Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ብዘሻቕል ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ መንእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ብዘሻቕል ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ምንጭታት ቴለቭዥን ኣሰና ሓቢሮም። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ዋሕዚ ናይቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ኤርትራዊ ክሳብ 500 – 600 ንመዓልቲ ዝበጽሓሉ እዋናት

ዋሕዚ ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ መንእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ብዘሻቕል ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ምንጭታት ቴለቭዥን ኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ዋሕዚ ናይቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ኤርትራዊ ክሳብ 500 – 600 ንመዓልቲ ዝበጽሓሉ እዋናት ኣሎ።

እቲ ብሰንኪ “ቲ ምብትታን ህዝቢ ዘተባብዕ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገኒኑ ዘሎ ዘሻቕል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ድሮ ሰብኣዊ ዓቕሙ ተጸንቂቑ ማሲኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ `ውን እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ነዚ ናይ ሕጂ ዋሕዚ ስደት ፍሉይ ዝገብሮን ቀጻልነት ወለዶ ኤርትራ ኣብ ስግኣት ዘእቱን ኩነታት፡ ወለዲ ዘይብሎም ክሳብ ደቂ 12 ዓመት ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብብዝሒ ምስቲ ናይ ስደት ቃፍላያት ይጓዓዙ ምህላዎም እዩ።

ኣብ ርእሲ`ቲ ኣብ ኤርትራ ምንባር ፋይዳ ከምዘይብሉ `ሞ ህዝቢ፡ ብሕልፊ መንእሰያት ናብ ስደት  ክነፍጹ ዝደፋፍእ ንነዊሕ ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ፖሊሲ እቲ ስርዓት፡ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ሓደ ካብቶም ነቲ ኩነታት ኣጋዲዲዎ ዘሎ ሓደ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዙር ፈንቅልን ካልኦት መንቅስቓሳትን መንእሰያት ናብ ሳዋ ምውራድ ባርነት ምዃኑ ተገንዚቦም ምውራድ ክኣብዩ ክግበረሎም ዝጸንሐ ጎስጓስ፡ እቲ ህልኸኛ ስርዓት ንስድራቤታት ናይ ኩቦን ካርድታት እናሓዘ ከገድዶም ይከራኸር ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ካብዚ ታኼላ`ዚ ናይ ምምላጥ ኣማራጺ ስደት ኮይኑ ይስምዖም ብምህላዉ ምዃኑ `ውን እቶም ምንጭታት የረድኡ።

እቲ ዝገርም፡ እቶም ንሰብ ዘይብሎም መንእሰያት ገዛ ገዛ ሃሱሳት እናለኣኹ ናብ ሳዋ ዘጽርሩ ኣመሓደርቲ፡ ንርእሶም ደቆም ብመንገዲ ኢትዮጵያ ኣስጊሮም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናምሃሩ፡ ባርነት ሳዋ ናይ ደቂ ድኻታት  ይገብሩዋ ምህላዎም እዩ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ በለጸኛን ብልሹውን ኣሰራርሓ እቶም መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም ስጉምቲ  ክወስዱ ይድርኾም ከምዘሎ  `ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሓደ ካብቶም እቶም ምንጭታት ብኸምዚ ዝኣመሰለ በለጽ ዝጠቐሱዎ ዕሱብ ናይቲ ስርዓት፡ ኩሉ ሰብ ክቕየር ን 20 ዓመታት ከይተቐየረ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኮይኑ ን 20 ዓመታት ዘገልገለ፡ ዕሉል ተጣባቒ ስርዓት ህግደፍ መቕርብ ብዓልቲ ቤት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሳባ ሃይሉ ዝኾነ ተኽለ መብራህቶም እዩ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡  ንሱ ክልተ ደቁ ከይተተንከፋ ኣብ ኣስመራ ትምህርተን ከምዝውድኣ ገይሩ፡ ኣብዚ ደቂ መሳኪን ናብ ሳዋ ክኸዱ ዝህደኑሉ ዘለዉ ግዜ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣስጊሩወን ኣሎ።

በዚ ኾይኑ በቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ግን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓጺር ፍታሕ ስደት ከም ኣማራጺ ምውሳድ፡ ነቲ ብዓመጽን ጭቆናን ንቡር ህይወት ነፊጉዎ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ቦርቊቑ ብምድርባይ መሰረታዊ፡ ነባሪ ፍታሕ ምምጻእ `ዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 18, 2019

    The devil has been glaring down at this little nation and spitting fire from coast to coast sweeping the people out into different direction for a while now,as a matter of fact,frustrated it is not emptying fast enough,he devices new ways everyday to accomplish that genocidal goal,if he had WMD in his tool box, he could have used it to finish the job sooner,sadly, the people sit and wait helplessly like lame ducks hoping it will get better or their “government” will have a change of heart,resigned to fate they have succumbed to the notion mercy or solution can come through their very tormentors only.Putting politics aside,God doesn’t like that,faith have dissipated,fear,despair and hopelessness is reigning,this crippling social climate has engulfed our homeland making it a haven for those who thrive in this putrid agar.We need to get back to basics,utilize the best tool– prayer in every faith,a colossal united rebuke of the Lucifer,belief in the almighty’s sword to decapitate the head of the beast and bring it to the altar and save us from extinction.He has done it for us before,you just got to believe,trust him with all your heart,He will deliver,nobody posses the most potent arsenal in the galaxy,everything goes through Him.I am a believer with no offence to the non believers.Amen!

POST A COMMENT