Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ኣብ በርሊን፣ ናይ ጽዕነት መኪናት ተጠቒሙ 12 ሰላማውያን ዘጥፍአ ቱኒዝያዊ ኣሸባሪ ብፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ከባቢ ሚላኖ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ጀርመን መሳርሕቱ ንምርካብ ሃድን ይቕጽሉ ከምዘሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ኣብ በርሊን፣ ናይ ጽዕነት መኪናት ተጠቒሙ ኣብ ዕዳጋ ልደት 12 ሰላማውያን ዘጥፍአ ቱኒዝያዊ  ኣሸባሪ ብፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ከባቢ ሚላኖ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ጀርመን ኣብቲ ውዲት ንዝተሓባበሩዎ ሰባት ንምርካብ ሃድን ይቕጽሉ ከምዘሉ ማዕከናት

እቲ ኣብ በርሊን፣ ናይ ጽዕነት መኪናት ተጠቒሙ ኣብ ዕዳጋ ልደት 12 ሰላማውያን ዘጥፍአ ቱኒዝያዊ  ኣሸባሪ ብፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ከባቢ ሚላኖ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ጀርመን ኣብቲ ውዲት ንዝተሓባበሩዎ ሰባት ንምርካብ ሃድን ይቕጽሉ ከምዘሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።  

እቲ ኣሸባሪ ካብ ጀርመን ብፈረንሳ ኣቢሉ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምእታዊ  ብፖልስ ወረቐት መንነት ምስ ተሓተተ ቶኪሱ ንሓደ ፖሊስ ድሕሪ ምውግኡ እዩ ብሓደ ካልእ ፖሊስ ተቐቲሉ።

ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል፣ “እቲ ገበነኛ ምእላዩ ቅሳነት ዝህብ ኳ እንተኾነ፣ እስላማዊ ሽበራ ገን ንዓና ቀጻሊ ስግኣት እዩ” ኢላ። ብቐዳምነት እትሰርዕ ድሕነት ዜጋታታ ምዃኑ ብምምጥቃስ ድማ፣ ጸጥታ ጀርመን ንምጽናዕ ናይ ሕጊ ለውጥታት ክግበር ምዃኑ ኣፍኢማ።

ጀርመን ነቲ ኣብ እዋን ናዚ ዘጋጠማ ታሪኻዊ ውርደት ንምቕያር ኣብዚ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ሰብኣዊ ሓርነት ዘእንግድ ናይ ሕግን ቅጥዕታትን ለውጥታት ብምትእትታው ሩፍታ ዜጋታታ ዘረጋገጸ ኩነታት ፈጢራ ኳ እንተጸንሐት፣ ሕጂ ግን ብሰንኪ እስላማዊ ጥሩፍነት እቲ ኣማዕቢላቶ ዝጸንሐት ምዕቡል ናይ ህይወት ባህሊ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ከይፈተወት ነዚ ሓድሽ ክዉንነት ክትገጥሞ ተገዲዳ ‘ላ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT