Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይቅዱስ ውድድር ፥ ሰላም ዘይህብ ናይ ደቂሰባት ናይ ጥፍኣት መንገዲ።

ኣስተንትኖት ንኹልና ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ፥ ከምኡውን ኩልና ደቂ ሃገር።   እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ሃገርና ፡ ሕማማት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሕማማትን ድኻማትን ደቂሰባት ከምናቱ ገይሩ ዝጾረሉ ሳምንቲ

ኣስተንትኖት ንኹልና ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ፥ ከምኡውን ኩልና ደቂ ሃገር።

 

እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣመንቲ ክርስትና ሃገርና ፡ ሕማማት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሕማማትን ድኻማትን ደቂሰባት ከምናቱ ገይሩ ዝጾረሉ ሳምንቲ….

ካባና ኸ ክንደይ ኮን ንኸውን ፡ ናይ ካልኦት ሰባት ድኻማትን ሕማማትን ከም ናትና ጌርና ንርእዮ ? ሓደ፡ ዓሰርተ፡ ሚእቲ….፧ “ዓሰርተ ውን እንተተረኽቡ ከድሕና ኢየ” ይብል እቲ ጽሑፍ ፡ ንሶዶም ን ጎመራን ዘኪሩ…. ብኣንጻሩ ክንደይ ከ ኢና ፥ እቲ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝደኸመን ዝሓመመን ሓውና/ሓፍትና እንዳራኣና…. ንሕና ፥ሓያላት ፡ጥዑያት፡ ሃብታማት፡ ምሁራት ወዘተ ኢልና እንኣምን ልዕልናና ብናይ ሓውና ስንፍና፡ ድኻም፡ ሕማም ብምውድዳር ከነርእዮ ንደሊ ?

ናይ ውድድር ህይወት መወዳእታ የብሉን። ውድድር ምስ ዝህሉ ድማ ክቱር ፍርሒ ናይ ምውዳቕ ይህሉ ። ኣብ ፍርሒ ዘለዎ ድማ ፡ ናይ ምፍቃርን ምፍጣርን (creative ናይ ምኽዋን) ምልዋጥን ዓቕምና ይደክም ። ንዓለምና ካብ ሰላምን ምዕባለን ቀንዲ ሓሊኹ ሒዙዋ ዝርከብ፡ ናይ ውድድር መንፈስ ኢዩ። እወ ፡ውድድር እንተዘይሃልዩ ፡ ምፍጣር (creativity) የለን ኢሎም ዝምግቱ ኣለው። ሓቆም ኢዮም ። ግን እቲ ውድድር ንምስዓር ዘይኮነስ ፡ ዝበለጸ ፍርያት ኣፍሪኻ፡ ኣብ ዝለዓለ ቦታ በጺሕካ ነዛ ዓለም ከተጸብቃ ብኡ ኣቢልካ ድማ ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ባህታ ክትፈጥር ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እንተዘይኮይኑ ፡ እቲ እተፍርዮን እቲ እትበጽሖን ትኾኖን ዝበለጸ ኣይከውንን ጥራሕ ዘይኮነ ፡ ዕላማኻ ልዕሊ ሰብ ንምኹዋን እምበር ፡ በቲ ዘፍረኻዮን ዝበጻሕካዮን ዝኾንካዮን ንሰባት ባህታ ንምፍጣር ስለዘይነበረ ፡ ናይ ውጽኢትካ መለክዒ ወይውን ንዓኻ ደስታ ዝፈጥረልካ ፡ ካብ ናይ ካልኦት ዝበለጸ ዶ ሰሪሔ ፥ ዝበለጽኩ ዶ ኾይነ ኢልካ ብምውድዳር ስለዝኸውን ፥ እቲ ሓቂ ድማ ኩሉ ሳዕ ካብኡ ዝበለጸ ክፍጠር ፡ ካብቲ ንስኻ ዝኾንካዮን ዝበጻሕካዮን ዝበለጸ ክህልው ስለዝኾነ ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንክሊል ናይ ውድድር ኢዩ ዘንብረካ። ሰላምካውን ይዘርጎ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ኩልና ደቂሰባት ዘሎ ኮይኑ ፡ በብዕለቱ ክንቓለሶ ዝግባኣና ሕማቅ ባህርያት ኢዩ። እቲ ቃልሲ ድማ ኣብ ነብስናን ኣብ ሕብረተሰብን ከነካይዶ ይግባእ። ደቂሰባት ኣብዛ ዓለምና ካብ ንሓውኻን/ ንሓፍትኻን ንምርጋጽ ዝግበር ውድድር እንተዝወጹ ፥ ተኣምር ክገብሩ ምበቕዑ። መድሓኒታት ናይ ከበድቲ ሕማማት ክፈጥሩ/ ክረኽቡ ፥ ኤኮንሚያዊ ሽግራት ናይዛ ዓለምና ክፈትሑ ፥ ዓለምና ድማ ራህዋን ሰላምን ክትረክብ ምኽኣለት ። ብኣንጻሩ ግን ሰባት ኣብ ኣዚዩ ዘይረብሕን ሕሱር ዝኾነን ሰላም ዘይህብን ዕላማ ኣነነት ፥ ናይ ዝናን ገንዘብ ምእካብ፥ ተሸኺሎም ይርከቡ ….ልዕልና ኣብ ሃብቲ ፡ልዕልና ኣብ ፍልጠት ፡ ልዕልና ኣብ ስልጣን ፡ ልዕልና ኣብ እምነት….ልዕልና ኣብ ኩሉ ኣብ ምድላይ ። እሞ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ ፥ ኣብዛ ሃገርናውን ዓሰርተ ሰባት ህይወትና ዝተለወጠ፡ ካብ ኣነነትን ውድድርን ዝወጻእና፡ እንተንርከብ ፡ ብሓቂ ክንደይ መበርከትና። ለውጢ እውን ብርግጽ መምጻእና። ትማሊ እቲ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ ዝብል ፥ ካብ ናይ ውድድር መንፈስ ኣዚዩ ዝረሓቀ ኣተሓሳስባ ኢዩ ለውጢ ከምጽእ ክኢሉ። ሔዋንን ኣዳምን ውን እኮ ምስ ኣምላኽ ምስ ተዋዳደሩ ኢዮም ወዲቆም ። ማርክስነት ዝሰብኽ ዘሎኹ ይመስል ይኸውን፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። ሎሚ እታ ቕጫ ዝዓበየትላ ( the growing pie) ምዕራባዊት ዓለም ኢያ ።ብተዛማዲ ንቡር ህይወት ዝርከባ ምዕሩይ ግን ከኣ መሊኡ ዘይተመዓረየ ናብራ ዝርከባ። ኣብዚ እንነብረሉ ሃገር ኣሜሪካ ፡ እምነት ሃይማኖት ዝመስል ናይ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚ ፍልስፍና ኣሎ–ነገሩ ካብኡ ኢዩ ተበጊሱ–እቲ ሓደ ንመንግስቲ ከም ቁሪ ዝፈርሕ፡ መንግስቲ ናይ ኩሉ ናይ ጽልኢ፡ ራዕዲ፡ ፍርሒ ኣብ ደቂ ሰባት ዘተእታቱ ፡ናጻ ናይ ደቂሰባት ምዕባለ ዝዓግት ኢዩ ኢሉ ዝሙግት፥ ወላውን ሕግታት ናይ ትራፊክ ፖሊስ ዝጸልእ…. እቲ ሓደ ድማ፡ መንግስቲ ” ሓውካ ኣበይ ኣሎ” እንዳበለ ንደቂሰባት ዘመዓራርይን ( gives an opportunity to have a fair share of the pie ) ንኽዓብዩ ዕድል ዝህብን ፍቕሪ ዝዘርእን ዝብል። ብዝኾነ ኣብዚ ጽሑፈይ ዘገድስነኒ ናይ ውልቓዊ ህይወትና ፖለቲካ ኢዩ። ካብ ናይ ውድድር መንፈስ ዝረሓቀ ፥ ነዛ ዓለምና ሰላምን ራህዋን ጽባቀን ክፈጥር ዝኽእል ፥ ንሓውናን ንሓፍትናን ዝድግፍ ኣተሓሳስባ ከነጥርይ እንተኺኢልና ፥ ብርግጽ ዕውታት ክንከውን ኢና። ዕውታት ብኹሉ እነፍርዮን እንበጽሖን ንኾኖን።

ልዕሊ ኹሉ ዕውታት ናይ ሰላምን ህድኣትን ዝመልኦ ህይወት። እሞ ኣብዚ ናይ እምነት ሰሙን እዚ ኩልና ኣመንትን ፥ ኩልና ደቂሃገርን እዚ ከነስተንትን ይግባእ። እምነት ክርስትና ይኹን እስልምና ፡ ሓንቲ ዕላማ ኢያ ዘላተን ፍቕሪ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ምዝራእ። እምበኣር መለክዒ ናይ እምነትና ክኸውን ዝግባእ ፡ ክንደይ ሻዕ ጸሊና ወይ ሰጊድና ፥ ክንደይ ሻዕ ሽም ኣምላኽና ኣብ ቅድሚ ሰብ ጸዊዕና ፥ ክንደይ ሻዕ ናተይ እምነት ይበልጽ ኢልና ተዋዳዲርና ዘይኮነስ ፣ ክሳብ ክንደይ ንሓውና/ ሓፍትና ኣፍቒርናን ኣብ እዋን ድኻም ኣሳሊናን ደጊፍናን ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ…ክሳብ ክንደይ ካብ ከንቱ ኣነነትን ጃህራን ርሒቅና ሓዋርያ ናይ ለውጢ ፥ ለውጢ ንፍቅሪ፡ ንሰላም፡ ንዕብየት ናይ ሓውናን ሓፍትናን ንኸውን ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ፤ ጻዕርናን መለክዒ እምነትናን። ደዚ ደራታ ይብል ፥ ተጀሃርትን ዓመጽትን ሰባት ናይ መንፈስ ስቃይ ኢዮም እሞ፡ ምእንትዚ ካብኣቶም ርሓቅ….እሞ ኣብዙ ቅንያት እዚ፡ ነቲ ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝተጻሕፈ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል መተካእታ ዘይርከቦ ጽሑፍ እንተኣንበብናዪ ሰናይ ይመስለኒ።

ሳምሶን ረደኣብ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Meharenazgi Merhawi May 2, 2016

    ሓውና ሳምሶን እዛ ዘይቅዱስ ውድድር ብእትብል ኣረእስቲ ኣመሓላሊፍካያ ዘሎኻ መልእኽቲ ንዝሰምዕ አዝኒ ንዘስተውዕል ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ናይ ብሓቂ ግዝያዊትን መሃሪትን ኢያ። እቲ ውድድር ኣብቶም ስጋዊያን ኣመንቲ እንተዝኸውን ስጋዊያን ስለ ዝኾኑ ናይ ስጋ ኢዮም ዝሓስቡ ክበሃል ምተኻእለ።እቲ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ንኣመንቲ ክርስትና ሰላምን ቅሳነትን ከሊኡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዘሎ ኣብቶም ናይ ጵጵስና ይኹን ናይ ክህነት መዓርግ ለቢሶም ስማዊ ናይ መንፈስ መራሕቲ ዝበሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ መንፈሳዊን ስጋዊን ስልጣን ዓብሊልካ ናይ መሓዝ ዘሎ ውድድር ኢዩ።ስለዚ ንሳቶም ንምእመናንን ምእመናትን ከም ኣብነት መንፈሳዊያን ኣቦታት ኮይኖም ንቤተ ክርስትያኖም ኣብ ክንዲ ዝመርሑ ንባዕላቶም ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር እንተድኣ ተሸሚሞም፣እቲ ከም ሓንቲ ንእሽቶ ዑፍ ካብ ኣፍ ኣዲኣ ምግቢ ንምርካብ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ትጽበ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ናይ ብሓቂ መንፈሳዊ መግቢ ዝምግቦም ስኢኖም ሸውሃቶም ብኽፉቱ መንፈሶም ደንዚዙ ኣብ ዘይተረጋግኤ ህይወት ይነብሩ ኣለዉ።ምኽንያቱ “መራሒኦም ሓንካስ ኩሎም የንደልህጹ” ስለ ዝኾነ። ኣምላኽ ግን ብገለ ተኣምር ንናይ ስልጣን ህርፋን ሓሳቦም ለዊጡ ንህዝቦም ብመንፈስ ዝመርሑሉ መንገዲ ይምርሓዮም።

  • Semur Ghenbar May 6, 2016

    ዝኸበርኻ ሳምሶን ጽቡቕ ኢልኻ ።

POST A COMMENT