Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ዘይቀንእ ኣይወለድ

ዕስራ ጥሪ 2017፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተፋነወሉ፡ መበል 45 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኑ ዝተረከበሉ ወግዓዊ ጽምብል’ዩ ነይሩ። ኣብ ሕቡራት

ዕስራ ጥሪ 2017፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተፋነወሉ፡ መበል 45 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኑ ዝተረከበሉ ወግዓዊ ጽምብል’ዩ ነይሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ካልኦት ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፡ ብቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓትን ህዝቢ ዝመረጾ መራሕን ስለዘሎ፡ ምስግጋር ስልጣን ብሰላማዊ ኣገባብን ፌስታን’ዩ ዝካየድ። ዝተሳዕረ ወገን ስዕረቱ ክቅብል፡ ንዝተዓወተ መቀናቅንቱ ድማ “እንቋዕ ሓጎሰካ” ክብልን ክልቲኦም ወገናት ንረብሓ ህዝቦምን ሓቢሮም ክሰርሑ ቃል ይኣትዉ። ብኣንጻር’ዚ፡ ኣብ ምስግጋር ስልጣን ምጭብርባር፡ ስልጣን ብሓይሊ ምምዛዕ፡ ስዕረትካ ዘይምእማን፡ ሞትን ዕንወት ንብረትን ዘስዕብ ህውከት ዝርኣየለን ሃገራት ውሑዳት ኣይኮናን። ካብዚ ዝገደደ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት ምርጫ ዘይካየደለን፡ ብቅዋም ዘይቅየዳን ክሳብ ዝሞቱ ጽምኣት ስልጣን ዘለዎም መራሕቲ ዘለውን ሃገራት ምህላውን’ዩ። ኤርትራ ድማ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ግዝኣተ ሕጊ ዘይብለንን ንርብዒ ዘመን ብውልቀ መላኺ ትግዛእ ዘላ ሃገር’ያ። ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳብ ክንደይ ጽሉእን ውልቀ-መላኺን ምዃኑ ክእመን ስለዘይደሊ፡ ንነብሱ ምስ ብልሹዋትን ገበቲ ስልጣንን ኣይቆጽራን’ዩ። ኣብ ክንድኡ ስርዓት ህግደፍ ንናይ ካልኦት ስርዓተ ምምሕዳር ከቆናጽብ ይስማዕ። ቀንዲ ፖለቲካዊ ዕላማ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ወጻኢ ካልእ ጽቡቅ ነገር ንኸይሓስብን ኤርትራ ደሴት ሰላም ንምምሳልን፡ “ኣይበልናኩምን’ዶ፡ እቲ ንነዊሕ ተጠጂኡ መተንፈሲ ስኢኑ ዝጸንሐን ስቅታ ህዝቢ ነቲጉ ገዛእቲ ምልካውያን ነበር ኮይኖም። መንግስቲ ኤርትራ ግን ምስ ድሌት ህዝብና ዝኸይድን ብዘይታህዋኽን’ዩ ሃገሩ ዝሃንጽ ዘሎ” ዝብል መግለጺ ይህብ ኣሎ። ብርግጽ፡ ሕቶ ዲሞክራስን ዓይነት ምምሕዳርን ናይ ነፍስ ወከፍ ሃገር ክፈላለ ዝኽእል’ዃ እንተኾነ፡ ብሓይሉ ስልጣን ዝግብትን ህዝቢ ዝጭፍልቅን ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ግን፡ ኣብ ዝኾነ ሃገር ቅቡል ኣይኮነን። ካልእ ይትረፍ እተን ብዓይኒ ህግደፍ ከም ሰላም ዘይብለንን ጨቆንትን ዝሕሰባ ኣብ ጎረባብትና ዘለዋ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን’ኳ፡ ክሳብ ክንደይ ግሉጽነትን ንድሌት ህዝበን የንጸባርቅን ብዘየገድስ፡ ሰላማዊ ሰልፊ የፍቅዳ፡ በደለኛታት ዝተባህሉ ዜጋታተን ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ክህቡ ኣብ ፍርዲ የቅርባ፡ ህዝቢ ወከልቱ ይመርጽ፡ መሰል ምዝራብን እምነትን’ውን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ዓይኑ ዘሎ በሰር ከይኣለየ ብዛዕባ ካልኦት ክወራዘን ጽቡቅን ሕማቅን ክዛረብን ኣየምሕረሉን’ዩ።

ኣብ ጉዳይ ምምራጽ መራሕቲ፡ ንኤርትራን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘመሳስለን ነጥብታት’ኳ እንተዘየለ፡ ንስርዓት ህግደፍን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘረኽብ ግልብጥሽ ግን ኣሎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ 1776 ወግዓዊ ናጽነታ ካብ ትእውጅ ክሳብ ሕጂ(2017)፡ ኣብ ዝሓለፉ 240 ዓመታት፡ ብህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ  ዝተመርጹ 45 ፕረሲደንታት ኣብ ስልጣን መጺኦም። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ 1970 ክሳብ ዕለተ ናጽነት(1991) 21 ዓመታት፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ 26 ዓመታት፡ ብድምር ንኣስታት 47 ዓመታት ብህዝቢ ከይተመርጸ ስልጣን ጨቢጡ ንህዝቢ ኤርትራ የሳቂ ኣሎ። ዕድመ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ልዕሊ’ቶም ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ግዜ ናጽነት ብህዝቢ ተመሪጾም ኣብ ስልጣን ዝመጹ ፕረሲደንታት’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብሕማም ወይ ብሓደ ተባዕ ካብዛ ዓለም ንሓዋሩ እንተዘይተሰዊሩ ድማ፡ ኣብ ስልጣን ናይ ምቅጻል ሕልሙ መወዳእታ የብሉን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ገደብ ግዜ ናይቶም ብህዝቢ ተመሪጾም ኣብ ስልጣን ዝመጹ መራሕቲ፡ ብመሰረት ቅዋም ዝተወሰነ’ዩ። ኣብተን ብሕጊ ዝቅየዳ ሃገራት፡ ብሓይሊ ብረት ኣብ ስልጣን ምምጻእ ስለዘይፍቀድ ኩሉ ዕድላት ብህዝቢ’ዩ ዝውሰን ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ድማ ንህዝቢ’ዩ ዘገልግል። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዕድላት’ዚ ስለዘይብሉን ንዓመታት ከም ጅሆ ተታሒዙ ስለዘሎን ድማ፡ ብሰላምን ግዝኣተ ሕግን ካልኦት ሃገራት ትቀንእ። ኢሳያስ ንነዊሕ ዓመታት ብህዝቢ እናተጸልአ ኣብ ስልጣን ኮፍ ካብ ዝብል፡ “ይኣኽለኒ፡ ከዕርፍየ፡ ህዝቢ ቃሕ ዝበለካ ወካሊኻ ምረጽ”ኢሉ ስልጣን ተረከቡኒ እንተዝብል ክብሪ ምረኸበ፡ ሕማቅ ስምን መልክዕን ኤርትራ ምተቀየረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ምብትታን ኣብ ሃገሩ ብሰላምን ብኽብርን ምተቀመጠ ነይሩ። እዘን ሰላምን ምዕባለን ሰፊኑለን ዘሎ ሃገራት ግን ውጽኢት ሓያል ጻዕሪ፡ ተባዕ ቃልስን ስጡም ሓድነትን ድኣምበር፡ ብሰናይ ድሌት ጥራይ ከምዘይተረኽበ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን፡ ንሰላምን ምዕባለን ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ንብህጎ ኢና እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ተስፋ ከይቆረጽና፡ ሰሚርናን ጓል መንገዲ ጉዳያት ግዲፍናን ብትብዓት እንተተቃሊስና ድማ፡ ብጽቡቅ ናይ ካልኦት ህዝብታት ምቅናእ ጥራይ ዘይኮነ ናትና ባህጊ ክዉን ከምዝኸውን ፍሉጥ’ዩ።

ጽላል ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (21 ጥሪ 2017)            

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde January 24, 2017

    This tyrant is an Eritrean caricature,he is made by them,molded by their hand,he feeds of them,they are the agar that sustain his life,remember the video clip from the 1990’s where an Eritrean youngster challenges the tyrant about the checks and balances of those in the higher positions and the tyrant shamelessly humiliates the aspiring young legislator in front a vast audience and everybody responds with jeering laughter of approval.I don’t condone the tyrant,but the worst crimes was and is being committed by his alter ego-the people.He is like the AIDS virus,he replicated himself in the Eritrean mitochondria,it is going to require smarter retro-viral approach to isolate and finish him off.

  • Sol January 24, 2017

    that is the bitter truth of our reality, imagine the blind obedience of fighters during struggle era when the despot ordered them to hand Badme to his x-allies TPLF in 1981 and when he ordered them to retake it in 1998 and as a result of that causing the continuous suffering of our people.

  • yemane January 24, 2017

    There is No, No Hero in Eritrea who can kill isayas afeworkie. but he is the only hero created who is killing about four million people day to day.

    • k.tewolde January 24, 2017

      Killing a human being is the easiest task today even toddlers are pulling the trigger accidentally and killing their parents,the problem is when the target is your shadow.

POST A COMMENT