Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ተሳታፍነት ናብ ህዝባዊ ሰሚናር ደንቨር ኮሎራዶ

ዛዕባ  ሰሚናር፡ ሓባራዊ ዕላማታትና ንምዕዋት ጻዕርታትና ነወሃሃድ  ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሓበሬታ- ኣብዚ ሰሚናር ኩሎም ወከልቲ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላትን ሰሜን ኣመሪካ ክርከቡልና ተዓዲሞም ኣሎዉ፡፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ- EUDC) õሕማምና ቀሊዕና ፈውሲ

ዛዕባ  ሰሚናር፡ ሓባራዊ ዕላማታትና ንምዕዋት ጻዕርታትና ነወሃሃድ  ኣብ ዝብል ኣርእስቲ

ሓበሬታ– ኣብዚ ሰሚናር ኩሎም ወከልቲ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላትን ሰሜን ኣመሪካ ክርከቡልና ተዓዲሞም ኣሎዉ፡፡

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ- EUDC) õሕማምና ቀሊዕና ፈውሲ ነናዲ ብሓድሽ ናይ ቃልሲ ወኒ ህግደፍ ነንዲ! ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ደንቨር- ኮሎራዶ ኣብ እነካይዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ዘተ መድረኽ ንኽትሳተፉ ብኣኽብሮት ንዕድመኩም፡፡  እዚ ዓውደ ዘተ ንቐዳም ዕለት 01 ጥቅምቲ- 2016 ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዕላማ ናይዚ ዓውደ ዘተˆዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ቓልስና ንምፍታሽ፡ ሕጽረታትና ንምምልላይን፡ ንዕኡ ዝበቅዕ መፍትሒ ንምቕማጥን እዩ፡፡

ኣብˆዚ ሕጀ ግዜ ፖለቲካዊ ዉድባትና፡ ሲቪክ ማሕበራት ይኹኑ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላትና ብዝተወሃሃደ መልክዕ ተወዲበን ንጸላኢና ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ምምካት፡ በብመዳየንን ብዘይተወሃሃደን መንገድን ይጓዓዛ ምህላወን ይፍለጥ፡፡  እቲ ዉጽኢት ከኣ ኩላትና ንሪኦ ከም ዘለና ካብ ክንጭብጦ እንደሊ ዘለና ፍትሓውን ዴሞክራስያውን ለውጢ ኣዚና ርሒቕና ንርከብ፡፡  እቲ ገበነኛ ስርዓት ከኣ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዝፍጽሞም ገበናት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፍኡ፡ ህዝቢ እንዳጠፍአ፡ ሃገር እናበረሰት፡ ዘዝዓኾኸ ወለዶ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ መወዳእታ ወይ መጻኢ ተስፋ ዘይብሉ ስደት እናተበታተነ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና ድማ ነዚ መወዳእታ ዘይተረኽበሉ ፍልልያት ፖለቲካዊ ሓይልታትና ክጸዉር ናብ ዘይኽእለሉ መድረኽ በጺሑ፡ ናይ ቃልስና ተደናገጽቲ ፍልልያትና ክነመሓድር ብዘይምብቃዕና ተስፋ ቆሪጾም፡ ዓለምለኸ ማሕበረ-ሰብ ድማ ነዚ ዓለም ለኻዊ ቅልዉላው ኮይኑ ዘሎ ፍልሰት ኤርትራዉያን ነቲ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ብምዱጓም ኣቢለን ክፈትሓኦ ኽፍትና ንሪኢ ኣሎና፡፡

ስለዚ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎዎ ድኽመትን ካብ ህዝቢ ክመጾ ዝኽእል ነቐፌታን ብኽፉት ልቢ ንምቕባል ነብሱ ድሉው ጌሩ፡ ምስካልኦት መሓዙት ዉድባት፡ ሲቪክ ማሕበራትን፡ ማዕከናት መረኻቢ ብዙሃንን፡ ህዝብን ሓቢርና ኮፍ ብምባልን፡ ሓባርዊ ጸገማትና፡ መንቀሊኦምን፡ መፍትሒታቶምን ብምልልይ ኣቢልና ናይ ምትእምማን ባይታ ንምፍጣር መድረኽ ዘተ ኣዳልዩ ኣሎ፡፡ መስርሕ ናይ እዚ  ዘተ ብነጻ ኤርትራውያን ክኢላታት ዝእለ ኮይኑ፡ እቶም ካብ ተሳተፍቲ ዝወሃቡ ለበዋታት ኣብ ጽባሕ ናይ እቲ ዘተ ናብ ህዝቢ ብመራኸቢ ብዙሃን ክዝርግሑ ክኽእሉ እዩ እቲ መደብ፡፡ ኩሎም ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላት ተረኺቦም ነዚ መስርሕ ዘተ ክከታተሉን ከቃልሑን ከኣ ይዕደሙ፡፡

ዉጽኢት ናይዚ ዓውደ ዘተˆዚ ተሳተፍቲ ፍልልያቶም ንምንጻር ዕድል ይህብ፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ዝተዋሃሃደ ፖለቲካካዊ ስቪካዉን፡ ማሕበረ ሰባዉን መደባት ንኽሕንጽጹ ይሕግዝ፡፡  ከም ተወሳኺ ኩላትና ተሳተፍቲ ቅኑዕ ዝኾነ ነብሰ ገምጋም ንምግባር፡ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትና ንምምሃርን፡ ኣብ ሕሉፍ ተሞኩሮታትና ተማሂርና ድማ መጻኢ ራእይና ንምምዕርራይ ይሕግዝ፡፡ ምዕዋት ናይ እዚ ዞባዊ ዓውደ-ዘተ ድማ ንኻልእ ዝሰፍሐ ዓውደ ምምኽኻር ከም ኣብነት ከገልግለና ይኽእል፡፡ ኣብˆዚ ዘተˆዚ ዝወሃቡ ለበወታትን መጠቓለሊ ሓሳባትን ድማ ኩሉም ዕዱማት ተዛተይቲ ብኡ መሰረት ኣተሃላልዋኦም ክቓንዩን ክእርሙን ይሕግዝ፡፡ እዚ ዘተ እዚ ምስ ዝኾነ ይኹን ቅድሚሕጂ ዝተበጽሑ ስምምዓት፡ ውዕላት ወይ ምድላዋት ከወግን ሓይሊ ዘሎዎ ኣይኮነን፡፡ እቲ እንኮ ነዚ ዘተ ዘተባብዐና ምኽንያት ንዓመተ 2017 ብሓድሽ መርሃ ስራሕን ሓድሽ ራእይን ዝያዳ ህዝባዊ ሓላፍነትን ንምጅማር ካብ ዘለና ሰናይ ድሌት ይብገስ፡፡

እዚ ዓውደ ዘተ እዚ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቅ -9፡00 ድ.ቀ ዝቕጽል ኮይኑ ኣብ መጀመርያ ካብ ኩቡራት ዕዱማትና ምስቲ ዛዕባ ዝተተሓሓዘ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ክቐርብ እዩ ፡ ቀጺሉ መድረኽ ንተዛተይቲ ኣካላት ክፉት ክኸዉን እዩ፡፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይ እዚ ዓውደ-ዘተ ወጻኢታቶም ባዕሎም ሸፊኖም ኣብˆዚ መዓልቲ ክርከቡ ብኽብሪ እንዳዓደምና፡ ዞባዊ ቤትጽሕፈትና ናይ ምሳሕን ድራርን ወጻኢታት ንኹሎም ካብ ደንቨር ወጻኢ ንዝመጹ ዕዱማት ክሽፍን ምዃኑ ነፍልጥ፡፡

ንምዕዋት ናይ እዚ ዞባዊ ኮንፈረንስ ኣበርክቶ ክገብር ዝደሊ ሰብ ወይ ትካል እንተሎ ድማ ብዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ሓገዙ ክገብር ነተባብዕ፡፡ Chase ባንክ ቁጽሪ ሕሳብ 884192360-Routing Number 72000326 እዩ፡፡

 

ምስናይ ኣኽብሮት!

 

ምምሕዳር ኤስደለ ጨ/ሰ/ኣመሪካ

ኢመይል- eudc.na@gmail.com

ተሌፎን- (720)808-0436

 

ነሓሰ 31, 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT