Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ለበዋ ንህዝቢ ኤርትራ

ዕለት፥ 05/06/19   እዋናዊ ለበዋ ንህዝቢ ኤርትራ   ዝኸበርኩም ኣባላት ማዕከን ሓቂ፡ ኣነ’ኳ ሰማዒ እምበር ተሳታፊ ቴለቪዥን ኣሰና ክኸውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ተሳታፊ ክኸውን ዝድርኽ ኩነት ስለ ዝገጠመኒ፡ ብመገዲ እዛ መልእኽቲ ገለ ከበርክት ሕልናይ ደሪኹኒ ይርከብ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ሰዓቱ

ዕለት፥ 05/06/19

 

እዋናዊ ለበዋ ንህዝቢ ኤርትራ

 

ዝኸበርኩም ኣባላት ማዕከን ሓቂ፡ ኣነ’ኳ ሰማዒ እምበር ተሳታፊ ቴለቪዥን ኣሰና ክኸውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ተሳታፊ ክኸውን ዝድርኽ ኩነት ስለ ዝገጠመኒ፡ ብመገዲ እዛ መልእኽቲ ገለ ከበርክት ሕልናይ ደሪኹኒ ይርከብ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ሰዓቱ ኣኺሉ ህዝብና ንእንታይነት ህግደፍ ኣጸቢቁ ብምፍላጡን ጉዱ ብምቅልዑን ዓቅሉ ዝጸበቦ ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ኣቀዲሙ ዝተኻየደ ዕጹው ናይ ምጉብዕባዕ ኣኼባ እምባትካላ፡ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ክውሰድ ተሪር ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ ምንባሩ ብቴለቪዥን ኣሰና ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። እንተ ኾነ ግን ፈተን ሃድን ምንቅስቃሳት ሕጂ’ውን ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብዚ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ተጓሃሂርሉ ዘሎ ውዱእ ሰዓት ግን ገለ ብሕሱር ሓለፋ ረብሓታት ዝተታለሉ ይኹን ገለ’ውን ስኣን ጎደሎ ንቅሓቶም፡ ምስ’ዚ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይፍርከሽ ዝብሃል ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓት ተጸጊዖም ህዝቦም ንምድማይ ተዋፊሮም ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ድሮ ጽንብል 24 ግንቦት ዘጋጠመና ፍጻሜ’ውን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘጉልሕ። ሓሙስ ምሸት – ድሮ ጽንብል በዓል ናጽነት ምዃኑ’ዩ – (ንድሕነተና ክንብል ቦታ ፍጻሜ እኳ ክንጠቅሶ ፍቃደኛ እንተ ዘይኮንና) ከባቢ ስዓት 10 ናይ ምሸት ረድዮ ርክብ ሒዝና፡ በብጉጅለ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ምስ ሳልሳይ ርእሰይ ተዋፊርና እንከለና፡ መራኸቢት ረድዮ ኣብ ጁባይ ከእቱ ዝራኣየትኒ ሓንቲ ሰበይቲ ብፍጥነት ናባና ብምቅራብ፡ “ደስ ዘይበሉኒ 4 መንእሰያት፡ ሓደ ካብኦም ድማ ሌዘር ጃኬት ዝገበረ፡ ቦርሳ ኣብ መንግኦም ሒዞም ናባኹም እንዳ ጠመቱ፡ ናብዛ ገፋሕ ካንሸሎ ኣትዮም” ክትብል ሓበረትኒ። እዛ ኣብ ከባቢ 60ታት እትርከብ ሰበይቲ ዘረብኣ ብምቅጻል፡ “ምስ ኣስተውዓልኩሎም ንኸምስሉ ጽቡቅ ሰላምታ ኣርእዮምኒ ማዕጾ ከፊቶም ኣተዉ። ሓደ ግን ኩነታተይ ክፈልጥ ኣብ ኣፍ-ደገ ሽጋራ ወሊዑ ደው ኢሉ ገዲፈዮ” በለትና።

ነሓድሕድና ተጠማሚትና በዒንትና ብምርድዳእ፡ ናይታ ሰበይቲ ምሉእ ኣድራሻ ብምውሳድ ኣፋነናያ። ጉዳመኛ ሰበይቲ ግን ብየዒንታ ተሰንየና ስለ ዝነበረት፡ ናብታ ዝሓበረትና ካንሸሎ ክንጎዪ ግድን ኮነ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኩሉና ብልብና ኣይተቀበልናዮን። መንደቅ ተጸጊዕና ከይኳሕኳሕና ዘሊልና እንተ ኣተና ግን፡ ሽቃቅ ጸኒሓ ክትወጽእ ብግምትና ጓል 12 ዓመት ቆልዓ እትኸውን ተጓነፈትና እሞ፡ ርእይ ምስ ኣበለትና ብስንባድ ዝኣክል ወጨጨት። ተቃላጢፍና ሰብ ድሓን ምዃንና እናነገርና ምስ ኣረጋግእናያ ግን፡ “እዞም ኣብዚ ዝጸንሑ 4 ኣወዳት ኣበይ ኣለዉ፧” በልናያ።

ምስክነይቲ ቆልዓ ፍርሓ ክትቆጻጸር እናፈተነት፡ “እዞም እትብልዎም ዘለኹም ኣወዳት ኣብዚ የለዉን። ኣብዚ ኣነን ዓባየይን ኢና ንነብር። ዓባየይ ድማ ካርኒቫል ምጺ ስለ ዝተባህለት፡ ከተማ ምስ ከደት፡ ብኡኡ ጌራ ኣብ እንዳ ኮርያ ሕሙም ክትበጽሕ ምዃና ደዊላ ነጊራትኒ። ክትመጽእ ድማ ይጽበያ ኣለኹ” እናበለት ብድርቅና መለሰትልና።

ወዮ ሽጋራ ወሊዑ ኣብ ልዳት ቆይሙ ዝነበረ መንእሰይሲ፡ ናይ ተልእኹኡ እምበር ናይ ሽጋራ ግዲ ከም ዘይነበሮ ሽዑ ተረድኣኒ። ብዓንተብኡ’ውን፡ ናይ ምርካቦም ኮነ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር ናይ ምእታዎም ሸውሃት ስለ ዘይነበረና፡ ኩልና በብውሽጥና ፎኾሰና። ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ድማ ካንሸሎ ከፊትና ወጻእና።

እታ ኣቀዲማ ዝጠቆመት ጉዳመኛ ሰበይቲ ግን እቲ ዝስዕብ ክትርኢ፡ ኣብ ልግስ ዝበለ ቦታ ቆይማ ተሓቢኣ ክትከታተል ቅድሚ ኩሎም ርኣኹዋ። ካብ ብጾተይ ምሕድግ ኢለ ድማ ብምልክት ጸዋዕክዋ’ሞ፡ “ዝራእኽዮ ዘይብልኪ ጌጋ ሓበሬታ ሂብክና። ድሓር ድማ ንስኽስ ዓባይ ኢኺ፡ ክንዲ ቁርባንን ስግዳንን፡ ኣብዚ ከምዚ ክትዋፈሪ ኣየምሕርልክን እዩ” ብምባል ክትዛረብ ዕድል ከይሃብኩ፡ ብተግሳጽ ኣፋነኽዋ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣንቱም ኣብ ሕሱር ተግባር ተዋፊርኩም መፍቶ ኢሳይያስን ዝሞተ ስርዓቱን፡ በቲ ሓደ ድማ ኣንጻር ህዝብኹም ተዓጢቅኩም ዘለኹም ሰብ ቁራቦ ረብሓ ኣካላት፡ ህግደፍ ምውዳቁ ኣይተርፎን እዩ’ሞ፡ ድሓር ፈጠጠት ከይከውን ሎሚ ግዜ ከለኩም ምስ ነብስኹም ክትናስሑ፡ ንናይ ሓፋሽ ረብሓ ድማ ደው ክትብሉ ንላቦ ኣሎና። ድሮ ምሉእ ኦርኒክ ናይዚ ኣብዚ እኩይ ስራሕ ተዋፊርኩም እትርከቡ ኣካላት፡ ኣብ ኢድ እዚ ምንቅስቃስ የእቲናዮ ብምህላዉና ድማ ድሕሪ ውድቀት ኢሳይያስ፡ ኣብ ህይወትኩምን ህይወት ስድራ-ቤትኩምን ዝገደደ ከይበጽሓኩም፡ ሎሚ ኢድኩም ክትእርንቡ ንሕብረኩም።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኹሎም ኣባላት ተሌቪዥን ኣሰና፡ ብትገብርዎ ዘለኹም ጻዕሪ ብኣምላኽ ተፈደይዎ እናበልና፡ ነዚ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ እዚ ዓቢ መስኮት ተስፋን ምትእስሳርን ኮይንኩሞ ኢኹም እሞ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክትሕይሉን ኣብ ምንቃሕ እዚ ኣብ ውሽጢ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝቢ ድማ ኣዚኹም ክትሰርሕሉ ልባዊ ዝኾነ ለበዋና ነመሓላልፍ። ብምርድዳእ ናይ ሰለስቴና እንዳ ጸጥታ መሰረት፡ እዛ መልእኽትና ስርዓት ኢሳይያስ ዋላ’ውን ንብዕድመ ዝደፍኣ ኣንስቲ፡ ክሳብ ኣብ ጽርግያ ምስቲካ-ሽጋራ ዝሸጣ ከይተረፈ ከቲቡ ንዕናን ንህዝብናን ክከታተል ይፍትን ከም ዘሎ ብምግንዛብ፡ ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝርከቡ ዜጋታት ድማ ብፍላይ ኣብ ኩሉ ስርሒታትኩም ዝተፈልየ ጥንቃቀ ክትገብሩ ንላቦ። ብውሽጢ’ውን ንሕና ኣብ ምዕናው እዚ ስርዓት፡ ምፍሻል ምስጢራዊ ስርሓቱን ዝከኣለና ክንገብር ምዃና፡ ሃገራዊ ግቡእናን ምግልጋል ህዝብናን ምዃኑ ንኣምን።

 

ካብ ኣባላት እንዳ ጸጥታ

ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ

 

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንስርዓት ኢሳይያስ!

 

ሰነ 2019

ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Woldegabriel June 7, 2019

    This reminds me of the time after the fall of France under the Nazi invaders during World War ll and the enormous sacrifices the French resistance fighters, within and outside the Nazi apparatus were undertaking to liberate their country. We shall liberate Eritrea from the higdef invaders. I salute you with great admiration and respect.

  • Woldegabriel June 8, 2019

    Generally, I don’t respond to people who disagree with my opinion because I believe they are entitled to theirs and I respect it. But I wonder how you came up with a long list of names that do not share with your views. You must be a well-paid 24/7 higdef desktop monitoring functionary whose main task is to vulgarly insult people who fight for the liberation of their country. I pity you.

  • Aba thimmer June 8, 2019

    Mr በታቶኖም፡why you jump to insult religion? If you have a concrete opinion deal on positive manner than kidding.

POST A COMMENT