Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክንራኸብ ኢና

ኣደይ ለተንስአ፡ ዓመታዊ’የን ወደን ንምርኣይ፡ ናብ ወጻኢ ዝገሻ። ወደን “ቀልጢፈ ክምለስ’የ ኢልኪ ከይትርብሽኒ” ክብል እናተላበወ ከምዘምጸአን ኢዩ ዝዛረብ። ግን ኣይሰለጦን። እታ ምህዋኽ ኣይገደፋኣን።  ሓደ ንግሆ መቑጸርያአን ሒዘን ጸሎት እናገበራ ጸኒሐን፡ ንወደን ኣድሃይኦ’ሞ፡ መቑጸርያአን ኣብ ሕቑፈአን ኣቐሚጠን፡

ኣደይ ለተንስአ፡ ዓመታዊ’የን ወደን ንምርኣይ፡ ናብ ወጻኢ ዝገሻ። ወደን “ቀልጢፈ ክምለስ’የ ኢልኪ ከይትርብሽኒ” ክብል እናተላበወ ከምዘምጸአን ኢዩ ዝዛረብ። ግን ኣይሰለጦን። እታ ምህዋኽ ኣይገደፋኣን።

 ሓደ ንግሆ መቑጸርያአን ሒዘን ጸሎት እናገበራ ጸኒሐን፡ ንወደን ኣድሃይኦ’ሞ፡ መቑጸርያአን ኣብ ሕቑፈአን ኣቐሚጠን፡

“ሓደራ ወደይ፡ ደቀይን ዓደይን’ምበር ይርኣዩኒ ኣለዉ። ዓደይ’ባ ስደደኒ፡” በላኦ።

  “ኣዪ,,,,,ዓዲ’ለዮ ኸኣ ነዚ። ኣነስ ኣብ ዓደይ ዳኣ!” በላኒ ንዓይ ድማ ብዛዕባኡ ምሰዛረብኩወን። ቀጺለን፡

“ኣንቲ ማዓረይ፡ በዚ ዓይነይ ገይርኪ ተትርእይያ ስ’ምበሪ ከም ኢልትሪያ የልቦን። ንስኻትኩም ድኣ’ኹም ተሕዝኑኒ ኣዴኹም ትደፋእ! ኣነስ ኣብዚ ነቢረ ኣይክኣለንን፡” ወሰኻ።

 ኣነ ድማ ክጸንሓ ክልምነን ከምዝተሓተትኩ ረሲዐ፡

“ንሱስ ሓቅኽን፡ ዓድና ድኣ’ሞ ካልኣይ ዘይብላ፡” መላእኩለን። ነቒሐ ከባብየይ ምስ ተዓዘኩ’የ፡ ሰይቲ ወደን ኣዒንታ ንሰማይ ገጻ ክትውርውረን ዝረኣኹ። ዝገበርኩዎ ጌጋ ድማ ሽዑ’ዩ ዝተሰቆረኒ። ዘበላሸኹዎ ከዐሪ እንታይ ክብል ከምዝነበረኒ ግን ኣይፈለጥኩን።

 “ኣቤት’ወ!” በላ ኣደይ ለተንስአ ብግደአን ርእሰን ንቕድሚት ንድሕሪት እናነቕነቓ። ኣብታ ገዛ ድማ ጸጥታ ሰፈነ።

 “ኣንቲ’ደ ኣብ ዓዲ’ሞ መን ኣለኪ’ዩ? በይንኺ ሕልምልም ክትብሊ ኢልክስ ክንድ’ዚ!” ክብል ንኹልና ካብ ሒዝናዮ ዝነበርና ሓሳብ ዘበራበረና ወደን ነበረ።

 ኣደይ ለተንስአ ጓል 80 ዓመት ኣቢለን ዝኾና፡ ብዙሕ ዛረባ ዘይፈትዋ ሰበይቲ ኢየን። ዘረባ እንተጀሚረን ግን ተዛራቢት ኢየን ዝመስላ። ብዙሕ ቁም-ነገርን ብዙሕ ዋዛን ኢየን ዘምጽኣ። ሎሚ’ውን ኣብ እርጋነን፡ እቲ ናይ ጉርዝውናአን መልክዕ ንእርጋነን ገሊሁ ብምውጻእ ዝርኣየሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ እርጋን ድማ ገጸን ቁጽሪ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ኢዩ። ነፍሲ-ወከፍ ኣብ ቆርበት ገጸን ዘላ ዕጥርጣር፡ ናይ ባዕላ ዛንታ ትነግር ኢያ ትመስል።

 ነናኽርእያኻ፡ ኣዒንተን ጓሂ፡ ደስታ፡ ሞት፡ ህይወት፡ ተስፋ ምርካብን ተስፋ ምስኣንን፡ ምውዳቕን ምትንሳእን፡ ሓዘንን ሓጎስን እናተበራረዩ ብዝሃነጹዎ ልቦና፡ ልክዕ ንውላዳ ኣብ ሕቑፋ ከምዘእተወቶ ኣደ ከሙቐካ ይፍለጠካ። ኣዒንተን፡ ተኲሩ ዝተመልከተን ጥራሕ ክርእዮ ዝኽእል፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ላዕላይ ቀጸላ ዝተቐብረ ፍሽኽታ ኣለወን።

 ኣብዛ ዝተጠቕሰት መዓልቲ፡ ብዘረባ ወደን ናብ ውነአን ምስ ተመልሳ፡ ኣዒንተን ሓዊ ዝተፍኣ ዝነበራ መሰላ።

 ርእሰን እናነቕነቓ፡

“ሓደራ ከኣ ከምዚ ክትብል!? ክንደይ ከብደይ ከምዝወለድኩ ዶ ዘይትፈልጥ ኮይንካ ኢኻ? ኣይ ካብታ ሓንቲ ከም ሓሙስ ጓለይ፡ ኣይ ካብ’ቶም ሽዱሽተ  ኣጉባዝ እንድየ ንዓኻ ሒዘ ተሪፈ ዘለኹ! ንሳቶም ኣበይ ድዮም ሰፊሮም ዝኔሀዉ? ኣብዚ ንሰብ ዘይተፈጥረ ዓዲ መዓስ ኮይኖም! ኣይ ኣብ ዓዶም’ንድዮም ግዲ! ተቐቢሮም ድዮም ኣይተቐብሩን’ሞ እዝግሄር ዋንኦም’ዞም ብሩኻት ደቀይ። ግዳ ኣብኣ ምህላዎም ኣይተረፈን። እቲ ልብኻ ዶ ኣውጺኦም ወሲዶሞ’ዮም’ዞም ዓዲ? ካን ደም ዘይብልካ ዲኻ ክተርፍ? ምዃን እዚ ኹሉ  በረድን ኣስሓይታን ንወዲ ኣዳም ኣየናይ ጽቡቕ ክህቦ ኢልካዮ! ሕልምልም ክትብሊ ከኣ ክትብለኒ!? ሕልምልም ተበልኩስ መዓስ ናቶም ጥፍኣት ኮይኑ!? ናትካን ናይ ወዲ ከማኻን እንድኣሉ! ደቀይ ድኣ ካብ ሞት ተንሲኦም ዶ’ሞ ሕጂ፡ ኣነ ሕልምልም ከይብል መታን ካልኣይ ግዜ ክሞቱ ኮይኖም? ክንደይ ግዜ ክሞቱ!? ዋይ ኣነ ግዲ! ኣንታ!” ኢለን ክዛረባ ምስ ሰማዕኩወን፡ ረጊጸያ ዝነበርኩ መሬት ክትውሕጠኒ ትመነኹ።

 ሓደራ ብግዲኡ ጸለሎ መሰለ፡፡

“ኣቲ’ደ ከምኡ ማለተይ መዓስ ኮይኑ” ብምባል ከኣ ናብቲ ኮፍ ኢለናሉ ዝነበራ ቀሪቡ፡ ኣእዳዉ ኣብ መንኮበን ኣንበሮ። በዓልቲ ቤቱ ኣስመረት፡ ኣብ ጎነን ኣብ ዝነበረ መንበር ተቐሚጣ ኣእዳወን ጨቢጣ፡ ርእሳ ኣድነነት።

 ጸኒሐን፡

“እምበኣረይ ከ መጀመርያ ኣርባዕተ፡ ዳሓራይ ክልተ ደቀይ ክጠፍኡ ከለዉ፡ መዓንጣ ከብደይ ሓሪረ ተሪፈ’የ። ግዳ ከም ሎሚ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትኒ ኣይትፈልጥን። ዝወለድኩዎም ዘምጽኡዋ ዓዲ፡ ሓደ መዓልቲ ከም ባህጎም ኮይና፡ ንስኻትኩም ደቅኹም  ሒዝኩም ዓድኹም ክትኣትዉለይ እየ ዝምህለል ዝነበርኩ። ከምዚ ይመጽእ ኣይበልኩን። ደጊም’ታይ ዝዓብስ መገሻ’ዩ። ተነበርኩ ኣብ ዓደይ፡ ተመትኩ ከም ደቀይ፡ ኣብ ዓደይ፡” በላ ኣደይ ለተንሰአ።

 ሓደራ ሕጂ’ውን፡

“ኣደይ ንስኺ ሃሊኺ ኣይሃሊኺ ኣብታ ዓዲ ተምጽእዮ ለውጢ የለን። እቲ ዓዶኽዶኽ ይሕለፍ። እቲ ጋሻ ውሕጅ ይህዳእ ማለት እንታይ ነውሪ’ለዎ? ንሕናስ ሰብ ዘይብልኪ ገለ ተኾነስ,,,,,,,” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደአ፡

 “ጓለ’ቦኣ ዶ! ኣንታ ቖልዓ ሓሚምካ ዲኻ? ደጊም እዋን ዓዶኽዶኽ ሓሊፉ ዶኸ’ይኮነን ዝብሃል ዘሎ? ዓዶኽ ትብሉ ዘለኹም ኣብ ኩሉ ዝተበታተንኩም ደቀይ ኢኹም። ጋሻ ውሕጅ ለኪሙኩም ይኸይድ ከምዘሎ ዝጠፍኣኩም’ውን ንስኹም። ኣያታት ትኾኑሉ እዋን ከምዝኣኸለ ተዝስቆረኩም ዶ ደድሕሪ ዘረባ ጎዪኹም! ናይ ኣያ ዶ ጠፊኡኩም? ኣይ ሰብኡት እንዲኹም ሰብ ስረ! ዳሕራይኩም ገደደ ከኣ፡ እቲ ስ ሓሳቡ ቀይሩ ኣሕዋተይ ኢሉ ተመጸኩም ትስሃሉዎ። እትስ ነዚ ፈሊጡ እንተስቀጠ ዘይትንሕፉዎ። ነቲ ዝሰርሐስ ትዕንቅፉዎ ክንዲ ኣጆኻ ዝሓወይ። ኣብ ክንዲ ትሰርሑ ውን ኢድኩም ዓጺፍኩም ተውርዩ። ዓዲ ከይሓዝካ ዶ ኸ ብጭቃ ዓዲ ይሕመም’ዩ ኣንቱም ዓዋናት!” ክብላ ኣቋረጽኦ።

 ጸኒሐን፡ ብርከን እናጠብጠባ፡

 “እምበር እቶም ኣብ መቓብር ደቀይ ብታሕጓስ ዝድብሉ ደኣ ኣነ መኣስ ልኢኸዮም? ኣነ ዝወለድኩዎም የ ዝልኣኽኩ። ዝኣምኖም ንሶም’ዮም። ካልእ’ሞ ከመይ ኣቢለ ክኣምን? ነዚ የ ዘይወለድኩዎ ዘይለኣኽኩ። ነቲ ዘይወለድኩዎ ኸ ከመይ ኣቢለ ጠሊሙኒ ክብሎ? መኣስ ልኢኸዮ? ኣበይስ ፈሊጠዮ? ግዳ ሕጂ ንስኻትኩም ኢኹም ዘረባ ግራት እንዳቦይ ዘርኣይ ትገብሩዋ ዘለኹም፡” ክብላ ቀጸላ።

 

ሓደራ “ኣየ’ደይ”እናበለ ስሓቕ ጀመረ። ቀጺሉ ድማ፡

“ኣቦይ ዘርኣይ መቸም ኣብ መቓብሮም ኮይኖም ሰላም ስኢኖም ኣለዉ ብኣኺ። ኩሉ ግዜ መመሰሊ ክትገብሪ ኮ ኣዋሪድክዮም ምስኪናይ ሰብኣይ” በለ።

 

“መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ ዝተባህለ ስቕ ኢሉ እምበኣር ይመስለካ? ንሶምስ ኳ ብህይወት ከለዉ ኣትሒዞም መለበሚ ኮይኖም። ድሓርስ ካ ከም ጽውጽዋይ’ንዶ ኣይኮኑን። ንሶም’ውን እቲ ዛንታ ናቶም ምዃኑ ካ ረስዑዎ፡” ኢለን ኣደይ ለተንስአ ብስሓቕ ክርትም  በላ።

 

ጸኒሐን ብዛዕባ ኣቦይ ዘርኣይ ዕላል ቀጸላ።

“ኣቦይ ዘርኣይ ካብ ደርዘን ዝበዝሑ ዉሉድ ዝነበሩዎም በዓል ዓድና’ዮም ዝነበሩ። ኣዋልድ ዓዲ ከኣ፡

ኣቦይ ዘርኣይ ምዕንጅሉ

ያዕ ዶ’ይትብለንን ንደሃብ ዕላሉ

ገዛ ገዛ ክኣትዋ ዝውዕላ

መዋዕልቲ’ታይ ተባህለ ዝብሉ

ማዓክንካ ጥርሑ ውዒሉ

ኣናጹ ኣትየን ጺጽ እናበላ ይዕንድራሉ

ደቅኻ ስ ሰብኡት ዶ ኣይኮኑን

ሰብ ዘይኾኑ

ግራትካስ መሬት ዶ’ይኮነን

ዘይትሓፍሰሉ

ስኣን ልብስ ኩሉ ቦዂሩ

ኣቦኻስ ወረጃ’ምበር’ዮም ዝነበሩ

ኣዋልድ ዓድና ተመንዩወን

ባይቶና ኣርኪብካሉ

ልቢ ምበር ይግዛእ ኣሎ በሉኻ

ንዓ ግዳ ለቅበሉ

ዓዲ ብዓዱ ብኣኻ ኣማሪሩ

ኣይ ካብ ትግሃት

ኣይ ካብ ብልሓት

ኩሉ ተሳኢኑ

ኣደይ ደሃብ ከ ዘን ልቢ ጎደለን

ሱቕ ዶ  በላ ዘን ወረ ሓዳረን

ኣዴኹም ኣይትርአ ኣቦይ ዘርኣይ

ኮይነን ወላድ መኻን

ምስ ግራትኩም ድኻ ተባሂልኩም

ኣቦይ ዘርኣይ ኣንቱም ባሃም

እቲ ወድኹም ከኣ’ሎ

ናይ ኩሉ ጠቕለሎ

እንታይ’ሞ እንታይ’ሞ

ንሱስ ተሓለሎ ንዶ

እዝጊ ይሓግዞ

እዝጊ ኣኻእሎ ይሃቦ፡ ክብላ መውዓሊ ይገብርኦም ነበራ ይብሃል” በላ ኣደይ ለተንስአ።

ሓደራ ናብ መስኮት ገጹ ገይሩ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝተዓንደ መሰለ። ኣስመረት ካብ ገጻ ንብዓት ትሕብስ ከምዝነበረት ጸኒሐ’የ ኣድሂበላ። ኣደይ ለተንሰአ ኮፍ ኢለናሉ ካብ ዝነበራ ክትስኣ ኣስተብሂለ’የ ቀኒዐ መስለኒ።

 

ናባይ ገጸን እናተመጣ፡

“ንዒኒ ዛ ጓለይ  ,,,, ንፋስ ወሲደ ክመጽእ፡” ብምባል ናብ ማዕጾ ገጸን ተበገሳ። ደገ ምስ ወጻእና እንቃዓ ኣስተንፊሰን፡ ቁሩብ ሰጒመን ደው በላ። ሽዑ ሓንሳብ መንኮበይ ተንከፋኒ’ሞ፡ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ብዘይዘረባ ሰለይ እናበልና ክንጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እንዳ ሓደራ ምስ በጻሕና፡

 

“ደጊም ዓደይ ከይደ ምስ ደቀይን ምስ ዓደይን ንምርኻብ ተሃዊኸ ኣለኹ። ምሳኻትኩም ድማ እግዝኣብሄር ተፈቒዱዎ ሓደ መዓልቲ ክንራኸብ ኢና። ኣጆኻትኩም’ዞም ደቀይ፡ እቲ ጸላኢኹም ንስኻትኩም እንተለቢምኩም፡ ንስኻትኩም ኢድ ንኢደ እንተታሓሓዝኩም ዓቕሚ የብሉን። ሰይጣን ኣብ ጽልኢ ድኣዩ ዝነብር’ምበሪ ኣብ ፍቕሪ ሓንቲ ለይቲ መዓስ ይሓድር። ንርእስኹም ክትብሉ፡ ንዓድኹም ክትብሉ፡ እቕረ ተባሃሉ፡ ምሕረት ፈውሲ ኢዩ፡” ኢለን ኣብ ቅልጽመይ ተደጊፈን ንውሽጢ ኣተዋ።

ኤደን ኢያሱ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde September 28, 2018

    It is a good wish and advice from every genuine and authentic Eritrean mom. My mother’s favorite song while doing house chores was SESNU SESNU SHIHNI WALTA KUNU,ANTA ZI’ADNA KEYIAATWO GUANNA,it sounds like clairvoyance,an early warning we didn’t pay attention.Thanks Eden.

    • Hagherawi September 28, 2018

      It’s bleeding at the hands of the worst “Guana”.
      But it’s happening because of our failures.

  • Danilo September 28, 2018

    Sharp mind, plus golden pen and excellent art of communication. Thank you Eden .

POST A COMMENT