Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓሸ መጻኢ ከይሓልም ዝተኾነነ ትውልዲ

ሓውሲ ደሴት ሲናይ እንክልዓል ኣብ ኣእምሮኻ ቅጅል ካብ ዝብሉኻ ነገራት ሓደ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝትረኽ ዛንታ ስደት ሙሴ ኣብ በረኻታት ሲናይ እዩ፡፡ ሙሴ ሕነ ናይቲ ብጎይትኡ ተቐጥቂጡ ተወላዲ ሂብሩ ዝኾነ ጊላ ፈድዩ፡ ካብ ምድረ ግብጺ

ሓውሲ ደሴት ሲናይ እንክልዓል ኣብ ኣእምሮኻ ቅጅል ካብ ዝብሉኻ ነገራት ሓደ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝትረኽ ዛንታ ስደት ሙሴ ኣብ በረኻታት ሲናይ እዩ፡፡

ሙሴ ሕነ ናይቲ ብጎይትኡ ተቐጥቂጡ ተወላዲ ሂብሩ ዝኾነ ጊላ ፈድዩ፡ ካብ ምድረ ግብጺ ናብ በራኻ ሲናይ ከምዘተሰደ ዛንታ ስደቱ ይገልጽ፡፡

ብዝኾነ ዕላማን መበገስን ናይዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሙሴን ዛንታ ስደቱን ንምትራኽ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ! ብዛዕባ እቶም ኣውያቶም ሰማዒ ዝሰኣኑ ኣብ ሲናይ ዝሳቐዩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ገለ ንምባል እምበር፡፡ ዛንታ ስደት ሙሴ ሕሉፍን ጥንታዊን ታሪኽ እዩ፡፡ ዛንታ ናይቶም ኣብ በረኻታት ሲናይ ግዳያት ስርቂ ክፍሊ-ኣካላት እናኾኑ፡ ንኣዳም ገረሞ ዝኾነ ናይ ቅዝፈት ሂወት ዘሕልፉ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን ዝግባእ ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከይረኸበ ዝቕጽል ዘሎ ህያው ዛንታ እዩ፡፡ ዛንታት ስደት ሙሴን ኤርትራውያንን ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ዝፈላለየሉ ምኽንያት ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ሙሴ ሕነ ውጽዕ ጊላ ፈድዩ እዩ ናብዚ ቦታ’ዚ ተሰዲዱ፡፡ ኤርትራውያን ግን ሕነ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ምልኪን ኣረሜንነትን ስርዓት ህግደፍ ሂወቶም ዝሰኣኑ ወገናት ፈድዮም ዘይኮነ ካብቲ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዜጋ ዝተጻዓነ ኣርዑት ጭቆናን ባርነትን ንምግልጋል እዮም፡፡ ናብ’ዚ ከባቢ’ዚ ተሰዲዶም፡፡ ስለ’ዚ ስደት ኤርትውያን ኣብ ሲናይ ግዱድ ዕዮ፡ ግዱድ ዕስክርናን ዓፋኒ ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ ዘስዓቦ እዩ፡፡

ቅድሚ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ክቱር መግዛእታዊ ጭቆና ካብ ዝፈትዎ መሬቱ ኣርሒቑ እናተሰደ መመሰሊ ስደትን ከርተትን ኮይኑ ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ፡፡ እዚ ታሪኽ’ዚ ምስ ምውላድ ናጻ ሃገር ኤርትራ መኸተምታ ተገይርሉ እኳ እንተተብሃለ ነዊሕ ኣብዘይከደ ግዜ እቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሻሓት ደቂ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝመጸ ስርዓት መብጸዓ ጠሊሙ ናብ ካልእ ጨቋኒ ደርቢ ስለተቐየረ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ከምቀደም ሃገርን ባንዴራን ከምዘይብሉ ከምደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድን ብሳዕቤናት ስደት ይሳቐን ኣሎ፡፡ ስለ’ዚ ድማ ኣብ ዓድን ስደትን ዝርከብ ህዝብና ነታ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዘድምጻ ዝነበረ “እዚ’ውን ክሓልፍ እዩ” እትብል ሓረግ ሎሚ’ውን መውጺኢት ኣፉ ገይርዋ ኣሎ፡፡ እዛ “እዚ’ውን ክሓልፍ እዩ” እትብል ሓረግ ጥንታዊትን ኣብ ጥንታዊ ስርሓት ፋርሳውያን ገጠምቲ እትደጋገምን ሓረግ እኳ እንተኾነት ኤርትራውያን ዝመሃዝዋ ክሳብ እትመስል ናይ’ዚ ዘመን’ዚ ጭርሖ ኤርትራውያን ኮይና ኣላ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣብ ሲናይ ተደርብዮም ዝርከቡ ወገናትና ኣብ መናድቕ ናይተን ካብ ሃደን ነጋዶ ኩሊት ዝሕብአለን በዓቲታት ብተደጋጋሚ ዝሕንጥጥዋ ጥቕሲ ኮይና ኣላ፡፡ ከምቲ እታ ጥቕሲ ትብሎ እቲ ምሕላፋ ዘይተርፎ ጸበባታት ምስ ሐላፈ በዓቲታት ሲናይ ኣሰር ዛንታ ሸቑረራ ግዳያት ስደት ዝኾኑ ኤርትራውያን ዓቂቡ ንዘመናት ክነብር እዩ፡፡ ልክዕ ከም ዛንታ ስደት ሙሴ ድማ ወለዶታት ኤርትራ ዘንብብዎ ኣስከሕካሒ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ክጸሓፍ ምኻኑ ኣየጠራጥርን፡፡

ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ቅድሚ ናጽነት ኮነ ድሕሪ ናጽነት ሓደ እዩ፡፡ ንሱ ድማ ጭቆና ግፍዒ ማእሰርትን ሞትን ክንዲዝኾነ እዚ ኣብ ዘመነ ስርዓት ህግደፍ ብዝሓየለ መልክዑ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት መቐጸልታ ናይቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ዝረአ ዝነበረ ስደት ኤርትራውያን እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ መቸም ብጭቆና ባዕዳዊ ገዛኢ ሰኪሕካ ቤት ንብረትካ ራሕሪሕኻ ናብ ስደት ክተምርሕ ከለኻን ብግፍዒ ናይቲ ተቓሊስካን ተሰዊእካን ስልጣን ዘጨበጥካዮ ስርዓት ኣማሪርካ ክትስደድን ሓደ ከይከውን ይኽእል እዩ፡፡ በቲ ኾነ በዚ ግን ጭቆናን ግፍዒን ካብ ባዕዳዊ ይምጻእ ካብ ወገን ሓደን መለሳ ዘይብሉን ምኻኑ ኣይተርፎን እዩ፡፡

ንስደት ኤርትራውያን ካብ ዘመነ ሳውራ ኣትሒዝና እንተርእናዮ ካብ 1967 እዩ ዝጅምር፡፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ረመጽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልብልቦ ምስ ጀመረ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ” ብዝብል ፍልስፍና እናተመርሐ ህዝቢ ምጽናትን ዓድታት ምንዳድን ስርሐይ ኢሉ ስለዝተተሓሓዞ ፈለማ ብኣሻሓት ጸኒሖም ድማ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዓድታቶም ገዲፎም ንጎረቤት ሃገር ሱዳን ከምዘዕለቕለቕዋ ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡ ካልኦት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ድማ ነታ ሃገር ከም መሳጋገሪ ተጠቒሞም ኣርሒቖም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኤውሮጳ ሰሜን ኣመሪካን ኣውስትሪያልያን ክስደዱ ከምዝተቐሰቡ ዝዝከር እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሎሚ ኤርትራውያን ዘይርከብሉ ክፋል ናይ ዓለም ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን፡፡ ኤርትራ ብስሙር ቅልጽም ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ዝነብሩ ዜጋታት ብ1991 ሓርነታ ተጎናጸፈት፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓዱሽ ናይ ምዕራፍ ተኸፈቱሉ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ፡፡ ምረት መግዛእቲ ከም ዝስደዱ ዝገበሮም ወገናትና’ውን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ጥጡሕ ናብራ ክመርሑ ተመንዮም፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ብህዝባዊ ቃልስን መስዋእትን ኣብ ኮረሻ ስልጣን ሓዳስ ሃገር ዝተወጠሐ ጉጅለ፡ ነቲ ዋንነቱ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ሓርነት ጨውዩ “ሓራ ኣውጺአኩም እየ እሞ ከምድየይ ረጊጸ ከማሓድረኩም እየ” በለ–ብልሳኑ ዘይኮነ ብተግባራቱን ኣካይድኡን፡፡ በዚ ድማ ምምላስ ካብ ስደት ዝብል ባህጊ ኤርትራውያን ብግስ ከይበለ ቅሂሙ ጥራይ ዘይኮነ ሓዱሽ ማዕበል ናይ ስደት ክጅምር’ውን ግዜ ኣይወሰደን፡፡ ብፍላይ ኣብ 2001 ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብፍጻመ 11/9 ምስ ተብሓተ እቲ ስሙ ናብ ህግደፍ ብምቕያር ብስም ፍትሕን ዲሞክራስን እናተመጻደቐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከሽካዕልል ዝጸንሐ ስርዓት ናይ ዕፈና መሓውራቱ ብሰፊሑ ናብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ ነቲ ኣብ 1991 ዝጀመሮ ናይ ዓመጽ ተግባራቱ ብዝሓየለን ዝተወደበን ኣገባብ ክፍጽሞ ካብ ዝጅምር እንሆ 11 ዓመቱ ኣቑጺሩ፡፡

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ክሳብ ሐጂ ንዓቕሚ ኣዳም ወይ ንዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሑ ዓሰርታት ኣሻሓት መናእሰያት ኤርትራ ብውልቅን ብጉጅለን ካብታ ሃገር አናወጹ ንጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን የዕለቕልቕወን ኣለው፡፡ ገለ ካብኦም ብዘይውሕስ ኣገባብ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮጳ ክሳገሩ ድራር ዓሳ ኮይኖም ዝተረፉ፡ ገሊኦም ድማ ብነጋዶ ኩሊት ሂወቶም ሲኢኖም ንቡር ቀብሪ ከይረኸቡ ብሑጻታት ሲናይ ዝተደብዩ እዮም፡፡ እዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ሲናይን ንመንእሰያት ኤርትራ ዘጋጠሞም ቅዝፈት ናይ ሓደን ክልተን ኣጋጣሚታት ጥራይ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምኻኑ ነቲ ጉዳይ ብዛይዳ ኣተሓሳሳቢ ይገብሮ፡፡ እቲ ካልእ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኩሉ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ወይ ንዓቕሚ ሄዋን ዝበጸሐት ዜጋ ካብቲ ኣብ ሃር ዝነገሰ ጸላም ንምውጻእ እንኮ ምርጭኦም ስደት ጥራይ እናኾነ ምምጽኡ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ከምቲ ገለ ተዋዘይቲ ዝብልዎ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዕድመ ብጽሕና ዝረገጸ ዜጋ ንዓቕሚ ኣዳም በጺሑ ወይ ንዓቕሚ ሄዋን በጺሓ ምባል እናተረፈ ንዓቕሚ ስደት በጺሑ/ሓ ምባል ከይልመድ ዘስግእ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣርዑት ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝወረደ እኳ እንተኾነ ካብኡ ናብኡ ግን ተሰከምቱ ብዝያዳ መንእሰያት እዮም፡፡ መንእሰያት ኤርትራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ወታደራዊ መዓስከር ክዛዝሙ ይግደዱ፡፡ ብግዱድ ዕስክርና ወተሃደራት ክኾኑ ይምልመሉ፡፡ ብስም ሃገራዊ አገልግሎት ድማ ኣብ እንግድዖም ብረት ጸይሮም መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ሰራዊት ንኸገልግሉ ይቕሰቡ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ናይ ዓመጽን ምዝመዛን ተግባራት ምፍጻም መታን ክጥዕሞ ከም ሽፋን ዝጥቀመሉ ጥበብ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ሕልምታትን ባህግታትን መንእሰያት ኤርትራ ዘምከነ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ፡፡ እዚ ጥበብ እዚ ካብ ዝተኣታተወሉ ዓመተ 1994 ክሳብ ሐጂ መንእሰያት ሕዩራት መንግስታዊ ስራሕን ነጻ ጉልበትን ከም መመሳመሲ ኣብ ምግልጋል ይርከብ፡፡ ስለ’ዚ መንእሰያትና ካብ ከምዚ ዓይነት ዓመጽን ምዝመዛን ሓራ ንምውጻእ ናብ ካልኦት ሃገራት ክኸዱ እንተደለዩ’ውን ካብ ሃገር ከይወጹ እጉዳት እዮም፡፡ ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ኣማራጺ ብስገረ-ዶብ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ብምፍታን ድራር ጥዩት ሓለውቲ ዶብ ምኻን ወይ ድማ ግዳይ ስሱዓት ኣሰጋገርቲ ብምኻን ክፍሊ ኣካላትካ ምርካብ እዩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ንኩሉ መሓቡራት ቁጠባ ሃገርና ብመንገዲ ላዕለዎት ናይ ጸጥታን ወታሃደራውያን ሓለፍቲ ስለዝቆጻጻሮ ሰባት ናይ ምስግጋር ተግባር ኣሻሓት ዶላራት ብዘኽፍሉ መኮነናት እዩ ዝፍጸም፡፡ ብከም’ዚ ኣገባብ እምበኣር ስደት መንእሰያት መህጠሪ ጁባ ሰበ-ስልጣናት ኮይኑ ብምህላው ስርዓት ህግደፍ ኣብ ታሪኽ ንስደት ወገናቱ ከም ምንጪ ኣታዊ ዝጥቀም ናይ መጀመሪያ ስርዓት እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነሃረ ብምምጽኡ ብመሰረት ናይ 2011 ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብዝሒ ናይ’ቶም ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ዜጋታት ኣስታት ርብዒ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ፡፡ ቅድሚ ናጽነት ዝተሰደዱ ኣማኢት ኣሻሓት ወገናትና ኤርትራ ነጸ ምስ ወጸት ሩዖም ጠቕሊሎም ክምለስዋ ዝሓሰብዋ ዝነበረት ሃገር ዳግማይ እሾኽ ተዘሪእዋስ እንሆ እኳ ኣብ 20 ዓመታ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ዓቕሎም ጸቢብዎም ገዲፎምዋ ተሰዲዶም፡፡ ቅድሚ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣሰንባዲ በዝሒ ይሰደድ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ነዚ በዝሒ’ዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ፍልሰት ኤርትራውያን ተደሚርዎ “ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይ ዓለም ኣለው ብዘይካ ኣብ ኤርትራ” ንብለሉ ግዜ ከይመጽእ ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን በጺሕና ኣለና፡፡

ካብቲ ዘሕዝን ጸበባ ኤርትራውያን መንእሰያት ብስደት’ውን መዕለቢ ዘይረክብ ምኻኑ እዩ፡፡ ውጽእ መዓት ጥዩት ሓለውቲ ዶብ ኮይኖም ብሰላም ካብ ኤርትራ ክወጹ ዝኽእሉ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መዋገይ ዘይቅዱስ ሽርክነት ስርዓታት ክኾኑ ተራእዮም እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብመንግስቲ ኣልበሽር ተታሒዞም ንስርዓት ህግደፍ ዝተረከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ገጢምዎም እዩ፡፡ ሕጂ’ውን ተወሰኽቲ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣስዋን (ግብጺ) ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ክስጎጉ ኣብ ምቅርራብ ይርከቡ ኣለው፡፡

እቲ ካልእ ጸበባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ነጋዶ ኩሊትን ምኻን እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት ዘይሕጋዊ ናይ ምስግጋር ስራሕ ንምስራሕ ምቹእ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኣብ 2006 ኣብ ሞንጎ ስርዓት ኣልበሽርን ግንባር ምብራቕ ሱዳንን ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መርገጺ እግሪ ስለዝረኸበ ኣብቲ ከባቢ ዝመደቦም ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለፍቲ ካብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ክሳብ ሲናይ ዝዝርጋሕ መርበብ ምስግጋር ሰብን ኣጽዋርን ኣቑሞም ህጡር ንግዲ የካይዱ ከምዘለው ካብ ማኒም ዝተሰወረ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚ እዞም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲን መሰላቶምን ንነፍሰ-ወከፍ ዶብ ሰጊሩ ዝተሰደ ኤርትራዊ ብመልክዕ መቕጻዕቲ ካብ ስድራ ቤቱ 50,000 ናቕፋ ክምንዝዑ ከለው ሃሱሳት ኣዋፊሮም ኣብ ምድረባዳ ሳህራን ሲናይን ንዝኸተርዎ ኤርትራዊ ስደተኛ ናጻ ምልቃቕ ድማ ከም መባድልቲ ካብ ስድራቤቱ ክሳብ 200,000 ናቕፋ ብስውር መንገዲ ይቕበሉ፡፡ እታ ሂወት ኣባላ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዘግድሳ ስድራ ድማ ካብ ዘይብላ ተለቂሓን ተመርቂሓን ዝተብሃለቶ መጠን ገንዘብ ትኸፍል፡፡ ገበናዊ ተግባራት ወተሃደራውያን ጸጥታውያን ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ግን በዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን፡፡ ነቶም ብሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ንምእታው ብናይ መዓልታት ጉዕዞ ናብቲ ከባቢ ንዝጓዓዙ ወገናትና ኣብ ሲናይ ጸኒሖም ዝኸትርዎም ከታሮ ብምውፋር ብመሸጣ ኩሊት ናይም ዝኽተሩ ከህብትሙ ሃነፍነፍ ዝብሉ ምኻኖም እቲ ዝኸፈእን ይቐረ ዘይበሃሎን ገበናቶም እዩ፡፡ ኣብ’ዚ ዘሕዝን ተግባር’ዚ ከም ከተርቲ ኮይም ዝዋፈሩ ድማ እቶም ኣብ ምስግጋር ሰባት ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ከምዘለዎም ዝንገረሎም ተወለድቲ ቀቢላ በድዊን ናይ ብሄር ራሻይዳ እዮም፡፡ ኣዋፈርቶም ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክትታል ዶባት ኤርትራ ምኻኖም ውጻእ መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት ዝመስከርዎ ሓቂ እዩ፡፡ ዝምታ ኩሊትን ንሱ ዘስዓቦ መጭወይትን መቕተልትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይ ዘቃልዖ ኣካል ብምስኣኑ ካብ ዓይንን እዝንን ማሕበረሰብ ዓለም ተኸዊሉ ክኸይድ እዩ ጸኒሑ፡፡ ስዊዲናዊ ጋዜጠኛ ዶናልድ በስትሮም ብ17 ነሓሰ 2009 ኣፍተን ብሉጻት ኣብ ዝተብሃላ ጋዜጣ ስዊዲን “ደቅና ክፍሊ ኣካላቶም ይዝመቱ ኣለው” ዝብል ዜና ምስ ዘርገሐ እዩ ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣስከሓካሒ ተግባር ክፈልጥ ክኢሉ፡፡ እቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ዝምልከቶ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ እዩ እቲ ዜና በጺሕዎ፡፡

እንደገና ፕረስ ቲቪ ብ31 ጥቅምቲ 2011 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓደ ኣብ መሸጣ ኩሊት ኢድ ዝነበሮ እስራኤላዊ ካህን ሕጊ ምጥሓሱ ከምዝተኣመነ  ገሊጹ፡፡ እቲ ኣይሁዳዊ ካህን ነቲ ኣብ ኒው ጀርሲ (ኣሜሪካ) ዝሸጦ ኩሊት ካብ እስራኤል እዩ ዝወስዶ፡፡ መቸም ብመሰረት ሓበሬታ ሓኻይም ሓደ ኩሊት ካብ ኣካላት ወዲ ሰብ ምስ ወጸ ኣብ ንቡር ኩነታት ንኣስታት ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ኢዩ ዝጸንሕ፡፡ እዚ’ውን ግቡእ መዕቀቢን ቅልጡፍ መጓዓዝያን እንተረኺቡ እዩ፡፡

ሲናይ ኣብ ውስጢ ግዝኣት ግብጺ እዩ ዝርከብ፡፡ እቶም ናብዚ ቦታ’ዚ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ድማ ናይ መወዳእታ መዓልብኦም እስራኤል እዩ፡፡ እቲ ካብ ኣካላት ኤርትራውያን ዝዝመት ኩሊት ብግብጺ ወይ እስራኤል ከይሓለፈ ናብቲ ዝሽየጠሉ ቦታ ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ፡፡ እቲ ብዕዳጋ ኩሊት ዓሚሩ ዘሎ ቦታ ድማ ኒውጀርሲ (ኣሜሪካ) እዩ፡፡ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጎነጽ ዝውሰድ ኩሊት ብኣማኢት ኣሸሓት ዶላራት ኣብዚ ቦታ ከም ዝሽየጥ ከኣ ጥርጥር የብሉን፡፡

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ናይ ግብጺ መርበብ ሓበሬታ ብዝምታ ኩሊት ሂወቶም ሲኢኖም ብዘይንቡር ኣገባብ ናይ ዝተቐብሩ ስደተኛታት ኣሳእል ዘርጊሑ ነይሩ፡፡ ብርግጽ ኣብ ፈቐድኡ ንዝቕበር ዘሎ ይኹን ኣብ መዐቀቢ ሬሳታት ግብጺ ዝኹመር ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ሓላፍነት ዝወስደሉ ኣካል የለን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ንኣካይድኡ ተቓዊሞም ካብ ሃገር ንዝወጹ ዜጋታት ቅንጣብ ርህራሀን ድንጋጸን የብሉን፡፡ ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ኣምባሳዶር ናይቲ ስርዓት (ኣቶ ፋሲል ገብረስላሰ) ኣብ መጋቢት 2010 ምስ ጋዜጣ ኣልመስሪ ኣልዮም ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ “ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝወጸ ሰብ ዝኾነ መሰል ክህልዎ ኣይግባእን” ክብል ዝተዛረቦ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብነት ሕሉፍ ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ እዩ፡፡ ቅድሚ ሐጂ ማለት ብ21 ጥቅምቲ 2009 መራሒ ናይቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሮይቶርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ዝተዛረቦ ኣሽካዕላል ዘረባ እውን ካልእ መርኣያ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እዩ፡፡ ኢሳያስ ኣብ ቃለመጠይቑ ስለምንታይ እዮም ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ዝወጹ ዘለው? ክብል ዝቐረበሉ ሕቶ ከይተማተአ “ንዑደት እዮም ዝኸዱ ዘለው፡ ሓደ መዓልቲ ከኣ ክምለሱ እዮም” ብምባል ናይ ባጫ መልሲ ሂብሉ፡፡

መቸም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ብኣርኣያነቱ ዝጥቀስ ብርቂ ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ክነሱ፡ መመሰሊ ሕስረትን ስቅያትን ክኾውን ኣምበተገበኦን፡፡ ቁንጣሮ ማጸይቲ ደም ህዝቢ ኣስተርሕዮም መታን ክነግሱ ንመላእ ህዝቢ “ደም እናጠዓመካ ንበር” ኢልካ ምፍራድ ንሓደ ተቓሊሱ ሃገር ዘምጸአ ህዝቢ ዝግባእ ክብሪ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥልመት ዕድሎቱ ግዲ ኮይኑ ቀደም ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ሎሚ ድማ ብገዛእ ደቁ ስለተጠልመ ቀሲኑን ኣስተርሕዩን ዝነብረላ ሃገር ኣይረኸበን፡፡ ብቓልስን መስዋእትን ብሉጻት ደቁ ዝረኸባ ሃገር ኣብ ኢድ ውሕዳት ዓዋሉ ወዲቓ ክርእያ ባህ ኢልዎ ግን ኣይኮነን፡፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ጭቆናን ግፍዕን ብዓቕሊ ዝሓልፎ ዘሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ንግፍዕን ጭቆናን ተቓሊስዎም እምበር ለሚድዎም ኣይፈልጥን እዩ፡፡ ንግፍዕን ጭቆናን ምልምማድ ባህሪኡ ስለዘይኮነ ሎሚ እውን ከም ቀደም ካብ ዝወረዶ መከራ ብቓልሱ ተናጊፉ ሓርነቱ ከምዝእውጅ እቶም ዝነዓቕዎ መራሕቲ እውን እንተኾነ ዝዝንግዕዎ ኣይኮነን፡፡

ምረት ህዝቢ ጥርዚ ካብ ዝበጽሕ ዊዒሉ ሓዲሩ እዩ፡፡ እዚ ምረት’ዚ ሕመረት ኮይኑ ዘንቀሳቕስ ሓያል ውዳበ ስለዘይረኸበ እዩ ዕምሪ ስልጣን ህግደፋውያን ዝናዋሕ ዘሎ፡፡ ምረት ህዝቢ ብስጡም ውዳበ ናብ ሓደ ተጨባጢ ሓይሊ ኣብ ዝቕየረሉ እዋን ግን ዕጫ ስርዓት ህግደፍ ዕጫታት ስርዓታት ቃዛፊን መባረክን ከምዝኾውን ኣየጠራጥርን፡፡ እዚ ዕላማ’ዚ ንክሰምር ግን ኩሉ ክፋል ሕ/ሰብ ኤርትራ ብሓባር “ይኣክል” ኢሉ ክጭርሕን ንጭርሕኡ ናብ ተግባር ዝወስድ ጎደና ክህንድስን ይግባእ፡፡

ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ

የካቲት 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT