Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ሞት!! – ናይዝጊ፡ ናይ-ሰብ ዘይኮንካ ‘ሞ ከመይ ኢልካ እዩ ናይ-እዝጊ ዝኽወኖ?

ካልኣይ ህይወት ከምዘሎ ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ክዉንነት እምነቶም ብዘየገድስ፡ ትምኒቶም ኣብ መንግስተ ሰማያት ክሰምረሎም እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዝቐደመ ምድራዊ ህይወቶም ዘጽድቕ ተግባራት ክፍጽሙ ከምዘለዎም ሞራላዊ መሪሕ ስለዝኾኖም፡ ሰናይ ትምኒቶም ካብ ገዛእ-ርእሶም ሓሊፉ ንሕብረተሰብ ‘ውን ጠቓሚ እዩ።

ካልኣይ ህይወት ከምዘሎ ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ክዉንነት እምነቶም ብዘየገድስ፡ ትምኒቶም ኣብ መንግስተ ሰማያት ክሰምረሎም እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዝቐደመ ምድራዊ ህይወቶም ዘጽድቕ ተግባራት ክፍጽሙ ከምዘለዎም ሞራላዊ መሪሕ ስለዝኾኖም፡ ሰናይ ትምኒቶም ካብ ገዛእ-ርእሶም ሓሊፉ ንሕብረተሰብ ‘ውን ጠቓሚ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ገነት ከሕልፉዎ ዘለዎም ተስፋ ካልኣይ ህይወት ክሰምረሎም ጽቡቕ ድሌት እናገለጽካ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ህይወቶም ንሰላምን ቅሳነትን ዘለዎም ኣበርክቶ ካብ ምውዳስ ሓሊፍካ፡ ብዛዕባ ሓቅነት ሕልሞም ምምጓት ትርጉም የብሉን። ወዮ ኳ በዚሖም!

በንጻሩ፡ ነቲ ተራ ቀዳማይ ህይወት ከይረኸቡ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰይጣን ዝሰረሮም እኩያት ሰባት እዚኣቶም፡ ብደምን ገበንን ተቛማጢዖም መሰል ሰላማዊ ህይወት ውልቀሰባትን ህዝብን ብምዝራጎም ሞቶም ገና ብህይወቶም ከለዉ እዩ ዝጅምር። ናቶም’ሲ ዋጋ ኢዶም ምተባህለ፡ ኣብቶም ዝወረዶም ቤተሰቦም ዝገድፉዎ ሓዘንን ጓህን ግን ዝጽወር ኣይኮነን። ሓደ ካብዞም ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ድርብ ሞት፡ ናይቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ዝዓረፈ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ እዩ።

ናይዝጊ፡ ፈለማ በቲ እኩይ ኢሳይያስ እዩ ተቐቲሉ፡ ንኻልኣይ ግዜ ድማ ብኣምላኽ ሞይቱ። ከምቲ ቅድም ዝበልናዮ፡ እቶም ዝጸድቁ ጥራይ ኣይኮኑን ንሞሳ ጽቡቕ ተግባሮም ኣብ ሰማይ ዝጽበዩዎ፡ እቲ ኣድራሻ ሓጢኣን ዝኾነ ግሃነብ ‘ውን ኣድራሻኡ ኣብኡ እዩ። ኣምላኽ ግን፡ ንናይዝጊ ከይሞተ እዩ ክቐጽዖ ጀሚሩ። ብኣርባዕተ ዝዛኣረዩ ሕማማት ብጽኑዕ ተታሒዙ ሽዱሽተ ዓመት ከምዝተሳቐየ እዩ ዝንገረሉ። ንሰብ መቸም፡ ዋላ ብገበናቱ ኣመና እንተጸላእካዮ፡ ፍርዲ እምበር ሞት ኣይትምነየሉን ኢኻ። እንተኾነ፡ ነቶም ናይዝጊ ኣብ ክንዲ ኢሳይያስ ዘየናሕሰየሎም፡ ብጭካኒኡ ከምዝተሳቐዩ ዝንገረሎም ግዳያት ነዚ እምነት’ዚ ክንሰቝረሎም ኣይንኽእልን ኢና። ንፍርዲ ናይቲ ሕሹኽታ ኣውያት ግዳያት ሰሚዑ፡ “ናይሰብ ዘይኮንካ ናይዝጊ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ” ዝበሎ ኣቦይዝጊ ‘ውን ካብ ምቕባል ሓሊፍና እንብሎ የብልናን።

ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ገዲፍና፡ ክንምርምሮ ዝግባእ ሓደ ጉዳይ ግን፡ ነቲ ኣብ መንጎ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ናይዝጊ ክፍሉን ዝነበረ፡ ናይ ጎይታን ጊላን ገበናዊ ዕርክነት እዩ። ኩሉ’ቲ ናይዝጊ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ፈጺሙዎ ተባሂሉ ዝምረረሉ ጭካኔን ገበናትን፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ወይ ድማ ኢሳይያስ ከምዝፈትወሉ ገሚቱ ዝፈጸሞ እዩ። ስለዚ፡ ካብ ናይዝጊ ንላዕሊ ሓላፍነት ናይቲ ገበን ዝስከምን ዝሕተተሉን ኢሳይያስ እዩ። ነዚ ተገንዚቡ ድማ ኢዩ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኢዱ ደም ዝተጸየቐሉ ጊላ፡ ከም ኣመሉ ጠሊሙ፡ ኣብ ለንደን ምስ ሞተ ሬስኡ ናብ ኣስመራ ከይኣቱ ክሳብ’ዛ ሰዓት እዚኣ ከልኪሉዎ ዝርከብ። ኢሳይያስ፡ ሞቱ ኣብቲ መጋበርያኡ ዝኾነ ማዕከናት ዜናኡ ከይውረ ‘ውን ክሳብ ሕጂ ኣጊዱዎ ሎ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብ ስልጣኑ ዝቐረብ ዓርኪ ይኹን በተሰብ የብሉን። እዚ ድማ፡ ሞት ናይዝጊ፡ ኣብዚ ካብ ዝኾነ ነገር ኣብሊጹ ዝፈትዎ ስልጣን ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ዝወስዶ ዘሎ ተንኮለኛ ስጉምቲ እዩ። ሞት ናይዝጊ ኣብ ዜና ኣብ ዝውረየሉ፡ ሞት ናይዝጊ ሓመድ ኣዳም ኣብ ዝለብሰሉ ግዜ፡ መረረኡ ህዝባዊ ኣጀንዳ ሰማዕትን እኩባት ቀባሮን ስለዝኸውን፡ እሞ ድማ ስም ኢሳይያስን ገበናቱን ማዕረማዕሪኡ ክጥቀስ ስለዝኾነ’ዩ ኢሳይያስ፡ ሬስኡ ኣብ ለንደን ዓጊቱ ሞቱ ከረሳስዕ ድኹም ሜላ ዝፈታትን ዘሎ። ኣብ ሕብረተሰብና ሞት ረዚን እዩ፡ ብፍላይ ንቤተሰብ። ይኹን’ምበር፡ ነቶም ኣብ እዋን ሕማሙ ንዓመታት ክናብዩዎ ዝጸንሑ ቤተሰብ ካብ ሞቱ ንላዕሊ ከፊኡዎም ዘሎ፡ ነቲ ብህዝቢ ዝምረር ዘሎ ስጋኦም፡ ብኢሳይያስ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ንኣዳም-ገረሞ ጥልመት ኢሳይያስ እዩ። ሰብ፡ ንኮንዶም ኳ ተጠቒሙ ቆልዑ ከይጻወቱሉ ይቐብሮ፡ ይኽውሎ እዩ። እቲ ኢሳይያስ ንብሕትውና ስልጣኑ ዝተጠቕመሉ ናይዝጊ ግን፡ መቓብር ሓርበኛታትስ ይትረፍ፡ ሓመድ ድበ ዓደቦኡ ‘ውን ጨኒቑዎ ይርከብ ኣሎ። ንሞት ናይዝጊ ኣብዚ እዋን’ዚ ነልዕሎ ዘለና ድማ፡ ገበናቱ ክንጽብጽብ ዘይኮነ፡ ካልኦት መጋበርያ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኖም ኣብ ገበናት ዝቋማጥዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ይኹኑ ውልቀሰባት ካብዚ ፈጣጥ ሓቂ’ዚ ክመሃሩ መታን እዩ።

ብፍላይ ነቶም ንእኩይ ባህርያት ኢሳይያስ ካብ ማንም ንላዕሊ ዝፈልጡዎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ኩነታት ቀዳማይ ትምህርቲ ኣይኮነን። ሕስረት ናይዝጊ ንዓኣቶም ከምቲ ኣብ ኣጋ ፈተና ዝወሃብ መዘኻኸሪ፡ ድግማ እዩ። ከም ውዮ ሓደ ጽሓፋይ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዘቕረቦ ንኢሳይያስ ዘዋርድ ተኸታታሊ ጽሑፍ ዝጠቐሶ፡ “ኢሳይያስ ሓዊ እዩ፡ እንተቐረብካዮ መመሊሱ እዩ ዘንድደካ”። ግኒ ኢሳይያስ ግን ብዝነደደ ሬሳ ‘ውን ዝዕገስ ኣይኮነን፡ መወሰኽታ ኣለዎ። ታሪኽ ኣፍ ዘይብሎም ምውታን ምብልሻው፡ ምስ ሬሳ ምብኣስ ስርሑ እዩ። ኣብ ሜዳን መጀመርያ ናጽነትን ኣብ ቤትጽሕፈ ኢሳይያስ ዝሰርሕ ዝነበረ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ዓብደላ ዳውድ ንኣብነት፡ ነብሱ ከምዝቐተለ ንህዝቢ ንምእማን “ኣልኮሊዛቶ ገባእኩ” ዝብል ናይ ኑዛዜ ተዋስኦ ምሂዙ፡ ብድሕሪኡ ህይወቱ ኣብ ማዕከናት ዜና ከውርየሉ ሰሚዕና ኢና። ንሓደ ካብ ቀንዲ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ዝነበረ ተጋዳላይ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ከኣ “ካብ ኣስካላ ጸዲፉ ብድንገት ሞይቱ” ኢሉ፡ ከምቶም ካልኦት ዘይተመርመሩ ኣጠራጠርቲ ጥፍኣታት ብኽልተ መስመር ሻባይት ሸፊኑዎ ክሓልፍ ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ፡ ከም ብዓል ዓሊ ዓብዱ ብዝኣመሰሉ መሓዮታቱ ኣቢሉ፡ “ዋጋ መዓስ ነይሩዎ፡ ሰኽራም ‘ዩ፡ ኣብ ስሪኡ ክሸይን እንድዩ ጀሚሩ ነይሩ” ወዘተረፈ እናበለ ነቲ ብጅግንነት ዝተጋደለ ዕሉም ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ኳዕናን ሰብኣይ ናይ ምንእኣስ ወፍራ ፈንዩሉ ነይሩ። ይኹን ኣይኹን መቸም፡ ካብቲ ናይ ዓንደሚካኤል እኪታት ኢሳይያስ ብዘስዓቦ ብስጭትን ተስፋ ምቕራጽን ኮይኑ ዝበሉና ኣብ ገዛእ ስሬኻ ምሻን፡ እቲ ጽጋብን ስኽራንን ዒፍ ዝበሎ ኢሳይያስ ኣብ ነፍሲ እንዳማቱ ዝኽዕዎ ዘሎ ሽንቲ ኣጸቢቑ ይኸፍእ። ብዝኾነ ኢሳይያስን ተለኣኣኽቱን፡ ነገር ሸፊንካ ምሕላፍ፡ ነቲ ጥርጠራ መሊሱ ከግድዶ ከምዝኽእል ስለዝተገንዘቡ ግምጥል ኢሎም፡ ንቐብሩ ከወዓውዑዎን ወግዓዊ ከምስሉዎን ተራእዮም። ሞቱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስለዝነበረ ቀብሪ ስለዘይተርፎ ኣማራጺ ‘ውን ኣይነበሮምን።

ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ዝመውት ሰለስተ ሰሙን ገይሩ፡ ብሰንኪ እገዳ ሬሳኡ ብኢሳይያስ ንመብጽሒ ሬሳ ዝተቖርጸ ናይ ኣየር ትኬት ሓሪሩ፡ ናብ መስንሒ ሬሳ ተመሊሱ ስለዘሎ፡ ጥልመታዊ ግብረመልሲ ኢሳይያስ ድሮ ተጋሂዱ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘይምቕባሩ ዝኸፍኤ ትሒምሒም ከየምጽኣሎም እንተሰጊኦም ጥራይ እዮም ህግደፍ ንሬስኡ ናብ ዓዲ ክኸይድ ዘፍቅዱሉ። ንስጉምቶም ከመኽንዩ፡ ከምቲ ናይ ዓብደላ ዳውድን ዓንደሚካኤልን ብኣብነት ዝጠቐስናዮ፡ “ገንዘብ ሰሪቑ ነይሩ፡ ብመንግስቲ ዝድለ ዝነበረ ገበነኛ እዩ” ኢሎም፡ በቶም ከይተመራመሩ፡ ዝተዋህቦም ጾር-ወረ ጎሲሶም ገዛ ገዛ ዘበጻጽሑ ደገፍቶም ዘመተ ከካይዱሉ ምዃኖም ድማ ፍሉጥ እዩ። ድሮ ‘ኳ ገጽ ኢሳይያስን ናይቲ ኣብ ሳሕል ንዘስክዖ መኸተ ኣብ ለንደን “መኸተ” ክብል ሰብ ኣጽሚሙ ዘሎ፡ ንበራኽን ቢተወደድን ከይተረፈ ዝጠለመ፡ መጋበርያ ልኡኽ ሰይጣን ዝኾነ ኣምባሳደሩን ርእዮም፡ እግሮም ካብ ምብጻሕ ክስሕቡ ጀሚሮም ከምዘለዉ ‘ውን ይስማዕ ኣሎ።

ንደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ሃለዋት ሬሳ ናይቲ ታሪኽ ተወፋይነቱ ንናጽነት ኤርትራ ኮሊፉ ዋና መሳርሒ ወፍሪ ጽሕያ ንጹሃን ኤርትራውያን ምዃን ዝመረጸ ናይዝጊ፡ ዛንታ ናይቲ ስለ ህዝቡ ኣብ ኤርትራ ብወለንታ ምግዳሉ፡ ኣብ ካናዳ፡ ጠንቂ መንፈግቲ ዑቕባኡ ኮይኑዎ፡ ናብ ኤርትራ ካብ ዝምለስ ህይወተይ ምሕላፍ ይሕሸኒ ኢሉ ኣብ በረድ ሃሊፋክስ ዝተሓንቀ ሃብቶም ክብረኣብ እዩ ዘገድሶምን ዘንብዖምን። እወ እቲ መሪር ዛንታ ናይቲ፡ ብተግባራት’ቶም ኣብ ገድሊ ንእስነቱ መጽዮም፡ ኣብ ናጽነት ናብ ስደት ሃጽ ዘበሉዎ ኢሳያስን ናይዝግን ኣስካሕኪሑ፡ ምስ ሬስኡ ምቅላስ ‘ውን ከምዘይሓድጉ ተገንዚቡ፡ ኣብ ቅንጣብ ወረቐት፡ “ሬሳይ ናብ ኤርትራ ከይትመልሱዎ፡ ሓዊ ኣቃጽሉዎ” ክብል ንስድራቤቱ ለበዋ ዝገደፈ መንእሰይ ተጋዳላይ!

ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኣትዩ ናብ ኤርትራ ዝነቐለ ናይዝጊ፡ ናብ መጽንሒ ሬሳ ተመሊሱ ኣብ ፍሪጅ ክቕመጥ ከሎ፡ ንቤተሰቡ መሪር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ክንዲ ከም ናይ ናይዝጊ ክልተ ሞት፡ ሓደ ሞት ይግበረሎም። ነቲ ብህይወቱ ዝተቐጽዐ ናይዝጊ ብቐንዱ ግን መለሳ የብሉን፡ ኣይክፍለጦን እዩ። ህግደፍ ምስ ሬሳ ብምቅላሱ፡ ኣሬሜንነቱ ጥራይ እዩ መሊሱ ዘቃልዕ ዘሎ። ኪኖ ዝኾነ ይኹን ወገን ነዚ ምረት’ዚ ክካፈሉዎ ዘለዎም እምብኣር፡ እቶም ተመሳሳሊ ዕጫ ዝጽበዮም ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ኢሳይያስ ኢዶም ደም ምጽያቕ ስኽፍ ዘይብሎም፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ደቂ ዓዶምን ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ፡ ንሃብቶምን ዓሰርተታት ኣሽሓት ካልኦት ኤርትራውያንን ኣብ ዓድን ግዳምን ዘበሳብሱ፡ ሽዩጣት ሕልና እዮም። ስለ ህዝብኻ ሞት ዕረፍቲ፡ ኣብ ገበናዊ ኣገልግሎት ከም ብዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ዓመጽትን ቀተልትን ሞት ግን ዋላ ድሕሪ ህይወት ዕረፍቲ ዝኸልእ ሞት ከልቢ እዩ። እዞም ታኒካ ናይቲ ሰታዪ ደም ዝኾነ ኢሳይያስ ብምዃን ብተግባሮም እናባህረሩ ዝነብሩ ዘለዉ ነብሰገዳያት እምብኣር፡ መዓልቲ ሕስረቶም ከይኣኸለት፡ ነብሶም ኣንጺሆም ንህዝቦም ጽሩይ ማይ ከስትዩ ክቀዳደሙ ኣለዎም። ዘይወግሕ ለይቲ የልቦን’ሞ፡ ጽባሕ መሬት ብብርሃኑ ከይጽልምቶም ዓይኖም ከንቁሑ ኣእምሮኦም ከንቅሑ፡ ልብን ሕልናን ክገብሩ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣማኑኤል ኢያሱ

20 ለካቲት 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
77 COMMENTS
  • Hagos February 23, 2012

    Naizgi came to London to find Peace rather than in Eritrea but, he did not get right peace In UK. Please buried him in UK. He might get peace in London. Let him rest in London don’t insist him to go Eritrea. He already hate our country. Why he like it to rest in Eritrea? why not while he was alive? whynot people like Amanuel insist him to go back to Eritrea while he was in life. Why he used to use him as an evidence of ‘a man of change?’ what is the secret behind this tragedy? Just mind you people stand to Eritrea to get a right in Eritrea. Amanuel, time is to come people to see your dead body. You will not get a chance to see Eritrea in life and after death.
    thank you

1 3 4 5

POST A COMMENT