Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ሓሙሽተ ህዋሳት ሰብ ዘይሰርሓላ ሃገር

ሰባት ካብተን ብተፈጥሮ ዝተዓደልኦም 5 ህዋሳት ማለት ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምስትምቃር፡ ምድህሳስን ምሽታትን ሓንቲ እንተስኢኖም፡ መዓልታዊ ህይወቶም ምሉእ ኣይከውንን። ብፍላይ’ኳ ምዕባለ ስነኪነት ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ እተን ስምዒታትን ድሌታትን ንምግላጽን ንምፍጻምን፡ መዛረቢ መልሓስና፡ መርኣዪ ኣዒንትና፡ መስርሒ ኣእዳውና፡

ሰባት ካብተን ብተፈጥሮ ዝተዓደልኦም 5 ህዋሳት ማለት ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምስትምቃር፡ ምድህሳስን ምሽታትን ሓንቲ እንተስኢኖም፡ መዓልታዊ ህይወቶም ምሉእ ኣይከውንን። ብፍላይ’ኳ ምዕባለ ስነኪነት ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ እተን ስምዒታትን ድሌታትን ንምግላጽን ንምፍጻምን፡ መዛረቢ መልሓስና፡ መርኣዪ ኣዒንትና፡ መስርሒ ኣእዳውና፡ መስምዒ ኣእዛንና ዘይብልና እንተኾይና፡ ጾር ቤተሰብናን ሕብረተሰብን ንኸውን ማለት’ዩ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን፡ ብዙሓት ክፋል ኣካሎም ዝሰኣኑ ሰባት፡ ብጻዕሮምን ሓገዝ ስነኪነትን ኣፍረይትን ነብሶም ክኢሎም ህይወቶም ዝመርሑ ከምዘለዉ ንምኽሓድ ኣይኮንኩን። ገለ ክፋል ካብ ሓሙሽተ ህዋሳትና ብተፈጥሮ ወይ ብሓደጋ እንተስኢናየን ምስ ዕድልና ካብ ምምራር ሓሊፍና ድማ ንኻልእ ንኸሰሉን ነምርሮን ኣይክህሉን’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ግን ነቲ ብተፈጥሮ ብግቡእ ክሰርሕ ዝተዋህበና ህዋሳትና ካልእ ኣካል ክቆጻጸሮን ንኸይሰርሕ ከልምሶን እንከሎ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ሓሙሽተ ህዋሳት ሰባት ብክልተ መልክዕ’ዩ ለሚሱን ካብ ዋናታቱ ተሰሪዉን ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ልምሰት፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ነተን ብተፈጥሮ ዝተዓደልኦ ሓሙሽተ ህዋሳቱ ብምቁጽጻር፡ ብኣዒንቱ ዝርኣዮን ብኣእዛኑ ዝሰምን ከይዛረብን ከይሓትትን፡ ብጉልበቱን ክእለቱን ሰሪሑ ከይዕንገል ኢደእግሩ ስለዝተኣስረ፡ መዓልታዊ ህይወቱ ብናጻ ከየሰላስል ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልካዊ ምምሕዳር ስለዝርከብ፡ ነቶም ዝሞቱ ብቁሩብ’ዩ ዝበልጾም እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ገበነኛታትን ሰብ ረብሓን ብምሉኡ እሱር’ዩ። ኣብ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝብና 5 ህዋሳቱ ካብ ምቁጽጻር ሓሊፉ፡ ኣብ እዋን ድቃሱ ዝሓልሞ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ’ዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ኣድማሳዊ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ሚዛናዊ ሓበሬታ ምርካብን ከም ገበን ስለዝቁጸር፡ ስለምንታይ፡ ኣበይ፡ መኣስ፡ መን፡ ክንደይ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልካ መልሲ ኣይትረክብን ኢኻ። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ልዕልና ሕግን ፍትሕን ስለዝቦኾረን ብሕጊ መሰልካ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ ጥራይ ዘይኮነ ፍትሒ ስለዝሓተትካ ማእሰርቲ፡ መቅጻዕቲ ምፍርራህ ስለዝመጸካ፡ ምስ ቃንዛኻ ክትነብር ኢኻ ትግደድ። ንኣብነት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ቤተሰብካ ብሃንደበት ብኣባላት ጽጥታ ተዓፊኑ ምስተወስደን ኣብቲ ንስሙ ቤት ማሰርቲ ብተግባር ግን ግብ ዝበለ ጸልማትን ገሃነብ እሳት ምስተደርበየን፡ ስለምንታይ ከምዝተኣስረ፡ ኣበይ ተኣሲሩ ኣሎ፡ ብህይወቱ ኣሎ’ዶ፡ ንኽንደይ እዋን ተፈሪዱን፡ ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ዕድልካ ኣጸቢቅዎ ካብ ማእሰርቲ እንተተፈቲሕካ’ውን፡ ምኽንያት መእሰሪኻን መልቀቂኻን ሕቶ ርእይቶ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ዝወረደካ ግፍዒ፡ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ከይትዛረብ መጠንቀቅታ’ዩ ዝወሃበካ። እሱር ብስድራቤቱ ወይ ብመቅርቡ ክብጻሕ፡ መግቢ ይኹን ክዳን ክኣትዎ፡ ጉዳዩን መሰሉን ዝከላኸል ጠበቃ ክግበረሉን ናይ ክሕደትን እምነትን ቃል ክህብን መእሰሪኡ ክግለጸሉን ኣይሕሰብን’ዩ። ምናልባት ወላዲ ወይ ቤተሰብ ዕድል እንተገይሩ፡ እቲ ብማህረምቲ ጭንቀትን ሕማምን ዝሞተ ሰብ ሬሳ ክወሃቦ ይኽእል ይኸውን። ውዮ ድኣ ሞትን ጥሜትን መሰል ስለዘይሕሰብ እምበር፡ ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ክመውት ክሓምም፡ ክጠሚ፡ ክስደድ ጥራሕ’ዩ መሰል ዘለዎ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ 5 ህዋሳቱ ጥራይ ኣይኮነን ኣሲሩን ኣልሚሱን ዘሎ። ሰባት ብዛዕባ ክውንነት፡ መሰሎምን ከባቢኦምን ኣብ ክንዲ ብቅንዕና ዝሓስቡ፡ ብፍላጥ ሓቂ ከምዝድፈኖምን ኣብ ሃዋሊል ብቤላበሎው ከምዝህውትቱን ኣብቲ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ መጻወድያ ሓሶት ኣትዮም ከምዝመራስሑን ይገብሮም። ንኣብነት እቶም ንጨካንን ኣዕናውን ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ፍትሒ ይንገስ ብሕጊ ተገዛእ ኢሎም ተቃውሞ ዘስምዑ ጉጅለ 15 ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስተደርበዩ፡ ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ገበን ፈጺሞም ዝብሎም ዜጋታት ወግዓዊ ክሲ ዝምስርትን መርትዖታት ዘቅርብን፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን፡ “ሃገር ከዲዖም፡ ወያነ’ዮም፡ ሰለይቲ ኣመሪካ’ዮም” ኢሉ’ዩ ጎስጓሳት ዘካይድን ጸለመ ዝነዝሕን። ርሑቅ ዓዲ መሐሰዊ ከምዝብሃል፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ንእንታይነት ኢሳያስ ካብ ፈለማኡ ኣይፈለጦን እምበር፡ ኢሳያስ ዝቃወሞን ካብኡ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎን ሰብ  ክቀትሎ፡ ጸለሎ ክቀብኦን ክንጽሎን ከይደቀሰ’ዩ ዝሓድር። ባህርያት መላኺ ኢሳያስ ስጊንጥር ስለዝኾነ፡ ካብ ሰብ ክምርዖ፡ ጸጊቡ ክሓድር፡ ሓዳር ክምስርት፡ ሰሪሑ ነብሱ ዝኽእል፡ ሰብ ክሓስሞ፡ ክሳቀ፡ ክበታተን፡ ክደኪ፡ ክድርበ’ዩ ደስታን ዕግበትን ዝስምዖ። ብስም ክረምታዊ ማእቶትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን መንእሰያት ካብ ስድራቤቶም፡ መኣዲ ትምህርቶምን ማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ተነጺሎም ከምዝሳቀዩን መጻኢ ዕድሎም ከምዝኹለፍ ምግባርን ድማ ጭቡጥ መርኣያን ኣዕናዊ  ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ብሓሶትን ብዘይ መርትዖን፡ ሃገር ከዲዖም ገበን ፈጺሞም ዝብሎም ሰባት ኣይኮነን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሳቂ ዘሎ። ብዙሓት ኣምር ፖለቲካ ዘይፈልጡን ዝኾነ ገበን ዘይፈጸሙን ዜጋታት፡ ንኣብነት ኣዲታት ምስደቀን፡ ጓሶት፡ ኣረግቶት፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ ከምጥሪት ብይጽንሓለይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ደርብይዎም ምህላዉ’ዩ።  እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ ሸቅጥ ኢሉ ህዝቢ ንህዝቢ ይራኸብ፡ ዶብ ይከፈት’ እናበለ ኣብ ዝግዕረሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ቅድሚ ገለ ዓመታት ካብ ሕሰም ህግደፍ ክናገፉን ዝሓሸ ህይወት ከናድዩን ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብኦም ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ጅሆ ሒዝዎምን ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ የገድዶም ምህላዉን’ዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ናይቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዓዲ ፍትሕን ሕግን ኣንቀባሪሮም እናተቀመጡ፡ ከም ባምቡላ መደረታትን ቃላትን ስርዓት ህግደፍ ዝደግሙ፡ ሓሙሽተ ህዋሳቶም ዝለመሰን፡ ብግዝያዊ ጥቅሚ ዓዊሮምን ሓቂ ቀቢሮምን ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝቆማጥዑ ዜጋታት’ዩ። ኣሕዋቶም፡ ወለዶምን ኣዕሩኽቶምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ክሲ እናተሳቀየ፡ ወገኖም እናተረግጸ፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎልትን እናተሳቀየ እንከሎ፡ ህግደፍ ኣብ ዝወደቦ ጓይላታት ክስዕስዑን ዕድመ ንመንግስትና ክብሉ ምዕዛብን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ስለዝቆጻጸሮን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓንጎል ሰብ ጠምዚዙ ንሓሶት ከም ሓቂ ኣምሲሉ ከእምን ዝኽእል ዘመተ ንምክያድ፡ ዓርሞሽሽ ገንዘብ ስለዘውጽእን፡ ንግዚኡ ዓለም ንምድንጋር ይኽእል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣረሜናዊ ግፍዒ እናፈጸመ፡ ንልኡላውነትና ኣሕሊፉ እናሃበ፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ እናዘመተ፡ ህዝብና ናብ ስደት ክበታተን እናኣገደደ፡ ተሰኪምናዮ ክንጓዓዝን ኣብ ኤርትራ ክህሉን ኣይግብኦን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ሰብ እናጸነተን ከርፋሕ ህይወት እናኣሕለፈን እንከሎ፡ ህግደፍ ወይ ሞት ክንብል እንከለና ሓሙሽተ ህዋሳትና ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኽውን ኣለዎ። ነዛ ዓለም ጽባሕ ገዲፍናያ ንኸይድ ምዃንና ረሲዕና ናብ ደቅና ደቂ ደቅና ዝተርፍ ገበንን ጥልመትን ፈጺምና ክንሓልፍ ኣይግባእን። ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ ከምዝብሃል፡ ኣሕዋትናን ወለድናን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ እናተሳቀዩ እንከለዉ፡ ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ምስቃጥን፡ ንሓቂ ጠምዚዝና መሳርሒ ገበነኛ ክንከውንን፡ ጽባሕ ከምዘሕትተና ክንግንዘብ ኣለና። መርገምን ቃንዛን ናይቶም ንዓመታት ኣብ ጎዳጉዲ ዝሳቀዩን ኣብ ጉዕዞ ስደት ሓሳረ መከራ ዘጋጥሞም ዘሎ ወገናትናን ከምዘይሰደና ንፍለጥ። መርገም ወላድስ እንተዘይቀተለ የዕነኒ እንታይ ምኳኑ ክስቆረና ኣለዎ።

እስከ ንሕሰብ ናይ ትማሊ።  ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንዓመታት “ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ መሬትና ብወያነ ተጎቢጡ’ሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ተበዩኑልና ኣሎ” እናበለ፡ ቅዋም ንኸይትግበር፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ግዜ ከይግበረሉ፡ ምርጫ ተኻይዱ ህዝቢ ወከልቱ ንኸይመርጽን ልዕልና ሕጊ ከይነግስን ከም መመኽነይታን መናውሒ ስልጣኑን ክጥቀመሉ ጸኒሑ’ዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህግደፍ ተበይኑ ዝነበረ እገዳ ምስተላዕለ፡ ምስ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኩናት ዝምድና ናብ ንቡር ምስተመልሰ፡ ንህዝብና ዘድልዮን ዘገድሶን መሰረታዊ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ክትግበር ኣይተራእየን። ልዕሊ 20 ሽሕ ህይወት ኤርትራዊ ዝሃለቀሉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትና ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለሉ፡ ቢልዮናት ገንዘብ ዝኸሰርናሉ ብዶብ ዝተመኽነየ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን፡ ኢትዮጵያ ክትረጋገጽ ኣለዋ፡ ኪኖ ዶብ ንሕሰብ” ኢሉ ብኢደ ዋኒኑ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ውዕላት ክፍርምን ንልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ክብረትና ዘምራስሕን ክሕደት ክፍጽም ይርአ ኣሎ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንዕቀትን ብድዐን ስለዘለዎ፡ ብስም ሰላምን ጽቡቅ ጉርብትናን እናዘመረ፡ ንእዋናውን መሰረታውን ጉዳያት ኤርትራ ከም መንዲል ኢድ ሓንሳብ ፊጥ ይብለሉ ካልእ እዋን ድማ ኣብ ጁቡኡ የእትዎ ኣሎ።

እከይ ተግባራት ኢሳያስ ስለዘእረገናን ኣኺሉ ስለዝተረፈናን፡ እቶም ምስ 5 ህዋሳትና እንከለና ስለምንታይ ኢና ኢሳያስ ክዕንድርን ብመጻኢና ክጣላዕን ዕድል ንህቦ ዘለና? እቶም ክንሓስብን ክንመራመርን 5 ህዋሳት ዝተዓደልና ኤርትራውያን ስለምንታይ ኢና፡ እሱራትና ክፍትሑ ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ፡ ሃገርና ብቅዋም ክትመሓደር፡ መሰል ሰብ ክኽበር፡ ድምጽና ዘይነስምዕን ንውጽዕ ዘይንጣበቅን? ምናልባት ካብን ናብን ኤርትራ ምንቅስቃስ ክይንኽልከል ወይ ከይንእሰር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛናን ትካላትናን ከይውረስ ሰጊእና መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ንኸውን ዘለና ድማ ምስ ሓራዲና ኢና ማይ ንሰቲ ዘለና። ምኽንያቱ ንሕና እንተዘየሊናን ኣብ ኤርትራ ሰላም እንተዘይሰፊኑን፡ ንብረትን መንበሪ ገዛን እንታይ ኢዩ ክዓብሰልና? ንዓና ዘምሕረልና፡ ሓሙሽተ ህዋሳትና ቃንዛ ኣሕዋትና፡ ወለድናን ደቅናን ንምፍታሕንመጻኢና ንምውሓስን ክንጥቀመሉ እንከለዝና ኢዩ። ዋላ’ኳ ምስ ጎረባብትናን ከባቢናን ተፋቂርናን ተኸባቢርናን ምንባር ሞራላዊ ግዴታን ሃገራዊ ረብሓን እንተለና፡ እዘን ሕብሪ እናቀያየራ ውጥም ቅልቅል ዝብላ ዘለዋ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ረብሓታተን ንምሕላውን ጉዳያተን ዓጢጥወን እምበር፡ ንኤርትራውያን ኣስላም ወይ ክርስትያን ተሓሊቀን ከምዘይኮና ኣጸቢቅና ክንግንዘብ ኣለና። ሓሙሽተ ህዋሳትና ተጠቂምና፡ ንገበነኛ ኢሳያስን መሓዮታቱን፡ ይኣኽለኩም ካብ ርእስና ውረዱ ወነንቲ ዕድልና ንሕና ኢና ንበሎም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 11 ጥሪ 2019

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde January 11, 2019

    I happen to watch yesterday this blind person who was diagnosed with a rare retinal pathology known to be one of the best video gamer in the world by compensating with his tactile wonder. Tsilal,the ones you mentioned with their intact 5 senses,not only do they not use them,they lost a sixth one–their will.

POST A COMMENT