊ ሕጻን’ሲ፣ እንዳ ጎየየ ናበ’ቡኡ ከይዱ ተሓቑፈ። ወላዲ ድማ ንወዱ ካብ መሬት ኣልዒሉ ክስዕሞ እንከሎ፣ ወዮ ሕጻን ባባ ……..“ኣቦኸ ይሓርእ ድዩ” …… ክብል ሓተቶ። ወላዲ ድማ፣ ዋእ እንዳበለ ክምልስ …. …. መልሲ ንኣንባቢ! እገድፋ። ሕጂ ድማ ዋይ ኣንታ እዚ ሰብኣይ ኣብ እርጋኑዶ ናፊቑ ትብሉኒ’ኳ ትኾኑ። እንተኾነ ግን ብዓዳ’ያ ትናፍቕ ዘላ ኣነ ጥራይ ድየ መሲሉኩም። ሕንቃቐን ምሒር ጥንቃቐን እንታይዶ ገዲፈናልና’የን! ……. ኣብ ኮምቢሽታቶ ንራኸበሉ ናይ ሰላም መዓልቲ ይፍጥረልና ጥራይ። (ክቕጽል’ዩ)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

Daniel T Teclegiorgis

Ewandt54@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • zemen beraki November 22, 2011

    Such a great writer. You must coolect this and write it as a book. There is a time when it will be so precious. I really admire your style and memory!!

  • Michael November 22, 2011

    Thank you for all that you are doing. Your articles are very interesting and are food for my soul. I have been printing them and sharing them with others. We all wish and hope you will write an interesting book. I promise to by 25 of them to give a way to friends and people that have mistrust and who are TIFOSOS.( I don’t know if it is a word) God bless you and may peace prevail at home and our people.
    Michael

POST A COMMENT