Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ዝህቦ መደረታት ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ድሮ ዝጸደቐ ቅዋም ሕጋዊ ሰነዱ ምዃኑ ኣሚኑ ንምትግባሩ ክጽዕር ከምዝግባእ ሰለስተ ኤርትራውያን ምሁራት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ኣገንዚቦም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ዝህቦ መደረታትን ዝውጥኖ ውዲታትን ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ 'ሞ ኢሳይያስ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት ከይትግበር ዓንቂጹዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ "ሞይቱ እዩ" ዝብሎ ዘሎ ቅዋም ኤርትራ ከም ሕጋዊ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ዝህቦ መደረታትን ዝውጥኖ ውዲታትን ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ‘ሞ ኢሳይያስ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት ከይትግበር ዓንቂጹዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ “ሞይቱ እዩ” ዝብሎ ዘሎ ቅዋም ኤርትራ ከም ሕጋዊ ሰነዱ ኣሚኑ ንምትግባሩ ክጽዕር ከምዝግባእ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያን ምሁራት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ኣረዲኦም።

ንሳቶም ኣብ መብርሂኦም፣ እቲ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝተነድፈን ዝጸደቐን ቅዋም፣ ሓደሓደ ሕጽረታት ክህልዎ ዝኽእል ኳ እንተኾነ፣ በብግዚኡ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ‘ውን ኣብ ዓንቀጻቱ ኣስፊሩዎ ስለዘሎ፣ ከም መሰጋገሪ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፣ ምእንቲ ‘ዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ‘ውን ከም መዕሰሊ ህዝቢ ከገልግል ዝኽእል ኣገዳሲ ሰነድ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እቶም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ሰለስተ ምሁራን፣ ሰፊሕ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅዋም ዘትዩን ተኻቲዑን ከም መዛዘሚ ናይቲ ዘካየዶ ሓርነታዊ ቃልስን መሰጋገሪ ናብ ዲሞክራስን ዘዋደዶ ሰነድ ምዃኑ፣ ዋላ ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፉን ዘይተሳተፉን ኤርትራውያን “የስርሕ እዩ” ኢሎም ዝተቐበሉዎ ቅዋም ስለዝኾነ፣ መን ነዲፉዎ ዘይኮነ ትሕዝቶኡ ዝያዳ ኣተኵሮ ተገይሩሉ ክዕየየሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ዝጠልቡን ዝንቀሳቐሱን ሓይልታት ነቲ ሰነድ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ርእዮም ዛጊት ንህዝቢ ከም መዕሰሊ ዘይምጥቃሞም ዝተኸስረ ዕድል ‘ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ‘ውን ነቲ ዝጠፍአ ዕድል የሕውዮም መሳርዕ ቃልሶም ብምስማር፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዋጋ ሃገርን ህዝብን ንዘሰላስሎ ዘሎ ግበታ ስልጣን ኣብ ምስዓር ክጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቦም።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ኣብ ቅዋም ኣተኵሩ ዝተኻየደ ሓባራዊ ዘተ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ራድዮ ኣሰና ክትከታተሉዎ ከምእትኽእሉ ነዘኻኽርኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Atewe Shum February 4, 2015

    Angesom thinks at village (awraja) levle. Ask the youth of Chicago.

  • Alem K. February 8, 2015

    “Today, 23 May 1997, on this historic date, after active popular participation, approve and solemnly ratify, through the Constituent Assembly, this Constitution as the fundamental law of our Sovereign and Independent State of Eritrea.”

    We shouldn’t allow a criminal murderer, drug addict, ruthless dictator ISAYAS AFEWORKI and his criminal prostitutes like Yemane monkey, Hagos kasha and the rest of gutless thieves and criminals, draft ,amend or change our constitution.
    Putting aside our minor differences we should focus on our priority that is eliminating the criminal regime and implementing our ratified constitution.
    Awetn selamn nhzbi Eritrea.

POST A COMMENT