Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እጅገኻ ሰብስብ ሕልናኻ ኣጣናኽር ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ( ልሳን ህዝቢ)፡፡

ንነዊሕ እዋን  ዕብዳን ዉልቀ መላኺን  ጥፍሽና ሰዓብቱን ንምቅላዕ ደኺምካ ጽዒርካ ንህዝብኻ ክትጥርንፍ ብዘይ ዕረፍቲ ጎይኻ እንሆ ድማ ጸላኢኻን ክሓቅቕ ህዝብኻን ክስስን ጸላእትኻ  ዛሕዛሕ ክብሉ ህዝብኻን ክተኣኻኸብ ንዘተ  ክዳሎን ትዕዘብ ። እዚ ፍረ ጻዕርኻ ምኻኑ ማንም

ንነዊሕ እዋን  ዕብዳን ዉልቀ መላኺን  ጥፍሽና ሰዓብቱን ንምቅላዕ ደኺምካ ጽዒርካ ንህዝብኻ ክትጥርንፍ ብዘይ ዕረፍቲ ጎይኻ እንሆ ድማ ጸላኢኻን ክሓቅቕ ህዝብኻን ክስስን ጸላእትኻ  ዛሕዛሕ ክብሉ ህዝብኻን ክተኣኻኸብ ንዘተ  ክዳሎን ትዕዘብ ። እዚ ፍረ ጻዕርኻ ምኻኑ ማንም ኣይስሕቶን ንስኻዉን ብሞያኻ ከም ትሕበን ኣይጠራጠርን ፡አብዚ ንዘብጻሕካዮ ጉዳይ ሃገር እናመስገንኩ ንሓንቲ ዓባይ ቅላዕ እጅገኻ ክትስብስብ ኣእምሮኻ ክትስሕል ሞያኻ ብዝተዓጻጸፈ ከተድምቖ ተዳሎ ክብለካ ግን  ይፈቱ።

ሓበን ሃገር ኤርትራዊ  ጋዘጠኛ   //// አብዘሎኻ ሃሊኻ/// ነቲ ብሂወቱ እንከሎ ልሳኑ ዝተቖለፈ ነቲ ክምድር ዓቕሚ እናሃለዎ ባይታ ዝሰኣነ በቲ በይኑ ዝምጉት ምኹን ስርዓት ምዕጉ በጨቕ ከየብል ተለጉሙ ዝጸንሐ መፍትሕ  ምሂዝካሉ ተዓጺፋ ዝነበረት ልሳኑ ማይ ኣተርኪስካ ብልሓ ከተምልስ ንበላሕቲ ክትጥርንፍ  ዘኽኣልካያ ብሉጽ ወዲ ሃገር ፡ ደረት ትርኢት ዓወት እዛ ዝኾስኮስካያ ጉባኤ ምኻና ኣይትዝንግዖን ኢኻ ዉጺእታ ዕሙርን  ናይ መከራና ዛዛምን ክኾነልና እዉን ሃንቀዉታኻ እዩ ፡ እንተኾነ ሕጂ ካብዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ትኩርነትካ ስለዝሓትት ነቶም ሰብ ሕማቕ ትምኒትን ተንኮለኛታትን ተጻባእትን ንምምሓዉ ከምቀደምካ ወረጦ ክትከዉን ከምቀደምካ ሴፍ ክትከዉን ከተቃልዖምን ጥርሖም ከተትርፎምን ብርዕኻ ኽትስሕላ ክላበወካ ግዴታ ይስምዓኒ ። ሓደ እንጽበዮ ግሁድ ጉዳይ ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን ካልኦት ተጻባእቲ ግዳም-ሓደር ዕሱባት ልኢኾም ንባይቶና  ዘራጊቶ ከእትዉላ ክሓልሙ ይኽእሉ እዮም፡ ኣይትሕለሙ ኣብክንዲ ምባል ግና ንሕልሞም ሰልሚ ኣዳሊኻ ምጽናሕ ብልሕን ጅግንነትንዩሞ ንዓኻን ከማኻን ይሓድጎ።

ክቡር ኤርትራዊ ጋዜጠኛ /// ብሳላኻ ዓለም ንጉዳይና አቓልቦ ሂባ ትከታተለሉ አብዘላ እዋን ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ በዓል ጉዳይ ንስኻ ኢኻ፡ ካልኦት ተዓዘብትን ዕዱማትን ጋኖትን እዮም፡ ኣብቲ ጉዳይና ንስኻ ወደባት ቀላሳይ ክትከዉን ንሕና ንሕልናኻ ከነስንቕ ግቡእ ቦታና እዩ ፡ ሽሕ እካ አብ መላእ ዓለም ፋሕ እንተበልና  አተሓሳስባና  እትጥርንፍን እተወሃህድን ንስኻ  እሙን ወደባት ኢኻሞ  ቀልስ። ካብቲ ዝሓለፈ ተሞክሮኻ ዝተገንዘብናዮ  ዘሐብን ሞያን ዝተጻወትካዮ ዕዙዝ ግደን  ተበጊስና ትኣምኖ ልኢኽካስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል ከምዝበሃል ሓደ ኢድ ኮንካ በቲ ልዙብ ዘይሰዓር ድምጽኻ ንኹሉ ማእዝኑ አትሕዞ ።ነታ ሓቅን ፍቕርን ተኸላኸለላን ዋልታ ኩነላን።ንሓሶትን ቅጥፈትን ጽልእን ቅርሕንትን ብገዚፍ ሞደሻ ደርዕማ። ደሊኻን መሚኻን  ብወረጦ ቀንጥባ ። ናብ ቃልዕ ኣዉጻኣያ። ነቶም መሃዝታን ሃንደስታን ከም ንዳድ ወረቐት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከምዝኾኑ ግበሮም። ስንቅኻን ዕጥቅኻን ካብህዝብኻዩ ድምብርጽ አይበልካ  ጻማኻ መስተርሆት ህዝብኻ እዩሞ  ዕጥቅኻ ኣደልድል ናብቲ ዘምሕረልካ ዓዉዲ ድማ ተበገስ  ወትሩ ዕዉት ኢኻሞ  ኣብ ዓወት  የራኽበና።

ዓወትን  ሞጎስን ንኮምሽን ዋዕላን ተሓባበርቱን።

ሞጎስ  ታኺታ    ኦሃዮ ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Semhar November 18, 2011

    SHAME ON US!
    To let one mercenary destroy our land, our people and our culture.

    SHME ON US!
    To let one mercenary dissolve our heroic national liberation fronts
    ELF 1980, EPLF 1993.

    SHME ON US!
    To let one mercenary turn us against one another and against all our neighbors, Ethiopia, Sudan, Djibouti, Somalia and Yemen.

    SHME ON US!
    To let the dictator kill our heroes, our disable veterans, jail our parents and our religion leaders and members.

    The dictator must go!
    – His boss (Mubarak of Egypt) is thrown out of power in jail.
    – His adored brother (Gaddafi) was killed like a rat.
    – The international community’s talking peace and carrying big stick [sanctions] is having an effect.
    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself – that it needs to be overthrown.
    We must apply
    TUNISIA style
    or
    LIBYA style!
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in ERITREA!

POST A COMMENT