Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ተዓዘብቲ ሰላማዊ ሰልፍ ጀነቫን ፈስቲቫላት ፍራንክፈርትን ካስልን

ኣንጻር ጕጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብብዝሒ ተኣኪብና ማለት‘ዶ፡ ዓወት ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ የጸውዖ፧ ካብዚ ሕቶ‘ዚ ብምብጋስ ገለ ትዕዝብተይ ክብል፥ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ተኻፊለ፡ ኣብ ናይ ፍራክፈርትን ካስልን ዝተገብሩ ፈስቲቫላት ውን ተኻፊለ፥ ነቶም ዝነበሩ ፕሮግራማትን ሃዋህውን ውን፡ ብዓቕመይ ብግቡእ

ኣንጻር ጕጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብብዝሒ ተኣኪብና ማለት‘ዶ፡ ዓወት ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ የጸውዖ፧

ካብዚ ሕቶ‘ዚ ብምብጋስ ገለ ትዕዝብተይ ክብል፥

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ተኻፊለ፡ ኣብ ናይ ፍራክፈርትን ካስልን ዝተገብሩ ፈስቲቫላት ውን ተኻፊለ፥ ነቶም ዝነበሩ ፕሮግራማትን ሃዋህውን ውን፡ ብዓቕመይ ብግቡእ ክከታተሎ ፈቲነ።

ነቲ ኣብ ጀነቭ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቲ መብዛሕትኡ ኣብኡ ዝተኻፈለ፡ ከም ዓቢ ዓወት ዝነበሮ ገይሩ እዩ ዝግለጽ። ብኣረዳድኣይ ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ኤሮጳ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር እቲ ጨካን ኣረሚናዊ መግዛእቲ ናይ ጋንታ ዓዋሉ፡ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ከም ዝነበሮን፡ ኣንጻሩ ክቃወም ድልው ምዃኑን ኣጕሊሑ እዩ፣ ይዅን እምበር፡ ነዚ ናብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ለዊጡ ናብ ድልዱል ቃልሲ ክመርሑ ዝኽእሉ ባእታታት ከጕሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ንጨኳኒ ስርዓት ምሕዩ፡ ናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተኽሊ ኣይተኸለን። ስለዚ ናይ ጸላኢ ጸላእየይ‘ሲ ፈታውየይ ጥራይ እዩ ነይሩ ዝመስል። ኣነ ንነብሰይ ውን፡ ከም ውልቀሰብ እየ ተኻፊለ። ነዞም ረኸብቲ ምጾታት ደቅና፡ ኣብዚ ናይ ሰላም ኵርናዕ ዝዀነ ኤሮጳ፡ ናይ መንበሪ ንምርካብ ዕድል እንተ ሓገዞም ብማለት ከኣ እየ ኣብኡ ዝተኻፈልኩ።

ኣብቶም ፈስቲቫላት ናይ ፍራንክፈርትን ናይ ካስልን ውን ተኻፊለ፣ ብዓቕመይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መከራ ንምንጋፍ ትሕዝቶ እንተ ኣለዎም፡ ብዝብል ኣቕዋም ክከታተሎም ፈቲነ እየ።

እዞም ዝተጠቕሱ ሰቲቫላት እዚኦም፡ ዋላ‘ኳ ኣብ መብዛሕትኡ ትሕዝትኦም ከምቶም ዝሓለፉ እንተ መሰሉ፣ ሓድሽ ናይ ተስፋ ብቝልስ ነይርዎም ይመስሉ። ብወገነይ ካብ ፈስቲቫል ዝብል ስም ካልእ ስም እንተ ዝወሃቦም ደዀን ምሓሸ፥ ዝብል ሓሳባት ውን ኣሎኒ። ንኣብነት ከም ዘተ ብሃገራዊ ጕዳይ፣ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ፣ ከመይሲ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ብጕዳይ ሃገርና ማለት  ህዝብና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ፈስታ ብዝጽዋዕ ምትእኽኻብ  መስቲ ብኵነታትና ኣይቃዶን እዩ። ንሕና ናይ ጥምየት ደሞንስትረሽን እንገብረሉን፡ ወዮ እንብለሉን፡ በብዘለናዮ ክፍለ-ዓለማትን ሃገራትን ከተማታትን፡ ስሩዕ ሰላማዊ ሰልፊ እንገብረሉን፡ ብስሩዕ ኣኼባታት በቲ ወሪዱና ዘሎ እንመኻኸረሉ፣ ነዚ ምንቅስቓስ ድማ ብኸመይ ነማእክሎ፡ እንሓስበሉን እዩ ክኸውን ዝግብኦ። ግን ይቕሬታ ደረት ጥሒሰ ከይከውን። ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፣ እቶም ፈስቲቫላት ከም ናይ ቀደሞም ዘምስሎም፣ እቲ መብዛሕትኡ ተኻፋላይ ፈስቲቫል፡ ካብ ኣብቲ ትሕዝቶ ፈስቲቫል ዝያዳ ኣብ ናይ ናፍቖቱ ናይ ምውጻእ፡ ብናይ ቀደም ከዕልልን ክተሓታተትን ዝያዳ ተገዳስነት ዘለዎ ይመስል እሞ፡ እቲ መዓልቲ፡ ዝያዳ መዓልቲ ንግደት ኰይኑ ይስምዓካ፥ በዚ ድማ ነቲ ፈስቲቫል ዝብል መጸዊዕኡ፡ ቅኑዕ የምስሎ። ኣብቲ ኣድላዪ መግለጺ ዝወሃበሉ ሰዓት፡ እቲ ህዝቢ ተሃንጥዩ ኣብ ግዝዩኡ ዘይርከብ፡ ወይ ውን ሓያሎ ኣብኡ ተገዳስነት ስለ ዘይብሎም ኣብቲ ደገ ክትርእዮም፡ ነዚ ኣዋጣሪ ኵነታት ሃገር ክሳብ ክንድዚ ብኸቢድ ኣይርእይዎን ማለት ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ውን ይመጸካ እዩ።

እቲ ቍሩብ ሓድሽ ተስፋ ደዀን ኣሎ እዩ ዘብለካ ከኣ፡ እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ፓርትታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓደ ኮፍ ኢሎም ክትርእዮም፡ ሕጂ ብሓንሳብ ኮፍ ካብ በሉስ፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቶምን ጌጋታት ደገፍቶምን፡ ተማሂሮም፡ ጽባሕ ደኾን ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ሓደ ዕላማ ይጽመዱ! ዝብል ናይ ተስፋ ሓሳባት ይመጸካ። ብፍላይ እቶም ገለ ባእታታት መሪሕነት፣ ንሕና ናይ ፕሮግራም ፍልልይ የብልናን፡ ናይ ዝለዓለ ቦታ ኣነ ሓዝኩ እምበር፣ ከምኡ ውን፡ ንሕና ኣብ ክንዲ ጥቕሚ ህዝቢ ጥቕሚ ፓርትና ኢና ቅድሚት ሰሪዕና፥ ዝኣመሰሉ ክትሰምዕ ከለኻ፣ ነዞም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ነቲ ድኽመት ተቢዖም ክዉን ሓበሬታ ዝሃቡ ባእታታት መሪሕነት፡  ብሓቂ መጐስ ዝግብኦም እዩ፣ በሃላይ እየ። ኣብ ከምዚ እዋን ድማ፡ እቶም ተራ ኣባላት ናይተን ዝተፈላለያ ፓርትታትን ጕጅለታትን፡ እጃሞም ክጻወቱ ከም ዝግብኦም፡ ክግንዘቡ ይግባእ፣ ከመይ‘ሲ ሓይሊ ምስ ብዙሓት ስለ ዝዀነ። ኣብቲ ናይ ፍራንክፈርት ዝተገብረ ፈስቲቫል፡ ብትምህርቲ ብስለት ዘለወን\ዎም ዝመስለን ሕቶታት ከቕርባ ኣብ ፕሮግራም ኣእትዮም ምፍቃዶም፡ ዓቢ ኣርኣያን ሓዲሽ ተስፋ ዝህብ ብቝልን እዩ፡ ዝብል ኣተሓሳስባ መጸኒ። ሕብረተሰብና ዝተፈላለዩ፡ ዝጸንሑን ጌና ዝቕጽሉ ዘለዉን ገማማዕቲ፡  ብጀካ ብትሒም-ትሒምን ብኢንተርነትን ፓልቶክን መሰልቲ እምበር፡ ጌና ከም ወድዓዊ ኣርእስቲ ጌሩ ተዘሪብሎም ወረ ዓው ኢሉ ኣብ እኼባ ብግቡእ ከልዕሎም ዘይደፍር ዓንቀፍቲ ፍልልያት ከም ዘለውዎ ዘይፈልጥ የልቦን። ሕጂ ድማ ምሁራት ዝሕመይሉን፡ ወለዲ ብሓፈሻ ደርብዮማ ዝበሃልሉን፣ መንእሰያት ምቅላስ ኣብዮም ዝኣመሉን ወዘተ፡ ነቶም ናይ ቀደም ይውሰኽዎም ኣለዉ። ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ሓደ መንእሰይ ዝበሎ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበርና ሰሚዕናዮ ኢና። ንሱ ብመሰረት ናይታ ብኣቦታቱ ዝመጸት ኤርትራ ምስ ኵነታት ህይወቱ ብምዝማድ ይዛረብ ስለ ዘሎ፡ ሓቁ እዩ። ቀደም ውን ንሕና ንወለድና፡ ብተመሳሳሊ ከምዚ ንምንታይ ገበሩ እንብሎም ኣይሰኣነናን እዩ። እዚ ንሓድሕድካ በብጕጅለኻ ምክሳስ ምብዛሕ ግን፡ ናብ ሽግርና ክንፈትሓሉ ዘይንኽእል ኵነታት ጥራይ እዩ ዘእትወና። ስለዚ እቶም ወለዲ፡ እታ ዝተቓለስናላ ሃገርና፡ ንሕና ዘይንምለሳ፥ ንደቅና ድማ ክሳብ ክንድዚ እሾኽ መርገም ኰይናቶም ዝሕሰምዋስ፡ እቲ ጠንቂ እንታይ እዩ፧  እቶም ውላድና ውን፡ እዞም ኣቦታትናን ኣዴታትናን እዚ ኵሉ ንናጽነትን መስለን ረብሓን ሃገሮም ኢሎም ተጋዲሎም-ጠምዮም- ጸሚኦም- ሃሊኾም- ተሰዊኦም- ሰንኪሎም-ተኣሲሮም፣ ብሓፈሻኡ ህዝቢ ክንደይ መስዋእቲ ዝኸፈለላስ፣ ንምንታይ ከምዚ ኰይናቶም፧ ክሳብ መዓስከ ከምዚ ክቕጽል እዩ፧ ዘርኢ ምድሪ ኰንና፡ ፋሕ ኢልና ኣሰርና ክጠፍእ ድዩ፧ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ብርጡብ ክሓቱን፡ ነዚ መልሲ መፍትሒ ክሓስቡን ክረኽቡን፡ እዋኑ ሕጂ እዩ፡ እናበልኩ ይላበዎም። ካብ ጌጋ ኣቦታትኩም ተማሂርኩም መፍትሒ ርኸቡ እምበር፡ ንመኽሰሲ ኣይትጠቐምሎም። ሃይማኖታዊ-ኣውራጃዊ-ዓሌታዊ-ወዘተ ፍልልያት ኣለዉ‘ዶ፧ እንተ ኣልዮም፡ ኣብ ህይወትና፡ ኣወንታዊ ጽልዋኦም ዶ ወይሲ ኣሉታዊ ጽልዋኦም ይበዝሕ፧ ዝኣመሰሉ ኣርእስቲታት ክቐርቡን ክብርበሩን ይግባእ። መንእሰያት ኵሉ ትሕዝቶ ሕብረተሰብ ሃገርኩም ንምፍላጥ እንተ ጽዒርኩም፣ ብርግጽ ነቲ ናብዚ ኵነታት ኣውዲቑና ዘሎ ክንጽረልኩምን፣ ቃልስኹም ከቃልለልኩምን፡ ሽግርኩምን ሽግር ህዝብኹምን ድማ ብዝቐልጠፈን ዝቐለለን ንምፍታሕ ከኽእለኩም እዩ። በዚ ነቲ ኣብ ፈቀዶ ኵርናዕ ዓለም ጸግዒ ዘይብሉ፡ መላገጺ ባርባራውያን ኰይኑ ዘሎ ህዝብኹም፡ ጮራ ተስፋ ከም እተምጽእሉን፣ ህዝብኹም ውን፡ ከም ደቂ እስራኤል ካብ ምጽናት ከም እተድሕንዎ ዘማትእ ኣይኰነን። ከም ወለድኹም መውረስቲ መከራ ከይትዀኑ ተበራበሩ።

ሓደ ሕልናይ ዝተንከፈኒ ከኣ፡ እተን ኣዴታት ኣብ ካስል፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት፣ ንሕና ከም ኣዴታት መጠን ክትሰምሩ ንምሕጸነኩም ኢለን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕቲ ፓርትታትን ጋንታታትን ጠጠው ምስ በላ እዩ። እዚ ናይ ዓቕሊ ጽበት ንሳተን ዝገበርኦ፡ ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ኣንስቲ ናይ እቶም መራሒቲ መንግስቲ ከንያ፡ ነቲ ሕማቕ ተግባራቶም ኣብ ህዝቢ ዝሓላልኽዎ ዝነበሩ፡ እንተ ዘይኣቋሪጾሞ፡ ምስኣቶም ጾታዊ ርክብ ከይንገብር ኢለን ዝኣተወኦ ውዕል ኣዘኻኺሩኒ። ዓቕሉ ዝጸበቦ እንታይ ዘይገብር!

ሓሳበይ በቶም ናይ ስምረት ትምኒትን፡ ናይ ጀነቭ ሰላማዊ ሰልፊ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ነይሩን ዝብሉ ቃላት ክዛዝሞ፥
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ጻማ ብናይ ኣሽሓት መቕዘፍትን ሓሳረ-መከራን ዘምጽኦ ስማዊ ናጽነት፡  ብጠላማት ጕጅለ ህግደፍ ከም ዝተመንጠለ ተረዲኡስ፡ ልቡ ካብዚ ጠላሚኡ ጕጅለ ኣርሒቑ፡ እዩ። ስለዚ እዚ ጕጅለ ዓዋሉ ምንም ደገፍ ህዝቢ የብሉን። ይዅን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጕጅለ ዓዋሉ ሓራ ክወጽእ እንተዀይኑ፡ ብመብዛሕትኡ ህዝቢ ተኣማንነት ዘለዎ ፓርቲ ክጐልሕ ኣለዎ። ነዚ ድማ ክልተ መንገዲ ዘለዋ ኰይኑ ይስምዓኒ፥

እታ ቀዳመይቲ፥ እቶም መራሕቲ ፓርትታት ንኣምስሉ ዘይኰነስ፡ ብልቢ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ሰሪዖም፡ ብፕሮግራም ሓደ ኰይኖም  ብልቢ ተኣማሚኖም ክሰርሑ ኣለዎም። እታ ዝቐለለትን ዝበለጸትን እዚኣ እኳ እንተዀነት፡ ብመሰረት  ናይ ዳርጋ ስሳ ዓመት ናይ ተሞክሮ ቃልሲና ምስ ባህሪ መራሕቲ ቃልስና፡ እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ፈጺሙ ዘይመል እዩ።

እታ ካልኣይቲ ድማ፥ እቲ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ፣ ነቶም ናብዚ ኣውዲቖሞ ዘለዉ ሕማማት ኣነጺሩ ፈሊጡ፡ ነዞም ሕማማት እዚኦም ብውሕሉል ዘነጽሩን፡ ዝፍውሱን፡ ዓቕምን ተወፋይነትን ዘለዎም ባእታታት ካብ ማእከሉ ኣለልዩ፡ ነቲ ዕማም ስራሕ ክህቦምን ክድግፎምን ኣለዎ። እዚኣ እታ ዝኸበደትን ግዜ ዘድልያን እያ። ካልኦት ካብዚ ንላዕሊ ዝበለጸ ሓሳባት ከም ዘለዎም ውን እኣምን እየ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ተበግሶታት እንተ ዘይተገይሮም ግን፡ ሰሚርና ሽግርና ክንፈትሕ እናተመነና፡ እቶም ዓበይቲ ካብ ዓለም ክንፍለ ኢና፣ እቶም ውላድና ድማ ዘርምዘርሞ መላገጺ ዘይፈልጥዎም ባርባራውያን ኰይኖም ክተርፉ እዮም። ስለዚ እቲ ጕዳይ „ብኣፋን ትብሎ፡ ብግብርን ዘይትኽእሎ“፥ ኰይንና ክተርፍ እዩ።

ጻማ! ነቶም ስለ ናጽነትን ሓርነትን፣ ንህዝቦም-ውሉዶምን-ስድራቤቶምን፣ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ዝጸምኡን ዝጠመዩን ዝደኸሙን ብሓፈሻ!

ሓርነት! ነቲ ንናጽነትን ንሓርነትን ንራህዋን ብገሃንበ እሳት መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ካልኦት ጓኖትን ዘሕለፈ፡ ብሃንደበት ናብ ዝበኣሰ ጨፋልቒ ስርዓት ስለ ዝኣተወ፡ ጌና ሓርነቱ ንምርካ ሃረር እንዳበለ ዝሰሓግ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ።

 

ምስጋና ዘካርያስ ካስል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT