Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክፉእ እናረአኹም ኣይትጨክኑ

ክፉእ እናረአኹም ኣይትጨክኑ ከም ኣቦታትና ሕያዎት ኩኑ ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 26/09/2011 Norway ሃገር ባዶ ኮይና ህዝብኹም ኣቃልቡ ሓዲጎማ ከይዶም ግዜዊ ሰላም ተረኸቡ ዘለዎ ኸኣ ብወግዒ ብጀነራል ተዓጂቡ ገንዘቡ ጫሕ ኣቢሉ ንበሊዖም ዘይጸግቡ ኣሕዋት ኣማዕዲኹም ኣይትታዓዘቡ ማዕጾኹም ክፈቱዎ ብቓልዕ ተዛረቡ ዘመነ ህግደፍ ጽሓይ ኣብ ምዕራቡ ህዝብና ከይጸንት ብቶሎ

ክፉእ እናረአኹም ኣይትጨክኑ
ከም ኣቦታትና ሕያዎት ኩኑ
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
26/09/2011 Norway

ሃገር ባዶ ኮይና ህዝብኹም ኣቃልቡ
ሓዲጎማ ከይዶም ግዜዊ ሰላም ተረኸቡ
ዘለዎ ኸኣ ብወግዒ ብጀነራል ተዓጂቡ
ገንዘቡ ጫሕ ኣቢሉ ንበሊዖም ዘይጸግቡ
ኣሕዋት ኣማዕዲኹም ኣይትታዓዘቡ
ማዕጾኹም ክፈቱዎ ብቓልዕ ተዛረቡ
ዘመነ ህግደፍ ጽሓይ ኣብ ምዕራቡ
ህዝብና ከይጸንት ብቶሎ ኣፈርክቡ

ኣብ NY.ሪኢና ብሓሶት ዝውድሱ
ዘይዕረዩ ምዕባለ ሃገራት ዘይወርሱሱ
ቅድሚት ሰሪዖም ንሂትለራት ዘሐጉሱ
ዘይተሰደ ይምዕብል ካብዞም ዝጠፈሹ

 

ዕቡድ ከልቢ ለኪሙና ከይጠፍእ
ሓዊ ከይኣጉድ  ዘይተደልየ ውግእ
ዓሻ ህግደፋዊ ዳግማይ ከይተጣቕዕ
የዘንግዓካሎ ህዝብኻ ከም ትርስዕ
ጨርቀመርቂ ከዲኑኳ ንኽትስዕስዕ
ኣድሕና ሃገርካ ድሓር ከይትነብዕ
ጀሚሩሎ ሓዊ ክኣጉድ ነገር ክውልዕ
ብህዝቢ ክጻወት ተሓቢኡ ኣብ ባጽዕ
ምውዳእ ኣቢናዮ ዝተረፍና ከጥፍእ

ኣጭበርቢሩ ዝነብር ተልመደን ወዲኒ
ስራሕ ዘይብሉ ብዘይካ ሃቡ ኣጥሙኒ
ጌጋኡ ዘይእርም ብዘይካንዓይ ስምዑኒ
ከምዚ እናለ ነዚ ክትድግፉ ተሕዙኑኒ
ቶም ሰበ ስልጣንስኳ ተጠቢሮም ብባኒ
ናይቶም ኣብ ስደት ዘለኹምዩ ገሪሙኒ
ምዕቡል ሃገር ኮንኩም ንዓይ ይጥዓመኒ
በሉ ህግደፍሲ ይሳሓልላሎ ከምዘይቅኒ
ተሓቢኡ ይብል ኣሎ በጃኹም ርድኡኒ

ንሕሰብ ብሓሶት ዝሰብዚ ኣይንታለል
ስራሕ የብሉን ብዘይካ ዘረባ ምኹሓል
ንሓቂ ኳዕጺጹ ብኣሉ ቀጣንዩ ዝምሕል
ዕዋላ ናይ ቀጠፍጠፍ ስርዓተ ፋሉል
ተንኮለኛ ከም ሰቡ ተገሪሁ ዘየዕልል

ብእሳተ ጎመራ እናተሸልቁ ሓቢኡ
ስለ ዘየድልዎ ብኹፉእ ክጠፍኡ
ብመቕዘፍቲ ብኽፉእ እናተገፍዑ
ተሕዝኑ ንኣረሜናውያን ተጣቕዑ

ዓበይቲ ይኸፍኡ ካብቶም ኮራኹሩ
ዝሓለፈ ዘመን መቐረቱ ዘይዝከሩ
ደቂ ሰብዓ ምስ ሕጻናት ካብ ዝጭፍሩ
የላግጸሎም ኣሎ ሓዮት ተካል ግብሩ
ሓሞት ዓድጉ ሰብኡት ኩኑ ተበራበሩ

ቀሪቡዩ ሰናይ ዘመነ ራህዋ ተዳለዉ
ይኣክል ቆላሕታ ግበሩ ኣይትዓሽዉ
ሕሰብሉ ታሪኽኩም ኣይተባላሽዉ
ጠንጥንዎም ንህግደፍ ሃገርና ዘዕነዉ

እንዳ ጠንቋሎ ዝውዕል ስርዓተ ግኒ
ሰንከልክ ይብላሎ ክንደየናይ ከይቕኒ
ቆፎ ባዶ ኮይና ትብላላ ርድኢ ርድኣኒ
ብዘይካኹም ዓሻ የለን ኣይተ ፈሽሉኒ
ሓደራ ከይትጎርሑ ከይትጋደፉኒ
እናበለዩ ዘታልል ምንኣስ ሞሶሊኒ

ስለዚ ህዝቢ እናተገፍዐ ኣይን ጨክን
ንሩኡይ ነገር ክንሸፋፍኖ ኣይንፈትን
ቲቪ ኤረ ዘለቶ ሰሚዕና ኣይንዓውን
ብሓሰውቲ ዎረኛታት ኣይንዳናገርን
መታን መፍቶ ጸላእትና ከይንኸውን

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT