Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ንዂሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኣን

ክቡራትን  ክቡራንን ! ኣብ መበቆል ትውልዲ ሃገርና ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ምብራቕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሠላምን ራህዋን መንፈሰ  ዘለዎ ዘመን ንኽመጽእ ይቀላቐል  ስለዘሎ ርሑስና ይግበሮ ! ግዱሳት ኣባላት ደለይቲ ፍትሒ  ኤርትራውያን  ስቱትጋርትን ከባቢኣን  ንመበል 57 ዓመት ዝኽሪ ሓደ

ክቡራትን  ክቡራንን !

ኣብ መበቆል ትውልዲ ሃገርና ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ምብራቕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሠላምን ራህዋን መንፈሰ  ዘለዎ ዘመን ንኽመጽእ ይቀላቐል  ስለዘሎ ርሑስና ይግበሮ !

ግዱሳት ኣባላት ደለይቲ ፍትሒ  ኤርትራውያን  ስቱትጋርትን ከባቢኣን  ንመበል 57 ዓመት ዝኽሪ ሓደ መስከረም   ብኽብርን ብድምቀትን ኣገባብ ከብዕል  ምዃኑ  የፍልጥ።

ዕለት፡-  08.09.2018 ካብ ሰዓት 14፡00 ድ.ቀ ዝጅምር

ቦታ፡-   Heidelbeer Str. 5,   70329 Stuttgart / Oberturkheim

ኤርትራውያን  ንሰናይን ጽቡቕ ምግባርን ሓደ ካብቲ ዘዂርዓና ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ባህሊ ስለዝኾነ ኣብዚ እነብዕሎ በዓል ዝተረኸበ ኣታዊ ብምልኡ፡  ንኣካለ  ስንኩላን ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ተጋደልቲ  ከምኡ`ውን  ንጽጉማት ስደተኛታት ኤርትራ  ኣብ መዓስከራት ስደተኛ  ትግራይ/ኢትዮጵያ  ተዓቚቦም  ዘለው ሓገዝ  ክወሃብ  ከምዝኾነ  ንሕብር።

ብደሓን  ምጹ !

 

ኣኽበርትኹም  ግዱሳት ኣባላት

ደለይቲ ፍትሒ  ስቱትጋርትን ከባቢኣን

 

መወከሲ  ተሌፎን ፡  015227234849 ወይከኣ  015779898869

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT