Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ኣእምሮና ኣደቂስና ብኣእምሮ ካልኦት ኣይንሃውትት

ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታና ክህልወና፡ ክንሕፈር፡ ስደት ከብቅዕን ኣብ ገዛእ መሬትና ብኽብረት ክንነብርን እንተኾይና፡ ኣብ ቅድሜና ሓንቲ ጉዳይ ኢያ ትጽበየናን ተገቲራን ዘላ። ንሳ ድማ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍልልያትናን ውልቃዊ ኣተሓሳስባናን ወንዚፍና፡ ብዛዕባ’ታ ናይ ሓባር ኤርትራ

ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታና ክህልወና፡ ክንሕፈር፡ ስደት ከብቅዕን ኣብ ገዛእ መሬትና ብኽብረት ክንነብርን እንተኾይና፡ ኣብ ቅድሜና ሓንቲ ጉዳይ ኢያ ትጽበየናን ተገቲራን ዘላ። ንሳ ድማ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍልልያትናን ውልቃዊ ኣተሓሳስባናን ወንዚፍና፡ ብዛዕባ’ታ ናይ ሓባር ኤርትራ ምሕሳብ፡ ተጠርኒፍካን ልብኻ ተዋሃሂብካን ምስራሕ፡ ነቲ ጠንቂ ሕሰም፡ ድኽነትን ድፍረትን ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ጭፍርኡን ኣሊኻ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ፍትሓዊ ስርዓት ምትካል’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ እንተተተመስሪቱ፡ ብህዝቢ ዝተመርጹን ዝተወከሉን ሓገግቲ ኣካላት እንተሃልዮምን፡ ብኢደ ዋኒኑ ሃገርን ሃብትን ዝልውጥን ዕድል ህዝቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ኣካል ቦታ የብሉን።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ታምራት ነገራ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ፡ ሕልምታት ኢትዮጵያን ክድዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስን ኣመልኪቱ ብዙሕ ትንታነ ሂቡ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ድማ ብሰንካም መግለጺታት ታምራት ነገራ ስለዘቆጥዓናን ስለዘስደመመናን፡ ዘሊፍናዮ፡ ሑሕ ኢልናዮን ወጊዝናዮን። ገሌና ድማ ጋዜጠኛ ታምራት ሓቂ ስለዘቃልዐ ሞጉስናዮን እንጀራ ዓለም ብላዕ ኢልናዮን። ብርግጽ ኤርትራውያን፡ ስም ሃገርና፡ ታሪኽናን ንናጽነትና ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ክመራሳሕ እንከሎን ብስቅታ ክንሓልፎ ሓጥያት’ዩ። ንምንታይ’ሲ፡ ናጽነትና ንምጭባጥን ንምርግጋጽ ሰብኣዊ ክብርናን፡ ሕልፊ ሰብና ከቢድ መስዋእቲ ስለዝኸፈልናን ስለዝተሳቀናን፡ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ፡ ሩፍታ፡ ብልጽግናን ሰላምን ይግባኣና ኢዩ።

 

ትንታነታት ታምራት ነገራ፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ እንፈልጦ ሓቅታት ብንጹር ቃላት ስለዝደገመልናን ብፍላይ ነቶም ብጥልመት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክሳብ ሎሚ ከይኣመኑ ኣብ ጥርጣረ ዘለዉ ሒደት ምስ ትንፋሶም ዝተቀብሩ ኤርትራውያን ስለዘረጋግጸሎምን፡ ዘረባኡ ሃለውለው’ዩ ኢልካ ክትክሕዶን ጠፋእና ኢልካ ክትርዕድን ሚዛናዊ ኣይኮነን። ጋዜጠኛ ታምራት፡ ይተግበር ኣይተግበር፡ ሕጋዊ ድዩ ሕልሚ፡ ብዙሕ ሓቅታት ሓቢሩና ኣሎ። እስከ ንሕሰብ ኤርትራውያን፡  ሒቅታን ምምቡሃቕን ጋዜጠኛ ታምራት፡ ናይ ተራ ሰብ ዘረባን መርገጽን ኢዩ ኢልና ዕሽሽ ንበሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዓሰብ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን መሰል ኣለዋ፡ ዓለም ባሪኹልና ኢዩ” ኢሉ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ብሓይሊ ግብራዊ ስጉምቲ እንተዝወስድ፡ እንታይ ምገበርና? እቲ ሓቂ ይዛረብ ስለዘለኹ “ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ኣይትበሉኒ፡፡ ብዘይካ ንገዛእ ርእስና ምውንጃል ንኻልእ ሓላፍነት ምስካም ንስንፍናና ጥራይ ኢና ንሓብእ ዘለና።

 

እቲ ዘሕዝን ጉዳይን ከም ስንፍና ዝቁጸርን ግን፡ ትንታነ ጋዜጠኛ ታምራት ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትናን ኣብ ባይታ ዘሎ ውዱዕ ኩነታትን ኣተኩርና ንጸገማትና ፍታሕ ነናዲ፡ ኣብ ጓል መንገድን ምስ ዝነፈሰ  ንፋስ ምህውታትናን ኢዩ። ከምቲ “ወደን ገዲፈንሲ ሰይቲ ወደን ይሓንቃ” ዝብሃል፡ ልዕሊ መግለጺታት ጋዜጠኛ ታምራት፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ህዝቢ ኤርትራ መንነቱን ልኡላውነቱን ንምሻጥን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ፖለቲካዊ ሽርሙጥናን ኮሸምሸምን ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁልና ክንሱ፡ ስለምንታይ ኢና ኣብቲ “ኢትዮጵያ ብዘይ ወደብ ኣይትነብርንያ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ኣይትፍለን’ያ” ዝብልን ካልእ ዛዕባታትን ሕዱር ሕማም ናይ ገለ ኢትጵያውያን ኣርእስቲ፡ ግዜና ነጥፍእን ነተኩርን? ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ገበን፡ ሰሚርና ዘይንምክቶን ዋናታት ዕድልናን መጽኢናን ንሕና ዘይንኸውን?

 

“ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ” ከምዝብሃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንቀዳማይ ሚኒተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ከም ወዳኢ ጉዳይ ኤርትራ ሽመት ድሕሪ ምሃቡ፡ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ንመሰሉ ኣንጻር ጎበጣ ኢትዮጵያ ዝተቃለሰ ህዝቢ ኤርትራ ክሒዱ፡ “ትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ’ዩ” ምባሉ፡ ደምናን ኣዕጽምትናን  ኣብ መሬትና ተኸስኪሱን ብሰንኪ ኩናት ንድሕሪት ተሪፍናን ክንስና “ኣይከሰርናን” ኢሉ ብታሕጓስ ኣፍልቡ እናሃረመ ምምዳሩ፡ ሱር ዘለዎ ዘረባ እምበር ንጸወታ‘ኳ ኣይኮነን። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ እቶም ልኡላውነት ኤርትራ ዘረጋገጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክድርበዩን ክስደዱን እናቀሰበ፡ ነቶም ንዓመታት ደም ዘንብዑና ዝነበሩ ጥሮታ ዝወጹ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ክኸፍቱ ምፍቃዱ ምስሰማዕና ስለምንታይ ኢና ሸለል ኢልናዮ። እቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ ጥሮታኛታት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ “ንረብሓ ሃገርና ኣብ መሬት ኤርትራ መስዋእቲ ስለዝኸፈልና ሞያናን ውዕለትናን ይረጋገጸልና” ኢሎም ኣብታ ህዝባ ናብ ስደት እናጸነተ ዳግማይ ኣእጋሮም ከንብሩ ምቃድ ምሃብ እኮ፡ ክስልዩ፡ ንዕሱብ ኢሳያስ ክሕልዉን ቀስ ብቀስ ኤርትራ ንምቁጽጻር ምዃኑ ኣይተሰቆረናን ድዩ?

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ቀዳማይ ጸላኢ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት፡ ዘድፍርን ግዳይ ስደት ገይሩ ዘሎ፡ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ምዕራባውያን ሃገራት ኣይኮኑን። ኤርትራውን ኣብ ክንዲ  ንሕማም መርዘን ህዝቢ ኤርትራ መድሃኒት ኣብ ምርካብ ሓቢርና ንቃለስ፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ድሌቱ ክገብር ብስቅታ ክሕለፍ ዕድል ስለዝሃብናዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ እናተቀተልናን እናተኣሰርናን ንብረትና እናተዘምትን ስለዝለመስናን ቤትና ገዲፍና ናብ ስደት ስለዘምራሕናን፡ ብኢትዮጵያውያን ዋጋ ከምዘይብልናን ንመሰልና ጠጠው ከምዘይንብልን ኣገሚቱና። ጋዜጠኛ ታምራት፡ “ኤርትራውያን ንመሰልኩም ተላዓሉ፡ ኣይትረብሑን ኢኹም፡ በቲ መንግስትና ትብልዎ ህግደፍ ተኣሊምልኩም ዘሎ ተንኮል ኣስተውዕሉሉ” ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ሎሚ፡ እታ ርኢና ኣብ ሓጺር እዋን ዝሰኣናያ፡ ሃሊና ዘይንቅመጠላ ሞይትና ዘይንቅበረላ ኤርትራ፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ማይዶ ጸባ ኣቢልና ብመስዋእትናን ጽንዓትናን ዝረኸብናያ እምበር ብድንጋጸ ዝተተኹበልና ማና ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን፡ መግለጺታት ታምራት እንታይነቶም ስለዘቃልዖም ዕሱብ ወያነ ኢሎም ከነኣእስዎን ዘይመልክዑ ክህብዎን ባህርያዊ ኢዩ። ጋዜጠኛ ታምራት ነቲ  ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት ኣመልኪቱ ንኢሳያስ በዓል ውዕለትና ኢዮ ክብሎ እንከሎ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ድማ  ነቲ ኢሳያስ ክዓብጦን ክኣምኖን ዝደሊ ሓቅታት ኣብ ቅርዓት ስለዘውጽኦ የቀንየልና ክንብሎ ኣለና። ብኻልእ ወገን ጋዜጠኛ ታምራትን መሰልቱን፡ ብዛዕባ ዓባይ ኢትዮጵያን ብዙሕ ክሓልሙን ኣካኪ ዘራፍ ክብሉን ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ሓይሊ ስለዘለካን ዘራያት ኣሚንካን ዘይናትካ ንብረትን መሬትን ክትግብት ምህቃን፡ ውጽኢቱ ዕንወትን ሞትን ምዃኑ ዝዝንግዕዎ ኣይመስለንን። እታ ንብረት እንዳማትካ ክትምንጥል እትውልዓ ሓዊ ንዓኻ’ውን ክትልብልበካ ምዃና ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ 21 ክፍለ ዘመን፡ ብምክብባርን ምትሕግጋዝን ጥራሕ ኢኻ ክትምዕብልን ሃገር ክትሃንጽን ትኽእል።

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ኤርትራውያን ነብስናን ድኻምናን ፈቲሽና፡ ናይ ዓለምናን ከባቢናን ፖለቲካዊ ኣካይዳ ብዝግባእ ክንግንዘብን ምስ ክውንነት ክንጓዓዝን ግዴታ እምበር ምርጫ ኣይኮነን። በዚ እንጓዓዞ ዘለና፡ ኣሽምባይዶ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ይኹን ቁጠባዊ ሃብቲ ትተዓጻጸፈና፡ ብደረጃ ኣፍሪቃን ዓለምን ልዑል ተፈላጥነት ዘለዋ ዓባይ ሃገር፡ ብሓንቲ ድኽምቲ ሃገር፡ ውሑድ ህዝቢ፡ ትሑት ወተሃደራዊ ዓቅሚ ዘለዋ ሃገር ክንድፈር፡ ባህልናን መንነትናን ክጅላሕ ከምዝኽእል ክንፈልጦ ኣለና። ብሓጺሩ ዝወደቀ ገረብ ምሳር ይበዝሖ ወይ ዝኣረገ ኣንበሳ መጻወቲ ወኻሩ ኢና ክንከውን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን፡ ንኤርትራ ብልቢ ንፈትዋ እንተኾይና፡ ሕድሪ ስውኣትና ምጥላም ዘይወጽእ ጣዕሳ ከምዝኾነን ብመጻኢ ወለዶና ንሓስብን እንተኾይናን፡ ተቃዋማይ ደጋፋይ ደላይ ፍትሒ ዝብሉ ቋንቋታት ቀዳምነትና ክኸውን የብሉን። ቅድሚ ዝኣገረ፡ ካብ ጎባልል ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከብድን ሕቆን ምዃን ኣቋሪጽና ህላወና ከነረጋግጽ ኣለና። ግዜ ገዲፉና ይኸይድን ኣብ ከባቢና በብግዚኡ ሓደስቲ ምዕባለታት ይኽሰትን ኣሎ። ኣብ ክንዲ “ጸርፊሞ ዝገደፍና የብልናን እንተ እተን ኣሓ ግን ተዘሚተን ኢየን” ንብል፡ ሕልምታት ውልቀመላኺ ኢሳያስን ኣጆኻ ዝብልዎን ክንቆጽዮ ኣለና። ሕጂ’ውን ኤርትራውያን፡ ኣእምሮና ኣደቂስናን ካብ ክውንነት እናሃደምናን ብኣእምሮ ካልኦት ኣይንሃውትት፡፡ ካብ ዘረባ ሓሊፍና ንጠርነፍ፡ ነቲ ንጓናን ንበላዒን ዝህበና ዘሎ ስርዓት ኢሳያስን ስዓብቱን ብዘሕምሞ ኣገባብ ወጊድ ንበሎም። ምቁዛም፡ ዓሕ ምባልን ህግደፍ ኣእዳውና ኣጣሚርና ብእግዚኣብሄር ክጠፍኣልና ምጽባይ ፍታሕ ኣይኮነን። መሰልናን መንነትና ንሕና ጥራይ ኢና ተቃሊስና ከነረጋጾ ንኽእል። ንሕና ኢና ተሰከምቲ ሕሰምን ግዳይ ስርዓት ህግደፍን ኮይና ዘለና። እቲ እንኮ ምርጫን ፍታሕን፡ ካብ 70 ዓመት በጊዕ ሓንቲ መዓልቲ ኣንበሳ ምዃን ኢዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 9 ጥሪ 2020

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • k.tewolde January 9, 2020

    “ብሓጺሩ ዝወደቀ ገረብ ምሳር ይበዝሖ ወይ ዝኣረገ ኣንበሳ መጻወቲ ወኻሩ ኢና ክንከውን።” Indeed, that’s where we are today,how did we get here,it should be crystal clear to all of us,unless we are reading the script up side down.Enough (Yiakil) blaming the impostor,he (the vector) handed us a gun and we have been playing Russian roulette on ourselves ever since,if a crime scene investigator dusts off both our hands and the tyrants,our hands will be positive for gun powder residue instead of his,nobody f#$@! you unless you let them.the vector is saying what he is saying because we handed him the microphone,because we nurtured his longevity,prolonged his shelf life,he replenishes his free testosterone by siphoning our young>>>>>>Tsilal great timely article as usual however majority of the audience is in refractory mode …example, the youth which was supposed to challenge the brutal regime back home is being chased and bitten by police dogs in Holland a host nation who gave them a save haven…I can go on..we need repentance,we need a deep introspection,we need revival of the conscience,we need 40 days and 40 nights of fasting and prayers in solace…we need……we need whatever it takes to restore the original and authentic Eritrean mettle and national consciousness our fathers instilled in us and through that abstract weapon only we can defeat all our enemies,the vector stole that weapon from us the day he scribbled his infamous manifesto way back.

    • rezen January 22, 2020

      A gem of an advice >>>: ” restore the original and authentic Eritrean mettle and national consciousness our fathers instilled in us” by k.tewolde.

      Sadly, or tragically, or mysteriously It seems to be a monumental task that fractured groups totaling 80 – 90 (presumably for the SAME objective) do not seem to be on the same wavelength. Still, the advice is worth it — one never knows. HOPE. .

  • Woldegabriel January 10, 2020

    Dear Tsilal,
    This is so far the best analysis I read about the so-called Ethiopian journalist. Frankly, I cannot be sure why I didn’t have the patience to listen to the whole diatribe. May be I was either so angry or there was nothing new that I don’t know. (I grew up in Ethiopia and I very well know that mentality). Some people were very furious and responded to him emotionally. No one blames them and they have all the rights to be. But as you accurately put it, we should be angrier with ourselves because for over 27 yrs isayas has been insulting, abusing, destroying and pissing on us and yet we were unable to deal with him. One thing is sure. The imposter clearly knows how the final chapter of his history is going to be concluded. He has been watching this bitter playback in Adihalo for sometime. Notwithstanding this fact, it is imperative that the YEAKEL movement realizes sooner that it is a popular movement OWNED by the people of Eritrea. Any divergence otherwise should be corrected immediately. In any political discourse failure to understand the dynamics of a society is a fatal error.

  • Hdrisuehalalmariet January 17, 2020

    We must not be desperate any more, now that consensus among majority of Eritrean has been steadily rising on the real identity and motive of the impostor isaias afewerk and his cabals.

    However, there is another ,no less worrisome , matter which our recent upsurge of consciousness has not given due consideration; that is the polarizing and divisive role woyane has been deliberating playing among Eritreans for twentysome years , wearing deceptive mask of impostor isaias afewerk’s arch enemy and a friend of Eritrean Sovereignty. The Truth is, what we Eritrean have been going through……..the handing over of Badme to woyane in 1985,the 1998 war, the No War No Peace, the woyane’s renegation on the Final and Binding decision of EEBC etc……….had been the result of prior agreement between the impostor isaias afewerk and woyane leadership in order to bring about the demise of Eritrea in a protracted and agonizing death process. It is about time, therefore, Woyane must be recognized as the impostor isaias afewerk’s main flank in our seemingly unending saga of pain.

    No doubt, the victorios EPLFS brought with them a cancer that is eating away Eritrea and it’s people but also erected a strong pillar that will frustrate the enemies from within and without and afford a golden opportuniy for those of us who have been conned by the infamous artistry of libi tigrai to wake up from our slumber. This pillar is the the product of the 1993 National Referendum,the Eritrean Sovereignty, which Tamrat and his likes cannot mess with easily howevermuch they hypersalivate.

    But remember, the deep worry of Tamrat and his likes is the bleak future of Ethiopia, which, in all likelihood, will soon meet the fate of Yugoslavia.. They are attempting to distract the inevitable process of disintegration and thereby vainly hope to stop by bringing in Eritrean issue.. The hoopla of Greater Horn of Africa, the impostor isaias afewerk and Abyi , are promoting is also another plot geared with that end in sight but of course all in vain. The disintegration of Ethiopia is inevitable. No Oromo is interested to preserve the country his slave-masters created.

POST A COMMENT