Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ ተመሊሱ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ ካብ ካይሮ ከምዝተፋነወ egypttoday.com ሓቢሩ። ንሱ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋትሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ዝገበሮ ርክባት ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ እዋናዊ ዞባዊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምዕባሌታት ብኸመይ ከምዝገጥሙዎ ከምእተዘራረበ እቲ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ ካብ ካይሮ ከምዝተፋነወ egypttoday.com ሓቢሩ።

ንሱ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋትሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ዝገበሮ ርክባት ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ እዋናዊ ዞባዊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምዕባሌታት ብኸመይ ከምዝገጥሙዎ ከምእተዘራረበ እቲ መርበብ ሓበሬታ የገንዝብ።

ክልቲኦም ወገናት `ጸጥታን ምርግጋእን ንምውሓስ` ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተወሃሂዶም ክሰርሑ ከምእተሰማምዑ `ውን ይጠቅስ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት ግብጺ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ድሕሪ ዝተዘርግሐ ዜናዊ ጸብጻባት፡ ብኡ ንብኡ ሰራዊት ኣዋፊራ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ምስ ዓጸወት እዩ ናብ ግብጺ ከይዱ።

ኣቐዲሙ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ በጺሑ ከምዝነበረ `ውን ይፍለጥ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT