Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወኪል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ውዕይን ዝሑልን ሓላፍነት ዝሃብናዮ ለባምን ቆራጽን መራሒና ኢሳያስ፡ ዝበለ እንተበለ ዝገበረ እንተገበረ፡ ከነመስግኖን ክንወድሶን እምበር ክንወቅሶን ከነኽፎኦን የብልናን” ክብል ገበናትን ክሕደትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕሽሽ ክብሃል ከምዝግብኦ ገሊጹ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓላፊ ቆንስላውን ህዝባውን ጉዳያት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ነቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን፡ ንልኡላውነትን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተወን ግሉጽነት ዝጎደሎን ዝብሃቦ መግለጺታትን ዝኸተሞ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓላፊ ቆንስላውን ህዝባውን ጉዳያት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ነቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን፡ ንልኡላውነትን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተወን ግሉጽነት ዝጎደሎን ዝብሃቦ መግለጺታትን ዝኸተሞ ውዕላት ሰላምን፡ መርኣያ ልቢ ምዕባይን ጽቡቅ ድሌትን ንሰላም ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብ ውዕይን ዝሑልን ሓላፍነት ዝሃብናዮ ቆራጽ መራሒና ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ ዝገበረ እንተገበረ፡ ከነመስግኖን ክንወድሶን እምበር ክንወቅሶን ከነኽፎኦን የብልናን” ክብል ህዝቢ ገበናትን ክሕደትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕሽሽ ክብሎ ከምዝግብኦ ገሊጹ።

ኣፈኛ ውልቀ መላኺ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ንገለ ኤርትራውያን ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ጎስዩ፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብጻዕሪ ስርዓት ህግደፍ ስለዝመጸ ዋንኡ ህግደፍ ምዃኑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ኣብ መራሕቱ ክጠራጠር ከምዘይብሉን እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቃላሕ ዘሎ ሓሶትን ጸለመን ስለዝኾነ ህዝቢ ክግደሰሉ ከምዝግብኦን ገሊጹ።

ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝብሃል፡ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ነታ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ውሽጣዊ ብድሆታቱ ዓቢጡ ኣቃልቦ ህዝቢ ንምህውታትን ንምጥምዛዝን ወትሩ ዝጥቀመላ፡ “ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣለና፡ ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ኢና፡ ኣብ ከባቢናን ዞባናን ንሰላምን ምዕባለን ንዋሳእ ኣለና” ዝብላ ማረኽትን ሽሓጥትን ቃላት ብምዝውታር፡ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ንኣፍሪቃን ዓለምን ኣብነት ከምዝኾነ ጠቂሱ። ይኹን እምበር እቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕጓስን ኣቃልቦ ዓለም ንምስሓብን ዝተፈረመ መስርሕ ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክረግጽ፡ ብዘይ ቅዋም ሃገር ክገዝእ፡ ህዝቢ ናብ ስደት ክግዕዝ፡ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተሓዙ፡ ህዝቢ ብጥሜትን ስእነት ስራሕን ማሕበራዊ ጸገማ ክሳቀ ልሙድ ዕለታዊ ተርእዮ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝከፍአ ኩነታት እምበር ዝመጸ ለውጢ የልን።

ልኡኽ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ እዋኑን ዝተማልአን ንህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ዘይህብ” ዝብል ካብ ተሳተፍቲ ንዝቀረበሉ ሕቶ፡ ብዙሕ ዘይምዝራብ ካብ ገድሊ ዝተወርሰ ልምድን ባህልን ከም ፖሊሲ ይቅጽል ከምዘሎ ብምእማን፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ሓሪሙ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ሞያውያን ከይፈርዩ ከልኪሉን ዝፍጽሞ ዘሎ ምልካዊ ኣገዛዝኣን ዓፈናን ቅቡል ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ንዘመናዊ ኣተሓሳስባን ምዕባለን ሓቅን ክቅበል ዕረ ዝጥዕሞን ድፍረት ዘይብሉን ተንኮለኛ ስርዓት ህግደፍ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸን ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መሬትና ከይተመልሰን ምስ ኢትዮጵያ ዘተን ዕርቅን የለን” ብምባል ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና ኣብ ውትህድርና ክቆረኑን ክስደዱን ጠንቂ ኮይኑ ከምዘሎ ዕሽሽ ብምባል፡ ንበዓል ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ከየፍለጠን ኣግሊሉን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ግሉጽነት ዝጎደሎ ውዕል ሰላም ከምዝፈረመ ይፍለጥ።

እቶም ንህሉው ኩነታት ሃገሮም ሓበሬታ ክረኽቡ ብብርሃነ ገብሪሂወት ዝተኣከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትካሎምን መንበሪ ቤቶምን ከይውረስን ካብን ናብን ኤርትራ ምንቅስቃስ ከይክልከሉን ቀይዲ፡ ስክፍታን ፍርሕን ስለዘለዎም እምበር እቲ ንህዝብና ዝያዳ ዘገድስ እዋናዊ ጉዳያት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምብቃዕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃገራዊ ምርጫ፡ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፡ መሰል ሃይማኖትን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ክሓቱን መልሲ ክረኽቡን ኣይክእሉን’ዮም። እቶም ህዝቢ ኤርትራ እናጸነተ፡ ናብ ኢትዮጵያ ተጓሕጉሑ እናተሰደን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣናተሳቀየን እንከሎ፡ ህግደፍ ወይ ሞት እናበልኩም ሕሰም ህዝብኹም ተናውሑን ዘለኹም ኤርትራውያን፡ እዚ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ህዝብኹም ብጽሞና ክትሓስቡሉን ሃገርኩም ከተድሕኑን ዕምሪ ህግደፍ ክሓጽርን ክትሰርሑ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Danilo October 1, 2018

    መሕፈር!!! ብሓንቲ ቃል።ዒብ ዓለክ ከይብሎ ፡ቁንቁኛ ዝቀየረ ከመይ’ሉ ክስምዓኒ።ብሕጽር ዝበለ ግን፡ጎር ማለ ኢለዮ ኢኣልኹ።

    • Danilo October 1, 2018

      ኢለዮ ኣለኹ እልኩም ኣምብቡ ንመኣረምታ ።

POST A COMMENT