Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክሳብ መኣስ ስቅታ- ምብትታን

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ሃገር እናባደመት ዝወለደት ኣደ ደቃ እናተመንጠለት እታ ነፍቅራ መሬት መንእሰያት ኣናበልዐት ዘይንላዘብ ዘይንጥርነፍ ዓንጋሊትና ንሓዋሩ ከይነጸፈት። ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ከም ምዉት ምድቃስ ብዘይ ቀባሮ ሬሳ ኣልቦ መልቀስ ዝቀተለን ዝመሓረን ብሓባር ክውደስ ንዳእትና መእሰሪ ዘይንገብረሉ ከይተበተነ ብንፋስ። ክሳብ መኣስ

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ሃገር እናባደመት

ዝወለደት ኣደ ደቃ እናተመንጠለት

እታ ነፍቅራ መሬት መንእሰያት ኣናበልዐት

ዘይንላዘብ ዘይንጥርነፍ ዓንጋሊትና ንሓዋሩ ከይነጸፈት።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ከም ምዉት ምድቃስ

ብዘይ ቀባሮ ሬሳ ኣልቦ መልቀስ

ዝቀተለን ዝመሓረን ብሓባር ክውደስ

ንዳእትና መእሰሪ ዘይንገብረሉ ከይተበተነ ብንፋስ።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ህዝብና ብህግደፍ እናጸነተ

መሬትና ተሸይጡ ሃብትና እናተዘምተ

ክብርና ተጋሂሱ መጻኢና እናጸልመተ

ሞሳ ክንረክብ ዘይንወርስ ናይ ወለድና መኸተ።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ መቃብር ስዉኣት እናሓረረ

ጓና ክኸብር ወዲ ዓዲ እናተባረረ

ብግዴታ ክንውሕጦ ነቲ መርዚ ዕረ

ሑሕ ዘይንብል መንነትና ከይተሰወረ።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ህዝብና እናጠፍአ ኣብ ባሕሪ ምድረ በዳ

ኣሕዋትና እናተረግጹ ከም እኽሊ መኽየዳ

ነብሰ-ጾራት ኣሓትና ብኹርንዒት እናተሞኽዳ

ሰብኡተን ተመንጢለን ተካእቲ ከይወልዳ።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ባህልናን መንነትናን እናተኸለሰ

መሓውር ህዝብና ብማህረምቲ እናለመሰ

ከይዛረብ ምስ ልሳኑ እናተዓብሰ

ኣካላቱ ከም ዕጨ -ግዳም ብጎዞሞ ፋስ እናተመልዓሰ።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ወገንና ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ

መድሃኒት ሓሪምዎ ብሕማም እናተቀዝፈ

ኣብ ጎዳጉዲ ብዘይ ፍርዲ እናተወተፈ

እቲ ርሱዕ ከም ሕሱር ኣቕሓ ዝተጓሕፈ።

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ካብ ብዕራይ ዲና ጸባ ንጽበ ዘሎና

ኣብ ሲኦል እንከሎ ፍርቂ ኣካልና

ትርጉም የብላን ንፈትዋ ህይወትና

ካብ በላዒ ሰብ ህግደፍ ክሳብ ዘይተላቀቕና ምቅላስ’ዩ እንኮ ክብርና።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (24 መስከረም 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT