Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓወት ለስስተር ሲቲ ትእምርቲ ጽንዓት

ክለብ ኩዕሶ እግሪ ለስስተር ሲቲ ናይዚ ዓመት እዚ ዋንጫ ፕረሜር እንግሊዝ ጨቢጣ:: እዛ ዓሚ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ብቃልሳ ዝደሓነት ጋንታ ለብዘበን ዋንጫ ክትዓትር ዝሓለመ ኣፍቃሪ ኩዕሶ ኣይነበረን::ዋንጫ ናይ ምጭባጣ ምጣነ 5000 ብ 1 ከም ዝነበረ

ክለብ ኩዕሶ እግሪ ለስስተር ሲቲ ናይዚ ዓመት እዚ ዋንጫ ፕረሜር እንግሊዝ ጨቢጣ:: እዛ ዓሚ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ብቃልሳ ዝደሓነት ጋንታ ለብዘበን ዋንጫ ክትዓትር ዝሓለመ ኣፍቃሪ ኩዕሶ ኣይነበረን::ዋንጫ ናይ ምጭባጣ ምጣነ 5000 ብ 1 ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ:: ንምንጽጻር ክጥዕም ኣብ 60ታት ዝሞተ ኣሜሪካዊ ሙዚቀኛ ኢልቪስ ፕረስሊ ብሂወት ኣሎ ኢሎም ዝኣምኑ 2000 ብ 1 ከምዝኾነ ምስ እንምልከት ለስስተር ሲቲ ክትዕወት ሕልሚ ደርሆ ከምዝነበረ ኢዩ ዘረጋግጽ::

ኩዕሶ እግሪ ፕረሜር እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመት ብጋንታት ኣርሰናል: ማንቸስተር ሲቲ: ማንቸስተር ዩናይትድን ቸልሲን ተባሒቱ ጸኒሑ:: እዘን ጋንታታት ንተጻወቲ ኣብ ምግዛእ ዘውጽአኦ ገንዘብ ነቲ ግጥም ብዓብላልነት ክመርሓ ኣብቂዕወን ጥራይ ዘይኮነ: እንኮ መንገዲ ዓወት ቢልዮናት ዶላራት ምፍሳስ ከም ዝኾነ ኣብ ብዙሓት ሰዓብቲ ዝሰረተ እምነት ገበሮ::እንተኾነ ነዚ እምነት ኣብ ሑጻ ከም እተሰረተ ቤት ሃዶሽ ዘበለ ፍጻመ ለብዘበን ተኸሲቱ:: ለስስተር ሲቲ ንብዙሓት መልሓሶም ኣሐይኻ::

ናይ መላእ ጋንታ ለስስተር ሲቲ ዋጋ ማለት ናይቶም 23 ተጻወቲ 57 ሚሊዮን ፓውንድ ክኸውን ከሎ ማንቸስተር ሲቲ ንሓደ ተጻዋተይ ዝኸፈለቶ ዋጋ ግን ልዕሊኡ ኢዩ:: ድምር ዋጋ ክለብ ለስስተር ሲቲ 50 ሚልዮን ፖውንድ ምስ ናይ ማንቸስተር ሲቲ ልዕሊ 400 ሚልዮን ፓውንድ ምንጽጻሩ ኣብ መንጎ እዘን ጋንታታት ዘሎ ጋግ ርእሰ ማል ምግማት ይከኣል::ብዘይካዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ እንምልከት ለስስተር ሲቲ ፍርቂ ሚልዮን ሕሳባት ትዊተር ኣለዎም: ኣርሰናል ግን ሸውዓት ሚልዮንን ፈረቓን ማንቸስተር ሲቲ ድማ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ኣለዎም::

ነታ ጋንታ ናብ ዓወት ዘብጽሓ ኢጣልያዊ ክላውድዮ ራኔሪ ኣብ ፕረሜር እንግሊዝ ዝና ዝነበሮ ሰብ ኣይኮነን:: ተጻወቲ እውን ገለ ካብ ታሕተዎት ክለባት ዝመጽኡ ገለ እውን ብዙሕ ዘይፍለጡ ዝነበሩ ኢዮም:: ቫርዲ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ተሰሊፉ ዝበዝሐ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝፍለጥ ፈጣን ተጻዋታይ ንኣብነት ኣብ ጋንታታት ሊግ ዘይተጻወተ ተራ ሸቃላይ ፋብሪካ ነበረ:: ኣልጀርያዊ ማህረዝ እውን ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ክለብ ፈረንሳ ብ 400,000 ፖውንድ ናብ ለስስተር ሲቲ ዝተሰጋገረ ኢዩ:: ንሱ ነቶም ብሚዛንን ኣካላዊ ብቕዓትን ንዝዕብልልዎ ተኸላኸልቲ ብጸጋማይ እግሩ ኩዕሶ እናፈተለ ብምፍንጣስ ንደቂ ጋንታኡ ብምቕባልን ባዕሉ ናብ ሰኪዐት ከምእትሰራሰር ዝገበረን ድንቂ ተጻዋታይ ኢዩ::እዚኦም ክልተ ተጻወቲ ናይዚ ዓመት እዚ ብሉጻት ተባሂሎም ዋንጫ ተሸሊሞም:: እንተኾነ እቲ ዓወት በዞም ክልቲኦም ጥራይ ክረጋገጽ ኣምበይምተኻእለን:: ሓለቃ ጋንታ ጃማይካዊ እንግሊዛዊ ሞርገን ንመስመር ምክልኻል ምስ ጀርመናዊ ሁት ብኣየርን ባይታን እንተዘይርግጥዎ: ሓላው ልደት ደንማርካዊ ሹማከል ከም ገበል ተወርዊሩ ጎላት  እንተዘይድሕን ዓወት ኣይምሃለወን:: እዚ ጥራይ እውን ኣይኮነን ኣብ የማንን ጸጋምን ክንፊ ምክልኻል ዝጻወቱ: ከምኡ እውን ኣብ ማእከል ሜዳ ትንፋሱ ከይነከየ ሓደሰዓትን ፈረቓን ዝጎይይን ኣንፈት ንፋስ ተገንዚቡ ኩዕሶ ዝምንጥልን ዘከፋፍልን ወዲ ማሊ ዜጋ ፈረንሳ ካንተ እንተዘይህሉ እቲ ውጽኢት ኣይምተሓፍሰን::

ምስጢር ዓወት ክለብ ለስስተር ሲቲ ግን በቶም ኣብ ሜዳ ተሰሊፎም ዘርኣይዎ ብቕዓት ዝድረት ኣይኮነን:: ኣሰልጣኒኦም ኢጣልያዊ ክላውድዮ ራኔሪ ንግጥማት ጥራይ ዘይኮነ ንስነኣእምሮኣዊ ኩነታት ተጻወቲ ናይ ምንባብን ሞራል ናይ ምሃብን ፍሉይ ክእለት ኣለዎ:: ጸወታ ክዛዘም ሒደት ደቓይቕ ክተርፎ ከሎ እውን እንተኾነ ኣብ ገጹ ዝርአ መንፈስ ጭንቀት የልቦን:: ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ጊዘ ብርጉእን ፍሕሽውን ፍሱህን ገጽ ክቐርብን ኣብ ሓደ እዋን ንኩሎም እቶም ጋዚጠኛታት ብኢዱ ሰላምታ ብምሃብ መንበሩ ክሕዝ ተራእዩ:: ብዘይካዚ እታ ጋንታ ኣብ መላእ እቲ ዘካየደቶ 18 ግጥም ሰለስተ ጊዜ ጥራይ ኢያ ተሳዒራ:: ድሕሪ እቲ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ዘጋጠመ ስዕረት ድማ ራኔሪ ነቶም ተጻወቲ ክዘናግዑን ዝማእመኦም ክገብሩን ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ምሃቡ ካብቲ ዝምስገነሉ ባህርያት ከም ዝኾነ ይጥቀስ::

ወነንቲ እታ ጋንታ ታይላንዳውያን ብወገኖም ኣብ ዓወት ዓቢ እጃም ነይርዎም::ኣብ ታይላንድ ንዝርከቡ መነኮሳት ቡድሃ ብጸሎት ክድግፍዎምን ክባርኽዎምን ለሚኖም:: ሓደ ካብቶም መነኮሳት” እቲ ዓወት ብቀንዱ ናይቶም ተጻወቲ ኢዩ:: ስታፋት ኣሰልጠንቲ: ደገፍቲ እውን ዓቢ ተራ ኣለዎም:: ንሕና እውን ብምሉእ ልብና ደጊፍናዮምን ባሪኽናዮም ኢና” ክብል ገሊጹ::

ዓወት ለስስተር ሲቲ ንዓወት ኣብ ስፖርት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን:: ሰባት ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም: ኣብ ፖለቲካ: ቁጠባን ማሕበራዊ ሂወትን ክመሃሩሉ ዝኽእሉ ኢዩ:: ጽንዓት ክሳብ መወዳእታ: እታ ሓደ ዘጉደሎ እቲ ካልእ ከም ዝምልኦ ምግባር: እምነት ኣብ ዓወት: ሓድነት ኣብ መንጎ ተጻወቲን ኣካይድትን ወነንትን: ርእይቶ ምስማዕን ኣብ ተግባር ምውዓልን ጎሊሖም ካብ ዝተራእዩ ብልጫታት ለስስተር ሲቲ ኢዮም::መሰረት እንተደልዲሉን ምትእምማን እንተሰፊኑን እቲ ዘይክኣል ዝመስል ወይ ብገለ ከም ጽውጽዋይ ዝመስል ክጭበጥ ከም ዝከኣል ለስስተር ሲቲ ድሕሪ 132 ዓመት ኣብ ታሪኻ ብዘመዝገበቶ ዓወት ኣረጋጊጻቶ::ለስስተር ሲቲ: እንግሊዛውያን: ኣውስትርያዊ: ስዊትዘርላንዊ: ደንማርካዊ: ጀርመናዊ: ኣልጀርያዊ: ጋናዊ: ኣርጀንቲናዊ: ጃፓናዊ ዝሓቖፈት ተኣምር ዝሰርሐት ጋንታ ኢያ:: እታ ጋንታ ዋንጫ ኣብ ዝጨበጠትሉ ደገፍቲ ብዝገበርዎ ምንቅስቓስን ጭፈራን ከተማ ለስስተር ሲቲ 0.4 ስይስሞመተር ተመዝጊብዋ ዳርጋ ናብ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጸገዕዩ ይብሉ ተመራመርቲ: ነውጺ ቫርዲ ድማ ኢሎሞ ብስም እቲ ህቡብ ኣጥቃዓይ:: ተመሳሳሊ ታሪኽ ክድገም ጊዘ ክወስድ ኢዩ::

ዕውት ኩሉ ይፈትዎ:- እነሆ ድማ እቶም ነታ ጋንታ ናብ ዓወት ዘብጽሕዎ ገዚፍ ጠለብ ረኺቦም::

ኣሰልጣኒ ራኔሪ ንሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክመርሕ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ተዓዲሙ:: ንኣልጀርያዊ ማህረዝ ዝድግፉ ደቂ ዓዱ ፍርቂ ሚልዮን ናይ ትዊተር ኣካውንት ከፊቶም:: ኣብታ ኩዕሶ እግሪ ብዙሕ ዘይፍለጠላ ታይላንድ ስእሊ እንግሊዛዊ ቫርዲ ዝተረከሞም ማልያታት ብሚልዮናት ተሸይጡ:: ክልቲኦም ተጻወቲ ድማ ዝናኦምን ዋጋኦምን ብ100% ዓብዩ::ራኔሪ ንምስጢር ዓወት ብሓንቲ ግን ገላጺ ቃል ኣቐሚጥዎ::

ጽምኣት: ጽምኣት: ጽምኣት ንዓወት::hungry… hungry… hungry

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • abel May 12, 2016

    I am a huge football fan, especially English Premier League, what Leicter City have accomplished is very remarkable. Just like the article the tips and lessons of motivation and inspiration are always around us, weather it is from sports, art, social and political life of the society. If you work harder with hunger no one can take away what you truly deserve.
    I am sure we can apply the what this football club have done in our situation; not just politics but also in our workplace and carrier. Progress is needed in all aspects

  • A H May 12, 2016

    ኣብነት ለስተር ሲቲ፡ ኣብ ልቢ ኤርትራዊ የሕድሮ፡ ጽምኣተ ሓድነትናን ድፊኢት ሓርነታዊ ድልየትናን፡ ጽንዓትናን ኣብ ልብና የሕድሮ፡ ቅልስና ይሰስን፡ ድልየትናውን የሀብትሞ ክብል ምደፈርኩ። ምስመን?
    ምስ መንዶ፡ ምስ መንእሰያት ኤርትራ፡-
    ግዝያዊን መጻእን መድርኽ እናዓደመኩም ኣይትተሓሰሙዎ፡ ጻዊዒት ምስ ዝበዝሕ ኣእዛን የጽምምዩሞ፡ በጃኹም ጽባሕ ከይትሓልፈኩም ሎሚ ተበገሱ ክብል ጻዊዒተይ ብትሕትና ይልእኽ።
    ቲመድርኽ ንዓና ናይ ትማል በሰላ ተሓዲግኩሞዎ፡ኣዒንተኹም ከይሕብላ ይፈርሓልኩም፡። ከምቲ ስነጥበባዊ ክቡር ትካቦ ዝበሎ፡ ፍቕረይ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ዝበሎ፡ ኣነውን ሽግ ናይ ሎምን ጽባሕን መድርኽ ዚዓተረ መንእሰይ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ እብል!!!!!!!

POST A COMMENT