Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ካብ ብጨናፍር ህግደፍ ብሰራውር ህግደፍ ከይንሳቀ ንጠንቀቅ

ኤርትራውያን፡ ካብ ብጨናፍር ህግደፍ ብሰራውር ህግደፍ ከይንሳቀ ንጠንቀቅ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ፖለቲከኛታትን፡ መኣዝንን ኣቃልቦን ተቃወምቶምን ጸላእቶምን ንምጥምዛዝን ሓቂ ንምኽዋልን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ቤላበለውን ምህውታትን ከምዝልሕም ይጽዕሩ። ሓደ ሓደ እዋን፡ መራሕቲ ሃገራት ውሽጣዊ ቅልውላዋቶምን ተጻባእቶም ንምግላል ፡ ክሳብ

ኤርትራውያን፡ ካብ ብጨናፍር ህግደፍ ብሰራውር ህግደፍ ከይንሳቀ ንጠንቀቅ

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ፖለቲከኛታትን፡ መኣዝንን ኣቃልቦን ተቃወምቶምን ጸላእቶምን ንምጥምዛዝን ሓቂ ንምኽዋልን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ቤላበለውን ምህውታትን ከምዝልሕም ይጽዕሩ። ሓደ ሓደ እዋን፡ መራሕቲ ሃገራት ውሽጣዊ ቅልውላዋቶምን ተጻባእቶም ንምግላል ፡ ክሳብ ምስ ካልኦት ሃገራት ኩናት ምእዋጅን ብመራኸቢ ብዙሓን ናይ ቃላት ውግእ ምክያድን ስራሕና ኢሎም ይተሓሕዝዎን ሚልዮናት ገንዘብ የባኽኑን። እቲ ቅርጺ መንግስቲ ዘይብሉን ብሕጊ ዘይግዛእን ጉጅለ ህግደፍ፡ እታ ካብ ዝፍጠር ምስኡ ዝዓበየትን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ፡ ኣተኩሮ ህዝቢ ንምስሓብን ንምድንጋርን፡ ሓቂ ንምሕባእ፡ ሰላም ንምዝራግ፡ ሰባት ንምስላይን ንምእሳርን ዝጥቀመላ ዝዓበየት መሳርሒት፡ ባዶ ሰለስተ(03) ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝጥቀመሉ መናውራ፡ “ኢሳያስ ሞይቱ -ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ወጻኢ ይሕከም ኣሎ” ዝብል ወረ ክናፈስ ቀንዩ። እቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ ክስደዱ ዝተገደዱ፡ ሰብኣዊ መሰሎም ዝተጋህሱን ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉን ኤርትራውያን፡ “ሕሰምና ከብቅዕ እዚ ቁራጽ ሰይጣን ኢሳያስ ይጥፍኣልና፡ ሕማሙ መንጣሊቱ ትኹን” ኢሎም ክምነዩ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ እቶም “ህግደፍ ወይ ሞት” ኢሎም ኣብ ዘይረብሕሉ ዳስ ዝስዕስዑ ገለ ዜጋታት ድማ፡ “ሃገር ጠፊኣ፡ ብዘይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣይክንህሉን ኢና” ኢሎም ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወን ሞትን መላኺ ኢሳያስ ዘተኣሳስርዎን ብፍርሒ ዝተዋሕጡን ኣይተሳእኑን።

እቲ ሓቂ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ህላወ መንግስቲ ካብ ዝበንን ካብ ዝበኩርን ዓመታት ሓሊፉ’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ባይቶ፡ ባጀት፡ ፈጻሚ፡ ሓጋጊ፡ ፈራዲ ልዕልና ሕጊ ዝብሃል መባእታውን መሰረታውን ኣቃውማን ግብራዊ ኣሰራርሓን የለን። ኣብ ኤርትራ ከም ህላወ መንግስቲ ዝቁጸር እንተኾይኑ፡ እቲ ብሚኒስትሪ ዜናን ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ተዳልዩ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ፈይስቡክን (Facebook)ዝጋዋሕ ኣሰልቻዊ ዜናታትን መደባትን’ዩ። እቲ ንብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ንወጻእተኛታት ግር ዘብል ኩነታት ግን፡ ኤርትራውያን ብሓባር ብሓለንጊ ጉጅለ ህግደፍ እናተገረፍናን ንሞት ተፈሪድናን እንከለና፡ ስለምንታይ ገለና ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክጠፍኣልና ንብህግ ካልኦት ድማ ቀታሊ ሰብ ጋኔን ክነብረልና ንጽሊ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምሕላው፡ ንኤርትራውያን ውል-ቀሰባት ብረብሓ ከታልልን ክሽሕጥን ንዕዘብ ኣለና፡፡ እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ንሞትናን ጥፍኣትናን ከይደቀሰ ዝሓድር ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ድማ ኣብ ሰላምን ፍቅርን ክነብር ስለዘይክእል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን ንሓድሕዱ ከብድን ሕቆን ከምዝኸውን ዝፈርዶ ዘሎ፡፡

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ጽልኢ ዝነበሮም ካድራት ኢሰፓ ሞራል ህዝብና ንምውዳቅን ተስፋ ንምቁራጽን፡ “ዋላ ንሕና ተሳዒርና ዓድና ንኺድ ብድሕሬና ንነዊሕ ዓመታት ዘሳቅየኩም ፈንጂ ዘሪእናልኩም ክንከይድ ኢና” ይብሉ ነይሮም። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ገለ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዕረቶም፡ ኣብ ዝሕረስ መሬትን ጥሪትና ዝወፍራሉ መጋሃጫን ነተጉቲ ቀቢሮም ክኸዱ’ዮም” ዝብል ትርጉም ክህቡዎ እንከለው፡ ካልኦት ኤርትራውያን ድማ፡ “ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዕረቶም፡ ሰብ ዝቀትልን ኣካላትና ዘጉድልን ፈንጂ ዘይኮነ ኣብ መሬትና ቀቢሮሙልና ዝኸዱ፡ መቀጸልታ ናይቲ ሃገራዊ መንነትናን ክብርታትናን ንምኽላስ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ተንኮል፡ እቶም ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብዓመጽን ምፍርራሕን ዝተወልዱ ደቃሉ ሰላም ኣይህቡናን ኢዮም” ዝብል ስክፍታ ኣሕዲሮም። ኩናት ወያነን ህግደፍን ምስተወልዐ ድማ መራሕቲ ወያነ “ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለናን” ኢሎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰሎም ተጋሂሱን ንብረቶም ተዘሪፉን ካብ ኢትዮጵያ ክባረሩ እንከለዉ፡ ህግደፍ ድማ ብዙሓት ካብቶም ብገለ ክፋሎም ትውልዲ ኤርትራ ዝነበሮም ኢትዮጵያውያን ካብ ኤርትራ ሰጉጎም። በቲ መራሕቲ ወያነን ጉጅለ ህግደፍን ዝተኸተልዎ ኣዕናዊ ፖሊሲታት፡ እቲ ቁራስ እንጀራ ዘይረኸበ ጎረባብቲ ህዝቢ ኣብ መጋርያ ጽልኢ ኣተወ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ንመርዛም ዘመተ ጽልኢ ሰማዒ እዝኒ ክሳብ ዝረኸበ፡ ሓንሳብ ንመራሕቲ ክልል ትግራይ ካልእ እዋን ድማ ንምዕራባውያን ሃገራት ክውንጅል ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። እቲ ዝኸፍአ ተንኮላት ጉጅለ ህግደፍ ከኣ፡ ነቲ ስርዓታትን መንግስታትን ይሃልዉን ይሕለፉን፡ ወትሩ ዝቅጽል ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጡን ኣብ ጎረባብቱን ፈልሲ ቅርሕንትን ምጥርጣርን ይዘርእ ምህላዉ ኢዩ። ንኣብነት ብውልቀን ብመራሕትን ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ በደል፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ፈጸምቱ ብተናጸል ምውንጃልን ዝግባእ ጭብጥታት ምቅራብን፡ ንምሉእ ህዝቢ ትግራይ ምኽሳስን “ዓጋመን ጠላምን” ዝብል ጽዩፍ ቃላት ምጥቃምን ምንእኣስን ነውሪ’ዩ። እቶም ብባህላዊ ጉዳያትን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ጉጅለ ህግደፍ እናተመወልኩምን መደብ ስራሕ እናተዓደልኩምን፡ ኣንጻር ሞያኹምን መሳርሒ ፖለቲካን ትኾኑ ዘለኹም ስነጥበባውያን፡ ጎደና ጸልማት ትጓዓዙ ክምዘለኹም ኣስተውዕሉ። ጽባሕ መሬት ምስወግሐን ጉጅለ ህግደፍ ምስተጓሕፈን፡ ተግባርኩም ክኸሰኩምን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትሓፍሩን ኢኹም። መራሕትን መንግስታትን ሓለፍቲ ኢዮም፡ ነቶም ንዘልኣለም ብጉርብትናን ብምትሕብባርን ሓቢሮም ክነብሩ ዝደልዩ ተራ ኣህዛብ ግን ሰላም እምበር ሓዊ ኣይንዝራእ።

ሎሚ ኣብ ዘመን ኣምጽኦ መስኮት ማሕበራዊ መራኸቢታት(Social Media)ብምውጻእ፡ ዶብ ዝሓለፎን ተሓቲትካ ዘይትምልሶን ሰባት ምዝላፍ፡ ምጽላምን ብዘይ ቤት ፍርዲ ብገበን ምፍራጅን ልሙድ ኩይኑ’ሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብግርህና፡ ሞራል ህዝብና ባይታ ዘውድቅ፡ ዕድመ ጉጅለ ህግደፍ ዘናውሕ፡ ሓድነት ዘላሕልሕን ህዝቢ ንሓድሕዱ ዘናቁትን ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣናሰመኻ ምምንጫትን ወርቃዊ ግዜኻ ምብኻንን ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ነቲ ጸርፍን ሕሱርን ዝሕዝቶ ዘለዎ ዛዕባታት፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሳናቲም ንምርካብ “ሸር በልዎ” (Share) ምስማዕ ድማ ምዱብ ስራሕን ሞያን ተወሲዱ ኣሎ። ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ካብ መረበትና፡ ስድራቤትናን ናብራናን ምፍልላይና ከይኣክል፡ ካብ ቀንዲ ጉዳይና ርሒቅና፡ ግዜና ኣብ ክንዲ ንትምህርቲ፡ ንቁምነገር፡ ንስራሕን ነብስና ንምምዕባልን ንጥቀመሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰዓታትን መዓልታውን ድሙ ጸደፈት ኣንጭዋ ተዓንቀፈት ምባል ትርጎም የብሉን። ሰብ ኒሕ እንተኾይና፡ እቶም ብድሕሪት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገደፍናዮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዘክር። ሕልናና፡ ጉልበትናን ክእለትናን ነቲ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ስደት ብዘይ ዋና ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ፍንጫሕ መሰንገልና መስተርሆት ንምፍጣር የተኩር። ቀዳምነትና፡ ነቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤትን ኣትዩ ከም ቁንቁነ ገረብ ዘብርሰና ዘሎ መሓውር ጉጅለ ህግደፍ ንምብታኽ ይኹን። ኣብ ቅድሜና ክንዲ እምባ ተኺሎ ዝኸውን ኣባይና ጎሲና፡ ብኣውራጃ ሃይማኖት፡ ብደጋፊ ተቃዋሚ፡ ብጀብሃ ሻዕብያ፡ ብንሕናን ንስኹምን ኣይንባላዕ። ብፍላጥ ወይ ብኣርሒቅካ ዘይምሕሳብ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ንሕና ከይንሰምርን ከይንምዕብልን ኣብ ውሽጥና ዝዘርኦ ዘሎ ክርዳድ ዘርኢ፡ ሰራውር ክሰድድን ሓሊኹ ከይሕዘናን ንጠንቀቅን ንለብምን።

ሎሚ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሞይቱ ወይ ሓሚሙ ኣይኮነን ዝያዳ ከሕስበናን ከሻቅለናን ዝግባእ፡፡ ምህላው ክልተ ዓይነት ስለዝኾነ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሞይቱን ሓሚሙን እንከሎ’ዩ ብስንፍናና ንዓመታት ዝነብር፡ ብብድዐ ዝገዝኣናን ኣብ ማእገርና ተወጢሑ ሸሸ ዝብል ዘሎን። ኤርትራውያን ድቃስ ክኸልኣና ዘለዎ ኣመና ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ይገብር ኣሎ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ከም ሃገር ንኽንህሉ፡ መሰልናን መንነትናን ክኽበር ድሉዋት ዲና ክንምልሶን ንነብስና ክንሓታን ኣለና። ነስተውዕል ኤርትራውያን፡ ንጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንምጽናትናን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ጨናፍሩ ዘርጊሑ ዝፍጽሞ ዘሎ ነውራም ተግባራት ጥራይ ኣይኮናን ክንመዝኖ ዘለና። ዝዓበየ ክፋል ህላወ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሎሚ ወይ ጽባሕ ከብቅዕ ኢዩ። እቲ ብድሕሪኡ ኣብ ሕብረተሰብና ቀቢርዎ ዝኸይድ ነዊሕ ሰራውር ሽርሒ (Conspiracy)፡ ቅርሕንቲ፡ ምጥርጣርን ፍርሕን ግን ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብረብሓ ወይ ብግዴታ ኣብ ቅትለትን ስቃይን ኤርትራዊ፡ ዝምታ ንብረትን ካልእ እከይ ተግባራትን ዝተቆማጥዐ ሰብ ብዙሕ’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መትንታት ደምናን ሰራውር ልብናን ዝዘርኦ ጽልኢ፡ ብመድረኽ ዕርቂ፡ ይቅረ ምባልን ንቅድሚት ምጥማትን እንተዘይተፈቲሑ ድማ፡ ኣፍካ ዝሃበካን ብዘይ ዳኛን፡ “እገለ ንእገለ ቀቲሉ፡ ኣሲሩ፡ ንብረት ዘሪፉ” ምባል ንህውከትን ንጥፍኣትን ዝዕድም እምበር ንልምዓትን ስኒትን በሪ ዝኸፍት ኣይኮነን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 20 ሚያዝያ 2020

yakobe@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde April 21, 2020

    ((ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብረብሓ ወይ ብግዴታ ኣብ ቅትለትን ስቃይን ኤርትራዊ፡ ዝምታ ንብረትን ካልእ እከይ ተግባራትን ዝተቆማጥዐ ሰብ ብዙሕ’ዩ።)) >>>indeed,either you are a victim or the perpetrator or you know one of both, that’s how HGDEF fixed the society so that he can ride the wave unchallenged. Tsilal answered the solution articulately,unshackle yourself from this toxic social and mental fix and your enemy will be stark naked in front of you. ((በቲ መራሕቲ ወያነን ጉጅለ ህግደፍን ዝተኸተልዎ ኣዕናዊ ፖሊሲታት፡ እቲ ቁራስ እንጀራ ዘይረኸበ ጎረባብቲ ህዝቢ ኣብ መጋርያ ጽልኢ ኣተወ።))…any questions? keep it coming Tsilal.

  • Zeregabir Teaghes April 21, 2020

    You put your article the exact way. To your attention those outside Eritrea are almost are relatives of these maphia group leaders in Eritrea.
    Take Yemane Ghebreab, his brothers and sisters are 37. Ato Ghebreab had 36 children which 5 are from mom Ghebriela. Mom Ghebriela had 7 children, the first and second children are from an Ethiopian.
    All Yemane’ brothers and sisters are all outside of Eritrea. And the others the same who are members of 03.

  • Woldegabriel April 22, 2020

    Dear Tsilal.
    What distinguishes real politicians and thinkers from other normal people is their knack to plan ahead and prepare for future scenarios. Consolidating our unity and cleansing petty differences, if they are differences at all, is a primary task that every Eritrean should talk with himself. I really appreciate your determination.

POST A COMMENT