Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ክልተ ግጥሚ ብሐደ”

እዘን ክልተ ግጥሚ ብሐደ እዋን ምጽሓፈይ ጥራይ ዝሃብኩዎ ኣርስቲ ከይኮነ ንዓይ ዘገድሰኒ፣ ግዳስ እቲ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደለኹዎ ኣብ ተስፋን ኣብ ፍርሂ እቲ ተስፋ ከይጭወ ብዝተሰማዓኒ ውሽጣዊ ሻቕሎት ዝነቐለ ኢዩ። ከም ኩላህና ንርእዮ እቲ ስርዓት ህግደፍ

እዘን ክልተ ግጥሚ ብሐደ እዋን ምጽሓፈይ ጥራይ ዝሃብኩዎ ኣርስቲ ከይኮነ ንዓይ ዘገድሰኒ፣ ግዳስ እቲ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደለኹዎ ኣብ ተስፋን ኣብ ፍርሂ እቲ ተስፋ ከይጭወ ብዝተሰማዓኒ ውሽጣዊ ሻቕሎት ዝነቐለ ኢዩ። ከም ኩላህና ንርእዮ እቲ ስርዓት ህግደፍ ብኹሉ ሸነኹ ቀልጢፉ ይቡኽቡኽን ይገማማዕን አሎ። እዚ ከአ ባዕሉ ብዝፈጸሞ ናይ ነዊሕ ጊዜ ነፍሰ ቕተላ ጉዕዞ እንዳተዛዘመ ብምቕራቡ፣ ነቲ ዘይሓላፊነታዊ ስርሑ ከግድዶ እምበር ከዐርዮ ብዘይምኻሉ ኢዩ። ብዙሓት ግን ነቲ ብድኽመት ህግደፍ ምስ ጊዜ ዘይከይድ መደባቱ ከም መውደቒኡ ረቓሕታ ክንዲ ዝወስዱን፤ መእረምታ ናቱ ኣብ ቅኑዕ መሰረት ክተኽሉ ዝፍትኑ፣ ኣብ ዘይዘርእዎ ዓወት ክሓፍሱ ከም ቀደሞም ክጋየዩ ምርኣይ ሓዲስ ተርእዮ ወላ እንተዘይኮነ ዘሕዝን ኢዩ።

ብሓባር ዘቃልስ መደባትን ዕላማን ሓንጺጽካ ብሕብረት ክተተርጉሞ ክንዲ ብግብሪ ዝጻዓር፤ ኣብ ናይ ሕሉፍ ዕድሜኦም ዘሕለፍዎ ባህራዊ ጸባያት ክቆራቆሱ ጊዜ የሕልፍዎ። ኣብ ወጻኢ ዘለዉ መንእስያት ከአ ብዝዋሃቦም ርጡቡን ዘይርጥቡን ሓቤረታ ተደናጊሮም ብስሚዒታዊ ዘንቀሎ ፍናን ናይ ቃልሲ መገዲ ክጋዓዙ፤ ነንሕዶም ይገራጨዉ አለው። እዙይ ከአ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ተስፋ ናብ ፍርሂ ዝቕይሮ ዘሎ ውዲታት ክእርምዎ፣ ካብ ዓቕሚ ኮነ ካብ ድልየት ዝተበገሰ፣ ከምቶም ኣያታቶም ፍልልይ ከስፍሑ እምበር ከጽብብዎ ኣይከኣሉን።

 

ብሓፈሽኡ እቲ ርኡይ ጉድለት ዝብሎ፣ ኣብ ዲሞክራሳዊ መርሆ ዝቖመ ስምምዕ፣ ብግልጹነትን፣ ብሓላፊነትን፣ ተሓታትነትን፣ ዝእምን መትከላዊ ዕላማ ሓንጺጾም ክኸዱ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእዩን። እቲ ዘይገርም ግን ናይ ሕሊና ተቓለስትን፣ ናይ በለጽ ኣጣቓዕትን ኣብ ዝኾነ እዋን ክስማምዑ ስለዘይክእሉ፣ ሐደ ሐደ ሰባት መፍትሒ ዝረኸብሉ ይመስል። እቶም ሰብ ሕሊና ንሕሊንኦም ኢሎም ስለዝቃለሱ፣ ነቶም ተበለጽቲ ግና ምስ ገንዘቦም ንቕድሚት ምምጻእ ኣብ ናይ ምዕቡል ዓድታት ቃልሲ ኣየሸገረን። እምብኣር ከስ ተስፋ ናብ ፍርሂ ብቐሊሉ ከምዝቕየር እዘን ክልተ ግጥሚ ክሕብራ ተስፋ እገብር።

 

“ጽባሕ ክርአ”

 

ደመና ዓጉጉ ጽሊሙ

ይነፍስ ንፋስ ሓይሉ

ሽውሽታ በዚሑ ድምጺ

ካብ ኩሉ መዳያት ከፋጺ

ማይ ግን ኣይሃረመን ገና

ኣይተርከሰን ኣይለምለመን መሬትና

ናብ ዓዱ ኣይወሓዘን ህዝብና

ምልኪ ጸልማት ብሓይሊ ከቀንጠጥና

ወጊሑ ክርአ ብርሃን ሓርነትና።

ምህራሙ ዘይተርፎ ደመና

ላዕሊ ኮይኑ ተሻቂልና

መሬት ነቒጻ ጠሚና

ፍትሒ ተረጊጻ ሓሚምና

ጽባሕ ንዝርአ ፍርድና

ሎሚ ህዝቢ ተሳቐየና

ደቂ ህዝቢ ሓቀኛታት ሲእና።

ማይ ክሃርም’ዩ ጽባሕ

መሬትና ክትትርክስ ለዋህ

አደ ምስ ወለደት ጀግና

ይኣክል ዝብል ንግፍዐኛ

መሰልና ዘኽብር ሓርበኛ

ክብርና ዘምልስ ቅኑዕ ዳኛ።

ከም ሓያል ነጎዳ በርቂ

ዝተጠንሰ አሎ ኣብ ሃገርና

ዘንጊ ፍትሒ ሒዙ ዝቖጽየልና

ንምልኪ ዝጉሑፍ ካብ ደምበና

ሃገርና ክትቀስን ክተሓቓቖፍ ህዝብና

ጽባሕ ክርአ ምዕባለ ዓወትና።

“ፈሪሀ”

ፈሪሀ ከም ሰብ

ልቢ ከም ዘለዎ ዝርህርህ

ፈሪሀ ተጨኒቐ ከም ሰብ

ኣእምሮ ከምዘለዎ ዝሐስብ

ፈሪሀ ተሻቒለ ከምሰብ

ከብዲ ከምዘለዎ ዝብቕቡቕ

ፈሪሀ ከም ጥዑይ ሰብ

ዝሓልይ ከምናቱ ንሰብ

ደልየ ካብ ጥልመት ክናገፍ

ልበይ ቀልበይ ከይተጨወ ብህግደፍ።

ህግደፍ ኣይረሰዐን ስርሑ

ነቶም ዓሻሹ ዝሕስዉ

ነቶም ብሕልሚ ዝስስዑ

ነቶም ኣብ ቀብሪ ዝስዕስዑ

ነቶም ብተስፋ ዝምግቦም

22 ዓመታት ሓሶት ዝቐለቦም

ትሑዛት ንብረቱ ዝውንኖም

ንዓቶም ደአ ! ! !

እንታይ ጊዜ ከጥፍኣሎም

ንእምኒ ሑጻ እንዳበሎም

ይድብሉ የመስግኑ መዋእሎም

ማዕበል ለውጢ መጺኡ ዝሓጽቦም

ምልኪ የምልኹ እምኒ ተሸኪሞም።

ንዓይ ግን ካልእ የፍርሃኒ

ዘይድህሰስ ዘይርኣይ ብዓይኒ

ንዓይ መሲሉ ዝስዕመኒ

ውጹዕ መሲሉ ዝሓንቀኒ

ኣለኹ እንዳበለ ዝጠልመኒ

ተዓጋሳይ ኮይነ ርእዩኒ

ሱቕ ምባል ሕሹኒ

ሕማቕ እንዳሰምዐ እዝኒ

ዝረኣኹዎ እንዳ ገረመኒ

ህግደፍ ይጠዋወ ከዘንጋዓኒ

ፈሪሀ ሶሊኹ ከይኣትወኒ።

ወዲቑ ክብሎ ክትንስእ

ተፈንፊኑ ክብሎ ክትካእ

ንዓይ መሲሉ ጸልኣየይ

መዝሚዙ ፈሊጡ ድለተይ

ክጻወት ክትስዕር ጋንታይ

ካፕተን መረጽናዮ መሳቱተይ

ዋንጫ ክወስዳ ንበይኑ

ብድኻምና ብዘረባ ኣእሚኑ

ፈሪሀ ኣእምሮና ኣዕወንዊኑ።

ሰለምን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 05/27/13”

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT