Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ክውንነት ንምምዛን 6ይ ህዋስ የድልየና ኣሎ

ኤርትራውያን፡ ክውንነት ንምምዛን 6ይ ህዋስ የድልየና ኣሎ ሎሚ፡ ልቢ፡ ሕልና፡ ሃገራዊ ስምዒትን ፍቅርን ንዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ማሕበረ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላውን ኣደራዕን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኩፉእ ከምዝኾነ ንጹር’ዩ። ምልካዊ ስርዓት

ኤርትራውያን፡ ክውንነት ንምምዛን 6ይ ህዋስ የድልየና ኣሎ
ሎሚ፡ ልቢ፡ ሕልና፡ ሃገራዊ ስምዒትን ፍቅርን ንዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ማሕበረ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላውን ኣደራዕን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኩፉእ ከምዝኾነ ንጹር’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱን ንብረቱን ዝኸፈለሉ ናጽነት፡ ጨውዩ፡ ኣብ 1991 ኣብ ስልጣን ምስተኮደጨ፡ ህዝብና ዓድታቱን ንብረቱን ገዲፉ ናብ ስደት ግዒዙ፡ ብኽቱር ድኽነት፡ ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተሳቅዩ፡ ሃብቲ ሃገርና ብውልቀሰባት ተጓሕጉሐ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትና ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ በልዮም፡ መንእሰያትና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርናን ናይ ጉልበት ስራሕን ተዳሂኾም። ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ እቶም ትምሊ-ትማሊ ደም ዘንብዑናን ድሕሪ ሰብና ዘትረፉናን መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ዝሓለፈ መዝገብን ሕሳብን ከይተዓጽወ፡ “ፕረዚደንት ኢሳያስ ወዳእቲ ኤርትራ ክንከውን ውክልና ሂቡና ኢዩ” ኢሎም ኣብ ቅሉዕ ኣህጉራዊ ኣጋጣሚታት “ናትና ኢኹም” ይብሉና ኣለዉ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ጨካን ኢሳያስን ሽሓጢ ዓቢዪ ኣሕመድን እንታይ ኣቢሶም። ቀይሕ መስመር ሰጊሮም ክዕንድሩ፡ ብዕድልና ክላገጹን ክብርና ክግህሱን እንከለው፡ “ኤርትራ ኣሽሓት ዝወደቁላን ዝተቀብሩላን መሬት ሕድሪ ኢያ ብብሌን ዓይንና ኣይትምጽኡና ኣይትተተንክፉና” ዝብል በዓል ስረን ሓሞት ዘለዎን ሰብኣይ ስለዝሰኣኑ ኢዮም ሻዲኖም፡ ኣብ ርእስና ዝሸኑ ዘለዉ።
እቲ ኣዝዩ ዝገርምን ዘሐዝንን ክስተት፡ ኣብ ክንዲ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ ብሓባር ምቅላስ፡ “ኤርትራ ሰላም ዝሰፈና ሃገር’ያ፡ ልምዓታዊ ንጥፈታት ይሰላሰል ኣሎ፡ ዓለም ትዕልቆና ኣላ፡” እናበሉ ልኡላውነትና ዘድፉሩን ዘንዕቁን ፍጥረት ሰብ ዘይብሎም ስሱዓት ምህላዎም ኢዩ። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ መታን ኣብ ስልጣን ክቅጽልን ድኽመታቱ ክሓብእን፡ ወትሩ ኣብ መሬት ዘየለ ክውንነት ክፈጥር ህዝብና ከደናግርን ኣለዎ፡፡ ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝብሃል፡ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቁቡን ልሙድ ንጥፈታቱ ዘሰላስል ዘሎን ክልል ትግራይ፡ “ስርዓት ወያነ ኣይደቀሰልናን ሰላምና ይዘርግ ኣሎ” ዝብል ክስታት ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ከም ብዕሪር ዝሓየኾ መዝሙር የስምዓና ኣሎ። እቶም ብስቃይን ንብዓትን ህዝብና ዝስዉዱ፡ ሃብቲ ዘኻዕብቱን ዝድሰቱን ከድዓትን ሕልና ኣልቦን ብኣፎም ኤርትራውያን ኢና ዝብሉን፡ ህላወ ናቶም ምስ ህላወ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ንጸልማት ብርሃን፡ ንሓዘን መርዓ፡ ንጥሜት ጽጋብ፡ ንኩናት ሰላም ኢሎም ምግላጾም፡ ፍልይ ዝበለ መዝገበ ቃላት(Dictionary) ስለዝጥቀሙን እናፈለጡ ስለዝደቀሱን ነቅኒቕካዮም ኣይሰምዑን ኢዮም። ሓደ ሓደ እዋን፡ ብተግባራቶም እምበርዶ እቲ ንኹሉ ሰብ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎም 5 ህዋሳት ኣለዎምን ብግቡእ ይሰርሕ ኣሎን ኢልካ ኣብ ጥርጣረ ትኣቱ። ክሳብ መኣስ’ዮም መጉልሒ ድምጺ ወይ ማይ ክሮፎን ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ምዃን ኣቋሪጾም ወነንቲ ህዋሳቶም ዝኾኑ ኢልካ ትድንግጸሎምን ትሓዝነሎምን።
እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ግን፡ ኣብቶም ፈሊጦም ዝጸመሙ ኤርትራውያን ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ንሕለቅ ኢና ዝብሉ ዜጋታት’ውን፡ ኣብ ክንዲ ፍልልያቶም ኣጽቢቦምን ቀዳምነታቶም ኣነጺሮምን ሕሰም ህዝብና ንምእላይ ዝቃለሱ፡ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ሓድሕድ ምምንጫትን ናተይ ስነሓሳብ’ዩ ቅኑዕ እናበሉ ብኣፎም ጸፍ ምባልን፡ ውጽኢቱ መስሓቅ ሸራፋትን ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምነዩን እምበር መፍትሒ ሕሰምና ከምዘይኮነ ክግንዘቡ ዘይምኽኣሎም’ዩ። ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ ኢና ክንዲ እምባ ተኺሎ ዝኸውን ሓራዲናን መጥፊእናን ህግደፍ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንከሎ፡ “ደገፍቲ ህግደፍ፡ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ኣብ ኩሉ ዘየለዉ ተዓዘብቲ” ዝብል ስምን ሓረግን ተጠሚቅና ንከፋፈል ዘለና? ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ሃገርና ብዘይ ሰብ ክትተርፍን እታ ኣብ ከርሳ ኣሽሓት ንናጽነት ዝተበጀዉ ጀጋኑ ሓቁፋ ዘላ ኤርትራና፡ መዕንደሪ ጓኖት ክትከውን ብመደብ ይሰርሕ ከምዘሎ ክሳብ ሎሚ ኣይተሰቆረናን ድዩ? ንመሰልናን ንመጻኢ ህይወት ደቅናን ጠጠው ዘይንብልን ነቶም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ንዓመታት ብርሃን ጸሓይን ሰብን ከይርኣዩ ኣብ ጎዳጉዲ ሕሰም ዘሕልፉ ዘለዉ ኣያታትናን ኣሓትናን ዘይንጣበቅ እንተኾይና፡ ብዘይካ “ፈተውቲ ነብሶምን ጠላማትን” ካልእ ስም ክወሃበና ኣይክእልን’ዩ።
እታ ንክብረታን ንልኡላውነታን ልዑል ዋጋ ዝኸፈለት ሃገርና፡ ሎሚ ብኹሉ ሃገራውን ኣህጉራውን መለክዒታት ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። ሎሚ ዋላ እቲ ሓቡ ዘይጸረገን መዓንጣ ዘይቆጸረን ህጻን ናብ ስደት ሃጽ ክብል እምበር፡ ኣብ መሬት ዓደቦኡ ክነብርን ተማሂሩ ህይወቱ ክመርሕን ዝብህግ ኤርትራዊ የለን። ብዘይካቲ ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ ሃልክን ንገለ የዋሃትን ኣብ ርሑቅ ዘሎ ከደናግርን፡ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ባይታ ዘየለ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝልፍልፎ፡ ህዝብና እቲ መሰረታዊ ጠለባት፡ ዝስተ ማይ፡ መብራህቲ፡ ኣገልግሎት ሕክምና የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ዋጋታት ኮሚደረ፡ ሽጉርትን ካልኦት ደቀቅቲ ሃለኽቲ ክስልዕን ክቆጻጸርን ማይ ክሸይጥን ካብ ዝጀምር ኣዋርሕ ሓሊፉሎ። ህዝብና ኣብ ዝነብሮ ከተማን ሓውሲ ከተማን ዋላ ብኽባር ዝግዛእ ስለዝሰኣነ፡ ኣብ ማእገሩ ተሰኪሙን ብኣድገ በቅልን ባኒ ካብ ጎረቤት ሃገር ተመጽዋቲ ክኸውን ዘሕዝንን ሕልፈትን’ዩ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ ፍትሒ ስለዝጠፍአን ብልሽውና ሱር ስለዝሰደደን፡ ሓቂ ተዓምጺጹ ገንዘብ እንተለካ ጉቦ ከፊልካን ብሰበይ ሰብካን ጥራሕ ኢኻ ጉዳይ ከተሳልጥ ትፍትን። ሕጊ ጎደለ ድኻ ተበደለ ከምዝብሃል፡ ድኻን ዘመድ ዘይብሉን ድማ ካብ ፈጣሪ ፍታሕ ክመጾ ምስ ዕድሉ እናተማረረ ኣብ ጸልማት ተዓጽዩ ይምህለል።
ሃገርና፡ ህዝባ እንተ ብስግረዶብ እንተ ብባሕሪ እንተ ብመሬት ናብ ስደት ስለዝጸረረ ሃገርና ዓዲውዕልን ኣረጋውያንን ሒዛ’ያ ተሪፋ። ወለድና “ማይ ቀዲሑ ዘስትየና ብሕማም ተደኒስና ዘልዕለና ሰብ ዘይምህላው ለሚድናዮ ኢና፡ ቀንዲ ዘፍርሓና ዘሎ ግን ምስ ሞትና ቀባሪ ከይንስእን’ዩ” ይብሉ ኣለዉ ብስግኣት። ኤርትራ ዋናታታ ስለዝሰኣነትን ኣለናልኪ ስለዘይበልዋን፡ መዐንደሪ ጓኖት ትኸውን ኣላ። ኤርትራውያን እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና? ኣብ ክንዲ ካብ ድኽመታትና ተማሂርና ንቅድሚት ንስጉም፡ ስለምንታይ ኢና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ንምለስ ዘለና? ስለምንታይ ንሓድሕድና ክንጻረፍ ግዜና ንሕልፎ ስለዘለና? ዋላ ጸላእትና’ውን ኤርትራውያን ቁምነገር የብሎምን ኢሎም ንዒቆሙና ኢዮም። ስምዑ ኤርትራውያን፡ እቲ ዘለና 5 ህዋሳት፡ ነቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ፡ ሰንካም ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን ሜላታት ስርዓት ህግደፍን ንሕና ኣብዚ እዋን’ዚ ክህልወ ዝግብኦ ቀዳምነታትን ብክውንነት ንምምዛንን ንምትግባርን ንጽገም እንተሊና ድማ 6ይ ህዋስ የድልየና ኣሎ። ንሕሰብ፡ ንወስን፡ ብሓባር ንስራሕ ንኤርትራ ብህይወትና እንከለና ከይንግነዝን ብመጻኢ ወለዶ ከይንኽሰስን።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪክ ጥቅምቲ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT