Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 30 መስከረምት 2018 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት ክልተ ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።   ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ፖሊቲካ ሃገናን ክንዛተን ብተወሳኺ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 30 መስከረምት 2018 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት ክልተ ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ፖሊቲካ ሃገናን ክንዛተን ብተወሳኺ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ  ዝገበርናዮ ሥራሓትን፡ ንዝመጽእ ሒዝናዮም ዘለና መደባትን፡ ክንድህስስ ኢና። ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተሳተፉዎ  ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፣ ውጻኢት እኼባን ንምዕዋቱ ዝተዋጸኤ ገንዘብ ጸብጻብን ክቐርብ ኢዩ።

 

ኣብዚ ናይ ሓድነት ኣኼባ፥ ብዙሓት ኤርትራውያን፥ ካብ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና፥ ንኽትሳተፉ ብትሕትና ንዕድም።

 

ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ እዚ ሎሚ አብ ሃገርና ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ አደራዕ፥ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሕዝብና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጠፍእ ኣሎ። ሃገርና ሕዝቢ ዘይብላ መሬት ትኸውን አላ። እዚ ዘለናዮ ኩነታት ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፥ ኣብ ምንታይ ከምዝድምደም ብሩህ እዩ። ኣጸቢቕና እንተ ሓሲብናዮ ድማ፥ ኣብ ሕልናና ናይ ኣፈርክቡ ደወል ይቓጭል ኣሎ።

 

ነዚ ኣንጠጥዩና ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ሓደጋ፥ ክንብድሃሉ እንኽእል: ዘየወላውል መገዲ ሓቢርካ ምዝታይን ንናይ ሓባር ሽግር ናይ ሓባር ፍታሕ ምምጻእ ጥራሕ እዩ። ኩላትና ኤርትራውያን፥ ብዘይ ወዓል ሕደር፥ ተኣኪብና፥ እሂን ምሂን ምባል የድልየና ኣሎ። እዚ ንምስላጥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ቀጻሊ ሕዝባዊ ኣኼባታት እንዳ እካየድና ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ምትእምማንን ምርድዳእን ክፍጠር ንሠርሕ ኣሎና።

ኩልኻትኩም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንእትፈልጡዎም ሰባት ክትዕድሙን፡ ክትሳተፉን፡ እጃምኩም ክተበርክቱን፥ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ንዕድም። እዚ አኼባዚ ዕላምኡ ንኽወቅዕ ንእትገብሩዎ አበርክቶ ኣቐዲምና ነመስግነኩም።

 

ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና

 

ኣሕዋትኩም፥

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ -ዓባይ ብሪጣንያ

 

እኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ፥ Hargrave Hall Community Centre Hargrave Road, Hargrave Rd, London N19 5SP

 

Nearest tube station: Archway Station (Northern line)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT