Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ጳጳሳት ዝርከቡዎ ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብቤጽሕፈት ህግደፍ ዝብተዋህቦ ትእዛዝ መሰረት ኣብ ወጻኢ ጎስጓስ ንምክያድ ናብ ኤውሮጳ ኣትዩ።

ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ ብምድጺ ኣሰና ተቓሊሑ ከምዝነበረ፣ ነቲ መራሕቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ብህግደፍ ኣብ ወጻኢ ጎስጓስ ክገበሩ ዝተዋህቦም ትእዛዝ፣ ኣብ ግዜ ጾም ኣርብዓ ጸሎት ደኣ ንገበር እምበር ንወጻኢ ኣይንገይሽን ብምባል ቅሬታኦም ኣስሚዖም ኳ እንተነበሩ ብመሰረት

ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ ብምድጺ ኣሰና ተቓሊሑ ከምዝነበረ፣ ነቲ መራሕቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ብህግደፍ ኣብ ወጻኢ ጎስጓስ ክገበሩ ዝተዋህቦም ትእዛዝ፣ ኣብ ግዜ ጾም ኣርብዓ ጸሎት ደኣ ንገበር እምበር ንወጻኢ ኣይንገይሽን ብምባል ቅሬታኦም ኣስሚዖም ኳ እንተነበሩ ብመሰረት ‘ቲ ብቤትጽሕፈት ህግደፍ ተዋህቦም ተሪር ትእዛዝ ብ 19 ለካቲት ፍራንክፈርት ኣትዮም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ክልተ ጳጳሳትን ክልተ ተሓጋገዝትን ዝርከቡዎ ልኡኽ፣ እቶም ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ናይ ገዛ ምሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቡነ እንጠንዮስ ነጻ ክልቀቑ ብቀጻሊ ንዝስማዕ ዘሎ ጠለብን ጎስጓስን ንምድኻም፣ ከምኡ ‘ውን ነቲ ብሰንኪ ‘ዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ነንሕድሕዶምን ኣመንትን ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል ኣደቂስካ ኣብያተ ክርስትያናት ምእዙዛት ናይቲ መላኺ ስርዓት ከምዝኾና ንምግባር እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ብሰንኪ ኢድ ምትእትታው ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ነንሕድሕዶምን ኣመንትን ኣትዩ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ እቲ ስርዓት ኣንቂዱዎ ዘሎ መደብ ክዕወት ከምዘይክእል እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ካልእ ተወሳኺ ዛዕባ ናይቶም ልኡኻት ፋይናንሳዊ ጉዳይ ምዃኑ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ሎ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብሞባእን ህያብን  ዝወሃብ አንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣገልግሎት እተን ኣብያተ ክርስትያን ናብቲ ስርዓት ኣታዊ ይኸውን ብምህላዉ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ብዋሕዲ ባጀት ይሳቐያ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እዮም ሰበስልጣን ህግደፍ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንመገሻ ኣገዲዶሞም ዘለዉ።

እቲ ዑደት ብድሕሪ መጋረጃ ዝካየድ ኳ እንተኾነ፣ ኣብ መወዳእታ ምስ ኣመንቲ ምርኻቦም ከምዘይተርፍ እቲ ሓበሬታ ይእምት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Hail soura February 23, 2015

    yes they were in Netherlands, Rotterdam last Sunday from Germany; they are now in Germany. They haven’t yet with church leaders. Hgdf is desperate to get money. He is trying to suck his followers pocket. I am sorry for his victims. Instead of spending their money on their children educations for years and years they are giving it to hgdf. enough is enough.

  • Dawit February 24, 2015

    ስጋብ ማዓስ”
    እምነትና መሰልና እንዳ ተባታተኸ፡
    መመሊሱ ብእስ እንዳ ተዋሳሰኸ፡
    ጥጁእ እንዳ ተጸምቔ ዝተኣላለኸ፡
    ሕሉፍ ምልኪ ምስናይ ምከሔ፡
    ዲያብሎሳዊ ስርዓት ዘይብሉ ርህራሄ፡
    ፈላሊኻ ጎጃጅልካ ቀኒ፡
    ኣይ እሰር ኣይጥመር ምስመንከ የሳኒ፡
    ንፋስ ዘራጊቶ ንቕጽበት በናኒ፡
    ፋሕብትን ስድራቤት በይነይ ይጥዓመኒ፡
    ህኮታት ዘሳውር መከራ ዝቓኒ፡
    ይአክል ንበሎ ነዚ መስተር ግ

    ስጋብ ማዓስ እንታይ ንጽበዮ
    እቲ ዝናኣሰ ኣሰር ዝዓበዮ፡
    ተስፋ ዝቖረጸ የለን ዝጽበዮ፡
    ቀጻሊ ሂወቱ ብላሽ ዝትምነዮ፡
    ጠንቂ ናይዚ፡ኹሉ እሾኹና ንእለዮ፡

    እቲ ጠንቂ እቲ ሕሰም ህግደፍ ዩ” ዋና፡
    ዝጠለመ ሕድሪ ሰማእታትና፡
    ክርዳድ ተጸንቢሩ ምስቲ ስርናይ ማና፡
    ተንኮላት ፊሒሱ ንጥፋት ሂልቂትና፡
    ፋሕ ብትን ስድራ፡ቤታት ዬብልናን መዘና፡
    ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ እንታይ ወሪድና፡
    ወንና ጠፊኡ ቂያዊ ታሪኽና፡
    ኢሂን ቢሂን ንበል ንሕሰብ ብጹሙና፡
    ብሓባር ንበገስ ይእኸል፡መከራና፡
    ዳግማይና ክጥዕም፡ጉቡእ
    ሓርነትና፡
    ብልዕልና ሕጊ ማዕርነት መሰልና፡

    ኒ፡
    ስጋብ ማዓስ እንታይ ንጽበዮ፡
    እቲ ዝናኣሰ ኣሰር ዝዓበዮ

  • TM February 24, 2015

    “ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። ብዂሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጒ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። ህይወት ኢየሱስ ኣብ ሥጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኲሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሥጋና ንጸውር ኣሎና። 2 ቆረ 4:7-10
    እወ ይመስሎም ይኸውን ጽቡቕ ዝገብሩ ዘለዉ ቤ/ክ ግና ይሰጉዋ እዮም ዘለዉ። ንብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጠንዮስ ኣቡኦም ሓይሮም… ዝገብርዎ፡ እሞ ኸአ አብ ጾመ አርብዓ እንታይ ይብሃል? ኣምላኽ አብ ልቦም ይምለሶም! ኣምላኽ ንቤ/ክ ሃገርናን ብቑዓት ዝሓልዩ መራሕቲ ይሃበና! ንአቦና ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጠንዮስ ዕድመን ጥዕና ይሃበልና!

  • AHMED SALEH !!! February 24, 2015

    Since those priests are forced to respect high rank military officials
    orders or else . If I’m not mistaken don’t you guys think to meet them
    and to express solidarity with righteous church leaders can make difference .
    Do not forget most of them inside the country have misleading information
    about Eritrean in diaspora from HGDF’s deceptive propaganda . Who knows they
    may report to their colleagues inside the country if you show them light of
    hope to preserve the integrity of the church and bold resistance against
    authority interference in religious affairs . Just my opinion how to play
    smart moves to defeat their agenda than non productive confrontations .
    If truth is at your side obviously at the end you win .

  • Dawit February 25, 2015

    እግዚዮ እባ ንበል፡
    ብልብና ንሕበር፡
    ገበረኒ ክገብር ካብ ቲ” ሕማቕ ኣበር፡
    ምሕረትና ክወርድ ማዓትና ክቖርር፡
    ዝመተት ሂወትና ብማንፈስ ክትጠልል፡

    ፈጣሪና ንለምን ብኑጹህ፡ልቦና፡
    ፈተነ ክኸውን ሽግር መከራና፡
    ኣስላማይ ክስታናይ ላዕላይና፡ታሕታይና፡
    ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ምስናይ እምነትና፡
    ኢሂን ቢሂን ንበል ንዕቤት ክብረትና፡
    እምነትና ክኸብር ክምለስ ባህልና፡
    ዓኾኻይ ንበሎ ጸላእ ሰናያትና፡
    ተወልደ ክዓቢ ምህርቱ እቶትና፡ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ንግበር ዓዓቕምና፡፡

    ካብ ዲያብሎሳዊ ስርዓት ኣይንጸበ ርህራሄ፡
    ዳግማይ ኣይሰርሕን ሓንሳብ ተገረሄ፡
    ኪኖ ጸልማት ግዜ ምስ ወገሔ፡
    ምስተበዔ ዘበናት ዝፍርሔ፡

    ዝተኣልከ ምስተ ጋማደሔ፡
    ህግደፍ ንሕልፈቱ ከም ከልቢ፡እንዳነብሔ፡

    እንባኣርከስ ደቂዓደይ ንፋቐር ነሳኒ፡
    መዊጽካ ዝስተ ከም ደም ስኒ፡
    ዋጋ፡ብላን ስጋ በይነይ፡ይጥዓመኒ፡
    ክሕደት ጥልመት ዘይብሉ ኣማኒ፡
    ንሰላም፡ረሲዑ ንጽኢ ዝቓኒ፡
    ፈረ ኣልቦ ጠፋኢ በናኒ፡

    እንካ፡ሃባ ተቀበል መርሓባ፡
    ሓወይ ሓብተይ፡ከም ፕፕባህሊ እንዳባ፡
    ሰብ ጥልፈ ዲኖ፡ ቅጪን ካባ፡
    ማዓልካ ሓደርካ ካብ ሩሑቕ ቀረባ፡

    ኩቡር መንነትና ከይተርፍ በኒኑ፡
    ኣይፋልናን ንበሎም ዙንቡዓት ደያኑ፡
    ፋሕ ብትን ስድራቤት ሃገር ከይትዓኑ፡
    ንህዝባዊ ፍርዲ ሃገር ዘማሰኑ
    ያክል ቲፍርሒ ብሓይሊ እመኑ፡
    ኩቡር መስዋእትነት ማዓስ ዋዛ ኾይኑ፡
    ብልዕልና ሕጊ ንመሰል ማዕርነት፡
    ኩሉ ምስ እምነቱ ምስ ሙሉእ ሓርነት፡
    ፍረ ጻማ ዓስቢ ህያው መስዋእትነት፡
    ዘይተርፍ ሕድሪ ናይ ዎሎዶ፡ሰረት፡
    ታሪክ፡ምስክር”ዩ ብሓቂ ቡኡነት፡
    እጃምና ነበርክት ክንከውን ኣብነት፡
    ካብ ዳዊት፡
    USA,

    ኩቡር መንነትና ከይተርፍ በኒኑ፡
    ሕጉ ዝረገጹ ናይ ዘበን ደያኑ፡
    ካብታ ብዓንተቢ ኑጉሆ ብእዋኑ፡

POST A COMMENT