Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እተደናጎየ ህዝባዊ ናዕቢ

ኣማኑኤል ሳህለ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ይብል ነበረ ንጉስ ሰሎሞን። ማለት ብናይ ሕጂ ኣዘራርባ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንምንብርካኽ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንዘይምንብርካኽ። ንህግደፍ ምጽዋር: ንህግደፍ ንዘይምጽዋር። ኽልተ ካብ ሚእቲ ንምኽፋል: ኽልተ ካብ ሚእቲ ንዘይምኽፋል። ኣብ መቓብር ደቅኻ

ኣማኑኤል ሳህለ

ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ይብል ነበረ ንጉስ ሰሎሞን። ማለት ብናይ ሕጂ ኣዘራርባ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንምንብርካኽ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንዘይምንብርካኽ። ንህግደፍ ምጽዋር: ንህግደፍ ንዘይምጽዋር። ኽልተ ካብ ሚእቲ ንምኽፋል: ኽልተ ካብ ሚእቲ ንዘይምኽፋል። ኣብ መቓብር ደቅኻ ንምስዕሳዕ: ስለ ዝሳዕሳዕካ ደኒንካ ንምብካይ። ዓድኻ ገዲፍካ ንምኻድ: ንዓድኻ ንምምላስ: ንኹሉ ግዜ ኣለዎ…ወዘተ..።

ኩሉ ፍጻመታት ግዜኡ ሓሊዉ ዚመጽእ ወይ ዝኸይድ እኳ እንተ ኾነ: ንሓደ ፍጻመ ከም ዝቕልጥፍ ወይ ከም ዝድንጒ ዚገብሮ ግን ናትና ንቕሓትን ዓይነት ግብረመልስን እዩ። ኣእምሮና ልዕሊ ተፈጥሮ ስለ ዝኾነ: ንኹሉ ፍጻመታት ብተፈጥሮ ኪኸይድ ስቕ ኢልና ኣይንገድፎን። ኣብ ናይ ነገራትን ኩነታትን ምቕልጣፍ ወይ ምዝሕታል: ናይ ወድሰብ ንጡፍ ተሳትፎን ብምስትውዕል ዚካየድ ንጥፈትን: ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

ስቓይ ህዝብና ግን ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ዝያዳ እተናውሐ ይመስል። ንምንታይ ደኣ ክሳዕ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ? እቲ ህዝቢ ድዩ ምንቃሕ ኣብዩ ወይስ እቲ ስርዓት ውልቀመላኽነት እዩ ሓንጊዱ፡ ከም ቁርዲት ምልጋስ ኣብዩ…?

እቲ ብረታዊ ቃልሲውን እኮ 30 ዓመታት እዩ ወሲዱ። እንታይ እዩ ኣደናጒዩዎ? ናይ ውሽጢ ተንኮላትን ፍሕሶታትን ድዩ? እቲ ውልቀመላኺ ጌና ዘይተሰርሐ ወይ ዘይተደኮነ ስለ ዝነበረ ድዩ? ካብቲ ናይ ሜዳ ፋብሪካ ተዛዚሙ ክሳዕ ዚወጽእ ድዩ ዝጽበዩዎ ነይሮም? ቅድሚ ኤርትራ ናጻ ምውጽኣ: እቲ ውልቀመላኺ ነቲ ማኪያቨላዊ መደባቱ ሒዙ ከም ዝራብዕ ካብቲ ጉጅለ ኪፍለ ነይሩዎ ዲዩ? እዝን ክንድዝን ደኾን ይኸውን ነቲ ናጽነት ግዜ ከም ዚወስድ ዝገበሮ?

ቀንዲ ምኽንያት ምድንጓይ ህዝባዊ ናዕቢ ምንምኳ እተሓላለኸ እንተ ኾነ: ኣርባዕተ ጎሊሖም ዝረኣዩ ምኽንያታት ግን ኪረኣዩ ይኽእሉ፤

  1. እተዳኸመ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት

ነዚ ናይዚ ግዜዚ ናይ ህዝብና ፖለቲካዊ ንቕሓት ምስቲ ኣብ 40ታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከተወዳድሮ ምስ እትፍትን: ህግደፍ ንህዝብና ክሳዕ ክንደይ ኣብ ናይ ልኡምነትን ተንበርካኽነትን ዓዘቕቲ ከም ዘእተዎ ክትዕዘብ ትኽእል። ሽዑ ዝነበራ ሰልፍታትን ናጻ ጋዜጣታትን: ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓትን ዝወሃብ ዝነበረ ርእይቶታትን: ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ። ከምቲ መራሒ ሃገር ዝበሎ: ምናልባት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር ከይዱ እዩ ድሕሪ ደጊም ፖለቲካዊ ክትዓት ከካይድ ዝኽእል።

ፖለቲካዊ ክትዕ ግን ባህሊ ህዝብና እዩ። ንጁፒተር ወይ ንማርስ ምኻድ ኣየድልን። ቅድሚ 40ታት ውን ኣብ ምምራጽ ኣመሓደርቲ ዓዲ ይኹን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት: ክትዕን ዘተን ይካየድ ነይሩ እዩ። ማሕበራዊ ክትዕን: ዘተን መጎተን ናይቲ ህዝቢ ውርሻ እዩ። ምናልባት ደኾን እቲ መራሒ ነቲ ታሪኽና ኣዕሚቑ ስለ ዘይፈልጦ ይኸውን?

እንታይ ኣፍሊጡካ! ኮፍ በል! ዓጃው! ኢልካ ኣብ ህዝባዊ ዘተ ንሰብ ምዝላፍ ጥራይ እዩ ካብ ማርስ ወይ ካብ ጁፒተር ኪመጸና ዝኽእል! ኣብ ባህልና ከምዚ ዓይነት ስድነት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።

ዕድል ኮይኑ ግን ንዘመናት ብተኸታታሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ህዝቢ: ምስ ገዛኢ ሓይሊ እተዛመደ ገለ ፍሉይ ባህርያት ከጥሪ ክኢሉ። ተመሳሲልካ ምንባር ዲዩስ: ምቅላስ ዲዩስ: ልኡምነት ምርኣይ ዲዩስ: እቲ ህዝቢ ንኺነብር: ይበላሓት እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን መግዛእቲ መዓር ጥዒሙዎ ንዘልኣለም ኣይነብርን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ማለት እቲ ንቕሓቱ ክብ ኣብ ዝብለሉ ግዜን: ነቲ ራኢኡ ተግባራዊ ዚገብር መሪሕነት ኣብ ዝረኽበሉ እዋንን: ነቲ ናይ ባዕዲ ኣርዑት ንምስባር ሴፉ ይመዝዝ። ንጸላእቱ ድማ የሳጉጕ።

ፖለቲካዊ ንቕሓት ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይለዋወጥ እዩ። ይለዓል: ይደክም: ይመውት። እዚ ድማ በቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ኣቃውማ ይጽሎ። ኣብ ታሪኽ ከም እንርእይ: መንግስቲ ሮማ ኪወድቕ ዝኸኣለ እቲ ብቤተሰብን ባህልን ብወግዕን እምነትን ብሕግታት እንዳባን ዝቖመ ማሕበራዊ ፈትልታቱ (social fabric) ኪበጣጠስ ምስ ጀመረ እዩ ይብሃል። ህግደፍ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ትቱዕ ወይ ስሙር ማሕበራዊ ፈትልታት: ኮነ ኢሉ በናጢሱዎን ሓዊ ረኲዑሉን እዩ። ስለዚ ኸኣዩ እቲ ህዝቢ እተዳኸመ ፓለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎ ኾይኑ ምስ ጨቆንቱ ጌና ዚነብር ዘሎ።

  1. ኣዕናውን ኣብራስን ስልትታት ጨቋኒ ስርዓት

እቲ ንስሙር ማሕበራዊ ፈትልታት ሓዊ ዘእተወ ህግደፍ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ: ኣብ ደገውን ኩሉ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዓድን እናፈላለየ: ንሰባት ብተጋደልትን ገባራትን ውፉያትን ከሓድትን ሃገራውያንን ጠለምትን ብዚብል ሓደስቲ ስማት እናጥመቐ: ነቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ከም ዘይሰምር ገይሩዎ።

ካብቲ ስልትታቱ ገለ ንምጥቃስ: ኣብ እተፈላለየ ህዝባዊ ማሕበራትን: ሃይማኖታውን ባህላውን ትካላትን ካድረታቱ ከም ዚሰልኩ ምግባር፤ ምፍርራህ: ምስ ዘይሰልጦ ድማ ምቅብጣር። ብራድዮን ተለቪዥንን ጌርካ ናይ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ምቕራብ: ብሳዋ ጌርካ ንመንእሰይ ኣንፈቱ ከም ዘጥፍእ ምግባር: ንኣብያተትምህርትን ኮለጃትን ናይ መዓስከራት ባህርያት ምልባስ: ኣንፈት ህዝቢ ንምጥዋይ ዘየድሊ ኲናት ምጽሕታር: ዓይኒ ዘንቁር ሓሶት ምቅላሕ: ነቲ ዝርሕቆ ሰብ ከም ዚንጸል ምግባር: ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሕታት መሪሕነት ብልሽውና ከም ዚተኣታቶ ጌርካ ተመሊስካ ምስልባጥን ሓቀኛ መራሒ ምምሳልን: ኣብ ህዝቢ ቅለትን ስኽራንን ዝሙትን ከም ዚተኣታቶ ብምግባር ንኽብርታት ሃገርና ምዕናውን….ወዘተ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ንኤርትራ ዚመርሕ ዘሎ ጉጅለ: ከም መንግስቲ ዘይኮነስ: ከም ሓደ ንምርመራ ኣብ ፋይል ዝኣተወ ናይ ቤትፍርዲ ጉዳይ እዩ ኪረአ ዘለዎ።

ንልምዓት እምበር ንኸምዚ ዓይነት ፕሮግራማት ንምክያድ ዝኣክል ገንዘብ ዘለዎ ህግደፍ: ኣእዳዉ ከም ኦክቶፑስ ዘርጊሑ ኣብ ትሕቲ ዓራት ሰብ ከይተረፈ ሃሰስ ይብል ኣሎ። ክልተ ካብ ሚእቲ: ናይ ቢሻ ወርቂ: ናይ ኮላሊት ተወሳኺ እቶት: ናይ ግብረ ማፍያ ዘይተፈልጠ ሃብቲ: ምስ ገለ ባዕዳውያን መንግስታት ምሽክንክን ብምባል ሓሓሊፉ ዚርኽቦ ሞቕሽሽ… ወዘተ.። ህዝቢ ግን ባኒ ኪወስድ ይስራዕ: ማይ ንኽሰቲ ድማ ናብቲ ማይ ዘለዎ ኪኸይድ መምርሒ ይወሃቦ። ዘረባ ህግደፍሲ ክልተ ፍረ: እታ ሓንቲ ዕረ: እታ ሓንቲ ጥረ።

  1. ኣንፈቱ ዘጥፈአ መንእሰይ (disoriented youth)

ካብ ከምዚ ሃዋህው ዝወጸ መብዛሕትኡ መንእሰይ: ብፍላይ ድማ ሳዋ ምስ ተወሰኾ: ዓዊኑ እዩ ዝተርፍ። እኩይ መጋብር ህግደፍስ እንተ ዘይቀተለ የዕነኑ ዚብል ሓድሽ ምስላ ንኹነታት መብዛሕትኡ መንእሰይ ይገልጾ።

ኤርትራ ናብ መዓስከር ብምልዋጣ ህይወት መንእሰይ ድማ ብኸርተትን ስግኣትን ስለ ዝመልአ: ኣእምሮኡ ድማ ብፕሮፓጋንዳን ብሓሶትን ስለ ዝላደየ: ዝጭበጥ ነገር ኪረክብ ሃለው ይብል ኣሎ። ኩነታት ሃገሩ ብኹሉ ወገን ተስፋ ምስ ሰኣነሉ ድማ: ኣንፈቱ ኣጥፊኡ። ገሊኡ ናብ ህግደፍ ተመሊሱ: ገሊኡ ኣብ መንፈሳውነት: ገሊኡ ድማ ካብ ኩሉ ርሒቑ ናይ ብሕቱ ህይወት ብህድኣት ኪመርሕ ወሲኑ።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን ብዙሓት ተቓለስትን ተባዓትን ኣንፈቶም ዘየጥፍኡን መንእሰያት ከም ዘለዉ ኪርሳዕ ኣይግባእን። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብተግባራት ህግደፍ ዘይርዕዱን ዘይንብርከኹን ደቁ እዩ ተስፋኡ ኣንቢሩ ዘሎ።

  1. ንጸገማት ኣለሊዩን ኣነጺሩን ኪምክት ዚኽእል ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላው

እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ: ብመጀመርታን ብእተኻእለ መገድን: ኩሉ ገዲፉ ነዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ነጥብታት ንምፍታሕ ኪፍትን ይግባኦ። ኩሉ መደባቱን ትልምታቱን ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ከተኵር: ንፍሕሶታት ህግደፍ ኪበታትኽን: ህዝቢ ከንቅሕን ኪምህርን ከሳትፍን ኪውፈን: ነዚ ኹሉ ድማ ከም ሃገራዊ ፕሮግራም ገይሩ ኪወስዶን ይግባእ።

ይኹንምበር: ንጹር ራኢ ዘይብሉን: ጸገማት ህዝቢ ዘየለልን: ሃገር ንኸድሕን ዘይጓየን: ግዜኡን ጉልበቱን ንኤርትራ ኣብ ዘየርብሓ ክትዓትን ዘተን ቃለምልልስን ዘጥፍእ: ጤል ጌና ከይተዓደገት ከላ ኣብ ጥቓ ንእዲዶ ወይስ ኣብ ድሕሪ ቆፎ ንእሰራ እናበለ ኪቋየቝ ዚውዕል: ንመንእሰያት ዚድርኽን ዚስሕብን ዘሳትፍን መደባትን መድረኽን ዘይብሉ ተቓዋሚ ሓይሊ: ይትረፍዶ ነዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ጸገማት ኪፈትሕሲ: ነተን ዘለዋ ውን ከይውስኸለን የፍርህ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • weygud July 31, 2015

    yebel hasabat behaqhi nezi dealo shger keyewesekulena ab zeyetdeleye shenekolel debele hasabat zetewuna sele delewu mehurat tehababerekum nay astemehero medebat enteteteatatewu xhubuqh nearu

  • petros tesfagherghis August 3, 2015

    ክቡር ኣማኗኤል፥
    ሐንቲ ዓለም ለውጢ ኣተሐሳስባ ዝብል ተኽታታሊ ጽሑፋትካ ኣዚዩ ኣዳላየ መሃርን እዩ፡ ነዚ ዘለናዎ ሑሱም ኩነታት ኣንጸባሪቝ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝበል ሕቶ የእንግድ። ብ ኣበርክቶኻ ብዙሕ ተማሪኽ። እዚ ሃብታም ዓንቀጻትካ ኣብ “Educational Material “ተሰሪዑ ከም ትምህርቲ እንተ ዝወሃብ እቲ ንደረጃ ንቕሐት ህዝቢ – ብሕልፊ መንእሰያት- ክብ ዘብል መኾነ። The material can be presented in the form of discussion group, study group etc. ኣብዚ ክተሓባብረካ ድሉው እዩ። ጴጥሮስ

POST A COMMENT